Main Menu

ሃገር

 ሃገር


ህዝሃገርን ህብን  ንምድሓን፣ ኢለን ጽውዒት ዝገበራ ኣደታት፣ቁኑዑን ሉዑሉን ራኢ፣ብጉቡእ-ዶ ተገንዚብናዮ ንኸውን፡ እንታይ እዩ ንሓንቲ ሃገር፣ሃገር ከብላ ዝኽእል፣ዝብል ኣርእስቲ ብ- 11 /ሕዳር/1882 ኣብ ሶርቦና(ፈረንሳ) ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ታላዒሉ ተዘትይሉስ፣ስጋብ እዛ እዋን እዚኣ፣ ነቲ ሽዑ ዝተዋህበ መልሲ ዘፍርስ እኳ እንተዘይ-ተርኽበ፡ክም ፍልስፍናን ስነሓሳብን ግን መምስ እዋኑን መድርኹን ብምምዛን መዛተይን መካትዕን ኮይኑ፤ፖለቲካዊ ውሳነን ስጉምትታት እና ተወስደ፡ኣብ ዓለምና ዘለዋ ሃገራት፣ንዕአን ዘካይድ ስርዓታት ዝውስና፣ ኣብ ርእሲ ምኽዋነን፣እቶም ሰብ መዚ/ምልኪ ዝሓዙ፣መስርሕ ስልጣኖም ንምዕባይ ህርድግ ክብሉ ከለዉ፤ ዝተፈልዩ ሰባት ክኣ ድላበ ሃብቲ ዝረኽብሉ፣ዝጥቀምሉ መስርሕ ፖለቲካዊ መዳያት ብምስናድ፣እዛ ኣብዘይዓርፍ ህውከትን ዘይተማጣጠነ ናብራ ሂወት ደቂሰባት ዝነብሩላ፣ዓለምና ኢና እንነብር ዞሎና።
ኣፈ ታሪኽ ከም ዝገልጾ ደቂ ሰባት፣ከም ሰበኸ-ሳግም ንመንበሪኦም ዝኸዉን ንምምእራር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይንቃሳቐሱ ከም ዝነበሩ ኣጽናዕቲ  ስነ-ጥንታዊ/ኣርኪዮሎጂስቲ፣ስነ-ሰበኛ/ኣንትሮፖሎጅኛውያን፣ ብዝገብርዎ ቀጻሊ መጽናዕቲታት ይምህሩና እዮም፡፡
ኣብ ዑሉብ ቦታ ኮንካ ናብራኻ ንምጥጣሕን ኣብኡ ኮንካ ንኽትነብረሉ ዘኽእለካ መግቢ፡መዕቆቢኻን እተጽለሉ ባዓቲ፣ ባዕልኻ እትሰርሖ ኣጉዶ መሳሊ ብምህናጽ፣ ተኣኪብካ ብምንባር፣ እዚ ሎሚ ቁሸት-ዓዲ ኢልና እንጽውዖ ሓቢሮም ክነብሩን ካብ ዝኾነ ዓይነት ተጻባእቲ ንምክልኻል ሓበራዊ ሂወትን ምትሕግጋዝ ብምዝውታር ናይ መፈለምታ ታሪኽ ምክልኻል ተጻብኦታትን ናተይ ትብሎ መሬት ክህልወካ እትድርተሉ፡ዝተጀመረሉ ምዃኑ እዉን ናይ ማሕበረሰብ(sociology) ከምኡ ስነ-ሰብ/ኣንትሮፖሎፖሎጂ ዘጽንዑ ኣካላት ኮታ ኩሎም ምዕባለ ደቂ ሰባት ዝማራመሩ ዝምህርዎ መኣዲ ፍልጠት እዩ።
እዚ ኣርእስቲ’ዚ ክልዓል ዝተደልየ እቲ ልዑል ሓሳብ ተበግሶ ኣዴታት፡ንቅሎ ኣደታት ንምድሓን ሃገርን ህዝብን ዞባ ኤውሮጳ ስጋብ ክንደይ ዓቢ ዓሚቑን ምዃኑ ንርድኦ-ዶ ንኸዉን??
እዛ ነፍቅራን ምእንትኣ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልናላ ሃገር፣ ክትጽውዓና ከላ እቲ ዘድሊ መልሲ ንህባዶ ኣሎና?? ስጋብ እዛ እዋን ኢዚኣ፣ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ሓቢሩ ዝቃለሰሉ ባይታ፡መደበ ስርሓት፡ንዕኡ ዝገዝእ ህንጻ ሕጊ ሰኒዱ፣ከካይድዎ ዝኽእሉን ሓላፍነት ዝስከሙን ብደሞክራስያዊ ኣጋባብ ክንመርጽ ዘይምኽኣልና እንታይ እዩ እቲ ጸገም??
ነዚኦምን ከምኦም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ንኽምለስን፣ናይ ሓባር ጽላል ንምብጻሕ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኣወንታዊ መልሲ መእንቲ ክርከብ’ዩ መንቀሊ ጽሑፍናን፣ትልሚ ንቕሎ ኣደታት ንምድሓን ሃገርን ህዝብን ዞ.ኤ ተበጊሱ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ዘሎ.፡፡ንምርድኡ እስኪ(ኩላትና ኣብ ወጻኢ ካብ ኤርትራ እንርከብ፡ብሓብር ኣብ ሕልሚ ንስጠም’ሞ፡ኣብ ኤርትራ ሃገርና ንኺድ፤ ማይ ይወቅዕ፡ጽሕዩ ንፋስ ክንወስድ ደገ ወጺእና ንዛወር፡ኣብ ጽፍሒ ጫማና ጭቃ ንርአ፣ እዚ ጭቃ እቲ ገና ዘይነቐጸ ደም ስዋኣትና/ሱንኩላትና፣ድምጹ ብምስማዕ፣ባዕዳዊ ገዛኢ ካብ ሀገር ክባረር፣ንደቂ ሃገር ክኣ ብፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ክነብሩ ኢየ ዝፈሰስኩ ክብል፣እታ ጸብሪ መሪት ክኣ፣ኣነ ሃገርካ እየ ኣ\ሕሊፍካ ኣይተውህበኒ ክትብል ከላ፤ ገለ ተሪር ድንኩል ዝዕንቅፍ ክኣ ዝተኾመረ ኣዕጽምታት ኮይኑ ብወገኑ ንሕና ንዓኻ ሃገርካ ክትሕሉን ዶቦታትካ ተነጺሩ/ተሓንጺጹ፣ ከም ልእልቲ-ሃገር ምስ ጎራባብታ ብምክብባርን ሰላምን ክትነብር ዝብል ድምጺ ኾይኑ-ዶ ኣይስም-ዓናን??) ካብ ሕልምና እሞ ንባራባር ሃገርና ኣብ ትጠፍኣሉ ህዝብና ዝጸንተሉ ዘሎ እዋን ሓቢርና ክንቃለስ ግደታና እዩ፡፡
ነዚ ኢለን እየን ን.ኣ.ን.ሃ.ህ.ዞ.ኤ.፣ብዘይ ውዓል ሕደር፣ነዛ ኣብ ሓደጋ ትወድቕ ዘላ ፍቕርቲ ሃገርና ንምድሓን ተጠርኒፍና ንኹላትና ዘስርሕ መደበ ዕዮን ንዕኡ ዝገዝኣተ ሕግን ሚዛናቱ ዝሓዘ ኣጋባብ ዝካየድ ብምኽታል፡ ተበጊሰንስ ድሮ ፈላማዊ ዋዕላ ፍራንክፎርት ተኻይዱ ካብኡ ዝተመደቡ ሽማግለ-ምውህሃድ ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ዘለዉ፡፡
እዞም ድሮ ተበጊሶም፣ንህዝብና ንምብጻሕ ኩሉ ዓይነት ምድያ፣መራኸቢ ብዙሃን እናተጠቕመ ኣብ ምጉስጓስን ተጠርኒፍካ ብምውዳብ፣ ምስተን ድሮ ተጠርኒፈን ክቃለሳ ዝጸንሓ ብውህሃድን መኣዲ ዘተ ብምኽፋት፣ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ፣ብሰራሕ ክትርጎም፣ ከይተሓለለ ዝጽውዕ ዞሎን ገና ብተዳጋጋሚ ክጽውዕ ምዃኑ ዝሕብርን ዘማሕጽን ዘሎ ኣቕልቦ ክግበረሉ መሉእ ተስፋ ኣለዎ።(ኣብ ምዕጻው እዚ መልእኽቲ ኣድራሻታት ከስፍር እዩ)።
ዝተላዕለ ኣረስቲ ንምንጻር፣ ሃገርን ነታ ንዕኣ ዘቖሙ ህዝብታት፡ከም መግለጺ፣እንታይ እዩ ንሓንቲ ሃገር/ሃገር ዘብላ ? እቲ መሰረታዊ መፍለጢ ሓንቲ ሃገር ዓልየት ወይ ቋንቋ ኣይኮነን፡፡ ደቂ ሰባት ኣብ ልቦም/ሕልንኦም ሓደ ህዝቢ ዘብሎም ናይ ሓባር ራኢ፣ጠቕሚ፣ፍቕሪ/ፍትወት፣ዝኽሪ፣ተስፋ፣ሓቢሩ ዘንብሮም ባህሪኮይኑ፣እቲ ብሓንሳብ ዘማልእዎ ጉዕዞ ታሪኽ እዩ ደቂ ሓንቲ ሃገር ከብሎም ዝኽእል።
ሃገር እታ እተፍቅራ ሃገር ብኸምዚ ዝቖመትን ንክትካላኸላ ድልው ምስ እትኸዉን፤ሓደ ካብቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱን ኣብ ዩንቨርሲቲ ሶርቦና 11 ሕዳር 1882 ዝተኻየደ ዓቢ ሰሚናር ዝተሰነደ ስነሓሳብ የብርሆ። እቲ ዝቐረበ መጽናዕቲ ሰፊሕን ብጣዕሚ ኣገዳሲን መሃርን ይኹን’ምበር ኣብዚ ሒዝናዮ ዞሎና ኣርእስቲ ተርጒምካ ከተቕርቦ ነዊሕን ግዜ ስለ ዝሓትት ንንበብቲ ዳህሲሶም ክረኽብዎን ከንብብዎን ይምሕጸን፡፡
ብሕጽር ዝበለ ጹማቕ ከቕርቦ ክፍትን እንሆ፡ ሓንቲ ሃገር ሂወት እያ.መንፈሳዊ ሂወት/መሰረት እያ።እዚ ክልቲኡ ዝጣማመርን ዘይፋላለ ኩነት’ዩ። እቲ ሓደ ሕሉፍ፡ እቲ ሓደ ከኣ ናይ’ቲ እትነብረሉ ግዜ እዋናዊ እዩ።
እቲ ሓደ ሃብታም ውርሻ ናይ ተዘክሮ ኮይኑ፣እቲ ኻልእ ናይ እዋኑ እተጥርዮ ስምምዕ/ርድያ፣ ብሓባር ንምንባር እትፈጥሮ ድልየት፣ንዝወረስካዮ ታሪኽ ክትትርጉሞን አጽኒዕካ ክትሕዞን እትወስዶ ስጉምቲ’ዩ ወሳኒ፡፡
ሓንቲ ሃገር ልክዕ ከም ሓደ ፍጡር ሰብ ክትዓብን ክትኩስኮስን ዘለዋ ኮይና እያ ክትዓኩኽ ዝግባኣ።ኣባ-ሓጎታትና ንሕና ክንከዉንን ክንሁሉን ገይሮም፡ዘውሮሱና ሃብታም ማሕበራዊ ርእሰ-ማል፣ሕሉፍ ጅግንነት/ተበጃይነት፣ ዓበይቲን/ብሉጻትን ደቂ ሃገር፣ክብሪ/ዓወት/ንያት፣እዚ እዩ ማሕበራዊ ርእሰ-ማል። ናይ ሓባር ክብርን/ዓወትን/ንያትን ምስ እትውንን ናይዚ እዋን’ዚ ድልየት ብሓንሳብ ምንባርን፣ሓቢርካ ዓበይቲ ግብርታት ስለ ዘማላእካ፣እንደገና’ዉን ንኽትገብር ቁሩብ ዝኾንካ እዚ እዩ’ቲ ርእሰ-ከርሲ ሓደ ህዝቢ ኸብለካ ዝኽእል።
እቲ እተፍቅሮ ብተማጣጠኒ/ተዳራራጊ እትኸፍሎ መስዋእቲ እተሕልፎ ስቓያትን’ዩ ከም ሓንቲ ገዛ ትሃነጻ ተውርሳ፡ # እቶም ዝነበርና ከሙኡ ኢና፣እቶም ዞሎና ከምቲ ዝነበርክምዎ ክንከዉን ኢና#በቲ ቀሊል ኣጋባብ መዝሙር/ማህሊት ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ/ሃገር ይብሃል።
እቲ ጹሑፍ ብዛዕባ ሃገርን ሃገር ከብለካ ዝኽእል ይቕጽል እኳ እንተኾነ ንምሕጻሩን ብመጠኑ በሪሁ ክኸዉን ትምኒት ነሕድር።
እምብኣርከስ  ተበግሶ ኣዴታት፡ን.ኣ.ሃ.ህ.ዞ.ኤ. ብቐሊል ዝርአ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ዜጋ ኤርትራዊ፣ ንፍትሕን ግዝኣተ ሕጊ ዝቃለስ ከም ናቱ ወሲዱ ከተርንዖን፣ነዚ ወርቃዊ ናይ ይኣክል ግዜ ብምጥቃም ብንጥፈት ክዋሳእ፣ ኣለኹ ኣነ ግደይ ክገብር ብምባል ምስተን ንስራሕ ተዋፊረን ዘለዋ ሓይሊ-ዕማምት ዝራኸበሉ ኣድራሻ ደጊምና ነቕርብ።
E-mail :- Niqlo. adetat@hotmail.com
Facebook:- Niqlo Adetat ni Dehent Hezbi
Twiter :- NAdetatt
ብድሓን ምጹ
ሓቢርና ንውልቀ መላኪ ካብ ስሩ ክብተኽ
ኣብ ቦቱኡ ፍትሕን ስርዓተ ሕግን ክትከል
ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ዓወትና ነቃላጥፍ
ብሓልዮት ዜናን ሓበረታን ን.ኣ.ን.ሃ.ህ.ዞ.ኤ.
ኣቕራቢ ፍትዊ ክፍለ






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *