Main Menu

ህዝቢ ኤርትራ እንደገና ከይትህመል፡ “እታ ዓርሲ ዓርሲ

ህዝቢ ኤርትራ እንደገና ከይትህመል፡ “እታ ዓርሲ ዓርሲ
ኢያ”
ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

ኢሳያስ፡ ብጸገምን ጸበባን ህዝቢ ኤርትራ ዝሕጎስ፡ ኣዝዩ ሕሱምን ጨካንን መላኺ (Sadistic Dictator) ስለዝኾነ፡ ንኤርትራ ካብ ሓደ ጎነጽ/ውግእ ናብ ካልእ ጎነጽ/ውግእ እንዳወሰደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓልፈ ዳርጋ ርብዒ ዘበን (25 ዓመታት)ንቡር ይኹን ቁሱን ሂወት ዝባሃል ከይራኣየ ኣብ ቀጻሊ ናይ ሕብረተ-ሰብ’ዊ ብትከት ጉዕዞ ከምዝነብር ኢዩ ዳሪግዎ። ሓንሳብ የመን መጻትካ፣ ሓንሳብ ሱዳን መጻትካ፣ ሓንሳብ ጂቡቲ መጻትካ፣ ብቀጻሊ ካኣ ኢትዮጵያ መጻትካ እንዳበለ፡ ህልውና ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ኣምሲሉ ብምምስማስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብቱ የህዛብ ኣብ ቀጻሊ ረጽምን፡ ካብ ጎረባብቱ ተንጺሉ ከምዝነብርን ኢዩ ክገብር ጸኒሑ። ኤርትራ፡ ብጸላእቲ ዝተኸበትን፡ ንህልውናኣ ዝጻብኡ ናይ ርሑቕን ቀረባን፡ ዓበይትን ናኣሽቱን ሓይልታት ከምዘለዉ ኣምሲሉ ብምጉስጓስ፡ ስነ-ልቦናን ኣእምሮን ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ህሞት ታኣሲሩ፡ ንቐጻሊ ፕሮፖጋንዳ ኢሳያስን ስርዓቱን ተገዛኢ ከምዝኸውን ተገይሩ። ምንጭን ዝርገሐን ሓበሬታት ሃገር ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽሩ ብምእታው፡ “ወግሐ-ጸብሐ፡ ጸላእትኻ መጹኻ” እንዳበለ፡ ህልውናን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ሓደጋ ከምዘሎ ኣምሲሉ ምስምስ ብምፍጣር፡ ኢሳያስ፡ ንህዝቢ እርትራ ኣታሊሉ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣእምርኡ ብምእሳር ጅሆ ሒጂዎ ክጸንሕ ኪኢሉ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ ካኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ባዲሙ፡ ኩሉ’ንተና ዕንወትን ብርሰትን ኣጋጢምዎ ይርከብ ኣሎ። ዲክታተራዊ ስርዓት ኢሳያስ ካኣ፡ ፈጺሙ ጠስጢሱን በኽቢኹን “ዝሓሰኸ ኣጉለ” ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቕጺሩ ኣሎ። ከምታ እታ ዝሓሰኸት ኣጉለ፡ ብማዕዶ ክትሪኣ ከለኻ፡ ጽብቕቲ ድራር ትኾነካ መግቢ ዝረኸብካ ዝመስለካ’ሞ፡ ቅርብ ኢልካ ክትምሕዋ ምስፈተንካ ሓሳኽ ምዃና ትፈልጥ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን ካኣ ልክዕ ከማኣ ኢዩ። ውሽጡ ቦኽባኽ ከንሱ፡ ቀጻሊ ጽዑቕ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ብምግባር ኢዩ ህላወ ዘለዎ መሲሉ ክረአ ዝፍትን። ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ዝጠስጠሰ ውሽጣዊ ሂወት ኢሳያስን ስርዓቱን ክርእዮን ክፈልጦን ኣይካኣለን ጸኒሑ። እቱይ ምንታይሲ፡ ከምቲ ልዕል ክብል ዝተገለጸ፡ ከም ህዝብን ከም ሃገርን፡ ንህልውንኡን ንቀጻልነቱን ዘንጸላሉ ሓደጋ ኣሎ ብዝብል ምስምስ፡ ኣእምርኡ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ሓደጋ ኣብ መእላይ ተኣሲሩ ስለዝጸንሐ፡ ብዛዕባ ካልእ ክሓስብን ክዓይን ኣይክእልን ስለዝነበር ኢዩ። ልክዕ ከምታ ዝሓሰከት ኣጉለ፡ ኣልዕል ምስ ኣበልካያ ሓሳኽ ምዃና ትፈልጣ’ሞ፡ ሰው ኣብልካ ትጉሕፋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካኣ፡ ኢሳያስ ምስ ስርዓቱ ዝጠስጠሰ ምዃኑ ኣብ ዝፈለጠሉ ጊዜ፡ ኣልዒሉ ክጉሕፎ ኢዩ። ከምኡ ምዃኑ’ውን ኢሳያስ ይፈልጥ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ’ውን፡ ውሽጣዊ ሂወቱ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከዊሉ ዝነብር ዝጸንሐን ሕጂ’ውን ዝፍትን ዘሎን። ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እንዳ ኣታለለ ኢዩ መላኺ ሰርዓቱ ዝመስሪተን ዘዕኸኾን ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣኑ ተኾይጡ ዘሎን። ቅድም ክጥቀመሎም ዝጸንሐን ሕጂ ዝጥቀመሎም ዘሎን ናይ መታለሊ ሜላታት፡ ብባህሪኦም ሓደ ዓይነት ኢዮም። ኩሎም፡ ኢሳያስ ንሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተጣባቓይን ተኸላኻላይን ከምዝኾነ፣ ኤርትራን ህዝባን ካኣ፡ ዘይበሊ ጽልኢ ዘለዎም ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን፡ ዓበይትን ሓያላትን ጸላእቲ ከምዘለዉዋ’ሞ፡ ብጀካ ኢሳያስ ዝካላኸለላ ካልእ ሓይሊ ከዘይለን ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ንኢሳያስ ደጊፉ ከምክት ከምዘለዎን፣ ወ.ዘ.ተ. ማእከል ዝገበሩ ኢዮም። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ፡ ከከም ኩነታቱ፡ እቶም ጸላእቲ ዝባሃሉ ሃገራትን የህዛብን ጥራሕ ኢዮም ዝለዋወጡ። ኤርትራ ጋና ካብ ናይ ሳላሳ ዓመታት ሓርነታዊ ውግኣት በሰላታት ከይሓወየት ከላ፡ ናይ ዶብ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ብመደብ ምውልዑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዳርጋ ንልዕሊ 20 ዓምታት (1997-2018፡ “ወያነ (ኢትዮጲያ) ክትጎብጠኻ ኢያ፣ ኣመሪካ ኣላ ብድሕሪ ኢትዮጵያ” እንዳ በለ፡ ኢሳያስ፡ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒጁ ግዳይ ሕሱምን ጨካንን መላኺ ስርዓቱ ክገብሮ ኪኢሉ’ውን ኢዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝፈልጦ
(ዘሕለፎን ዘሕልፎ ዘሎን ሂወት ስለዝኾነ)፡ ከም ሳዕቤን እዚ ካኣ ኣብ ኤርትራ ፍጹም ኩለንተናዊ ዕንወትን ሕብረተ- ሰብ’ዊ ብትከትን ኣጋጢሙን የጋጥም ኣሎን። ድሕሪ ኢዚ ኩሉ ብርሰትን ዕንወትን፡ ማለት፡ ኩሉ ዓቕማ ተጸንቂቑ፡ ኤርትራ ዳርጋ ጥርሓ ምስተረፈትን፡ ነቲ ቀንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ጀሆ መትሓዚ ኮይኑ ዝጸንሐ ናይ ዶብ ጉዳይ ዝምልከት ምንም ዝተገበረ ነገር ኣብ ዘይብሉ ጊዜን፡ ኢሳያስ፡ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣየገድሰንን ኢዩ እንዳበለ ካብ መፋርቕ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ወደኽደኽ ክብል ጸኒሑን ኣሎን። ድሕሪ እዚ ተርእዮ እዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ካብ ንጉሁኡ’ውን እንተኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ንመትሓዚ ኢሳያስ ዝተጠቕመሉ ምስምስ ጥራሕ ምንባሩ ክግንዘብ
ኪኢሉስ፡ ቃልሱ ኣንጻር ኢሳያስን ስርዓቱን ከዕዝዝ ጸኒሑን ኣሎን። ሕጂ፡ ህዝብ ኤርትራ፡ “ይኣክል” ብዝብል መጸዊዒ ስም ብዝፍለጥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እንዳ ተጠርነፈ፡ ቃልሱ ኣንጻር እቲ ቀንዲ ጸላኢ ህልውና ኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ኢሳያስን ስርዓቱን ቖሪጹ ተላዒሉ ኣሎ። በዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ገብረ-መልሲ ዝሰንበደ ኢሳያስ፡ ነተን ኣብ ዝሐለፈ ዓመት ዝፈረሳ ናይ መሕብኢ ባዓትታቱ፡ እንደገና ጸጊኑ ኣብአን ክሕባእ ፍሕጠርጠር ኢዩ ክብል ጸኒሑን ዘሎን። መጀመሪያ፡ ኢሳያስ፡ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ጣልቃ ብምእታው፡ መራሕቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ልዕክዕ ከም ጸላእቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ እቲ ዝተረፈ ክፋላት ኢትዮጵያን ካለኦት መራሕቲ ኢትዮጵያን ካኣ፡ ከም ፈተውቲ ኤርትራን ህዝባን ከምዝኾኑን፡ ገይሩ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክጉስጉስ ኢዩ ጸኒሑ። “ላምሲ፡ ብኢዳ ዝቐርባስ ብእግራ ትሓኽኽ” ከምዝባሃል ኢዩ ነገሩ ዶ ክንብል? ብዝኾነ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ንምትላል፡ “ወያነ፡ ንህልውናኻን ንቀጻልነትካን ሓደጋ ስለዝኮነ፡ ክትዋጋእ ተዳሎ” እንዳበሉ ክገብርዎ ዝጸንሑ ጎስጓሳት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ሕጂስ ዓሻኹም ዳኣ ኣናድዩ፡ ይኣኽለኩም” ኢሉ ስለዝነጸጎምን “ይኣክል” ኢሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ቃልሱ ከዕዝዝ ስለዝጀመረን፡ ናይ ምትላል መደቦም ኣይሰለጠን።
እቲ ኣንጻር ወያነ ዝቐንዐ ጎስጓሳት፡ ብመሰረቱ ጎባጥን ንማእከላይ መግስቲ ኢትዮጵያ ንምግልጋልን ተባሂሉ ዝተሃንደሰ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኢሳያስ፡ ሕጂ’ውን ከም ልማዱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ብምሓዝ ዝተረፈ ዓቕምታት ኤርትራ ኣባዲሙ፡ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ናይ ማሃብ መደቡ ነኸተግብር ዘኽእሎ ባይታ ንምጻፍ ዝዓለመ’ውን ኢዩ። ዋላ’ዃ፡ ኢሳያስ “ወያነ ኣኽቲሙ ኢዩ” ኢሉ ከም ልማዱ ክግዕር እንተፈተነ (ቅድሚ ሕጂ’ውን፡ ጥርሑ ጎረወይና፣ – — ጻሓይ ኣይትበርቕን ኢያ፣ ወ.ዘ.ተ. ክብል ሰሚዕና እንዲና)፡ ውያነ ከም ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ህያው ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኢሳያስ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምርካብ መደባቱ ከምቲ ዝደለዮ ንኸይስጉም ሓኒቑ ሒዝዎ ዘሎ ሓይሊ ኢዩ’ውን። ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ብፍላይ ካኣ ኣብ 1991፡ ነቲ ብመንግሲት ኣመሪካ ዝቀረበ፡ ንህግ፣ ኢህኣዴግን (ወያነ) ኦነግን ዘጠቃለለ ናይ ሓባር መንግስቲ ናይ ምቓም ውጥን፡ ኢሳያስ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቕበሎ ከሎ፡ መለስ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ስለዝተቃለስ፡ ህዝብ ኤርትራ ጥራሕ ኢዩ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን ዝግበኦ” ኢሉ ከምዝነጸጎ ዝዝከር ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ኢሳያስ ምስ ወያነ ጽልኢ ኣለዎ ኢልና ንሓስብ እንድሕር ዳኣ ኮይና፡ እቲ መሰረታዊ ምክንያት መባኣሲ፡ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ዝቕንዐ መደባቱ ንኸየተግብር፡ ወያነ ዕንቕፋት ኮይኑኒ ካብ ዝብል ዝብገስ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ኢሳያስ፡ ኤርትራ ዝሓወሰት ኢትዮጵያ ክገዝእ ንዝነበሮ ሕልምታት፡ ወያነ ኣበርዒኑለይ ዝብል ቅርሕንቲ ክህልዎ ዋላ’ዃ ባህሪያዊ ኢይ ክባሃል እንተተኻእለ፡ ካብ ምቕራብሲ፡ ንወያነ ዝቐርብ ኢሳያስ ኢዩ’ሞ፡ ኤርትራዊ ኣይትታሃመል፡ ኢሳያስ ናዓኻ እንዳባኣሰ፡ ውሽጡስ ምስ ኣቶም (ወያነ) ከምዝኸውን ኣይትስሓቶ ኢኻ። ኢሳያስን ስርዓቱን ኣብ ሰላም ክነብሩ ስለዘይክእሉ፡ ድሕሪ እዚ ኹሉ ፋሕጠርጠር፡ ሕጂ ካኣ ሓዱሽ ቅዲ ያኢ ተርኺቡለይ፡ ብሰንኪ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበርናዮ ሰላም፡ “ሱዳን፣ ቀጠር፣ ቱርኪ፣ ወ.ዘ.ተ.” ኮይነን ክጎጣኻ ይመጻ ኣለዋ ብዘስምዕ ኣጋባብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ህልውናኻ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ስለዘሎ ክትዋጋእ ተዳሎ ዝብል ጎስጓስ፡ ክገብሩ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ካኣ፡ እቲ ኢሳያስን ስርዓቱን ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ መትሓዚ ዝጥቀምሉ ዝተለምደ ሜላ ጥራሕ ኢዩ ዘይኮነስ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ብምጥምዛዝ፡ ነቶም ኢሳያስ ብምስጢር ምስ ኢትዮጵያ ክገብሮም ዝጸንሐ ንኤርትራ ዝጎድኡ ውዕላትን ስምምዓትን፡ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተቓውሞ ከይገጠሞ፡ መታን ከተግብሮም ዝዓለመ’ውን ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ህዝብ ኤርትራ፡ ነዚ ዝባሃሎ ዘሎ ሓዱሽ ስግኣት ፈሪሑ፡ እምባኣር ምስ ኢትዮጵያ ይሕሸና ብምባል፡ ነቲ እከይ ወዲት ኢሳያስ ሓንጎፋይ ኢሉ ንኽቕበሎ ዝተዋደድ መጻወድያ’ውን ኢዩ። እቶም ኩሎም ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ዝበሎምን ዝገበሮምን መደረታትን ተግባራትን ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ እኮላይ እቶም ብኢትዮጵያ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት’ውን (ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ይምስረት ኣሎ፣ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራውያን ናይ ኢትዮጵያ ዜግነት ዘውህብ ኣዋጅ ኣውጺኣ፣ ወደባት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ይኣትዋ ኣለዋ፣ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ንዝስርሑ መንገድታትን ካለኦት ትሕተ-ቅርጽታትን ብዝምልከት፡ ምስ ስልሳይ ሃገራት ውዕል ክትፈራረም ጸኒሓ ኣላ፣ ወ.ዘ.ተ.) እንተራኣና፡ እቶም ኢሳያስ ብሕቡእ ምስ ኢትዮጵያ ክገብሮም ዝጸንሐ ስምምዓት እንታይ ምዃኖ ንምግማት ዘጸግም ኣይኮነን – ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ዝዓለሙ ኢዮም። ህዝቢ ኤርትራ ካኣ፡ ነዚ ሓደገኛ ወስታታት ንምምካት፡ “ይኣክል” ኢሉ ቃልሱ አንጻር ኢሳያስን ስርዓቱን ከዕዝዝ ስለዝጀመረ፡ ኢሳያስ፡ ነዚ ንምብርዓን ይሕግዘኒ ኢዩ ዝበሎ ሜላ ክምህዝ ኢዩ ፈቲኑ።
ከምቲ ኣብ ጊዜ ናይ ዶብ ውግእ (1998-2000)፡ ኢሳያስ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ግንባር ዓሰብ ንኽስሕብ ትእዝዝ ዘመሓላለፈ፡ ሕጂ’ውን፡ “ናይ ሃይማኖት ጥርኑፋት” ብምዕራብ ይመጹዃ ኣለዉ ብዝብል ምስምስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ምብርቓዊ ግንባራት ከምዝሳሓብ ብምግባር፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዘይ ተቃውሞ ናብ ኤርትራ ከምዝኣቱ ኢዩ ክገብር ዝፍትን ዘሎ። ከምቲ ኣብ ጊዜ ናይ ዶብ ወግእ ዝገበሮ፡ ነቲ ናይ ምስሓብ ትእዛዝ ብምንጻግ ንዓሰብን ንኤርትራን ካብ ናይ ኢትዮጵያ ጎበጣ ዝተኸላኸለለን፡ ሕጂ’ውን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግንባር ምብራቕ ንኽሳሓብ ዝዋሃቦ ዝኾነ ይኹን ትእዛዝ ብምንጻግ፡ ንኤርትራ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ጎበጣ ክከላኸለላ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ካኣ፡ እቲ ብወገን ምዕራብ ሓዱሽ ስግኣት ይመጸካ ኣሎ እንዳተባህለ ዝንገሮ ዘሎ፡ ከምቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት “ኢትዮጵያ ክትመጸካ ኢያ፣ ዶብ ከይተሃንጸጸ፣ ወ.ዘ.ተ.) እንዳተባህለ ክንገሮ ምስጸንሐ፡ ኣብ መወዳእታ (ኩሉ ሃገራዊ ዓቕምታት ኤርትራ ብሰበቡ ምስተጸንቀቐ)፡ “ናይ ዶብ ጉዳይ ኣየገድሰናን ኢዩ፣ ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ኢዩ ዘገድሰና፣ ወ.ዘ.ተ.) ዝተባህሎ፡ ሕጂ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ንማሓዝ ዝተማህዘ እኩይ ሜላ ጥራሕ ኢዩ’ሞ ህዝቢ ኤርትራ ክነጽጎ ኣለዎ። ሕጂ’ውን፡ እታ “ዓርሲ ዓርሲ” ኢያ’ሞ፡ ህዝቢ እርትራ ኣይትታሃመል። እቲ ናይ ሓዋሩ ፍታሕ፡ ነቲ መላኺ ስርዓት ሲዒርካ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ህዝቢ፡ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ምትካል ስለዝኾነ፡ ኣንጻር ኢሳያስን ስርዓቱን ዝጀመርካዮ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብናህሪ ቀጽሎ። በዚ ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ እንዳናሃረ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን ተሰናቢዶም፡ ኩሉ ዓይነት ናይ መደናጋሪ ሜላታት ይጥቀሙ ስለዘለዉን ስለዝኾኑን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ እታ “ዓርሲ ምንም
እንተኾነ’ውን ዓርሲ” ምዃና ኣይትሰንግዕ ኢኻ። ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ዓርሲ እንዳልሓሱ ኩሉ ጊዜ ክሓልቡኻ ኢዮም ዝደልዩ’ሞ፡ ኣይትታሃመሎሎም ኢኻ። ዝኾነ ስርዓት ክገዝእ ዝኽእል፡ እንተስ ፈቲዩ እንተስ ብሓይልን ብዓመጽን፡ ሕራይ ኢሉ ዝግዛእ ህዝቢ እንተረኺቡ ጥራሕ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድካ ኢዩ ዘሎ። እምቢ ኣይግዛእን ምባል ጥራሕ ኢዩ ዘድልየካ። ክሳብ ሕጂ፡ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ንረብሓኻ ዝሰርሑ ዘለዉን ብጉዳይካ ታሓለቕትን ተመሲሎም፡ ኢዮም ከታሉሉኻ ጸኒሖም። ሕጂ ግን፡ መን ምዃኖም ባዕላቶም ስለዝተጋለጹ (እታ ዓርሲ ተቀዲዳስ ኣብ ውሽጣ ዝጸንሐ ዝጠስጠሰ ፖሊቲካዊ ሂወት ኢሳያስን ስርዓቱን ክትርእዮ ስለዝበቓዕካ)፡ ጉዳይካ ባዕልኻ ሒጅካ፡ ጸገምካ ክትፈትሕ ዘኽእለካ ስርዓተ-ምሕደራ ንኽትተክል፡ ስሙር ቕልጽምካ ከተሕይሎ ይግባእ። ዝተቃለሰ ህዝቢ፡ ዘይሩ ዘይሩ፡ ይዕወት ኢዩ። ናይ ጎሮባብትና የህዛብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ይኹን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጊዜ ሰውራ ታሪኽ እንተራኣና’ውን፡ ነዚ ሓቂ እዚ ኢዩ ዝምስክር። ሎሚ (11 ማዝያ 2019)፡ ጎረቤትና ዝኾነ ህዝቢ ሱዳን፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስላጣን ዝጸንሐ’ሞ ካብ ስልጣነይ ኣይወርድን ኢየ ኢሉ ከዕጠጢ ዝወረሐ፡ ፕረሲደንት ዑመር ኣል በሽር፡ ብቕልጽሙ ካብ ስላጣኑ ከምዝወርድን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣቱን ብምግባር፡ ዓወት ጨቢጢ ኣሎ። ዓሚ
ከምዚ ሕጂ ጊዜ፡ ጎረቤትና ዝኮነ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ዓወት ከምዝጨበጠ ዝዝከር ኢዩ። ህዝቢ ግብጺ እንተኾነ’ውን፡ ኣብ 2011 ዓ/ም ተመሳሳሊ ዓወት ኣረጋጊጹ ነይሩ ኢዩ። ኩሎም እቶም ብዝተዋሃሃደ ቅልጽም ህዝቢ ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ ስርዓታት፡ ምስዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ሓደ ወይ’ውን ተመሳሳሊ ባህርያት ዝነበሮም ኢዮም። ስለዝኮነ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን ካኣ፡ ብዝተዋሃሃደ ኤርትራዊ ቅልጾም ክወገድ ይካኣል ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ግድን ሕጂ ክእለ’ውን ይግባእ። ሕዝብ ኤርትራ፡ ሕጂ ተራኻ ኢዩ፡ ንጎረባብትኻ ምሰል። እቲ ካብ ኣብራኽካ ዝወጸ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካኣ ኣብ ጎድንኻ ደው ብምባል፡ ነቲ ዘይተርፍ ለውጢ ከቃላጥፎ ይግባእ። ኢሳያስ፡ ልክዕ ከምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከታልሎ ዝጸንሐ፡ ንመራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ’ውን፡ ኣብ ነንሕዶም እንዳ ኣባኣሰ፡ ከምዘይ ታኣማመኑ ብምግባር፡ ሓለውቲ ስልጣኑ ጥራሕ ከምዝኾኑ ክገብሮም ክፍትን ኢዩ ጸኒሑ። ሰራዊት ኤርትራ፡ ናይ ባዕሉ መንነት ሃልይዎ፡ ረብሓ ህዝቢ ክሕሉን ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ደው ክብልን ዘኽእሎ ብቕዓት ክውንን ስለዘይተደለየ፡ ብዘበናዊ ወታሃደራዊ ሳይንስ ኣይታሃነጸን። ኩላትና ከምፈልጦን፡ እቶም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ’ውን ዘይስሕትዎን፡ ኤርትራ፡ ፕሮፈሽናል ሰራዊት (Professional Army) ኣለዋ ክባሃል ኣይካኣልን ኢዩ። ፕሮፈሽናል ሰራዊት፡ ናይ ባዕሉ መንነት ዝውንን ኮይኑ፡ ታኣማምነቱ() ካኣ ንሃገርን ንህዝብን’ምበር ንዝኾነ ሓላፊ ወይ’ውን ሰልፊ ይኹን ውድብ ኣይኮነን። ሰራዊት ኤርትራ፡ እዚ ዕድል ኢዚ ስለዘይረኸበ፡ ግዳይ ናይ ኢሳያስን ስርዓቱን ኮይኑ፡ ካብ’ቶም ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ኣካላት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ’ውን ኢዩ። “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይብቑል ከምዝባሃል”፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘለዎ ክብሪ፣ ቦታን ተራን ተገዚቡ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሎሚስ ልቢ ገይሩ፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ብምባል፡ መሰል ህዝቡን መሰሉን ንምኽባር፡ ንህዝባዊ ቃልሲ ክድግፍን ከቃላጥፍን ትጽቢት ይግበረሉ። ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ከይጠልምን ከይርስዕን ምሕጽንታይ ከቕርበሉ’ውን እደሊ።





Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *