Main Menu

ህዝባዊ መቓልሕ ”ይኣክል” መሰረት ህግዲፍ ነቅኒቕዎ ፡

ህዝባዊ መቓልሕ ”ይኣክል” መሰረት ህግዲፍ ነቅኒቕዎ ፡

ርእሰ ዓንቐጽ ሰዲህኤ

31 መጋቢት 2019

 

ዝሓለፈ ሰሙናት ካብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ዝተኻየደ ዓብይ ጥልመትን ክድዓትን መላኺ ጃንዳ ህግዲፍ ዝነደረ ህዝብና፡ኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዜጋ ዝጀመሮ መቓልሕ ”ይኣክል” ኣብ መራኸቢ ብዙሓት፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብቀሊሉ ክግመት ዘይክእል ዝተፈላለየ ሓሳብ ሒዙ ዝቀረበ ሰዓብቲ ረኺቡ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ድምጺ ውጹዓት ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሙሉእ ብነጻ ድሌቱን ወንን ተበጊሱ እምቢ ንምልኪ ክብል ተሰሚዑ። ዝገርም ነገር እንተሃለወ ከኣ ኤርትራውያን ዜጋታት ሃገርና ህዝብናን ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ሓደጋ ህግዲፍን ኢትዮጵያን ዝርከበሉ እዋን ብሓደ ድምጺ ኣይፋልን ክብል ቁርጽ ውሳኔታቱ ንሃገሩን ህዝቡን ዘለዎ ዘይቕየር መብጽዓታት ኣስሚዑ። ገና መወዳእታ ዘይብሉ ጸዋዒት ”ይኣኽል” ይቅጽል ኣሎ።

እዚ ብመራኸቢ ብዙሓት ዝተመሓላለፈ ድምጺ ህዝቢ፡ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ሕቶ ዘይኮነስ ንርዱእን ንጹርን ሕጋዊ ጉዳይ ሃገር ውሳኔኡ ገሊጹ ኣሎ። ብሕድሪ’ዚ ውሳኔ ህዝቢ ዝኸይድ ነገር ከኣ ህዝብና ህግዲፍ ዝመረጾ ኣዕናዊ መስርሕ ሰላም ብዘየገድስ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቱን ንዘሎ፡ ሕድሪ ስውኣቱን ንድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ኩሉ ሕጋዊ መዳይ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ከይተረፈ ካብኡ ዝድለ ነገር ክገብር ኣንጻር ህግዲፍ ጠጠው’ሉ ክቃለስ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ’ዩ።

ሕጂ ሊላይ፡ ህዝብና ኣብ’ዚ ብሓሳብ ዝኣተዎ መብጽዓ፡ ውጽኢት ኣደራዕ ግፍዒ ህዝብና ዝወለዶ ሽግራት፡ ጽባሕ ንግሆ ንግብራዊ መስርሕ ቃልሲ፡ ትግባረ ሕጋዊ ቅዋም፡ ሕጋዊ መስርሕ ሰላም ኣብ ኢዱ ክርከቦን ክናብዮን ድሮ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ካብ’ቲ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ኮይኑ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣብ ቅርዓት ወጺኡ ሓባራዊ ቃልሲ ንምስልሳል መደባት ክሰርዕ ይርከብ ኣሎ።

እዋኑ ”ድሎ ከይትዕሎ” ስለ ዝኾነ ከኣ ህዝብና ነዚ ኣጋጢምዎ ንዘሎ ሃገራውን ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ሓደጋ ብጥበብን ብልሓትን፡ ፍልጠን ህድኣትን ሕጋዊ መፍትሒ ክረኸብሉ ኣብ ምጅምር ዝርከብ ዘሎ ዓብይ ተቐባልነት ዝረኽበ ህዝባዊ ናዕቢ’ዩ ዘይብሃል ኣይኮነን። በዚ ጀሚርዎ ዘሎ ከኣ ጸኒዑ እንተቀጺሉ ፍታሕ ክረክብ ከም ዝኽእል ካብ ተሞክሮታት ዓለም ዘርኣዩ ምስክር ክኸውን’ዩ።

እዚ ዶ ዘይ’ዚ፡ ድሮ ህግዲፍ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተቐሚጡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሸሸይ ክብሎ ዝጸንሐን፡ ንዓይ ዝመረጸኒ ክሳብ ዘየለ ዘውርደኒ’ውን የልቦን ዘረባታት ኣብ ክንደይ ኣጋጣሚታት ተሰሚዑ’ዩ። መዓስ እዚ ጥራሕ ኮይኑ ደሞክራሲ የልቦን እንዳተባህለ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ክግበር ዝጸንሐ ላግጺ ሎምስ ግዜኡ በጺሑ ህዝብና ንነድሩን ቁጠዕኡን መኣዝን ኣትሒዙ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ምውዳብ ዝካየድ ዘሎ ምርብራባት፡ መሰረት ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝነቅነቐ፡ ሓሳብ ውደባ ውሳኔ ህዝብና ንመላኺ ስርዓት ካብ’ቲ ክኸዶ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ መስርሕ ሰላም 180 o(degree) ከም ዝገላበጥን ኣሉ ቀጣን ከም ዝብልን ገይርዎ ኣሎ።

መራሒ መላኺ ጃንዳ ህግዲፍ ንዝብሎን ዝገበሮን ሎሚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺኡ ክደግሞ ዘኽእሎ ዕድል ስለ ዘይብሉ ከኣ ንልዕሊ 27 ዓመት ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ዝምልከት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ በዚ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም ዘይፍልጡ፡ ካብ ዝነበርዎ መሕብኢ ወጺኦም ነቲ መራሒኦም ዝገበሮ ሕጋዊ ፖለቲካዊ እከያት መስርሕ ሰላም ኣሉታ ክህብሉ ተላኢኾም። እወ ኣብ ህዝብስ ቀሪቦም ዝተዛረብዎ ግን ገና ብልክዕ እንታይ ከም ዝበሉን፡ ህዝቢ ዝሃቦም ምላሽ እንታይ ከም ዝነበረ ዝሕብር ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ኣይተመሓላለፈን። እንተኾነ ኤረቲቪ ከም ኣመላ ኣጠቓሊላ ዘቅረበቶ ሓሶት ጽባሕ ኣብ መጋባእያ ህግድፍ ዝወዓሉ ከም ዝዛረብሉን ርጉጽ ኮይኑ፡ ህዝብና ነቲ መስዋእቲ ከፊሉ ዘረጋገጾ ነጻነት ብዕብዳን፡ ብመቐለ ይኹን ኣዲስ ኣበባ ኸዱ መጻኡኹ ከም ዘይጥበር ዝሃቦም መልሲ መቓልሕ ገና ባይታ ዘወረደ ይዝንቢ ምህላውን፡ ንህግዲፍ ድቃስ ዝኸልእ ኮይኑ ኣሎ።

መቓልሕ ”ይኣክል”ኤርትራውያን ብዘይቃል ዓለም ንትዕቢተይና ኣካይዳ፡መሰረት ህግዲፍ ነቅነቕ ከም ዝብል ገርዎ ኣሎ። ቀጺሉ ምሕደራ ኤርትራ ብህዝባዊ ደሞክራሲያ ንምትካእ ንህግዲፍ ከፍርስ ታሪኻዊ ጉዕዞ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ሓድነቱን ጽንዓቱን ካልእ ምስጢር ዘይብሉ፡ እንሆ ነቶም መሻርኽቲ ህግዲፍ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ከይተረፈ ጽልዋ ዘሕደረ፡ ነጸብራቕ ዘለዎ ሓሳባት፡ ክልተ ጫፋት ብልሒ ዝተበገሰ ቅኑዕን ሃገራውን ሓሳብ ሕጋዊ ኣገባብ መስርሕ ሰላም መላሲ ኣብ ዘይብሉ ደረጃ ኣብጺሕዎ ይርከብ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ደጋፋይ ዶ ተቃዋማይ ዘይብሉ ፍልልያት ንድሕሪ ገዲፉ ከም ኤርትራዊ ዜጋ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝቃለሰሉ ዘሎ ታሪኻዊ እዋን በጺሑ ኣሎ። ” ንኹሉስ እንቓዕ ኣርከብናሉ”።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታ ሰዲህኤ

31 መጋቢት 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *