skip to Main Content
Menu
ህግደፍ መንነት ክዕድል ፍጹም መሰል የብሉን

ህግደፍ መንነት ክዕድል ፍጹም መሰል የብሉን

ህግደፍ መንነት ክዕድል ፍጹም መሰል የብሉን 


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዕለት 3/18/19 ብሓው ገዲም ተጋዳላይን ደራስን ንጉሰ ሃይለ “ መንሰዓይ “ ትግረ ዝብሃል መንነት የለን  ስለዚ ነቶም ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ቆላታት ኤርትራ እንነብር ኣሕዋትኩም ኤርትራውያን “ትግረ “ እናበልኹም ኣይትጸዉዑና ክብል ሓደ ምሕጽንታ ኣማሓላሊፉ ነይሩ ። ስለዚ እቶም ኣሕዋትና ነዛ ቓል እዚኣ እትጥቀሙ ፣ ብፍላይ እቶም ኣብ ዘመነ ህግደፍ ተወልድኹም ብዘይድልየትኹም ፣ ብህግደፋዊ ስነ ሓሳብ ዝዓበኹም መንእሰያት ፣ እዚ ሎሚ ዝቅረቦ ዘሎኹ ሓጺር ጽሑፍ  ሓጋዚ  ኾይኑ ከትረኽብዎ ተስፋ ይገብር ። ዝሓለፈ ታሪኽና ጽቡቅ ይኹን ሕማቅ ክንፈልጦ እንኾሎና ፣ ንመጻኢ ጉዑዞና መወከስን ሓባርን ኾይኑ ክንግልገለሉ ንክእል።
ብሔር ማለት ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢ ዝነብር ሕብረተሰብ ብባህልን ቛንቛ ዝተኣሳሰረ ሓደ ስነ ኣእምራዊ ስነ ሓሰብ ዝኽተል ምዃኑ ናይ ሓባር ኣራዳድኣ ክህሉወና ተስፋ ይገብር ። ስለዚ ብሔር ትግረ ክንብል እንኾሎና ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ እንተ ኾይኑ “ ትግረ “ ዝብሃል ብሔር ኣብ ኤርትራ የለን ። እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ሽፍታ ጉጂለ ህግደፍ ግን ንኩሉ” ትግራይት” ዝዛረብ ትግረ እዩ ክብል ዘክእሎ ድሕሪ ባይታ ይኹን ኣፍልጦ የብሉን ። ኣብ ከበሳታት ኤርትራ እንተሪኢና ድቂ “ኣርብዓ “ ዝብሃሉ እቶም ካብ ርሑቕ ቦታ ዝመጹ መሬት ዘይብሎም ኣብ መንጎ ደቂ ርስቲ ኮይኖም ዝነብሩ ምዃኖም ይፍለጥ ። ስለዚ “ደቂ ኣርባዓ “ ዝብሃል ብሔር ካብ ዘየለ “ትግረ”  ዝብሃል ብሔር እውን የለን  ። ትግረ ማለት መሬት ዘይብሉ ወዲ ዓዲ  ዘይኾነ ናይ ድቂ ዓዲ “ ሽማግለ “ መሬት ብፍርቂ ይኹን ብርብዒ ሓሪሱ ዝነብር ዜጋ እዩ ። እዚ እቲ ዕድለኛ ዝኮነ ትግረ እዩ ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ትግረ ዝባሃሉ ነቲ ሽማገለ ብናጻ ኣገልግሎት ዘወፍዩ ማለት ብማሕረስ፣ ከብቲ ብምጉሳይ፣ ዕንጨይትን ማይን ምምጻእ ፣ ኮታ ከም ባረዩ ዓይነት ዝነብሩ እዮም ። ከም ኣብ ኩሉ ዓለም ኣብ ኤርትራ እውን ናይ ጊላን ጎይታን ሕሉፍ ታሪኽ ከምዘሎና ኣይንረስዕ ። ስለዚ ትግረ ማለት መረት ዘይውንን ፡ ሽማገለ ከኣ መረት ዝውንን ወዲ መረት እዩ ። ትግረ ዝብሃል ሰብ ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢ ዝቅመጥ ሰብ ኣይኾነን ፣ እንታይ ደኣ ኣብ መንጎ እተን እተፈላለያ ኣብ ምብራቕውን ምዕራባውን ቆላታት ኤርትራ ዝረከባ ዓበይቲ ብሔራት ተጸጊዖም ዝነብሩ ዜጋታት ነይሮም ።
እዚ ኣብ መንጎ ትግረን ሽማገለን ዝጸንሔ ግርጪት ናይ ገዛእን ተገዛእን መነባብሮ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ ። ኣብ ባርካ ሓደ ሽማገለ ነቲ  ግራቱ ብብላዕ ህቡዎ ዘነበረ ትግረ ፡ ግራት ክሓርስ እንከሎ መጺኡ ስለ ዘይፈቀድካኒ ማሕረስካ ደው ኣብል ክብል ንጽባሒቱ ከይወፍር ከኣ ኣጠቂቁዎ ከደ ። እቲ ትግረ ግን ዕጂብ ኣይበሎን ብዝያዳ እኳ ደኣ ናይ ትግረ ጎረባብቱ ሓገዝ ሓቲቱ ወፍራ ገይሩ ክሓርስ እንከሎ ፣ ሽማገለ ከኣ ተኣካክኪቦም ብሴፍን ካራታትን ተዓጢቆም መጹዎም ። ግጥም ኾይኑ እቶም ትግረ ነቶም ሽማገለ ማሪኾሞም ። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ብዓል ጉዳይ ትግረ ኣርፉዱ ነቲ ጉዳይ ዘርከበሉ እምኒ ሰንዲዩ  ነቲ ሽማገለ ኣግሩ ሰበሮ ። ሽማገለ ሕክምና ተገይሩሉ ግን ክሓዊ ኣይከኣለን ሞይቱ ። በዚ ከኣ እቲ ትግረ ተኣሲሩ ሽማገለ ስለ ዝቀተለ ናይ ክልተ ሰብ ጋር ነብሲ ክኽፍል ተሓቲቱ ነይሩ ። መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ መፋርቅ 1948 ነዚ ኣብ መንጎ ትግረን ሽማገልን ዝነበረ ጎነጽ ምስቲ ምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራ ምስ ሱዳን ክሕውሶ ዝኻይዶ ዝነበረ ፖለቲካዊ ወፍራ ኣታሓሒዙ ንጥቅሙ ከውዕሎ እንተፈተነ እውን ስለ ዘይሰለጦ ፡ ነቶም ሽማገለታት ምስ ምሉእ ስልጣኖም ሓደጎም ። እዚ ጉዳይ ትግረን ሽማግለን ቅድሚ ምምጻእ እንግሊዝ ዳርጋ 300 ዓመታት ክስረሓሉ ዝጸንሔ እዩ ። እቲ ትግረ ወይ ወዲ ዓዲ ዘይኮነ ሰብ ካብቶም ሽማገለ ሰብ መረት ንብላዕ ምእንቲ ክሓርስ ጤል ወይ ጠስሚ ወይ መዓር ሕዙ መጺኡ ክሓትት ይግደድ ነይሩ ። እዚ በብድረጅኡ ይፈላለ ይኽውን እምበር ኣብ ኩሉ ቆላታት ኤርትራ ዝሰረሓሉ ዝነበረ እዩ ።
ስለዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ናይ መንነት  ስለ ዝኾነ፣ ኣነ ቢና ዓምር እየ ፣ ኣነ ማርያ እየ ፣ ኣነ ብሊን እየ ፣ ንዝበለ ዜጋ ፡ ዝኾነ ሓይሊ ኣብ ሕግን ዲሞክራስን ዝኣምን ኣይኾንካን ክብሎ መሰል የብሉን  ። ንኣብነት ኣብ ዝነበርኩሉ ኣኼባ መራሕ ህግደፍ ኣብ 1994 ኣብ ዋሽግንተን ዲሲ ነታ ኤርትራዊት ብዛዕባ ብቛንቛ ዓረብ ዝተጻሕፉ ጨርሖታ ኣብቲ ገዛ ዘይምህላዎምን ከምኡውን መንግስቲ ምብዛሕ ባረትን ኣመንዝርነትን ንምክልካል ዝወሰዶ ተበግሶ ስለ ዘየለ ፣ዝክፍትኣ ዝገለጸትሉ ግዜ ክምልስ እንከሎ “ ኣነ ኢሳያስ ኣይኾንኩን እንተ በልኹ መን እዩ ብሓይሊ ኢሳያስ ክገብረኒ ዝክእል “ ዝበለ ። እቶም ብሔራት ቢና ዓምር ፡ ማርያ ፡ ኣስገድ ፡ መንሳዕ ፡ ዓዲ ሽኼ ወዘ….. መን እዩ ብሓይሊ ናይ ግድን” ትግረ “ እኩም ክብል ዘገድዶም ? እቲ ጸገም ዘሎና ንስኻ ከምዚ እኻ ኢሉ መንነት ብሓይሊ ክዕድል ዝክእል የለን ። ኣነ ትግረ ኣይኾንኩን እንተ ኢለ ፡ ብሓይሊ ትግረ ዝገብረኒ የለን ። እዞም ሓደስቲ ፍልሰተኛታ ከም ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ ) የማነ ህበይ ፡ የማነ ገብረመስቀል ቻርሊ ፡ ምስዚ ስውኣትና ክሒዱ ሃገር ዝሸይጥ ዘሎ ከዳዕ ፡መንነት ዓደልቲ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም ። ብዝኮነ ክሳብ ሎሚ  ዘታለሉናን ዘደናገሩናን ይኣክል ።
ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ናይ ትግረን ሽማገለን ጉዳይ ዝዓበኩሉን ዝነበረን ማሕበራዊ ሂወት ከም ሽማገለ ወይ ወዲ ርስቲ  ፡እቲ ኩሉ ትግራይት ዝዛረብ “ትግረ” እዩ እትብል (Definition) ገለጻ  ህግደፍ  ምስቲ ኩውንነት ናይ ህዝብታት ቆላታት ኤርትራ ትርጉማ ዝሰሓተት ስለ ዝኾነት ኣይተቀበልኩዋን ፣ ህግደፍ ኾነ ኢሉ መንነትን ታርኽን ህዝቢ ክጥፍእ ስለ ዘደለየ ዘምጽኦ ፈጠራ እዩ ።
እምበኣር ካብዚ ተበጊሰ ኣብ ጉዳይ ረፈረንዱምም ዘጋጠመኒ ሽግር ክገልጸልኹም ። ብቀዳምነት እታ ቛንቛ “ትግራይት “ እምበር ትግረ ኣይኮነትን ። ብዝኾነ ኣብቲ ናይ  “ ረፍረንዱም ፎርም ” እቲ ብሔር ዝብል ዝምላእ ፡ ቛንቛኻ ትግረ እንተ ኾይኑ ብሔርካ “ትግረ “ እዩ ዝብል ነይሩ ። ስለዚ ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ኣታሓሕዝኩም ክትግንዘብዎ ይደሊ ። ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሰላማውን ብረታውን ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ” እወ “ ንናጻነት ኢሉ ክድምድሞ ካብ ተደልየ ድምጸይ ንምሃብ ጸገም ኣይረኣኩሉን ። ምእንቲ ከድምጽ ኣብ ረፈረንዱም ነቲ ፎርም ክመልኦ ነይሩኒ ። ስለዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከተማ ኒው ዮርክ ከይደ ነቲ ፍርም ወሲደ ገዛይ ምስ ተመለስኩ ፡ ክመልእ ኣብ ዝፈተኹሉ እዛ ዝብለኹም ጉዳይ ትጸንሓኒ ። እቲ ፈልልይ ናይ ትግረን ሽማግለን ስለ ዝዓበኩሉ ፡ ነታ ፎርም ከምቲ ዝነበረቶ  ክመልእ ኣይተዋሕጠለይን ። ሕጂ ንክልተ ሰባት ምሳይ ዞዓበዩ ንሽግረይ መፍቲሒ እንተረኽቡለይ ደዊለ ሓተትኹዎም።
ክልተኦም ከኣ መልሶም ሓደ ኾይኑ ኣነ ዘይተጸበኩዎ ። ክልቲኦም ኣባሓጎታቶም ካብ ሳሕል ከምዝመጹን ኣቦታቶም ኣብ መንሳዕ ክምእተወልዱን  ምስ ገለጹለይ ንጉዳየይ መፍትሒ ክጣበብ ግድን ኾነኒ ። እቲ ምዝገባ ዝዕጸወሉ መዓልቲ ከኣ እናቀረበ ስለ ዝመጸ ፣ናይ ግድን ከኣ ድምጸይ ክህብ ስለ ዝደለኩ ነቲ ፍሮም መሊኤ ነታ ብሔር ትግረ እትብል “ ብሔረ መንሳዕ “ ጽሒፈ ወዳእኩ ። ሕጂ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ምስ ከድኩ እዚኣ ጊጋ መሊእኻዮ ኣሎኻ ቀይሮ እንተ ተባሂለ ፡ ነቲ ከምኡ ዝብለኒ ሰብ ፡ ድሓን ባዕሊኻ እንዶ ቀይሩ ምባል እንተ ዘይኾይኑ ባዕለይ ከም ዘይቅይሮ ምዃነይ ምስ ነብሰይ መብጻዓ ኣቶኩ። ወረቀተይ ሕዘ ከኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣቶኩ ። ነታ ኣብኡ ዝጸንሓትኒ ሰብ ከኣ ወረቅተይ መጠኽዋ ፡ ተቀቢላ ንቁሩብ ክልእት ጠሚታ ፣ እዋእ ጽቡቅ መልእኻዮ ክትብልን ክተቀምጦን ሓደ ኾነ ። ወይ ኣታ ኣምላኽ! ተመስገን ዘገላገልኻኒ ክብልን ውጺኤ ንገዛይ ። ምክንያቱ ምስ ህግደፍ ተዛሪብኻ ዝፍታሕ ስለ ዘየለ ። ብድሕረይ እንታይ ከምዝገብሩ ጉዳየይ ኣይነበረን ። በዚ ከኣ ካብ ምድማፅ ዓዲ ኣይወዓልኹን ።
እዚኣ ከኣ ንሓደ መንእሰይ ዝጋጠመቶ ጉዳይ እያ ። ሓደ መንእሰይ በዚ ኩሉ ኾለል፣ ሱዳን ሊብያ ማልታ ወዘ… ኮለል ድሕሪ ምባል ኣብ ኣሜሪኻ ይኣቱ ። ኣብ ሓደ ዱዃን ከኣ ሰራሕ ይጅምር ። ድሕሪ ቁሩብ እውን ትግሪኛ ተዛረብቲ መንእሰያት ይመጽዎ ፡ ኤርትራዊ ምዃኑ ፈሊጦም ፣ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ “ ንስኻ ትግረ ዲኻ” ክብሉ ይሓትዎ ፡ ንሱ ከኣ ኣሕጽር ኣቢሉ “ ኣነ መንሳዓይ እዩ” ይብሎም ። እንድገና ቁሩብ ጸኒሖም ከኣ “ትግረ “ ዲኻ ክብሉ ይሓትዎ ፣ ወዮ መንእሰይ ሕጂ እውን ኣነ “ መንሰዓይ እየ “ ክብል መለሰሎም ። ካብዚ ክንርድኦ እንክእል ጌጋ መንቀሊኡ ህግደፍ ዝሃቦ ኣስተምህሮ እዩ ። እቲ ተሓቲቱ ዝምልስ ዘሎ መንእሰይ ዝዓበየሉን ዝኣምነሉን ድሕሪ ኤርትራውነት ስዒቡ ዝመጽእ መንነቱ ይገልጽ ኣሎ ። እቶም ኣከታቲሎም ዝሓቱ ዘልዉ ከኣ ብታ ህግደፍ ዝሃቦም ናይ 9 ብሔራት ኣስተምህሮ እዝስ ትግረ ክኽውን ኣሎዎ ዝብል እምነት ሕዙዎም ። ስለዚ ኣነ ኣይኾንኩን ዝበለ ሰብ ብሓይሊ መንነት ዝዕድል መንግስቲ ህግደፍ ጥራሕ እዩ ።
ኣብ መወዳእታ ፡
እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ቅዋማዊት ኤርትራ ብህዝባውን ዲሞክራሲያውን ኣጋባብ ክፍታሕ እዩ ። ስለዚ ዝኾነ ወልቀሰብ ይኩን ብሔር ንሓድነት ኤርትራ ክሰርሒ እንክሎ ፣ ሕድሕዳዊ ምክብባር ክህሉዎ ይግባእ ። ትዕቢትን ኣንነትን ኣብ ዘለናዮ መድረኽ ክህሉ የብሉን ። ናይ ሽማግለን ትግረን መድረኽ ግዜኡ በሊዑ ሓሊፉ ኣሎ ። ስለዚ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ክነተሓሳስቦ እንደሊ “ ትግረ” ዝብሃል ብሔር ከምዘየለ ኩሎኩም ክትርዱኡልና ንላቦን ነተሓሳስብን ።
ክብሮም ግረነት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top