skip to Main Content
Menu
ልኡኽ ሰለስተ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ መእተዊ ካልኣይ ጉባኤ ሃባዲለ ተሳቲፉ

ልኡኽ ሰለስተ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ መእተዊ ካልኣይ ጉባኤ ሃባዲለ ተሳቲፉ

  ልኡኽ ሰለስተ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ መእተዊ ካልኣይ ጉባኤ ሃባዲለ ተሳቲፉ

ብመሰረት ኣሰናዳኢት ካልኣይ ጉባኤ ዝቀረበ ዕድመ ኣብ ሓድሽ ኣወዳድባ ዝርከቡ ሓይልታት ማለት ሰዲህኤ፡ መደረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ ዝውክሉ ልኡኻት ኣቶ ዓብዱራሕማን መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ወ/ት ሰምሃር ገብረስላሴን፡ ኣቶ ኣንቶንዮ ተስፋይ ዝርከብዎም ቃል ምሕዝነት ንምቅራብ ኣብ’ቲ ብዕለት 16ን 17ን ሚያዝያ 2019 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ኣብ መእተዊ ካልኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተሳቲፎም። ይኹን’ምበር ኣቶ መሓመድ ብርሃን ብላታ ብምኽንያት ስራሕ ኣብ’ቲ ቦታ ክርከቡ ኣይከኣሉን።

ቃል ምሕዝነት ንኸመሓላልፉ ዝተላእኹ ኣባላት ንዝተገብረሎም ዕድመን ድሙቅ ኣቐባብላ ብምምስጋን ካብ’ዚ ሰለስቲኡ ሓይልታት ኤርትራ ንዝተዋህቦም መልእኽቲ ንኣሰናዳኢት ሽማግለን ንመላእ ኣባላት ጉባኤን ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰላምትኡ ኣቕሪቡ።

ልኡኽ ሽማግለ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሃባዲለ፡ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ትርከብሉ ዘላ እዋን ምስ ብዙሓት ኣባላት ደመበ ተቃውሞ ክራኸብ ምኽኣሉ ንተደላይነት ሓድነት ክዘራረበሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ። ዕዉት ጉባኤ ክኸውን ዘለዎ ተስፋን ትምኒትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብመላኺ ስርዓት ንዝተበታትነ ህዝቢ ንምእካብ፡ ዝተበታተኸ ዝምድናታት ንምትእስሳር፡ ንዝፈረሰ ድልድል ዝምድናታት ብምህናጽ ኣቢሉ ንጸልማት ታሪኽ ህዝብና ንብርሃን ከሰጋግሮ ክኽእል ኣብ ሓደነት ሓይልታት ኤርትራ ኣተኵሩ ክሰርሕ ከም ዘለዎ’ውን መተሓሳሰቢ ኣቅሪቡ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ልኡኽ ሽማግለ

 

ዜናን ሓበሬታ

ሰዲህኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top