Main Menu

ልዕሊ 40 ሽሕ ኤርትራውያን ዜጋታት ትናቢ ሃገር ሽወደን መሰል ክህልዋ ዶ ኣይግባእን !

                      ልዕሊ 40 ሽሕ ኤርትራውያን ዜጋታት ትናቢ ሃገር ሽወደን መሰል ክህልዋ ዶ ኣይግባእን !

ብዕለት 11 ሓምለ 2019 ኣብ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ” መንግስቲ ሽወደን ብዛዕባ ዳዊት ኢሳቕ ክትሓትት መሰል የብላን” ብዝብል ኣርእስቲ ተሓቲሙ ዝወጸ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታ ሰዲህኤ ተተርጉሙ ንህዝቢ ዝተመሓላልፈ ሓበሬታ ሚኒተሪ ዜና ኤርትራ ዝሃቦ ቃል’ዩ ነይሩ።

ሃገር ሽወደን ብዛዕብ ገገለ ዜጋታት ኤርትራ ትሓተሉ ብዙሕ ምኽንያታትን ኣገባብን ክህልዋ ይኽእል። እቲ መልሲ ከኣ ብመጠነ ንክብርታት ህዝብን ክልተ ሃገርት ዝምድናታት ተባሂሉ ዝግበር’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብዝተደጋጋሚ ንዜጋታቱ ኤርትራ ኣይንቅበልን ከም ዝበለን ካብ ምዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም ዝመለሶምን ይዝከር። ሽወደናውያን ነቶ ምቶም ንጹሃት ደቂ ሃገር ኣይደርበይዎምን፡ ንባዕሎም ሰብ መዚ ሽወደን ክሳብ እታ ነፋሪት ትብገስ ኣብ ሓለዋ ድሕሪ ምጽናሕ ነቶም ስደተኛታት ሒዞምም ተመሊሶም። ሓደ ኤርትራዊ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሶር ብሞያ፡ ደጋፊ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝኾነ ነባሪ ሃገር ሽወድን ምስ VOA ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት መንእሰያት ኤርትራ ዝገበሮ ቃል መሕተት፡ ስደተኛታት ኣይጽላእን’ዩ ምኽንያቱ ተመሊሶም ንህዝቦን ሃገሮም ስለ ዝሓልዩን ኣብ ስደት ኮይኖም ንህዝቦም ዝገብርዎ ኣስተዋጽኦ ብቀሊል ክረአ የብሉን ክብል መልሲ ሂብሉ። እዚ ከርድኦ ዝኽእል ከኣ ህግዲፍ መሰሉ’ምበር መሰል ካልእ ዘይጥምትን ዘይሓስብን ሰረት ውልቃዊ ስልጣኑ ዘዕዝዝን ካልእ ትርጉም ዘይብሉ’ዩ። ዲፕሎማሲያዊ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ’ዚ ደረጃ እንተዘይወድቕ ከኣ ጉዳይ ኤርትራ ብመራሕቲ ጓኖት ሃገራት ውዕላት ክፍጸም ኣምስተገብረን።

ዝገርም’ዩ፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ኤርትራውያን ትናቢ ሃገር፡ እሞ ከኣ ብዛዕባ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ነባሪ ሽወደን፡ዜግነት ሽወደን ዝተቀበለ፡ ብጥዕንኡ፡ ብኩነታቱ፡ ዘለው ሃለዋት መነባብሮ ክሓቱ መሰል የብልኩምን ተባሂሎም። እዚ ካም ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክስማዕ መጀምሪያ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ መራሒ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ሃገር ሽወደን መጺኡ ንዜጋታት ኤርትራ ብዝምልከት ክንሓትት መሰልና’ዩ ዝበሎ ብዙሕ ጉዳይ ኣልዒሉ ዝተጣበቐሉ ግዜ ነይሩ’ዩ።

ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ዜጋታት ሙሉእ ብሙሉእ ብሕጊ ሽወደን እንዳተመሓደሩ ክነሶም፡ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብወከልቱ ኣቢሉ ኣብ ሽወደን ንዝርከባ ኤርትራውያን ማሕበራት ንምቁጽጻርን ገንዘባዊ ረብሓታቱ ክእክብን ዘይገበሮን ዘይፈጠሮን ምኽንያት ኣይነበረን። ብዛዓብ’ቲ ኣብ መላእ ሽወደን ተፈላጥነት ዝነበሮን ዘለዎን ኤማሽ ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ኣብ ሽወደን ከይተረፈ፡ ነቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ይውሓድ ይብዛሕ ካብ መንግስቲ ሽወደን ዝወሃቦም ሓገዝ ንምምንዛዕ ጠበቓታት ብግባር ተማጕቱ እዩ ግን ከኣ ብደለይቲ ፍትሒ ተሳዒሩ፡ ካልእ ኤማሽ ክምስርት ተገዲዱ። እዚ ኣብ ሃገር ሽወደን ዝተፈጸመ ኣገባብ ኣክይዳ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኩሉ ዝፈልጦ እሞ ኣብ ፈቅዶ ሃገራት ከይድኻ መሰልና’ዩ ክትብሉ ዝካየድ ህግዲፋዊ ትያትራዊ ተግባራት’ዩ።

ገገለ ታሪኽ ሃገር ሽወደን፡ ካብ ሰዳት ዝምስክሮ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ረኺቡ ዘይኮነስ፡ ቅድም ቀዳድም ብእምነቶም፡ ብካልኣይ ምስ’ቲ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዝነበሮም ምቅርራባትን ዝተፈጥረ ዝምድናታት ንኤርትራውያን ዜጋታት ካብ’ቶም ቀዳሞት ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ዝኸፈቱን ዘምሃሩን’ዮም። ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ጉዳይ መግዛእቲ ኤርትራ ንዝምልከት ብዙሓት ሽወደናውያን ዜጋታት ደገፍ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ጸቕቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሽወደን ዘካይዱ ምንባሮምን፡ ኤርትራን ጉርፐን ዝብሃል ኣብ 80ታት ዝተመስረተ ማሕበር ሽወደናውያን ዓብይ ምስክር’ዩ።

እዞም Eritrean Gruppen ዝተሰመዩ ምስ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ንጉዳይ ነጻነት ኤርትራ ደገፍ ዝነበሮም ምስ ኤርትራውያን ውድባት ተሓኤን፡ ህግሓኤ ኣብ ሽወደን ክንደይ ጻዕሪ ዘካይዱ ዝነበሩ’ዮም።ኣብ’ዚ ጉጅለ ከኣ ብዙሓት ሽወደናውያን ዝተፈላልየ ሞያ ዝነበሮም መብዛሕትኦም ጋጤኛታት ጸሓፍቲ ሕካይም ዝነበሩ’ዮም። ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ብመግዛእቲ እንዳተገርፈ እነከሎ፡ ከም’ቲ ቲቪ ሰነድብዕለት 4 ሓምለ 2009 ዝመሓላልፈፎም መደብ ከም’ውን ብዕለት 5 ጥቅምቲ 2017 መደባት ክሳብ ብቋንቛ ትግርኛ ክዛረቡ ዝበቕዑ ሽወደናውያን ዘስምዕዎ ቃል፡ ሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ዝምስክሮ ሎሚ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ስልጣነይ ኣይትተንክፉለይ መሰል የብልኩምን ክብል ዘማዕርገሉ ኣይኮነን። ሽወደናውያን ብጉዳይ ኤርትራ ሂወቶም ዝኸፈሉ ጋዜጠኛ Johann Aspring ክመኡ’ውን ውሩይ ጋዜጠኛ ተመራማሪ ታሪኽ Lars Bondestam ዝርከብዎም ኣለዉ። ካልእ ከም ጋዜጥኛ ቲቪ ሽወደን Bo Bjefvenstam: Christina Björk ዝኣመሰሉ ኣብ 60ታት ኣብ በረኻታት ኤርትራ ዑደት ብምግባር ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ታሪኽ ዝሰነዱን ንሕብረተ ሰብ ዓለም ዘቃልሑን’ዮም። ሎሚ ከኣ ንሓርነትን ማዕርነትን ሰላም ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሱ ዘለዉ ባእታት’ዮም።

መንግስቲ ሽወደን ካብ 60ታት ኣትሒዞም ንተጋደልቲ ዘዕቖቡን፡ እቶም ተጋደልቲ ብጉዳይ ሃገሮም ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ንህዝቢ ሽወደን ክገልጹ ዝገበሩ’ዮም። ከም እብነት ክቡር ኣቦና ደግያት ተድላ ባይሩ ኣካልት ስድራ ቤቶምን ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ዝገብርዎ ቃል መሕተት ሓደ ምስክርነት’ዩ። ብተወሳኺ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክጥርነፉን ምስ ሽወደናውያን ተሓባቢሮም ጉዳይ ንኸሳልጡ መሰል ዝተዋብዎም ኮይኖም ጸኒሖም። ኤርትራ ነጻነት ምስ ወሰደት’ውን እንተኾነ ዝተፈላልዩ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ማሕበር ሰራሕተኛ ሽወደን ብልፋይ ሲንዲካሊስት ምስ ኤርትራ ፍሉይ ዝምድና ፈጢርም ንህዝቢ ኤርትራ ንምሕጋዝ ዘካይድዎ ጻዕሪ ብፍላይ ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Ingevar Carlsson ኣብ ዝነበረሉ ንወደብ ባጽዕ ንምሕዳስ ንምጽጋን ልዕሊ 15 ሚሊዮ ክሮና ከም ሓገዝ ዝተሰልዐ ምንባሩ ዝፍልጥ ኮይኑ SIDA ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ሽወደን ካብ ብረታዊ ተድድሎ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝገበረ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራውያን መላኺ ጃንዳ ህግዲፍን ንባዕሉ ዝፈልጦ’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ኣብ ኩሉ ገዛ ኤርትራውያን ዝኣተወ ጸገም 2% እንተኾነ መንግስቲ ሽወደን ብሸለልትነትን ንደገፍ ምልካዊ ስርዓት ርእዩ ዝገደፎ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝግሕጦ ዘሎ ገንዘብ፡ ዓመታዊ ዝካየድ ኤርትራዊ ህግደፋዊ ፈስቲቫላት መራሕቲ መንግስቲ ሽወደን ዝተሳተፍዎ ጉዳይ፡ 40 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝናቢ ሃገር፡ ንስድራ ቤት ስደተኛታት ደቆም፡ ወለዶም ኩሉ መዳያዊ ማሕበራዊ ውሕስነት Social security ብዘለዎ ኣገባብን ሰርዓትን ዘመሓድሩ፡ ኤርትራውያን መሰሎም ተሓልዩ ክመርጹን ክምረጹን ዘፍቀደ ሕብረተ ሰብ ድሮ’ኳ ልዕሊ 4 ኤርትራውያን ኣባላት ባይቶ ሽወደን ኮይኖም ዝተመርጹን፡ ኣብ ዝለዓለ ኣብ ዩቪርሲቲ ከም መማህራን፡ ኣብ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ከም ሓኻይም፡ መሃንድሳት ዝፈረይተሉ ሃገር፡ ንኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሽወደን ካብ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንላዕሊ ኣብ ሕብረተ ሰብና ዘበርከቱ ህዝብን መንግስትን መሰል የብልኩምን ክበሃሉ ቀናን ዲፖሎማሲያዊ ኣመለኻኽታ ህግዲፍ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘመናዊ ህንጻታት ኣባይቲ መሬት እንተኾነ ብብዝሒ ካብ ዝተሻየጡ ብዙሓት ኤርትራውያ ተቀማጦ ሽወደን’ዮም። እዞም ኤርትራውያን ህግድፍ ብዝሃቦም ደሞዝ ዘይኮነስ ኣብ ሽወደን መሰሎም ተኸቢሩ ሰሪሖም ብዝረኸብዎ ገንዘብ ኣባይቲ ገዚኦም፡ እምበር ህግደፍ ንገዛ ዘግዝእ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ከም ዘይከፍልን ንልዕሊ 15 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይደሞዝ ብኣገልግሎት የስርሖም ምንባሩን ምህላውን ንመን ይጠፍኦ።

እዚ ኩሉ ህዝቢ ሽወደን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገበርዎ ጽቡቕ ተግባራት ኣብ ግምት ብምእታው ብወገን ህጊድፍ ክባሃል ዘለዎ ተሳኢኑ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ተጻዊዱ ዘሎ ፖለቲካዊ ዲፕሎማሲያዊ፡ ማሕበራዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብቅንዕናን፡ ግሉጽ ዲፖሎማሲያዊ ኣገባብ ከዛርቦም ዘይክእል ባዕሎም ዝጠጅእዎ ጉዳይ ስለ ዝኾነ’ዩ። ሓደ መንግስቲ ባዕሉ ዝኣሰሮም ዝጨውዮም ኣይፈልጦምን፡ ኣብዘይ ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን፡ ሚኒስተሪ ዜና ጉዳይ ቤት ፍርዲ ይብል፡ ሚኒትሪ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ጸጥታ ይብል፡ ሚኒስተሪ ድሕነት ሃገር ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ዓዲ ሃሎ ይብል፡ መቁጸሪ ዘይብሉ ጉዳይ ምኽንያት ጸፋጺፍካ ክቀርብ ዘይከኣል’ዩ።

እቲ ጉዳይ ርክብን ዝምድናታት ክልተ ሃገራት ንምህናጽ፡ ዲሞክራሲያዊ ናለት ክልተኣዊ ልዝባት ሃገራት ሽወደንን ኤርትራን’ምበር ብዛዕባ ውልቀ ሰባት ብዝምልከት ጉዳይ ዝህነጽ ዝምድናታት ኣይኮነን። ዝተሓብኤ ዘይግሉጽን ዘይደሞክራሲያዊ ዝሃላልኽ ጉዳይ እንተሃለወ ግን ከም’ዚ ዓይነት ሓደገኛ መልሲ ክረከቦ ግድነት’ዩ።

ዓወት ንተቃላስይ ህዝቢ ኤርትራ

ዜናን ሓበሬታ ሰዲህኤ

15 ሓምለ 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *