skip to Main Content
Menu
ልዕልና ሕጊ ዘይብሉ ሃገር፣ ዲሞክራሲ ክምዕብል አይክእልን

ልዕልና ሕጊ ዘይብሉ ሃገር፣ ዲሞክራሲ ክምዕብል አይክእልን

ልዕልና ሕጊ ዘይብሉ ሃገር፣ ዲሞክራሲ ክምዕብል አይክእልን

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራባእር

Berhane Abrehe Kidane

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ኣብ ግንቦት 1945 ኣብ ኳንደባ (ኤርትራ) ተወሊደ። ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃታት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ላዕለዋይን ዩኒቨርሲቲን ደረጃታት ትምህርቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወዲአ። ኣብ 1963 ኣብ ጂማ (ኢትዮጵያ) ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኮይነ። ኣብ 1970 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሕመኣ) መስራቲ ኣባል ኤርትራውያን ናጽነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ (ኤናሰኣ) ብምዃን ኣባል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ኮይነ። ኣብ 1973-74 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባል ማእከልነት ‘ጥሒሻ’ ኮይነ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ Awash Valley Authority (AV A) ኣዋሽ ቫሊ ኦቶሪቲን ኣብ ሚኒስትሪ ደቨሎፕመንት ፕላኒንግን ሰሪሐ። ካብ 1975 ክሳብ 1991 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረት ዓጢቐ ንሃገራዊ ናጽነት ተጋዲለ። ድሕሪኡ ኣብ ናጻ ሃገረይ ኤርትራ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ብምዃን ኣብ ሚኒስትሪ ቁጠባዊ ልምዓት፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ዳይረክተር ማክሮ ፖሊሲን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን፡ ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ (ሚኒስተር) ኮይነ ተመዲበ ሰሪሐ። ካብ መፈለምታ 2013 ንድሓር ንወዮ ስራሕ (employment) ናይቲ በቲ ዝልዓለ ሕጊ (ቅዋም) ኤርትራ ተመሪሑን ተማእዚኑን ክኸይድ ዘይደሊ ገበነኛ ግፍዐኛ ኢሳያስን ዲክታተራዊ ስርዓተ መንግስቱን ብምቅዋም ብፍቓደይ ገዲፈዮ። መጽሓፍ ኣብ ምድራስ ኣድሂበ። ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊን ባይቶኣዊን ዴሞክራሲያዊን ስርዓተ መንግስቲ ክህሉ ዕላማ ናብ ዘለዎ ናይ ቃልሲ መኣዲ ተጸንቢረ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ናይቶም፡ ንረብሓ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዘየወላውል ቀዳምነት ስለዝሃብኩ፡ ነቲ ውልቃዊ ምድራዊ-ሃብቲ ንኽድልብ ዘኽእል ዘሎኒ ሓላል ዕቑር ዓቕመይ (potential) ተጠቒመ ከም መጠን ወላዲ ብዘይምሕጋዘይ ዝበደልኩዎም ግን ክኣ ወትሩ ዘፍቅሮም ኣርባዕተ ደቀይን እየ።

ሰላም ተኻፈልቲ ወይብ-ሳይታት፣ ሎሚ ኣልዒለዮ ዘለኹ ኣርእስቲ፣ልዕልና ሕጊ ዘይብሉ ሃገር፣ ዲሞክራሲ ክምዕብል ኣይክእልን፣ ዝብል ነቲ ካብ ጊዜ ናጽነት ኣትሒዞም ንልዕልና-ሕጊን መሰልን፣ ዝሓተቱ ዜጋታትና ብውልቀ መላኺ ዝወረዶም ግፍዕታትን ምጽናትን ከይዓጎቶም ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዘባራቡሩና እናዘከርኩ፣ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ከርሲ ኤርትራ ብመጽሓፍን ብቓሉን ዝመጸና መልእኽታትን ለበዋን ናይ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ኪዳነ ብምንቃል፣ ነታ ኣብ ስኒትና  ተለጢፋ ዝረኸብክዋ ሓጺር ታሪኽ ሂወቱ ክነቅል መሪጸ፡፡ምኽንያቱ ንግዝኣተ ሕግን ዲሞክራሲ ዝጠልቡ አብ ውሽጢ ሃገር ከምዘለዉ ከም መዘከርታ ይጠቅም ዝብል ሓስብ ስለ ዝመጸኒ፣ንኣኽብሮትን ሓቦን ጽንዓት ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብነት ክንክተል ስለ ዘለና እዉን እዩ፡፡ ብሓጺርን ግን’ከ ሕጋዊ መልክ ዝሓዘለ ኩቡር ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ዝበሎ ፡ንህዝቢ ኤርትራ፣ ካብዚ ብስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ተዳሂኽካ፣መሰል ተሓሪሙካ ዘሎ ንኽትወጽእ፣ወይ መቐይሮ ክርከቦ እንተደኣ ኮይኑ፡እስኻ ባዕልኻ ኢኻ ክትቕይሮን/ከተምጽኦን እትኽእል፡ስለዚ በርቲዕካ/ጸኒዕካ፣ ስጋብ ዓወት ተቕለስ እየ ዝብለካ። ን-ኣቶ ኢሳያስ ክኣ ዝብሎ ኣሎኒ፡ 1) ነቶም ካብ ሞትን ማእሰርትን ኣምሊጦም ዘለዉ ኣባላት ባይቶ፣ ክእከቡ ናትካ ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ብሁጹጽ ኣኸባ ባይቶ ጸውዕ፤ ነቲ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ፣ ጉቡእ መምርሒ ባይቶ ከይተዋሃብካ፣ ብገዛእ ርእስኻን በይንኻ ምስ ውሑዳት፣ብዘይካ እሺ ክልእ ዘይፈልጡ ኡሙናት መሳርሕትኻ፣ ወሲድካዮን ትወስዶ ዞሎኻ ሱጉምትታት ጠጠው ከተብሎ ትዕደም፡፡ 2) ኣነን ንስኻን ኣብ ተለቪጅን ቀሪብና ናይ ክርክር-ዘተ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ዝሓለፈን ዘሎን ንዝመጽእን፣ፖለቲካዊ-ቁጠባዊ-ማሕበራዊ ዝሓዘለ ክንካታዕ ይዕድመካ።ሳዕበን ምእካብ ባይቶ ክውሰድ ዝኽእል ውሳነታት ፉጹም ምልውዋጥ መሪሕነት ሃገረ ኤርትራ ከም ዝኸዉን ኣተኒሁ፡፡ እዚ ጠለብ ናይ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ኪዳነ፣ ብውልቀ መላኺ ክስማዕ ወይ ክቕበል ከምዘይክእል፣ ብተሞክሮ ንይቶም ኣቐዲሞም ግዝኣተ-ሕጊን መሰል ደቅሰባት ክኸብር ዝሓተቱ ዚጋታትና ዝረኸብዎ መልሲ ኩላትና እንፈልጦን ንዝክሮን እኳ እንተኾነ፡እቲ መንፈስን ጠለብን ድልየትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ህዝብና፣ ዘንጸባርቕ ዝሕተትን ምዃኑ ይሕብር፣ጥራይ ዘይኮነስ ሃዋህውን ስሚዒት ህዝብና፣ ኣብ ልእላውነት-ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኣብ ሓደጋ እትኣትወሉ ዘላ፣ከምዚ ዝኣመሰለ ልዑል/ፍጹም ዝኾነ፣ጽብለልታዊ ጽዊዕት ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ዲያስፖራ ዝርከብ ህዝብና ብፍላይ ክኣ ንመንእሰያት፡ ወዳኢ/ፈጻሚ እዚ ዲክታተር ኢሳያስ ዘይኮነስ፡ህዝቢ ኤርትራን እቲ ወራሲ ዝኾነ መንእሰይ ምዃኑ ብምርዳእ   ክብገስን ሓላፍነት ክስከም ምዕዳሙ ኣገዳስነቱ ፍጹሙን/ሉኡልን እዩ ከብለካ ዝኽእል፡፡ እዚ ክኣ ነዚ ልዕልና-ሕጊ ከይህሉ ፈጥርዎ ዘሎ ኣጋባብን፣ነዛ ብውልቀ መላኺ እትውነን ዘላ ሃገር ንምድሓንን፣ንስርዓቱን ምስኡ ሕግብግብ ዝብሉን ካብ ሱሮም በንቊስካ፣ዲሞክራሲ ንምትካል፡ሕጂ ብዘይ ውዕል ሕድር፣ኩሉ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ዘበለ ሓቢሩ፡ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ተዋሃሂድካ እትቃለሰሉ እዋን በጺሕና ከም ዘሎና እዩ ዘመስክር።

ዝኾነ ስርዓት ወይ ስነ-ሓሳብ ከምኡ ቅርጺ ክዓቢ ከሎ ምስቶም ኣብ ውሽጥን ደጋውን ከባቢኡ ዘለዉ ሓይልታት ይዋሳእ  እዩ።ከምዚ ክኸዉን ከሎ እቲ ስርዓት ወይ ቅርጺ፣ኣብቲ ክዋሳእ ከሎ ዚሂቦ ወይ ዘቕርቦ ግብረ መልስታት፣ ጊጋታትን ተጋራጨውነት ስለ ዝፈጥሩ፣ ገሊኦም ብድሆታት ድማ ብቑዕ መልሲ ስለ ዘይረኽቡ፣ ኣብ ውሽጡ ዘድክም ኣበራት ተቓራኒ

ሓይልታታ ተኣኪቦም ኣብ መወዳእታ ነቲ ስርዓት ወይ ስነ ሓሳብ ወይ ነቲ ቅርጺ ኣብ ምፍራስ ወይ ኣብ ምዝራግ ወይ ኣብ ምዳቕ ተራ ይጻወቱ። ልክዕ ከምዚ ኣብ ውሽጥን አብ ደገን ዝግበር ዘሎ ኣንጻር እዚ ውልቀ-መላኺ ስርዓት፣ምትእስሳርን ምውህሃድን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ቅርጺ-ውልቀመላኺ ፈርከሽከሽ ናይ ምባል ዓቕምን ሓይልን ክርአ ምዃኑ እዩ ዝርኣየካ። ምኽንያቱስ እቲ፣ተቓራኒ(ንፍትሒ ዝቃለስ)ሓይሊ፣ካብቲ ንይ ውልቀ መላኺ-ሓይሊ እናበርትዐ ኣብ ዝካየደሉ እቲ ቅርጺ ወይ ተጣናኒጉ ዝመስል ዝነበረ ሓይሊ ወይ ስርዓት ክፈርስ/ክባታተኽ ይጅምር።

እቲ ነዚ ስርዓት ተኪኡ ዝመጽእ ቅርጺ/ስርዓት’ውን ብወገኑ ተመሊሹ ኣብዘይ ተፈልጠ ሃጓፍን ባዶነት-ስልጣን፣ወይ ዕግርግር ዝሰፈና ሃገር ከይትኸዉን ምእንቲ፣ ስልጣን ህዝቢ ዝጭብጠሉ፣ መስርሕ-ምስግጋር ዝራጋገጸሉ፣ተሳትፎ ሙሉእ ህዝቢ ዝዋሓሰሉ ንኽህሉ ባይታ ክፍጠር ስለ ዘለዎ፣ ንዘሎ ዓቕምታት ኣዋሃሂድካን ተቐሪብካ ክትጸንሕ እዩ ዝግባእ፡፡ ከም እንርእዮ ዝሎና፣ኣቶ ኢሳያስ ነቲ ናይ መጋሎማንየኛ ባህርያቱ ንምርዋይ፣ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀላስን ኣላይን መሲሉ ክቐርብ ላዕልን ታሕትን ክብል ይርአ አሎ።ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋውን ዘይባህርያዉን ጠብሎቕሎቓትን፣ መስመሩ ዝስሓተ ዝምድና፡ምስ ሶማልን ኢትዮጵያን ናይ ሓባር ውዕል ምኽታም፡ ወከልቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ኤርትራን ዝሓወሰ ናብ ጅቡቲ ብምኻድ ናይ ዕርቂ ዘተ ምጅማር፡ናይ  ደቡብ ሱዳን ፕረሲደንት፣ናብ ኤርትራ ምምጻእ፣ ነቲ ባዕሉ ገዲፍዎ ዝነበረ ኢጋድ ዝብሃል ምትእኽኻብ አብራቢርካ ናይ ሓባር ስራሕ ብዝብል፡ፍሕትሕት ዝባሃል ዘሎ፣ ነቲ ሕልሚ አቶ ኢሳያስ ጎብለል ቀርኒ አፍሪቃ፣ ንምዃን ውጥኑ ከተግብር እዩ ህርድግ ዝብል ዘሎ ዝመሰል። ቀደም እዉን እንተኾነ፣ ምስ ነፍሲሔር መለስ ዘናዊ እቲ ውድድር እሱ ኢዩ ነይሩ ክባሃል ይካኣል። እዚ ሕጂ ምስ ቐዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ አብይ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ ሕግብግብን ዕሸላዊ ዝመስል ቀብጠርጠራት ንሕልሙ ምርዋይ ክኸዉን ከሎ፣ ኣብይ ኣሕመድ ክኣ አብ ኢህወደግ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቁሩቁስ ኣብ ርእሲ ወያነ ተዓዊትካን ጸብላሊ ሓይሊ ኮንካ፣ድልየትካ ተማላኣሉ ውጥን፣ንኽልቲኦም ከላግቦምንን ሓቢሮም ን-ተጻረርቶም ክወቕዑ ዝገብርዎ ውዕልን ስምምዕን እዩ ዝመስል። ክሊቲኦም በቢጠቕሞም ብሽም ርግኣትን ሰላምን ክዳጋገፉን ብፍልይ ብወገን ኢትዮጵያ እቲ ብውግእ ክንረኽቦ ዘይካኣልና ምጥቃም ወደባት ሕጂ በዚ እንገብሮ ዘሎና ክልቲአዉን ሶማል ወን ዝሓወሰ ርክባት፡ዕርቃዊ ውዕላትን፡ ነቲ ቁጠባዊ ምዕብልናና ብተዓጻጸፊ ከበርትዖን ካብ ንነዊሕ ከሳቕየና ዝጸንሓ ድኽነት ክንጋላገል ኢና ብዝብል ዘመተታት ይካየድ ምህላዉ እንርእዮ ዘሎና ህሞት እዩ።

ብወገን ኤርትራ ግን እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣጋባብ፣ዋላ ሓንቲ አፍልጦን ውሽጣዊ ለውጢ ዝርኣ ነገር የለን ፣ ካብቲ ዝርአ ብኣየር ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ምጽዋዕ ናይ ኢትዮጵያ መርከብ ኣቑሑት ጺዒና ክትኣቱን ክትወጽእን ክትርኢ ኮታ ብገዛእ ዓድኻ ተዓዛባይ ኮንካ፣ኣብ ዝተወደአ ምዕዛብ እዩ ዘሎ። ከምዚ ኢሉ ንቕድሚት ከምዘይከይድ ግን ሩጉጽ እዩ። ኩሉሳዕ ተረጊጽካ አይንበርን እዩ፤ ናዕቢ ክህሉ እቲ ኩነት እዩ ዝዕድሞ።

ብዛዕባ ዶብ ምዝራብ ተሪፉ፡ብሰማይ ብባሕሪ፡ሕጂ ክኣ ብዘይ ሕጋውነት፣ብመሬት ዘላምንበሳ መታሓላልፎ ብኽልቲኦም መራሕቲ ተመሪቑ፤ ህዝብታት ክራኸቡ ብዝብል ምስምስ ነቲ ብዓሰብ አቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ኣቑሑት ን-ኣብይ ኣሕመድ ዝጠቕም ፖለቲካዊ መኽሰብ ዝዓለመ ደኣምበር ህዝብታት ደኣ በየናይ ኣጋባብን አብ ምንታይ ዝተመርኮሰ ስርዓተሕጊ ዋላሓንቲ ጉሉጽ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ነቲ ብኽሊቲኦም መንግስታት ናይ ዶብ ዝፈጠሮ ውግእ ኣይኮነን ነይሩ ዝበልዎ ዝነበሩ ግን ሕጂ ብጋህዲ ተራእዩ። ስለምንታይ ብኽልቲኡ ወገን እዚ ዘይብሃል ህዝቢ ሃሊቑን ቁጠባውን ማሕበራዉን ዕንወት ዘምጽአ ምስምስ ዶብ ውግእ፣ መልሲ ዘይተዋህቦን ወይ ይጽንሓለይ፣ ኮታ ከም ተረሰዐ ኮይኑ ተሪፉ።

እቲ ዘይስሓት ናይዘን ክልተ ሃገራት ብፍጻመ መንስታተን፣ሓቢሮም ምውሳኦም፣ ዞባዊ ጽልዉኡ ርዱእ ኮይኑ፡ነቲ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ብወገን ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ግርጭታት ንምትጋእ፡ኣብ ኤርትራ ክኣ ብድኽነት ዝተጠቅዐ-ሃለዋትን ናብራን ህዝቢ፣ብኩራት መባእታዊ መሰላት፣ግህሰት ምምላኽን፣ውገዳ ምንቅስቓስን፣ብግዲ ናብ ስደት ከተምርሕ ምግባርን፣ብነጻ ሓስብካ ምግላጽን ምዝራብን፣ምስዋር እሱራት፣ግዝኣተ-ሕጊ ዘብሉ ሃገር ክነሳ፡ምስ’ተን ቁዋም ዘለወን ብምርጫ ህዝበን ኣቢለን ሓጋጊ-ኣካል ካብኡ ፈጻሚ ኣካል፣ ነጻ ዝኾነ ፈራዲ ኣካል ኣለና ዝብላ ፣ ምስ’ዚ ውልቀ መላኺ ዉዑል ክፍርማን ናይ ሓባር ስራሕ ከነካይ ኢሎም ክጓዓዙ ክትርኢ ከልኻ ከምይ ?ንምንታይ ?ናበይ ? ንመንከ ይጠቅም ዝብል ሕቶን ፖለቲካዊ ምምርማር ክትገብር ትግደድ ጥራይ ዘይኮነስ ምስጢራቱ ኣነጺርካ ፈሊጥካ ንህዝቢ ክትሕብር’ውን ይጽውዓካ፡፡

መንግስታት ኣብ ውሽጠን ከባያውያን ምናልባት እዉን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ክዋሱኡ ንቡር እዩ። እቲ ቀንዲ ዝምዘነሉ፣መሰርት ናይ ዞባዊ ኣቦርክትኦም ዝኸዉን ግና ኣብ ሃገሮም ዘለዎም ርክብ ዝምድናን እዩ። መንግስታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ከመይ ይዋሱኡ፣ንስልጣኖም ንምጥጣሕን ንምድልዳልን እንታይ ዓይነት ስትራተጂ/ውጥን የውጽኡ ኣገዳሲ እዩ።  እዘን ሰለስተ ሃገራት ስጋብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝነበረን ዝምድናታት ኩላትና እንፈልጦ ኮይኑ፡ስርዓተ-ኤርትራ ብኢትዮጵያን(እቲ2000 ብሳልሳይ ኣካል ጠጠው ዝበለ ውግእ ገዲፍካ)፣ሶማልን፣ጁቡትን ኣብ ሕ.ሃ. ዝኸሰሰኦ ዘሳዓቦ እገዳ ክውሰድ ዝተገብረሉ ክነሱ፡ሕጂ ናይ ዕርቂ ዋና ተዋሳኢ ኮይኑ ክቐርብ ከሎ፣ነቲ አብ ከርሲ ሃገረ ኤርትራ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ንም ዕጋቱ፤ ኢትዮጵያ፣ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ውችጢ ሃገሩ ዝካየድ ዘሎ ፖለትካዊ ምፍሕፍሓት ክዕወት ምእንቲ፡ ፕረሲደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብድላሂ መሓመድ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዘሎ ዘይዓርፍ ዱጉል ሓዊ ከጥፍእ፣ኮታ ኩሎም በቢ ጠቕሞም፣ ገሊኦም ስልጣኖም ከደልዱሉ እንተ አቶ ኢሳያስ ግን ምንዋሕ ዕምረ ስልጣኑን ጎብለል

ናይ ምዃን ህርፋኑ ድኣምበአር፣ ሓልዮት ህዝብን ጠቕሚ ሃገርን ዘይምዃኑ፣ እቲ ሰለስቲኦም ዝተሳማምዕዎ ዉዑል ምርኣይ ይኣክል።  ጠቕምን ፖለቲካዊ መኽሰብ ናይዞም ሰለስተ መራሕቲ ከብለኒ ዝኻኣለ፣ እቲ ንሳቶም ዝተሳማምዕዎን ኣብ ዓለምለኽ ብተፋላለዩ መንግስትስት ዝግበር ዉዑላት ከተናጻጽሮ ከለኻ ጎሊሑ ይርኣየካ።   ነዚ ንምብራህ ኢለ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተገብረ ዉዑላት ብሓፈሻ ወይ ጽማቕ ከምዚ የቕርቦ፡፡ ኣፍሪቃ ኣብ ኣሁጉራዊ ቁጠባዊ ዕዳጋ፣ ታሪኻዊን መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ጉዕዞ ተተይ ክትብል ጀሚራ ፡፡ኣርካን/ፍሉይ ኣኸባ፣ ኣብ ኪጋሊ ርእሰ ከተማ ሩዋንዳና 44ካብ 55 ኣባል ሕቡራት ሃገርት ዝኾና፡መጀመርያ ናይ ሓባር ዕዳጋ፣ ናጻ ወይ ሓጹር ኣልቦ ቀረጽ/ተጎ ብሕጽር ዝበለ 90% ጎደሎ ቀረጽ ኸታኣታትዋ ተሳማሚዐን፡፡ ጉዕዞንን ሕልምን-ብነጻ ምጓዓዝ፣ ናይ ኣቕሓን ሰብን ምስ ውጥን/ዕላም/ኣጀንዳ 2063 ዝፍለጥ ብሕቡራት ህገራት ኣፍሪቃ ዝተሳማምዕዎ/ዝነደፍዎ፡እሱ ጥራይ ዘይኮነስ ስጋብ ሓድነታዊ ፓስፖርትን ሓደ ገንዘብ ኣፍሮስ ዝስመ ክግበር ድልየት ከም ዝነበረን፣ብዙሕ ጸገማት ስለ-ዘጓነፎ፣ጌና ኣብ መዓሎ ዘይዋዓለ፣ምስ ኹሉ ከጓንፍ ዝኽእል ሓርጎጽጎጻትን ዓንቀፍትን ኣብ ጉዕዞ ከም ዘሎ ይሕበር፡፡ እታ አብ መጠርሽታ ኣብ ምፍራም ምስተበጽሐ ካብ ምርጫ ዘንስሓበት፣ናይ ኤኮኖሚ ዓንዲ ሕቖ ምዃና እትፍለጥ፣ ኒጀርያ ምዃና ፍሉጥ ኮይኑ፡ናይ ሽዑ-ሽዑ ጠቕሚ ዘይኮነስ፣ንነዊሕ ዝርኢ-ጠመተ/ስትራተጂ ክሓስቡን ንረብሕኦምን ረብሓ ኣፍሪቅን ክሰርሑ ንምርዳእ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ግን፣ብሓቂ ምዕቡል ኣጋባብ ብፍላይ ክኣ፣ኣብ መሰል ደቂ-ሰብ ዝተሞርኮሰ ምዕባለ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ዝተሞርኮሰ ውዑል ናይ 15+1 ኣብ መዕረባዊ ኣፍሪቃ፡ብ-1975 ኣብ ላጎስ ኣብ ቁጠባ ዝተሞርኮሰ ስምምዕ ኣትየን።  ብ-CEDEAO ዝብል ስም ይፍለጥ፡፡እተን ዝኸተማ ሃገራት፡ በኒን፣ቡርኪና-ፋሶ፣ ኮስታዳቨርዮ፣ ጋምቢያ፣ጋና፣ ጒነያቢሳው፣ሊበርያ፣ ማሊ፣ ኒጀርያ፣ ኒጀር፣ ሰነጋል፣ ሲየራ/ሊዮነ፣ ቶጎ፣ተደመሮ ለስትሆ(ሓደ ክፋል ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ)፣ክኾና ከለዋ ጽላት ብጽላት፣ምዕራፋት ዝሓዘለ ሰፊሕ ደኩመንት ዝተሰነየ፣ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ፣ ብፍላይ ከኣ መሰል ደቅሰባት ዝሓለው፣ነጻ ምንቅስቓስ ኣቑሑን ሰባትን ዝተሞርኮሰ ዱልዱሉን ምዕሩግን ዉዑል እዩ። ብሕጽር ዝበለ መሰረታዊ ናይ፣ CEDEAO ከምዚ ይመስል፡  ማዕርነትን ተዳጋግፍነትን ናይዘን ውዕላት ዝፈረማ ሃገራት  ስምረት/ጥምረት ምድግጋፍን ኣብ ሞንጎ ነዚ ወዕል ዝከተማ ክህሉ ምጽዓር  ኣብ ሞንጎ ነዚ ወዕል ዝኸተምና፣ መጥቃዕቲ/ጎነጽ ወይ ዓመጽ ከይህሉ ምጽዓር  ሰላም-ውሕስነት-ርግኣት ኣብ ዞባና ክህሉ፡ናይ ውህደትን ምትብባዕን ኣብ ውሽጥና ክህሉ ምግባር  ንመሰል ወድሰብ ምሕላዉን ንጡፍ ኮይኑ ማህበራዊ ሂወቱ ከሳላስል ምትብባዕን ምክልኻልን ከም ቀዳማይ ስራሕና ኮይኑ፣ ነቲ ናይ ሑቡራት ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለምለኻዊ ሰነደ መሰል ደቂ ሰባት ተመርኲሱ ዝወጸ እዩ  ኣኽብሮን ሞሳ ንኹሉ፣ ነጋባብ ስርዓተ-ሕጊን ናይ ማሕበረ-ኮማትና CEDEAO ምስ-ዝሕሎ ስምምዕና ተዋሃሂዱ ክኸይድ ይኽእል።   ጎስጓስ/ምትብባዕን፣ ጥምረት/ብርታዐ/ድልዱል ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ-ሕጊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነዚ ዉዕል ዝኸተማ ንኽህሉ በዚ ወግዓዊ ልሳን ወዕል ፖለትካ ኣብ 6/ሓንለ/1991 ኣብ ኣብጃ ኣውጆም፡፡ዝርዝር ዉኡል ብሰፊሑ ተጻሒፉ ከም ዘሎ ኣብቲ ናይ ዉዑል ሰነር ይርከብ።

ብሓፈሻ ስምምዕ ሕ.ሃ.ኣ. 44 ናጻ ናይ ኣቑሑ ዉዑል ዝፈረማ ክኮና ከለዋ 31 ከኣ እንኮላይ ናይ ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ወዕላት ዝፈረማ እየን ። ካብኡ ሓሊፉ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ጉዕዞ፡ምስቲ ኩሉ’ቲ ዘጓንፎ ደጋዊን ውሽጣውን ተጻብኦታት/መዕጋትን ተተይ እናበለ ይቕጽል ምህላዉ እዩ ዝሕበር፡፡ ጡሉቕ መጽናዕቲ ዝሓትት ምዃኑ ብሩህ ኮይኑ፣ ኣገዳሲ ኣርእስቲ እዉን እዩ። ካብዪ ሃሊፉ 15+1 ብ-CEDEAO ዝፍለጣ ናይ ሓባር ስራሕ ዘካይዳን ሙዕቡል ኣሳራርሓን ኣብ መሰል ደቂሰባት ዝተሞርኮሰ ስልጡን ዲሞክራሲያዊ ኣጋባ ንምኽታል ዝገብር ዘለዋ ጻዕሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበላን እናደልደላን ምውህሃድን/ምትሕብባርን/ምትሕግጋዝን ተሰንየን ክሰርሓ ክትዕዘብ ትሕጎስን ከም ኣብነት ክውሰዳ ኣለውን የብለካ፡፡     እቲ ዘገርም ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓፈሻዊ ውዕል 44 ናጻ ኣቑሑት ምንቅስቓስ ክትህሉ ከላ፣ሶማል ኣብ ክሊቲኡ ማለት ናጻ አቕሓን ሰብን ዝፈረመት ኮይና፡ኤርትራ ግን ኣብ እዚ ኩሉ ዘይትኻፈልን ውዕል ዘይፈረመት ኣያ።  በዚ መሰረት ኣብ መሰልን ዲሞክራስያዊ ኣጋባብ ዘይሓለወ ወዕል ኤርትራ-ኢትዮጵያ-ሶማል ክገብራ ከለዋ፡እሞ ክኣ ንጁቡቲን ደቡብ ሱዳን ናብዚ ስሉሳዊ ስምምዕ ክጽንበራ ህርድግ ክብሉ ክትርኢ ከሎኻ፡ናበይ ንምብጻሕ ብመን ዝተጠጀአ፣ ናይ መን ጠቕሚ ንምምጻእ ዝብል ወኸሰታት ክስዕብ ናይ ግድን ይኸዉን፡፡

ዉኡል ናይዞም ሰለስተ ስርዓታት፣ ምስቶምናይ 15+1 መንግስታት ንምንጽጻር፡ጽማቕን-ሓፈሻውን ካብ ቃል የማነ ማንኪ ዝሰማዕክዎ ከቕርቦ ክፍትን እየ፡፡ ኣገልጋሊ ውልቀ መላኺ የማነ ማንኪ ይብል፡እዞም ሰለተ ሃገራት ብባህሊ ይኩን እምነት ቋንቋ ከምኡ ማሕበራዉን ቁጠባዉን ዝምድናታት ይኹን ምዕባል ምጣነ ሃብቲ ተማሳሳልይን፣ ሓቢርካ ከተማዕምብሎ ዝካኣል ምዃኑ ብምርዳእ ድሕሪ እቲ ብሱትርን ሃናጺን ብሉኡኻቶም ተዳጋግሚ ዝተገብረ ርክባት፡ሰለስቲኦም መራሕቲ ወግዓውን ኣድማዕን ዉዑል ክፋራረሙ ኪኢሎም። እቲ ስምምዕ ልክዕ ከምቲ ኣቐዲሙ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቲመንኦ ዝነበራ ዝማሳሰል እዩ ንምዝካር

1. ኣብ-ሞንጎ ሰለስቲኤን ዝነበረ ሃውሁው ጎነጻት/ተጻራርነት፡ጠጠው፡ምባልን፡ከብቅዕን 2. ሰለስቲኦም ሀገራት ኣብ ፖለቲካ ቁጠባ ምሕበራዊን ሓቢርካ ምዕባይ  3. ማሕበራዊ ምዕባልን፣ሰላምን ምርግጋእ ምእንቲ ክህሉ ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ሙሉእ ምትሕብባር ምግባር 4. እዚ ዉኡል እዚ ንደቡብ ሱዳን፣ ጁቡቲ ብፍላይ ብሓፈሻ ክኣ ነተን ኣብ ዞባና ዘለዋ ዝሓወሰ ክኸውን ምጻዓር፡ 5. ነዚ እተማልኦ ላዕለዋይ ሓበራዊ ኮሚቴ ኣቚመንስ ድሮ ስርሐን ጀሚረን ኣለዋ። ዝብል ዘረባታት ተሰሚዑ፡፡

ኩቡራት ተኻታተልቲ እዚ ናይ ሰለስተ መንግስታት ዉዑል ፈጺሙ ብዛዕባ መሰል-ወዲሰብን ዲሞክራስያዊ   ኣጋባብ ዝብል ብማንም ዓይነ ኣይጠቅስን/ኣይረቝሕን፣ማሕበራዉን ቁጠባውን ምዕባለ በቲ ጨቋኒ ደስፖታ ዝኾነ ስርዓት ዝደልዮን ንዑኡ ዝጠቅምን እምበር ብተበግሶ ህዝብን ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝተሞርኮሰ ኣይኮነን፤ ሰላምን ርግኣትን እዉን እንተኾነ ብዘይ ልዕልና-ሕጊ ዲሞክራስያዊ ኣጋባብን መሰል-ደቂሰባት ዝሓለወ፣ ምስ ዘይኸዉን ውጺኡቱ ዕንወት ጽነተ-ህዝብን እዩ ዝኸዉን። በዚ ዓይነት እዞም ሰለስተ መራሕቲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዘሎ ዘይርጕኡን ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ንምዕጋት/ንምድቋስ ዝገበርዎ ምሕዝነት ምዃኑ ብሩህ እዩ።

ካብዚ ዝነቐለ ንደምበ ፍጥሒ ክላበዎ ዝደሊ፣ ኣብ ክንዲ ኣቶ ኢሳያስ እዚ ፈሪሙ፣ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ከምዚ በለ፣ፕረሲደንት ሶምል ተሓዊሽዎም፣እናበልካ ደድሕሪኦም ንዝበልዎን ምንቅስቃሳቶም፣ክትመሚን ክትጻናጸንን፣ ካብ ጉቡኡ ንላዕሊ ክትንትን ምውዓል፡ብወገንካ ነቲ ህዝብታት ናይዘን ሰለስተ ሃገራትን ኣብ ዞባና ዝርከባ ሃገራት ብምሕዋስ፣ሰላም፣ርግኣት፣ቁጠባውን ማሕበራዉን ምዕባለ፣ከምጽእ ዝኽእል፣ቁኑዕ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውጥን ኣውጻእካ፣ መተካእታ ወይ መለሳ፣ናይዚ ዝተኸተመ ዉዑል ከቕርብ  ይግባእ።   ብቐዳምነት ኣብ ውሽጢ ሃገር፣በዚ ጨቛኒ-ስርዓት-ዝፈጠሮ፣ ፖለቲከኛታት፣ሰብ ሕልናን፣ኣመንቲ-ሃይማኖታት፣ ጋዚጠኛታት፣ዓገብ ዝበሉ ዓበይቲ ዓዲን፣ኣድማ ዝገበሩ መንእሰያት ትሕቲ ዕድመ ከይተረፉ፣ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዎ ኽፍትሑ፡ ዘድሊ ተበግሶታትን ምውሳድን፣ብሓባር ምስራሕን፣ብሓጺሩ ሓበራዊ ጽላል ሃልዩካ ኩልኻ ትዋሳሉ ባይታ ብምፍጣር ምስ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ንፍትሒ ዝቃለስ ክትታኣሳሰር ምብቃዕ የድሊ። ከምቲ ኣቐዲምና በተን 15+1 CEDEAO ዝገበርኦ ውዕል ብምምልካት ነቲ አብ አትላንታ ዝወጸ ማኒፈስቶ ነቒልካ ከህብትምን ክቕጽልን ምግባር ኣድልይ ኮይኑ ይስማዓኒ።  

 

ሕጂ እዉን ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር 

ኣብ ዝመጽእ የራኽበና 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top