Main Menu

ሓደጋ ኤርትራዊ መንእሰይ ድሕሪ ነጻነትን ቃልሱን

          ሓደጋ ኤርትራዊ መንእሰይ ድሕሪ ነጻነትን ቃልሱን

ብቀዳምነት ኣብ’ዚ ከም መተሓሳሰቢ ክንብሎ ንደሊ፡ኣብ’ዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ንኩሉ ጾታ ማለት ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮ መንእሰያት ኤርትራ ብዘይኣፈላላይ ዘጠቓለለ ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።

ሓደጋ መንእሰይ ኤርትራ ሓደጋ ሃገር’ዩ። መጻኢ መንእሰይ መጻኢ ሓንቲ ሃገር’ዩ። እዚ ተረድኦ ከኣ ውርሻ ኣቦሓጎታትና ኣቦታትና ኣያታትናን፡ ኣደዓባይና ኣደታትናን ሳዶታትና’ዩ። ”ዝዓቢ ቆልዓ ኣይትበድል” እኳ ዝበሃል ምስላ ምስ’ዚ ሓይሊ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ መእሰይ ማዕረ ክንደይ ናብዮት ኣተዓባብያ ክብሪ መሰል ከም ዘድልዮ ዝእምት’ዩ።

ሓደጋ መንእሰይ ኤርትራ’ምበኣር ኣዝዩ ዓብይን ከቢድን’ዩ። መንእሰይ ኤርትራ ብፍላይ እቲ ካብ መፋርቕ 70ታት ተወሊዱ ንነጻነት ዘርከበን ድሕሪኡ ዝተወልደን ጎምበለ’ዩ። ግምታት ቅሩብ ክብል ወይ ለጠቕ ክብል’ኳ እንተኸኣለ ብዘይጥርጥር እዚ ወለዶ’ዚ ኣቦታቱ፡ ኣደታት፡ ኣሕዋቱ ኣሓቱ ንምእንቲ ነጻነት ብድሌቶም ምስ ሙሉእ ሃገራዊ ወኒ ተሰሊፎም ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ’ዮም። ኩነታቶም እዚ ኮይኑ ዝዓበይሉ ኣሕዛኒ ግፍዕን ጭቆናን፡ ቅትለት ማእሰርቲ ምምሕዳር ደርግ ሕርሕራይ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ዝደሃኸ’ም ምስኡ ዝተዳህኹ ስነ ኣእምሮኣዊ ሻቅሎት ብዝተመልአ ግን ከኣ ነቶም ገዲፎሞም ንበረኻ ዝወጹ ብተስፋ ብዓቢ ተስፋን ሃንቐውታን ዝጽበዩ ዝነበሩ’ዮም፡ ብዙሓት ድሮ ዓብዮምስ ኣብ’ቲ ዝነበረ ቃልሲ ንነጻነት ግደኦም ዘበርከቱን ክሳብ መስዋእቲ ዝበጽሑ መንእሰያት ነይሮም’ዮም። ገገለ ካብኦም ኣብ ገድላዊ ስርሒት ከተማ ከም መንእሰይ ዓብለሎም ሞጎስ፡ ኣብ ስርሒት ኮማንዶ ኣብ ምዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ደርጊ ዝመስከረሉ መንእሰይ ሂወቶም ዝከፈሉ ዝርከብዎም’ዮም።

መንእሰያት ንተስፋታቶም ክውን ንምግባር ካብ ተሳትፍኦም ንላዕሊ ብዝተፈላልየ መንገዲ ገድሊ ኤርትራ ንኽዓብን ክሰፍሕን ክዕወትን ዓብይ ኣበርክቶ ዝገበሩ፡ ብመጽሔት ይኹን ብሬድዮ ደሃይ ሜዳ ተኸታቲሎም ንከባቢኦም ዘበስሩ በላሕቲ ተባዓት መንእሰያት እዮም ዝነበሩ።

ደርጊ ኣብ ወታሃደራዊ፡ ፖሊቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ኣብ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻኢ እንዳተሳዕረ ምስ ከደ ከኣ ሕን ሕነ ኣብ ልዕሊ’ዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ዓብይ ግፍዒ፡ ማርያም ግንቢ ሰምበል ግቢ ዝምስክርኦ ፈጺሙ፡ መንእሰይ ኤርትራ ነዚ ግፍዕታት እንዳረኣየ ተቢዑን ተጊሁን ብምቅጻል ነጻነቱ ትመጻሉ፡ ሓርነቱ ተቐኒቱ ሃገራዊ ውራዩ ከሳሲ ከም ብጽሕቲ ወርሒ ነፍሰ ጾር መዓልቲ እንዳ ቆጸረ ብዓይቢ ተስፋ ተጸበየ።

ብስላ ጽንዓትን ውህሉል ህዝባዊ ቃልስታት ብረታዊ ተጋድሎና ተዓዊቱ፡ ነቲ ሓያል ዘይስዓር ዝመስል ኣፍሪቃዊ ጎብለል ሰራዊት ኢትዮጵያ ስዒሩ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ነጻ ኣውጺእዋ። እቲ ዝኸፍአን ንኤርትራ ንምጽናት ዝተላዕለ ሰራም ምስጢር ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ከኣ ኣብ’ዚ ጀመረ። መንእሰይ ኤርትራ ሕሰመይ ብጅግንነት ኣቦይነ ኣደይን፡ ሓወይን ሓውተይ ብዝኸፈልዎ መስዋእቲ ተደቢሰ፡ መከራይ ተወዲኡለይ እንዳበለ ኣይፋሉን ንስኻ ማዕሪኡ መስዋእቲ ከፊልካ ክትነብር ክትክእል ኣለካ ዝብል ሕቡእ ኣጀንዳ ህግዲፍ ኣብ ቅድሚኡ፡ ኣብ ቅድሚ መጻኢ ዕድሉን ሂወቱን ክሰግሮ ዘይክእል ሓደጋ ግትር በለ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣህጉራዊ ደገፍ ዘለዎ፡ ንልምዓት ሃገርን ህዝብን ዘንቐደ’ኳ እንተኾነስ፡ ህግዲፍ ግን ንመንእሰያት ኤርትራ ካብ’ቶም ዘይፈልጥዎም ንበራኻ ወፊሮም ግብኦም ዝፍጽሙ ዝነበሩ ወለዶም ዳግማይ ፍቅርን ሃገራውነትን ትምህርትን ተሞክሮን ውርሻ ከየትርፉ ኣብ ቓራና መንገዲ ሰሪዑ ስድራኦም ንማእሰርቲ ንሳቶም ከኣ ኣብ’ቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብ’ቲ ክንደይ ሂወት ዘህልኸ ሕቡእ ኣጀንዳ ዶባዊ ኵናት ከም ዝቁረኑ ገብረ። ዶባዊ ኵናት ተላዕለ፡ ዘይቀደሙስ ንዕኡ ንምድላው ዝተገብረ ብምንባሩ መንእሰይ ኤርትራ ሓደ ድሕሪ ሓደ ብኵናት ሃለኸ ተስውአን።

ሓደ ብገርሁ ወይ ብድሕሪኡ ከይሓሰበን ከየስተውዓለን መጥቓዕቲ ዝወረዶ ሰብ ኮይኖም፡ ነቲ ኣብ ልዕልኦም ዝተበየነ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ጸርፉን ብደዐን ፈኸራን ባጫን ክቅበልዎ ተገደዱ፡ ዘይንፍትኖ ከኣ ኢሎም ብትብዓት ዝወፈሩ መንእሰያት ብዓጸፋ ግፍዕታት ኣጋጢምዎም’ዩ። ካብ ባህላዊ ልምዳዊ ስድራ ቤታዊ ኣተዓባብያን ካብ’ቲ ኤርትራዊ ባህሊ ብፍጹም ተወገዱን ተኾነኑ። ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ጓኖት ኮይኖም ምስ ዘይፈልጥዎ ባህሊ፡ ባህሊ መላኽI ህግዲፍ ክላለዩን ክፋለጡን ብኡ ክናበሩን ከም ሓሞት ዝመረሮም መንእሰያት ነቲ ብጸላኢ ዝወርዶም ዝነበረ መዓት ብህግዲፍ ምስ ጀመረ መንነቶም ከለልይዎ ኣይከኣሉን። ምስ’ዚ ኩሉ ግን ንምእንቲ ነጻነት ሃገሮም ዝከኣሎም ክሳብ ሂወቶም መስዋእቲ ከፈሉ።

መንእሰይ ኤርትራ ካብ ግፍዕታት ጸላኢ ምልካዊ ወታሃደራዊ ስርዓት ደርግ ንስደት ዘየንቀደ፡ ብዘመነ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ፡ ንዝወረዶ ግፍዕታት ኣብ ረመጽ ክኸይድን ክጻወር ብዘይምኽኣሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ስደት ደጎመ። ከም ሳዕቤን ከኣ ንስደት ከምርሕ ዝገበሮ ፈተነታት ተጨውየ፡ ኣብ ምድረበዳታት ብኣጻምእ፡ ኣብ ባሕሪ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ኤርትራ ሂወቱ ከፈለ። እዚ ካኣ ካልኣይ ሓደጋ መንእሰይ ዝነበረ መድረኽ ክግለጽ ይከኣል።

መንእሰያት ኤርትራ’ዚ ሰንሰለታዊ ግፍዕታት ክወርዶም መገላበጢ ዘይብሎም መዋጥር ዝኣተውሉ ኩነታት፡ ነቲ ዝሓልየሎም፡ ንዕብየቶምን መሰሎም ዝጣበቕ ሓይሊ ይኹን ዜጋ ብሽም ገድሊ ኣብ ሓደ ሚዛን ኣእትዮም፡ ንኩሉ ወለዶ ገድሊ ጽልኣት ኣሕደሩ። እዚ ኣተሓሳስባ ንህግዲፍ እምበር ንማንም ኣይርበሐን። ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰረ መንእሰይ ኤርትራ ምስ ወለዶ ገድሊ ሓቢሩ ከይሰርሕን ከይቃለስን ከይትኣማመንን ቓፍላይ 03 ኣብ ውሽጢ እቲ ምንቅስቓስ ሰዅዑ መንእሰይ ኤርትራ ንሓድነት ከይስርሕ ፋህ ብትን ከም ዝብል ገበሮ። መንእሰይ ኤርትራ ነቲ ብስም መጻኢት ኤርትራ ማለት ብስም መንእሰይ መስዋእቲ እንዳከፈለ ማዕሪኦም ንድሕነቶም’ውን እንተኾነ ዝስጉም ዝነበረ ወልዶ ገድሊ ክንጽልዎ ከግልልዎ ጀመሩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እግሪ እግሮም እንዳሰዓበ ነዞም ዝጠፈሹ ወለዶ ገድሊ ከይትሰምዕዎም፡ መጋባርያ ወጻኢ ሓይልታትን ከዳዓትን’ዮም እንዳበለ ምድንጋራቱ ቀጸለ፡ እዚ ንባዕሉ ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብ’ቲ ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ ምኽሪ ውርሻ ቀጻልነት ሓይሊ ከይረክብ ሓደጋ ወደቆ በዚ ከኣ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ስልጣን ህዝቢ ተቐሚጡ ባዕሉ ሕጊ ባዕሉ ሃገር ባዕሉ ህዝቢ ኮይኑ ክገዝእ ጸኒሑ።

ህዝቢ’ምበር መንግስቲ ነባሪ ኣይኮነን ከም ዝበሃል ሎሚ ህግዲፍ ኣብ ጸሓይ ኣራርቦ፡ ኣፈፈ ሞት ይርከብ ኣሎ። መንእሰይታ ንምድንጋራትን ወረን ሽርሕን፡ ሕሹኽሹኽ፡ ጥልመት ህግዲፍ ተረዲኦም ንዕብየቶም ክሰርሑ ክዓብዩ ዘክእሎም ነጻነት ተሰሚዕዎም ብዛዕብ ህዝብን ሃገርን፡ ፈላሊኻ ዘይኮነ ብምስትውዓል፡ ብነጻ ድሌት፡ ሚዛን ገምጋም ነቲ ብኣቦታቶም ኣደታቶም፡ ኣሕዋቶም ኣሓቶም ተተኺሉ ዝጸንሐ ቃልሲ ንነጻነት ለዓት ሒዞም ክቅጽሉ ኣብ’ቲ ሓድነት ክኣምኑን ብነጻነትን ሓርነትን ክሓስቡ፡ ካብ ወገን ዓሌት ሃይማኖት ፈላላይ ድሕረት ተገላጊሎም ነፍሶም ሓራ ከውጽኡ ህዝቦን ሃገሮም ነጻ ከውጽኡ ይግባእ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ                                            

 






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *