Main Menu

ሓደ መስከረም መዓልቲ ሃገራዊ ሓበን

ሓደ መስከረም መዓልቲ ሃገራዊ ሓበን

ሎሚ ዕለት 1 መስከረም መበል 58 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ክብርን ሓበነንን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ንጠለብን ጸዋዒትን፡ ድሌትን ባህግን ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ቆላሕታ ነፊጉ፡ ጸማም እዝኒ ሂቡ ዝኸደሉ መዋእል ህዝብና ንክብሩን መሰሉን ንምርግጋጽ ብ1 መስከረም 1961 ብመሪሕ ጅግና ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ኣንጻር መግዛእትን ጭቆናን ብረታዊ ተጋድሎ ኣዊጁ።

ብዝተፈላልየ ዓቕምን ብቅዓትን ኤርትራውያን ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእቲ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት 30 ዓመት፡ መላእ ኤርትራ ንባዕዳዊ ወታሃደራዊ ጸላኢ ስዒሩ ብ24 ግንቦት 1991 ነጻነት ዘረጋገጸ መሰረት’ዩ ዝነበረ።

ብሓቂ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንድሌት ባህግን መጻኢ ተስፋታት ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክልን ዘየንጸባርቕን ፡ ንህንጸት ሃገር ዲሞክራሲያዊ መንግስታዊ ምሕደራ ከውሕስን ዘይከኣለ፡ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ህንጸት ሃገር ንሓደጋ ዘምርሕ ፖሊሲ ዝተኸተለ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰይን መጻኢ ወለዶ ኤርትራ ንስደት፡ ንጥፍኣት ሞት ዝደፋፍእን ዝዓደመን ቅዲ ምሕደራ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንጸድፊ መሪሕዎ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን ንምሕደራ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኢዱ ኣጣሚሩ ክዕዘብ ኣይመረጸን፡ እንታይ ደኣ ንኩነን ስርዓት ህግዲፍ ብቅሉዕን ብግሁድን፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ስደት ፊት ንፊት ክገጥሞ ቆራጽ ውሳኔ ብምውሳድ ነቐለ፡ ኣብ መወዳእታ ንተበግሶ ”ይኣክል” ዝወለደ፡ ብዝለዓለ ኣብ ዝተፈላየ ኤርትራዊ መራኸቢ ብዙሓት ዝተዘርግሐ ንወከልቲ ተላኣኽቲ ሰዓብቲ ሚኒስተራት ህግዲፍ ራዕድ ፍርሕን ዘሕደረ ጸዋዒት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ መስራቲ ዕዉት ጉባኤ ሰለስተ ውድባት፡ ንብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ መበል 58 ዓመት ሓንጓፋይ’ሉ ዝተቀበለሉ ውሳኔ’ውን’ዩ።

  • መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ

  • ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ

  • ሰዲህኤ

ኣብ መትከል እምነትን ባሕቲ መስከረም መሰረት ዝገበረ፡ንነጻነትን ሓርነትን፡ ኣብ ቅዋም ዝተሰረት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ልዕልውነት ሕጊ ዘውሕስ፡ ንባህግን ድለኢትን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ቀዳምነት ብምሃብን፡ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብምእላይ ሓድነት ህዝባን መሬታን ዘረጋገጸት ኤርትራ ኣብ ነጻነት፡ማዕርነት፡ፍትሒ፡ ዘትከለ ሃገራዊ ዕላም’ዩ።

ክሳብ ውድቐት ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ከኣ ቃልስና ቀጻሊ’ዩ።

ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

1 መስከረም 2019



(Next News) »



Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *