skip to Main Content
Menu
ሓጺር ታሪክ መንሳዕን ዓድ ናይብን

ሓጺር ታሪክ መንሳዕን ዓድ ናይብን

                                                                                                                                       

ሓጺር ታሪክ መንሳዕን ድ ናይብን 

                  ዝከበርኩም ተኸታተልቲ እዚ መርበብ ልብናን ቀልብናን፣ ህዝብናን ሃገናን ካብዚ ከዳዕ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ነጻ ምውጻእ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን ። ንእግረ መንግድና ከኣ እቲ ቅድሚ ወራር ጣልያን ዝነበረ ፖለቲካዊ መንባብሮ ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢ  ህዝብና እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ሓበሬታ ፈይ እንተብልናልኩም እተጸልእዎ ኣይመስለንን ። ዐዲ ናይብን መንሳዕን ጎረባብቲ ኾይኖም ሓንቲ ቛንቛ ትግራይት ይዛረቡ ።  ቀጺላ ዘላ ሓጻር ሓበሬታ ግን ኩነትታ ሃገር እትገልጽ እያ።

                  ሕጂ እውን እዚ ጠላም ኢሳያስ ን27 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብገንዘቡ ገዛ ከይሰርሕን ክይዕርን ቸመንቶ ኩሕኖ ገይሩዎ ድሕሪ ምጽናሕ ፣ በዚ ተረኪቡ ዝብሃል ዘሎ ሰላም ቸመንቶ ካብ ትግራይ እናመጸ ሰብ ገዛኡ ክሰርሕን ኣብ ንቡር ክምለስ ምስ ረኣየ  ዓይኑ ደም ምልእዎ ነተን ምኻይን ሑጻ ዝጓርታ ደው ከም ዘበለን ካብ ኣስመራ ዝተረኽበ ሓብሬታ ይገልጽ ኣሎ ። በዚ ከኣ እዚ ከዳዕ ኩቱር ጽልኢ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዎ ደጊሙ ኣራጋግጹዎ ኣሎ ፣ ሕጂ ግን ኣብ ኣርኣስተይ ክምለስ

                  ብሔራት ኤርትራ ቅድሚ ምቅልቓል ባዕዳውያን ገዛእቲ መራሕቶም ክመርጹ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ዝቡቅ ባህሊ ነይሩዎም እዩ ።ሕጂ እውን ክንጥቀመሉ ዝከኣል ኾይኑ ይስምዓኒ ። ሓደ ግዜ ኣብ ከባቢ 1850 ክፍለ ዘመን ኣቢሉ ኣብ መሬት መንሳዕ “ብፍትሕ መሓርን ዓበይቲ ዓድን” እናተመርሑ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ እቶም ህዝቢ ከንቲባ ክንመርጽ ኣሎና ብምባል ንኣቶ ተስፋሚካል ገብረስ (ፋራዕ ዐድ ገብረስ ) ክመርሖም  ሓቲቶም ። ኣቶ ተስፋሚካኤል ገብረስ ከኣ ፣ እዚ ካብ በልኩም ሓደ ሰብ ከይትረፍ ኩሉኩም ክተድምጹለይ ኣሎኩም በሎም ። ምክንያቱ ምርሓና እናበሉዎ ዘረባ ስለ ዘይደሊ ይኣብዮም ነይሩ ። ስለዚ ዓዲ ኣብ መኣዲ ስዋ ተጸዊዓ ከንቲባ ክትመርጽ ። እንተኾነ ዓበይቲ ዓዲ ሓደ ትማርያም ተስፋሓንስ ዝብሃል ሰብኣይ ረሲዖም ። ኣቶ ትማርያም ከኣ ብለይቲ ናብቶም ኣብ ጓይላን ሳዕሳዒትን ዝነበሩ ከይዱ “ እብ ግዲ ፤ ወእብ ጤባይ ኢእምብላ ከንተባይ “ እዚ ማለት “ ብግዲ ይኹን ብድልየት ከንቲባ እልና ኣይንጽውዕን ክብል ነቶም ኣብ ጓይላ ዝነበሩ እንታይ ከም ዝነበረ መድብ ዓዲ ደርጓሓሎም ። ኣቶ ተስፋሚካኤል ገብረስ ከኣ እዚ ኩነታት እዚ ምስ ሰምዔ ፣እዝን ወዲ ከምዝ ከይመጽእ ይኣቢ ከምዝነበረ ገሊጹሎም። ብዝኮነ ክንትብና ከይተቀብለ ከም ቀደሙ ዐቢይ ዐዲ ኮይኑ ምምራሕ ቀጺሉ ። ኣቶ ተስፋሚካኤል ገብረስ ወዱ እድሪስ ቅድሚኡ ስለ ዝሞተ እቲ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ናብ ወዲ ወዱ ቴድሮስ ሰገረ ።

                  ኣብቲ ግዜ እቲ ክንትብና ዝህቡ ዝነበሩ ካብ ከበሰ ደጊያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ድሒሩ እውን መኾንን ወዲ ራእሲ ወልደሚካኤል ነይሮም ። እዚ ኣብ ዳሕረዋይ ግዜ እዩ እምበር ኣብ ቅዳሞት ኣባሓጎታትና ካብ ሃጸይ ፍሲልን ህጸይ ልብነ ድንግልን ይወስዱ ከምዝነብሩ ታሪኽ ይገልጽ ። ብዝኮነ ኣቶ ቴድሮስ ኢድሪስ ኡኩል ሰብኣይ ኾይኑ ከምቲ ግዜ ዝጠልቦ ዝነበረ ክዘምትን ከዘምትን ድሕሪ ምጽናሕ ፣ እታ ክንትብና ክይረግኣትሉ ፡ናይብ  ሓሰን ኢድሪስ ግብሪ ክወስድ ካብ ሕርጊጎ ናብ ኣፍዓአበት ይመጽእ ።እዚ ወሬ እዚ ዝሰምዑ ክልተ ኣሕዋት ጀሀድን ኣዳላን ዝተባሃሉ ካብ ዐድ ዐይላይ ፡ኣዳላ ንናይብ እድሪስ ሓሰን 500 ሓሚሽተ ሚእቲ ከብቲ ክንህበካ ክንትብና ንጅሃድ ክህቦ ይሓቶ ፣ንሱ ከኣ “ ጽቡቅ ሔራይ በሎም ። ኣብዚ ግዜ እዚ ከኣ ብኣጋጣሚ ሓዉ ንቴድሮስ ፡ ኤሎስ ኢድሪስ ዝብሃል ኣብ ኣፍዓበት ነበረ ፣እዚ ወረ እዚ ይሰሚዕ እሞ ንሓዉ ቴድሮስ፡ ዐዲ ዐይላይ ሽመትካ ክወስዱዎ ተቀሪቦም ስለ ዘለዉ ቀልጢፍካ ምጻእ ክብል ይልእከሉ ። ቴድሮስ ወድ ኢድሪስ ብመጀመርያ ክመጽኣ ኣይደለየን ምክንያቱ ኣነ ከሎኩ ናይብ ከምኡ ክገበር ኣይክእልን ዝብል ሓሳብ ሒዙዎ ፣ ጸኒሑ ግን ሹመት ከይትኸዶ ንሱ እውን ካብ ገለብ ናብ ኣፍዐበት ከደ ።

                  ናይብ ሓሰን ኢድሪስ ንኩሎም ኣኪቡ ብመሰረት ጠለብ ክልተ ኣዋት ጅሃድን ኣዳላን ክንትብና ክወሃቡ (ወገን ዐድ ዐይላይ እዮም) እምበኣር እተን ከብቲ ክሳብ ዝመጻ ትሕጃ ኣቡኒ ይብሎም ። ኣዳላን ጅሃድን ዐድ ዐይላይ ትሕጃ ይህቡዎ ። ዕንክርን ሕመድን ዝብሃሉ ካብ ወገን ዐዲ ገብረስ እንከሎዉ ፣ ምስ ዐድ ዐይላይ ምስ ጀሃድን ኣዳላን ተኽቲሎም ኣብ ኣፍዐበት ዝነበሩ ። ኣብቲ ትሕጃ ዝወሃበሉ ዝነበረ ናይብ ሓሰን እዚኦም ከ መስ መን ትሕጃ ይህቡ  ክብል ሓተተ ። ጀሃድ እቲ ከንትብና ክወሃቦ ዝጸበ ዘሎ ፣ ሓሚሙ ካብቲ ተኣኪቦሙሉ ዘለው ፍንትት ኢሉ ኣብ ሓድ ኣግናት ደቂሱ ነበረ ። ስለዚ ኣዳላ ኣብ ክንዲ ሓዉ እታ ሽመት ክንትብና ክቅበላ ኣብ ዓራት ክፍ ኢሉ ይጽበ እዩ ነይሩ ። ስለዚ ኣዳላ ከኣ ምስ ኣሕዋቶም ይህቡ ክብል ክንጽሎም ምስ ረኣዮ ወዮ ዕንክርን ኣሕመድን ተቆጢዖም ከምዚ ካብ በልኩምና ንሕና ከኣ እታ ከንትብና ቴድሮስ ክወስዳ ኣለዎ ክብሉ ነቲ ዋጋ ክብ ኣቢሎም ንናይብ ሓሰን ኢድሪስ 1500 ክንህበካ ይብሉዎ ።ናይብ ከኣ ንእዳላ ንስኩም ከኣ ክንድይ ክትህቡ ትደልዩ በሎም ። ኣዳላ ከኣ ሚእቲ ሽሕ ዝሕትት ዘሎ መሲሉዎ ፡ ክንድኡስ ኣይንክእልን ክብል መለሰ ፡ እሞ ክንድኡ ክትከፉሉ እንተዘይከኣልኩም ካብታ ዓራት ውረድ በሎ ። ብድሕሪዚ ናይብ ሓሰን ኢድሪስ ንቴድሮስ ኣብ ዓራት ኣድይቡ ክንትብና ሃቦ፡  ከምኡውን ነጋሪት፡ ሰይፍ ኣፍርንጂ ስርጉይ ዝብሃል ፡ ኣምባር፡  ክዳንን ሽሊሙዎ ። ናይብ ካብ ቴድሮስ  ፡  እተን 1,500 ከብቲ ምስ ወስደ ነቲ ትሕጃ መሊሱዎ ።   ሽዑ እቲ ክንትብና ክወሃቦ ተሓሲቡ ዝነበረ ብኣጋጣሚ ኾይኑ  ሓሚሙ ኣብ ኣግነት ደቂሱ ዝነበረ ጅሃድ እዚ ውሳኔ እዚ ምስ ሰምዔ ልቡ ጠሊሙዎ ኣብ ዓራት ተሰኪሞም ንዐዱ ንገለብ ወሰዱዎ ።

                  ቴድሮስ ወዲ ኢድሪስ ካብ ዐድ ገብረስ ሽመት ክንትብና ምስ ተቀበለ ፣ ተኽቲሉዎ ምስኡ ናብ ኣፍዓበት ከይዱ ዝነበረ ተስፋሚካኤል ውዲ ኣፍታይ ዝብሃል ካብ ዐዲ ኣሕፈሮም ቅድም ብዓል ሽመት ዝነበረ ሰብ ነይሩ ፣ ቴድሮስ ብናይብ ገይሩ ካብታ ሽመቱ ሓደ ሲሶ ክወሃቦ ኣፍቀደሉ ። በዚ ከኣ ተስፋሚካኤል ወዲ ኣፍታይ መሰላስ ሽመት ተቀቢሉ ምስ ቴድሮስ ዓርኩ ንዐዲ ተመልሱ ። ካብዚ ንድሓር ንናይብ ግብሪ ይከፍሉ ኣይነበሩን ። እንትኮነ ክራማት ባሕሪ ንሽዒብ ክወርዱ እንከለዉ ፣ ናይብ ሓሰን ኢድሪስ ከይዞምቶም ካብ ሓደ መጋርያ ክብቲ ሓንቲ ላም ይህቡዎ ነይሮም ።

  ይቅጽ……….

ክብሮም ግረነት

12/8/18

እዚ ካብ መጽሓፍ K.G. Roden እተጸምቜ እዩ ።

እንዳ ናይብ ናይ ቱርክ ወከልቲ ዝነበሩ ዓሌት ከለው በሎው እዮም ። ካብ ቱርክ ተበናጁ ይርክቡን ይሸጡን ነይሮም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top