skip to Main Content
Menu
ሕና’ውን ከነሰንፍ/ክንዕውት ንኽእል ኢና(we Shall Overcome) [ማርቲን ሉተር ኪንግ]

ሕና’ውን ከነሰንፍ/ክንዕውት ንኽእል ኢና(we shall overcome) [ማርቲን ሉተር ኪንግ]

ንሕና’ውን ከነሰንፍ/ክንዕውት ንኽእል ኢና(we shall overcome) [ማርቲን ሉተር ኪንግ]
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ ሳይታት፣ኣቐዲመ ዝዓዘዘ ሰላምታይ ይብጻሕኩም፣ ኣስዒበ በዛ we chall overcom ንሕና’ውን ከነሰንፍ ወይ ኻብዚ ዘለናዮ መንቀራቅሮ ክንወጽእ ንኽእል ኢና። እትብል ቃል ወይ ጭርሖ ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣርእስቲ ጠቒሰ ክጽሕፍ ዝፍትን ዘለኹ፡ ምኽንያቱስ ኣብዚ እዋን ብዙሓት ዜጋታትና እዚ ድስቡጣዊ ስርዓት ኢሳያስ፣ ነዛ ሃገር ናበይ ገጽ እዩ ዝወስዳ ዘሎ ዝብል ሕቶ ስለ ዝስማዕን ዝዕዘብን ዘለኹ፣ንሃገርና ከነድሕን ንሕናውን ጠጠው ከንብሎ ንኽእል ካብ ዝብል ተበጊሰ እየ።
ክም እንፈልጦ ማርቲን ሉተር ኪንግ ካብቲ ታሪኻዊ መደራታቱ [ሰርሞን] ኣዐርዩ ዝዝከር ‘’ዓሚቕ ዝኾነ ሕልሚ ኣሎኒ፡ሕልሚ ናይ ኩሎም ኣመሪካውያን ክኣ ኮይኑ ይስማዓኒ። ሕልመይ ሓንቲ መዓልቲ እዛ ሃገር እዚኣ፣ካብዚ ዘለዋ ህሞት/ድቂሳትሉ ዞላ ተባራቢራ ኣብቲ ኣወንታዊ እምነቱን ፡ሓቂ ኲኔታ/ኡነታ ክትንስእ ወይ ክትባራበር እዩ።’’እዚ ሓቂ ነገር ሒዝና ወይ ክዉን እንብሎ፣ ምኽንያቱ ወድሰብ ክፍጠር ከሎ ኩሉ ማዕረ እዩ ዝውለድ’’ ይብል፡ ብምቕጻል ናተይ ሕልሚ ኣብ ቀይሕ ጎቦታት ናይ ጆርጃ፣ ደቂ እቶም ኣሮግቶት ባራዩን፣ደቂ እቶም ኣሮግሮቶት ወነንቲ ናይ ባረዩ፣ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ናይ ሕውነት-ጣውላ ኮፍ ኢሎም ክዛረቡ እዩ።…. እዚ ንክንበጽሖ ናትና ሓድነትን፣ብእንኽተሎ ጽዓትን ካብ ኩሉ ክኣ ናትና ኒሕን pride ንያት/ሓበን ዝተሞርኮሰ ቅልጽማትና ብፍላይ ክኣ ዓቕምታትና ክእለታትና ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ምስ ንኽእል እዩ። እዚ ምስ ንገብር ንሕና’ውን ከነሰንፍ ወይ ክንዕወት ንኽእል፣ዝብል መድረ ንኹሎም እቶም ኣብ ቤተ ክርስታያን አብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሳተፉ ሉቦም ተንኪፉ ብጽንዓት ክቃለሱ ምግባር ንሙሉእ ህዝቢ ኣመሪካ ዘባራብር ንህዝቢ ዓለም ክኣ ምእንቲ መሰላቱ ክቃለስ ዝዕድም ከም ዝነበረ፣ ስጋብ እዚ እዋና ከም ኣብነት ዝጥቀስ እውን እዩ።
ኩቡራት የሕዋት፣ነታ ብደምን ዓጽምን ዘምጻእናያ ሃገር፣እዚ ሰራም ውልቀ መላኺ፡ ህዝብና ዘየፈቀዶ/ዘይወከሎ፣ገና ኣብ መስርሕ ምልዋጥ ዲክታተራዊ ስርዓት ኣሊኻ፣ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስን ንምትካል ህርድግ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ህሞት፤ ኣብ ራብዓይ ዘመን ክንሳጋእር እናበለ፣ንላእላውነት ሃገር ሰቢሩ፣ ዶብ ምሕንጻጽ ኣወንዚፉ፤ህዝቢ ንህዚ ክራኸቡ ምስምስ፣ቁጠባ ናይ ክሊቲኤን ሃገራት ብሓባር ክምዕብል ብዝብል ውልቃዊ ውሳኔኡ፣ ዘይሕጋዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ማዕርነት ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ምዕባለ መማዘኒ ዘይብሉን፣ መሰረቱ ኣብ ክልተ ሃገራት በጋባብ ምሕደራ ዘይራኸባ፣ኢትዮጵያ ብቕዋም እትማሓደ፣ኤርትራ ብቋም አልቦ-ብዲክታተር እትምራሕን፡እንታይ ዓይነት ሕጋዊ ልብሲ ክለብስ ይኽእል? ዝብል ሕቶ መልሱ ባዶ ኾይኑ፤እንታይ ደኣ ውጥንን ሕልምን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንምርውይ ምዃኑ ጎሊሑ ይርኣየካ። ስለዚ’የ እታ ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጠቕሲ ተሞርኲሰ፣ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ብደሙን ዓጽሙን ከስኪሱ ናጽነቱ ምጉንጻፍ፡ብህዝባዊ ረፈረንድም እወ ንናጽነት ኢሉ ምርግጋጽን፣ሕልሚ ሓርነትን፣ግዝ-ኣተ ሕግን፣ብ-እንኽተሎ ጻዓትን፣ካብ ኩሉ ናትና ኒሕን-ንያትን-ሓበን ዝተሞርኮሰ፣ቅልጽማትና ኣደልዲልና፣ብፍላይ ክኣ ክእለትና ኣዋሃሂድና ምስ ንሰርሕ፣ንስርዓተ ውልቀ መላኺ ኣሊና/ኣልጊስና፣ ብቑዋም እትማሓደር ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክትህልወና ከም እትኽእል ብምርግጋጽ፣ በዛ ጠቕሲ ጹሑፈይ ዝጀመርኩ።
ኩላትና ከም ንግንዞቦ ፣ኣንጻር እዚ ውልቀ መላኺ ተወዲብካ ክስራሕ ካብ ዝፍተን ልክዕ ከምቲ’ነሱ ኣብ ስልጣን ን-27 ዓመታት ተወጥሑ ዘሎ፣ደምበ ፍትሒ’ውን ካብ ዝዋዳደብ ክንድኡ ግዜ ወሲዱ እዩ። ብዙሕ ግዜ እዉን ሓቢርካ ወይ ናይ ሓባር ጽላላት ክግበር ተፈቲኑ ውጺኢት ከይ-ሃበ ጸኒሑ ኣሎ። ሕጂ እቲ ከምዚ ኽገብሮ ዝኻኣለ ምትንታን ዘይኮነ፣ ኣብዛ እዋን እዚኣ እንታይ ንግበር ዝብል ግን መልሲ ክረክብ ኣለዎ። እዋኑ ሃገራዊ ጽውዒትን፣ ሁጹጽን ኮይኑ፣ ኩላትና ኣብ ሓደ ዓውዲ ኮይና ነኺደሉ፣ሓስር ካብ እኽሊ ንፈልይሉ፣ እኽሊ ካብ ክርዳድን ጸጸራትን መሚና ነጽርየሉ፣ኮታ ውልቀ መላኺ ምስ ውሑዳት ዑሱባቱ ፈሊኻ አብ መጥሓን ዲሞክራሲ ዝጣሓኑሉ፣ ህዝብና ዝርህወሉ እውኑ ሕጅን ክሳገር ዘይብሉ ኮይኑ ይርኣየኒ።
ከምቲ ብመራኸቢ ቡዙሃን ዝርአን ዝስማዕን ዘሎ፣ እዞም ክልተ መራሕቲ ዝገበርዎ ስምምዕ መሰረት፣ልእላውነት ሃገር ተጣሒሱ፣መጠነ ቁጠባዊ ሂወት ህዝብና ኣንቆልቊሉ፣ስጋብ ምድፋር ባህልን ቋንቋን ኤርትራ ተራእዩ፣ ሕጊ-ኣልቦ ናይ ጎረበት ሃገር-ባጠራ፣አብ ውሽጢ ኤርትራ ክሰርሕ ይርእ ኣሎ፣ ብር ኣብ ውሽጢ ሃገር ክሰርሕ ምርኣይ በየናይ ሕጋዊ ኣጋብ ዝብል መልሲ ኣልቦ ኮይኑ፣እዚን ካልእን ተርእዮታት፣ ህዝብና ዘይተቐረበሉን
ዘይተጸበዮን ዱብታ ኣብ ረሲ ምዃኑ፤ነቲ ንምምባር ዘዲሊ ነገራት ሓሪሙ ኣብ necessituos ሱኡን ድኻ ገይሩ ዘንብሮ ዝነበረ ህዝቢ፣እኽሊ በርበረ ቡን ሽኮር ካልእ ሃለኽቲ ኣቑሑ፣ብምስምስ ሰላምን፣ህዝብታት ክራኸብ ኣለዎ ዝብል ተንኮለኛ ውጥን፣ብኢትዮጵያውያን ብዘይ ሕጋዊ ፍኑው መገዲ ኣብ ኤርትራ ብምእታው ወረራ ዕዳጋን መጽቀጥቲ ቁጠባን ይርአ ኣሎ።
ዘገርም እቶም ስጋብ ሕጂ ምስ እቲ ኹሉ ዘጓንፎም ዝነበረ ጸገማት ተጸሚሞም/ተጻዊሮም ትልኽ እናበሉ ዝጸንሑ ደቂ ሃገር ናይ ቁጠባዊ ንድየት ወይ ጥፍሽና ኣጓኒፍዎም ይርከቡ። ምኽንያቱ እቲ ንዋት/ኣቑሑ ብደቂ ሃገር ብሕጋዊ መገዲ ተዓዲጉ ናብ ዕዳጋ እንተ ዝወርድ ነይሩ፣ሸቃጦ ደቂ ሃገር ትንፋስ ረኺቦም ክብሃል ምስተኻእለ ነይሩ፤እንርእዮን ዝውረ ዘሎን ግን፣ እትዮጵያውያን ባዕላቶም ብዘይ መንግስታዊ-ምክትታል ብነጻ ከም ድልየቶም ክሸጡ ክልውጡ ምርኣይ ንህዝብና ኣብ ድንግርግር የእትይዎ ይርከብ።በቲ ሓደ ፈጺሙ ተሓሪምዎ/ሲኢንዎ ዝነበረ ንመንበሪ ወይ ቀጻልነት ሂወት ዝጠቕሙ፣ አቑሑት ኣብ ዕዳጋ ወይ ዶብ ሰገር ከይዱ ዓዲጉ ክመጽእ ምኽኣሉ፣በቲ ሓደ ወገን ክኣ ነዚ ንምዕዳግ ዓቕምን ገንዘብን ዘይምርካብ እናደለኻዮ ሪኢኻዮ ምሕላፍ፤ብሰንኪ ገንዘብ ዘይምህላው፣ጽብተ ናብራ የሕልፍ ምህላዉ የጒህየካ/የሕርቐካን እዃ እንተኾነ፣ እዚ ዲክታተራዊ ስርዓት ከም ፍታሕን፣ ሰላም ተረኺቡ፣ዝብላዕ ተረኺቡ፣ ከተተንፍስ ጀሚርካ ኢሉ ክዝምርን ዘመታቱ ከካይድ ይስማዕ።
ሓቂ እዩ ኣብ ጸልማት ተሓይሩ ዝነበረ እሱር፣ንፋስ ክትወስድ ጽሓይ ክትውቃዕ እንተ ገርካዮ፡ ከስተንፍስን ጽሓይ ክሪኢን በቒዐ ክብል ባህርያዊ እዩ፤ኮይኑ ግን ካብታ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ማለት ኣይኮነን። እዛ ኣብነት እዚኣ፣ነዚ ብዘይ ሕግን-ጉቡእን ፡መስርሕ ናይ ክልተ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ዘይተኸተለ፣ ቁጠባዊ ውጥን፣ ምስ ዝካየድ፣ልክዕ ከምቲ ኡሱር ካብ ማሓዩር ጸልማት ንፋስ ክወስድ ጽሓይ ክሪኢ ዝበልክዎ፡ህዝብና ስጋብ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስን ዘተኸለ፣ፖለቲካውን ማሕበራዉን ብፍላይ ክኣ ናይ ገዛእ ርእሱ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘየማዕቢሉ ናይ ካልኦት ጽግዐኛ፣ተመጣዊን ቁጠባዊ ዑሱብ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።
ዝኮነ-ኮይኑ እዚ ምልካዊ ስራዓት ንስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገብሮ ሽርሒት ፖለቲካ፣ ክንጸግ ጥራይ ዘይኮነስ ኑሱን እቶም ምእዙዛት/እሙናት መሳርሕቱ ጠጠው ዝብልሉን፣ውጥናቶም ሰረት ከይገበረ ተማሕዩ ክጠፍእ እዮ ዘለዎ። ህዝብና ብዓቕልን ልቦናን ስጋብ ሎሚ ተጻዊርዎም እዩ፣ ሕጂ ግን ይኣክል ምባል ግዚኡ እዩ።
በዚ ድስቡጣዊ መላኺ ሎሚ ካብቲ ዝነበርናዮ ዓለምለኻውን ዞባውን ተጻብኦታት ሲዒርና አብ ካልእ መድረኽ ሰጊርና፣ ስጋብ ብእግርና ጠጠው እንብል፣ ምስ ጎረበትና ኢትዮጵያ አብ ቁጠባዉን ጸጥታውን ማሕበራዉን ከይተረፈ ሙሉእ ምድግጋፍ ክንገብር ኢና፡ስለዚ ኤርትራዊ ሎሚ 48 ሰዓት ክሰርሕ ኣለዎ ዝበሎ መዳናገሪ ዘረብኡ፤ ስጋብ ሎሚ ብጥሙይ ከብድኻ ብ-ኣጎልጉሎት መልክዕ ተዓሲብካኒ ጸኒሕካ፡ ሕጂ ክኣ ዕጽፊ ኻብቲ ዝነበረ ኽትቕጽል ኢካ ማለቱ’ዶ ይኸዉን ።
ዘገርም ዘይሓፍር ዲክታተር፡ ህዝብና ብቕዋም ተጠርኒፉ ብ-ሕጊ ዓለም ዘፍቅዶ ሰዓትን፣መስርሕ ሓይሊ ዕዮን፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካላት፣ተበግሶታት፣ምህዞታት፣ዝተፋላለዩ ፋብሪካታት፣ሰፊሕን ብዓቕሙ ዝካየድ ሕርሻ፣ ኮታ ነጻ ዝኮነ ተቦግሳት ክህልዎ ደኣምበር፣ ኣብ ናይ ውልቀ መላኺ ትካላት ክሰርሕ አይኮነን ትጽቢቱ። ስለዚ ከም ቀደም ክይመስለካ፣ግዚኡ እስኻን ውጥንካን ትጥጠፍኣሉ፣ ስርዓተ ህዝቢ ዝትከለሉ እዋን ንምብጻሕ፣ እዩ ዝጓዓዝ ዘሎ፡ ኣይትቕሰን ዝባሃለሉ ግዜ በጺሑ እዩ።ከምቲ ማርቲን ሉተር ዝብሎ ብርሃን ሓርነት ምምጻእ፣ጸጋን ብልጽግናን ብጻዓትን ቃልሲ ህዝቢ ዝጓናጸፍ ደአምበር ከም ማና ብሰማይ ዝመጽእ ኣይኮነን። ስለዚ ማዕበል/ሁበቡላ ህዝብና ይነቅል ኣሎ ክዕወት ድማ እዩ።
እዚ ካብ ኢትዮጵያ ዝዘንብ ዘሎ መዝሙረ ሰላም-ፍቕሪ-ዕርቂ-ይቕረታ …ወዘተ፣ ህዝብና ንኻልኦት ህዝብታት፣ ጽልኢ፣ ባእሲ ምጉባጥ፣ ኣዘውቲሩ ኣይፈልጥን። ብኣንጻሩ ፍልልይ ህዝቡ ኣዋሃሂዱ ንእምነታት ተኻባቢረን ከም ዝነብራ ተሓላልዩ ዝነብር ዝነበርን ዝተሞኮረ ኮይኑ፡ንካብ ጎረባብቲ ዝመጹ ህዝብታት ዘአንግድን መሰል-ዑቕባ ዝሕሉን ታሪኹ እዩ ዝገልጾ።ስለዚ ካብ ኢትዮጵያ ዝነፍስ ወረ ናብ ውሽጦም ይጠቐሙሉ’ምበር ንህዝብናስ በዚ ዓይነት መማህራን ክኾኑ ኣይፈትኑ።
እዞም ክልተ ስርዓታት ብፍላይ ዶር. ኣብይ ካብ ዝብሎ ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ፣ንሕና እንተ-ዘየርከብናሉ፣ ደቅና ነዚ ናይ ሰለስተ ሃገራት ኢትዮጵያ-ኤርትራ-ሶማል፡ ብሓደ መራሕ መንግስቲ ክማሓደራ ዝብል ዘገርም ዘረባ ኣስሚዑ! እቲ ሕልሚ ናይ ኩሉ ሃገራት ኣፍሪቃውያን፣በጋባብን ህዝቢ ዝተኻፎሎን፣መሰል ርእሰ-ውሳነ ዘሓለውን፣ብፍላይ ክኣ አብ ደሞክራስዊ መዕባለታት ህዝብታት ተመርኲሱ ዝመጽእ ክኸዉን፣ ሕልሚ ናይ ኩሎም ዜጋት ኤርትራውያን እዉን እዩ። እዚ ግን ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዲሞክራሲያዊ ባህርያትን፣ኣጋባባትን ግዝኣተ ሕጊ፣ ኣብ ናይ ዓለምላኻዊ ሕጊ- መሰል ወድሰብ ዝተሃንጸ፡መስርሕ ተኸቲሉ ብማዕረ ዕድልን፣ናጽነት ናይ ኹለን ሃገራት ተሓልዩ፣ ኣብ ሓድነት ናይ ፖለቲካ-ማሕበራዊ-ቁጠባዊ ተኣሳሲርካን ንኹልኻ ዝሓቁፍ ኣፍሪቃዊ ቁዋም፡ ክህሉ ኩሉ ሰብ ዝሓልሞን ዝምነዮን እዩ።
ኣፍሪቃ ሃብቶም ማለት ብተፈጥራዊ ሃብቲ ፍልጥቲ ክነሳ ሃብታ መዝሚዞም፣ በቲ ሃብታ ጽግዕትን ተጸባይትን ተመጣይትን ኮይና ክትርኢ ኮሎኻ ሓዘን አብ ርእሲ ሓዘን ክኸዉን ከሎ፣ኩሉ እቲ ጸገም፣ብሰንኪ እቶም ኣብ ስልጣን ኮይኖም፣ ብዘይካ ናይ ገዛእ ርእሶም ስልጣንን ሃብትን እንተዘይ ኮይኑ፣ናይ ህዝቦም ዘይግደሱን፣ ዘይሓስቡን ዘስዓቦ ክባሃል ይካኣል።
ብዛዕባ ባዕዳውያን መዝመዝቲ ሃብቲ አፍሪቃ፣ዑሱባት መራሕትን፣ነዊሕን ርእሱ ዝኻኣለ ኣርእስቲ ስለ ዝኾነ ብጎኒ ገዲፈ፣ናይ ቀ.ሚ. ኣብይ ኣሕመድ ኣዛራርባ ብምትኳር፣እዘን ሰለስተ ሃገራት ቅድሚ ናይ ሓባር መስርዐ ምሕደራ፣ብሓደ መራሕ መንግስቲ ክምርሓ ዝብል ጎብለላዊ ሓሳብ ልክዕ ከም ናይ አቶ ኢሳያስ ፣ ኣብ ውሽጠን ዲሞክራሲ፣ግዝኣተ-ሕጊ፣ መሰል ደቂሰባት ምሕላው፣ቁጠባዊ ብልጽግና፣ምዕባለ ፍልጠት-ትምህርቲ፣ናጻ ፕረስ ምህላው፣ምምሕያሽ ማሕበራዊ ጉዳያት ምክንዋን፣ምውህሃድ ዜጋታት….ወዘተ ካብ ኩሉ ግን፣ ሓንቲ ሃገር ኣብ ካልእ ሃገር ኢድ ዘይምትእታው፣ልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝቢ ከም መሰርት ተሓልዩ፣ እንተዘይ-ተኻይዱ ፕለቲካዊ ሽጣራ ወይ ምትላል ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ብፍላይ ክኣ ምኽርን ምዕዶን ካብ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝዋሃብ ብዘይካ ተንኮልን ፈላሊኻ ግዛእን፣ ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ክርከብ ስለ ዘይካአል፣ዶክ.ኣብይ ኣሕመድ ዝግ ጥራይ ዘይኮነስ፣ሕሰበሉን ካብዚ መንቃራቕሮ ወጺኢካ፡ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ደቂ ሃገር ምዝታይን፣እንካን ሃባን ምባልን፣ ምምራጽ እዩ እቲ ቁኑዑን መሰረታዊ ፍታሕ ከምጽእ ዝክእልን፡መስርሕ ዲሞክራሲያዊ ክኣ ዝብሃል፣ ኣይትትሃለም ዝብል ምኽሪ ምውፋይ የድሊ ይመስል።
ኣብ መራከቢ ቡዙሃን ካብ ዝስማዕ፣ ኢሳያስ ኣብ ጎንደር ዘካየዶ ቃለ መሕትት ካብቲ ዝበሎ፣ኣነ ኣሪገ እየ፣ቁሩብ ግዜ እየ እንተጸናሕኩ፣ኮይኑ ግን ስጋብ ዶር. ኣብይ ኣሕመድ ዘሎ፣ኤርትራ ኣብ ሓደጋ አይክትወድቕን እያ፤ ዝብል ዓይነት ዘረባ ኣስሚዑ ይብሃል።
እዚ ዘይሓፍር ውልቀ መላኺ ክብሎ ከም ዝኽእል ጥርጥር የልቦን። ንምዝካር ቀ.ሚ. ኢ. ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መጀመርያ እግሩ ኣብ ኤርትራ፣መድረረ ኣብ ዘስማዓሉ፣ሎሚ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሉኡኽ ወጻኢ ጉዳይ ኮይነ ክሰርሕ ሸይሙኒ ኣሎ ክብል ተሰሚዑ። ብወገን ምልቀ መላኺ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ክደ ከኣ፣ ካብ ሎሚ ንንየው ን-ዶር. ኣብይ ኣሕመድ ክመርሓና ሓላፍነት ሂበዮ ኣለኹ ኣብ-ኩሉ ዘድልዮ ባታታት ክኣ ባዕለይ ከሰንዮ እየ፤ናይ ብሓቀይ እየ ክብል ደጊሙ ኣራጋጊጽሉ።
ውጺኢት ናይዚ፡ኣብ ቺና ዝተኻየደ ናይ ኩሎም መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣኸባ፣ቀ.ሚ.ኢ.ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወኪሉ ከም ዝተሳተፈ ባዕሉ ዘሃቦ መግለጺ እዩ። ሲዒቡ ንሶማልን ጁቡትን ብምእማን፣ ካብቲ ናይ ሕቡርት ዓለም እገዳ፡ማለት ኣብ ርእሲ ፉሉያት ሓለፍቲ መገሻ መጋድ፣ኣጽዋር ምዕዳግ፣ድስካለ ንብረት ነቶም ዒላማ ዝኾኑ ውልቀ-ሰባት ንኽልዓል ዓቢ ጻዕሪ ኣካይዱ ሰማዒ እዝኒ ረኺቡ ተላዒሉ እዉን ።
ኮይኑ ግን እዚ ዝተላዕለ እገዳ ናብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ይዂን ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ዝኾነ ቊጠባዊ ሳዕበን ኣይነበሮን።
ንማዕቀብ ግን፣ህዝቢ ንምትላል፣ቊጠባዊ ምንቁልቋል ከም ሓደ ዓቢ ሰበብ ጥራይ ዘይኮነስ ዓለም ብምልእታ፣ ብመሪሕነት ሓያላት ሃገራት፣ጸላኢት ሃገረ ኤርትራ፣እናበለ ክዝምርን ከም መሕቢኢ ክጥቀመላ ጸኒሑ፣ከምቲ ምስምስ-ዶብን ካልእን መዳናገርቲ ምህዞታትን፡ኩለን እተን ዝሕባኣለን ዝነበራ ጉድጓዳት በቢሓደ ይፈርሳ ኣለዋ።
እዚ ሰራም ተንኮለኛ ስርዓተ ኢሳያስ፣ ን-ዶር.ኣብይ ብምጥቃም፣ደገፍ ሱዑዲን ኢሚራት-ዓረብ፣ ጽላል ኣመሪካ፣ ደገፍ ናይ ዓበይቲ ሃገራት ቺና ሩስያን ካልኦትን ሓዊስካ፤ስልጣኑ ንምንውሕ ካብ ጉድጓድ ናብ ብቸመንቶ ዝተሰርሓ ጋለሪያ ክሃንጽ ህርድግ ይብል ኣሎ።
ኣተኲርና ክንርእዩ ዝግባእ እምብኣር፣ንሱ ከም ኣቦ ዶር. ኣብይ ኣሕመድ ድማ ወራሲ፡ በቲ ተዳጋጋሚ ዘርእዮ ዘሎ ተዋስኦታት ክንግዘቦ ኮሎናን፣ብሸለልታ ወይ ኣንኢስካ ምርኣይ፣ኣብ ዝመጽእ ተቐሪብካ ዘይምጽናሕ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ድሮ ብህጹጽ ግበረ መልሲ ክዋሃቦ ዘለዎ እዩ፡፡ ቁስሊ ብቑልጡፍ እንተዘይ-የሕዊኻዮ ዘምጽኦ መሃስይቲ መምዘኒ የብሉን።
ሕልሚ አቶ ኢሳያስ ጎብለል ቀሪ አፍሪቃ ንምዃን ዝሃቀኖ ሰረቱ፣ ጀሚሩ ክባሃል ይክኣል፣ይኹን’ምበር ከርክበሉ ከምዘይክእል ዝተገንዘበ ይመስል፡ ኮይኑ ግን ን-ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዘማሓለለፈሉ ሕማም ትመስል፡ እዚ ክኣ ካብቲ ባዕሉ ዝበሎ፣ እዘን ሰለስተ ሃገራት ንሕና እንተዘየ-ርከብናሉ ንዝመጽእ ትውልዲ፡ ብሓደ መራሕ መንግስቲ ክማሓደራ እዩ ትምኒተይ-ጻዕረይ፣ዝበሎን እቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምግታእ ህውከት ተባሂሉ ዝካየድ፣ ኣጋባቡ ክሕብረካ ይኽእል።
እዚ ዝመስል ካብ ኮነ እቲ ኩነታት፡ንፍትሒ ይቃለስ ዝብል ኩሉ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን አብ ወጻኢ ዘሎ ህዝብና፣ ተወዲቡ ይኹን ዘይተወደበ ኣብዛ-እዋን እዚኣ ጽዊዒት፡ሃገር ምድሓን ፤ ልእላውነት ሃገር ከይድፈር፣ ሓድነት ህዝቢ ከይብተን፣ኩላትና ኣብ ሓደ ዓውዲ ኮይና፡ብሓባር መኸዳ ናጽነት-ሓርነት-ልዕልና ሕጊ፣ ንምትካል፡ጹርይ-እኽሊ ካብቲ ሓሰር ውልቀ መላኺ እንፈልየሉ ጥራይ ዘኮነስ፣ እቲ ሓሰር መርዛም ስለ ዝኮነ ሓሙኽሽቲ ኮይኑ ከይጎድእ መንቲ ኣብ ትሕቲ መርየት ዲሞክራሲ ዝቕበረሉ ክኸዉን ይግባእ።
ስለዚ ሃገር ኣድሕን እዩ እቲ ጺዊዒት፡ አብዚ ዝተሞርኮሰ፣ ኩሉ ፍልልያትካ ኣወንዚፍካ ኣብ ሓደ ዓውደ ቃልሲ ተራኸብ ። ዉሑዳትን መሰረት ዘለወን ዕላማት ኣንጽፍ።
ስጋብ ሕጂ ዓቕምን ክእለትን ብፍላይ ድልየት ስለ ዘይነበረ ነንሕድሕድካ ካብ ምቅርራብ ምርሕሓቕ ምንጽጻግ ዓውዲ ከተኹድድ ጸኒሕካ፤ሕጂ ግን እስኻ’ውን ምፍልላይ ይኣክል ትብል ቃል ትብጽሓካ እያ። ክም ነልሰን ማንደላ ዝበሎ መሰረት ዓወት፣ስምረት ሓድነት ውህደት ጽንዓት ኣብ ዕላማ እየን። ዕላም ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ሎሚ ሃገር ምድሓን፣ናይዚ ውልቀ መላኺ ውጥን ሱር ከተኸለ ኮሎ ካብ ስሩ ምብታኽ እዩ። ኦባም ካብ ዝበሎ ይካኣል እዩ እወ ይካኣል እዩ፣ ሓድነትን ሓቢርና ምስ ንሰርሕ።
ከም ጠለብ ሓጸርትን ከስርሓ ዘይሽግራ ዝብለን፡ 1. ንሃገራዊ ድሕነት ንበገስ 2. እዚ ስርዓት ውልቀ መላኺ ብስሩ ክበርስ ክባሃል ኮሎ፣ ሓለቃ ስርዓት ምስ ውሑዳት እሙናት ሰዓብቱ ውጥናቶምን ጠጠው ነብሎምን ነልግሶምን፣ዝብል ጭርሖ ናብ ህዝብና ክበጽሕ ምግባር። 3. ለውጢ በቶም ኣውሽጢ ሃገር ዘለዉ ምዃኑ ኣራጋጊጽካ አብ ዲያስፖራ ዘሎ ሙሉእ ደገፍን ንሱ ክሰርሖ ዘለዎ፣ብሓደ ድምጺ ምዝራብን፣ሓበራዊ ንኹሎም ተዋሃህድ ሽማግለ ሃልያ፣ ስርሓታ ብሁጽጽ ክትድኮንን ክተተግብርን፣ምትእስሳር ናብ ውሽጢ ሃገር ክትገብርን።
ይኣክል ንበል ብሓበራ
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራማራመ ተባራባር
ኣብ ዝመጽእ የራኽበና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top