Main Menu

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዘይሕጋዊ ኣዋጅ ተግባራቱ ፈሺሉ!

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዘይሕጋዊ ኣዋጅ ተግባራቱ ፈሺሉ!

ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት 2019 ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም መላኺ ስርዓት ኣስመራ ሕጋውነትን ዘይብሉ ዝኣዋጆን ዝዘርግሖን መምርሒ ወሰኽ ዕዳጋታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ክሳቐ ዝጸንሐ ዘርይጉእ ኩነታት፡ ሓዲሽ ዘይሓግዊ ዘይምዕሩይ ኣዋጅ ተወሲኽዎ ንብዙሕ ምኽንያታት ንህዝቢ ካብ’ቲ ዝነበሮ ተወሳኺ ጭንቐት ዘሕደረሉ፡ ነጋዶ ብዝወርዶም ስውር መቕጻዕታት፡ ብፍላይ ድሕሪ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ሓምለ 2018፡ ሚዛን ዘይብሉ ንግዳዊ ምዝንባዓትን ሓለፋን፡ ህዝብና ብሓፈሻ ነጋዶ ብፍላይ፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ክኣቱ ንዝተፈቐደ ንብረት ዝጣበቐሎም ዝኸላኸለሎም ዘይብሎም ግዳይ ፍንዉ ዕዳጋን ሸቀጥን፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ብውዕልን ብዋጋን ክሳቐዩ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ህዝብና ቀሲኑ ንኸይሓድር፡ ካልእ ንኸይሓስብን ንግስነት ምልኪ ህግዲፍ ስልጣኑ ንምውሓስን ንምርግጋጽ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተገብረ ወሰኽ ናህሪ ዕዳጋታት ህዝብና ንምንታይ ዓላማ ምዃኑ ከይተረድኦ ዝሓለፈ ኣይመስልን፡ እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ብልክቲኡ ሸነኻት ማለት ነጋዶ ነቲ ንብረቶም መኽሰብ ንኽረኽብሉ ነቲ ሓድሽ ክብሪ ዋጋ ዕዳጋ ብምንጻግ ንብረቶም ክሓብኡ ከለዉ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ካብ እቶትን ዓቕሚን ህዝቢ ብምዃኑ ብክልቲኡ ወገናት ዝተራእየ ተቃውሞታት ካብ ግዜ ንግዜ እንዳዓበየ ብምኻዱ፡ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ነቲ ዘውጽኦ ዘይሕጋዊ ኣውጃት ሽግር ከየምጽኣሉ ብዝሓደሮ ስግኣት ብኣዋኑ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣዋጅ ንምስራዝ፡ ንተቃውሞ ህዝቢ ንምህዳእ ኣብ ዓበይትን ንኣሽቱን ከተማታት ኤርትራ ብውሽጢ ውሽጢ ልኡኻቶም ሰዲዶም ዘካይድዎ ዘለዉ ወፈራ ንነጋዶ ከም ቀደሞም ንብረቶም ክሸጡ ዳግም ብትሒም ትሒም ትእዛዝ ብምትሕልላፍ፡ ይሰርሕ ምህላዉ ተፈልጡ።

ዜናን ሓበሬታን

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲ ለውጢ

5 ጥቅምቲ 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *