skip to Main Content
Menu
መልእኽቲ  ናብ ፌስቲቫል ስቶኮልም ዝተሳተፉ

መልእኽቲ ናብ ፌስቲቫል ስቶኮልም ዝተሳተፉ

መልእኽቲ  ናብ ፌስቲቫል ስቶኮልም ዝተሳተፉ

 ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን

ካብ ሳዕሳዕኩም እንታይ ደኣ ዘይተቖጻጸኹም?

        ካብ ዕለት 20 ክሳብ ዕለት 22 ሓምለ ኣብ ስቶኮልም ብዙሓት ወከልቲ ውድባትን፥ በርጌሳውያን ማሕበራትን ምሁራትን ዝተሳተፍዎ ፈስቲቫል ከምዝተኻየደን ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብኡ ዝተካየደ ምርድዳእ ድማ ኩሎም ዝተሰማምዕሉ ናይ ሓባር መግለጺ  ኣውጺኦም ኣብ ናይ ዜና ማዕከናት ኣንቢበ።  ኣብ ፈስቲቫል ስቶኮልም ዝተሰታፉ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ቁጽሮም ብርክት ዝበለ ምንባሩ ካብቲ  ዝሓለፈ ፈስቲቫላት ፍሉይነት ከምዝነበሮ ዝሕብር’ኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ፍሉይነት መሲሉ ዝተራእየኒ ግን ካብቲ ፈስቲቫል ብናይ ሓባር መግለጺ ምውጽኦም ኢዩ።”እቶም ኣብ ፈስቲቫል ዝተሳተፉ መራሕትን ወከልትን ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ምስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኣገዳሲ ኣኼባ ብምክያድ ነዚ ዝስዕብ ጻውዒት ከውጽኡ ተሰማሚዖም” ድማ ይብሉ። እዚ ተርእዮ’ዚ ኣብ ናይ ቅድሚ ሎሚ ዓመታት ዝነበረ ፈስቲቫላት ዘይተኸስተ (ልሙድ ዘይነበረ) ኣካይዳ ኮይኑ ረኺበዮ። ከም ተብግሶ ዝድነቕን ዝድገፍን ምዃኑ ድማ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

      ካብ  ሓያሎ ዓመታት ጀሚሩ ኣብዚ ቅነ’ዚ ከም ጸበል ገብሪኤል  ዓመት ዓመት ዝዳሎ ፈስቲቫላት ክንርኢ ካብ ንጅምር ዓሰርተታት ሓሊፉ ኢዩ። እዚ በዓላት’ዚ ንብዙሕ ዓመታት፡ ኣብ ውሱናት ፈተውትን ኣባላትን ናይ ኣዳላዊ ፈስቲቫል ዝተሓጽረ ስምካ ኣብ ምድማቕን ውሽጣዊ ኩነታትካ ኣብ ምድልዳልን ዘተኮረ  ናይ ፕሮፓጋንዳ  መሳርሒ ኮይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ካብ ቅሩብ ዓመታት ጀሚሩ ድማ ካብ ዓንኬል ኣዕሩኽን ፈተውትን ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ወጻኢ ዝኾኑ ውድባት፥ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ብምዕዳምን ብምስታፍን ስፍሕ ዝበለ ባይታ ምፍጣር ተጀሚሩ ክልመድ ይርአ ኣሎ። ኮይኑ ግን እዚ ክሳብ ሕጂ ዝተራእየ ስፍሕ ዝበለ ተሳታፍነት’ውን እንተኾነ ነቲ ዝጸንሐ ዕጉት ኩነታታት ናይ ፈስቲቫላት ክፉትነት ዝእምት መሲሉ ይርአ’ምበር ኣብ ትሕዝቶን ውጽኢትን ዝፈጠሮ ለውጢ የለን ክበሃል ይከኣል፣

ናይ ብዙሓት ተፈላልዮምን ተረሓሒቖምን ዝነበሩ መራሕቲን ምሁራትን ኣብ ሓደ መኣዲ ኮፍ ኢሎም ክዝትዩ ምርኣይ ተስፋ ዝህብን ኣብ ነንሕድሕድካ ምትእምማን ንክፍጠር ዝእምትን እንኳ እንተኾነ ኣብቲ ሓፈሻዊ ናይ ቃልሲ መስርሕ ግን ዘበርከቶ ጭቡጥ ኣዎንታዊ ውርሻ ኣይተራእየን። እቶም ዝተፈላለዩ ዕዱማት ዘቕረብዎ ጽሑፋትን፡ መግለጺ ናይቲ  ፈስቲቫል ኣሰናዳኢ ኣካልን ደማሚርካ ናይ ዜና ማዕከናት ገጻት ምዝቕባብ ልሙድ ኣሰራርሓ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

      እዚ ልሙድ ኣሰራርሓ’ዚ ግን ንፈስቲቫላት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ውድባት ዘካይድዎ ናይ ዝተፈላለየ ውሽጣዊ ቅርጽታት ኣኼባ’ውን እንተኮነ “ብደምዳሚ ኣዋጅ . . . .” ተቖናጅዩ ሰሙን ሰሙን ኣብ ናይ ዜና ማዕከናት ክቕልቀል ምርኣይ ልሙድ ጥራይ ዘይኮነስ ከም መትከል ዝተወስደ’ውን ይመስል። እቲ ዝወሃብ መግለጽታት ንምቅዋም ዘይኮነስ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ደምዳሚ  መግለጺታትን ኣዋጃትን ተመሳሳልን ዘይቅየርን ብምዃኑ ሃረርታ ህዝብን ኣንባብን ዘየዕግብ ጥራይ ዘይኮነ ኣሰልቻዊን ቀጻሊ ግብራዊ ተበግሶታት ዘይረኣየሉን ይኸውን ስለዘሎ ኢዩ።

     እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጸገማት እንታይ ምዃኑ ኣለሊና ፍታሕ ክንደልየሉን “ብሓባር ንምስራሕ ዘኽለና ባይታ ንምድህሳስ፥” ካብ ዝብል መንፈስ ተበጊሱ ዝጽዋዕ ፡ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ምሁራትን ዝካፈልዎ ኮንፈረንስን ካልእ ናይ ዘተ መኣዲ እውን እንተኾነ ካብት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝተፍልየ ካልእ ጉሉሕ ኣበርክቶ ከመንጩ ኣይተራእየን። ኩሉ እቲ ብዝተፈላለየ መልክዓት ዝዳሎ ፖለቲካዊ ተበግሶታት ኣብ መደምደምታ ኣብቶም ኩሉ ዝሰማማዓሎም ንኩነታት ሃገርና ዝምልከቱ ሕቶታት ብምዝርዛር ናይ ሓባር ምርድዳእ ከምዝተብጽሐን፥ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ግፍዒ ናብ ዝለዓለ ጠርዙ ደይቡ ከምዘሎን ካብ ምሕባር ሓሊፉ ካልእ መዋጽኢ ፍታሓት ወይ ሓደስቲ ሓሳባት ከቕርብ ጨሪሹ ኣይርአን። ሓቂ’ዩ ዝምድናታታት ውድባትን ማሕበራትን ካብቲ ናይ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ዝነበረ ሃዋሁ እንዳተመሓየሸን እንዳሰፍሐን ይመጽእ ከምዘሎ ኩሉ ዝግንዘቦን ዝዕዘቦን ምዕባሌ ኢዩ። ኮይኑ ግን ምስቲ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳገደደ ዝኸይድ ሓደጋታትት ናይ ሃገርና ኩነታት ኣነጻጺርካ ክርአ ከሎ  ጨሪሹ ዘይመጣጠን ግብረ መልሲ ኢዩ። ናብቲ ዘበገሰኒን  ክጽሕፍ ዝደፋፋኣኒን ጉዳይ ክምለስ።

ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ስቶኮልም ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ካልእ ጊዜ ንላዕሊ ንልዑላውነት ሃገር ዝፈታተን መድርኽ ምዃኑ ድሕሪ ምስማር ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘተኮረ ፥ጻውዒት፡ መታሓሳሰቢ፡ መዘከርታ . . . ወዘተ” ይልእኩ።

   እቲ “ዝተሰማምዕሉ ጻውዒታት” ናብ ኤርትራውያን፡ ናብ ጠ/ሚ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብን ዘተኮረ ኢዩ። እቶም ኣገደስቲ ጻውዒታት ኣብዚ ዝስዕብ ነጥብታት ክጠቓለሉ ዝከኣል ይመስለኒ።

  1. ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ልፍንታዊ ጽላላት፣ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ማዕከናት ዜናን ኣንጻር ምልካዊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ

  ብሓባር ክጸምዱን ከወሃህዱን፣

  1. ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ኢሉ ፍትሕን ዲሞክራሲን ንምርግጋጽ ክቃለስ፡
  2. ኣብ ኤርትራ ሕገ መንግስታዊ ትካላትን ሕጋውነትን ከምዘየለ ፡ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ነጻ ክልቀቑ ፡

 ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝፍጸም  ገደብ ኣልቦ ባርነታዊ ኣስገዳድ ዕስክርና ደው ክብል፥

  1. ናይ ሰላም መስርሕ ብፍጹም ብኩራት ህዝቢ ኤርትራ ይካየድ ከምዘሎ ፡

      ኩሉ’ዚ ኣብ ናይ ሓባር ጻውዒት ተዘርዚሩ ዘሎ ሕቶታት እዋናዊን ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ጠለባትን  ኢዩ። ኣብዚ ጊዜዚ ብወልቀ ይኹን ብእኩብ፣ ቀሺ ይኹን ሼኽ ፣ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ጳጳስ’ውን ከይተረፉ ዝግበር ዘሎ ጸዋዒትን ለበዋን ናብዚ ነጥብታት’ዚ ዘተኮረ ኢዩ። ኩሉ ጸዋዒ ክኸውን ከሎ እቲ ተጸዋዒ መን ከምዝኸውንን እንታይ ክግበር ከምዘለዎን ምርዳእ ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ኩነታት ይቕጽል ኣሎ።

       ኣብ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ መሪሕን ተመራሕን  እንተዘይኣልዩ እቲ ቃልሲ ሽቶኡ ብትኽክል ክወቅዕ ዘይሕሰብ ኢዩ። እቲ ፖለቲካዊ ውድብ (ውድባት) ህርመት ልቢ ህዝቢ እንዳተገንዘባ ናይ ምምራሕ ተራ ክጻወታ እቲ ህዝቢ ድማ ብምድጋፍን ብምእራምን ናይ ተመርሒ ተርኡ ክጻወት ንቡር ይኸውን።

    ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እቲ ካብ ፈስቲቫል ስትኮልም ዝወጸ ናይ ስምምዕ ጻውዒታት ኣብዚ ጊዜ’ዚ ብኩሉ ወገናት ዝደፈኣሉን ዝእወየሉን ዘሎ ሕቶታት ኮይኑ ብዝተሓተ ነጥብታት ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ ባይታ ንኽፍጠር መበገሲ ክኸውን ዝኽእል ኮይኑ ይረኣየኒ ። ናብ ፖለቲካዊ ጠለባት ክትርጎም ከሎ በዚ ዝስዕብ ክጠቓለል ይኽእል፣

  1.  ቅዋም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክተርጎም፡
  2. ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን ሓሳብን እሱራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፈትሑ፡
  3. ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝካየድ ዘሎ ገደብ ኣልቦ ባርነታዊ ዕስክርና ደው ክበል፣
  4. ዶብና ሰረት ልዑላውነት ሃገርናን ዜግነት ህዝብናን ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ክሕንጸጽ . . .  ንጠልብ።

 እቲ ኩሉ ንመሰላትን ሕጋዊ ትካላትን ዝምልከት ዝርዝራት ኣብ ምትርጓም ቅዋም ስለ ዝምለስ ሓደ ብሓደ ምጥላቡ ብዙሕ ትርጉም ዝህብ ኮይኑ ኣይረአን።    

     እምበኣርከስ  እቲ ኩነታት ከምዚ ካብ ኮነ ፡ንነብስኹም ኣወሲንኩም ንካልኦት ጻውዒታት፣መተሓሳሰቢታት መዘከርታታት. . . ወዘተ ክትልእኩ ስለምታይ መዲብኩም? እዚ መገዲ’ዚኸ ክሳብ ክንደይ ተቐባልነት ክረክብ ይኽእል ኢልኩም ትሓስቡ? ብካልእ ኣዘራርባ ንሕና በዚ ነጥብታት’ዚ ተሰማሚዕና ብሓባር ክንሰርሕ ተበጊስና ኣሎና ወይ ድማ ኣብ ሓጺር ጊዜ ተራኺብና ከነዕምቖን ከነስፍሖን መዲብና ኣሎና ፣ ካልኦት ሰረታትን ምንቅስቓሳትን ኣብዚ ናይ ጥብታት’ዚ . . . እንተትብሉ’ዶ ተቐባልነት ኣይምረኸብኩምን ተስፋ’ውን ኣይምዘራእኩምን?

    ብወገነይ ሕጂ’ውን ክምብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን። ምኽንያቱ ድማ ኣብዚ ኣዋርሕ’ዚ ዝካየድ ክትሳተፍዎ ትኽእሉን ዘለኩምን  ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ ኩልና ንፋልጦ ኢዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚታት’ዚ  በብወገንኩም ምስትደፍእሉ ተቐባልነቱ ክሰፍሕን ኣብቲ ዝድለ ብሓባር ናይ ምቅላስ ባይታ ክፍጠር ዘሎ ዕድል ንቕድሚት ኣብ ምስጓምን ዓቢ ተራ ክጻወት ይኽእል ኢዩ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ ግን እቲ ዝወሰድኩሞ ስጉምቲ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ ከይተርፍ ዘስግእ ኢዩ።

እዚ ጠለባት’ዚ ምስቲ ኣብ’ዚ መድርኽ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ብምዃኑ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝብና ዝድግፎን ክትርጎም ዝትምነዮን ምዃኑ ዘይከሓድ ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ  ብሓሳብ ክንቀራረብን ክንቃነን ዝከኣል ይኸውን። ካብኡ ሰጊሩ እውን  ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረስብ ምስ ዝቐርብ ተቐባልነትን ደገፍን ክርክብ ዝኽእል ሕቶታት ኢዩ ኢለ ይኣምን።

                     ዘልኣለማዊ  ዝኽሪ ንስዋእትና

   ብናይ ሓባር ቃልስና  ነረጋግጽ ልኡላውነት ሃገርና።

                   ደስበለ መሓሪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top