Main Menu

መስርሕ ጉዕዞ ”ይኣክል” !

                       መስርሕ ጉዕዞ ”ይኣክል” !

ርእሰ ዓንቐጽ

ሰዲህኤ

30 ሚያዝያ 2019

ይኣክል ዝብል ቃል ብዝተፈላልየ መንገዲ ብዙሕ ትርጉም ክዋሃቦ ጸኒሑ’ዩ። ይኹን’ምበር እቲ መንፈስ ይኣኽል ብዝኾነን ዘይኮነን ትርጉም ከብ መስመሩ ክወጽእ ዘይክእል ህዝባዊ ቃል ሃገራዊ እዋናዊ ጭርሖ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ። ይኣክል ክበሃል እንከሎ ንትርጉምን ውርዝይና ቃላት ዘይኮነ፡ ክሳብ ሕጂ ዝወረደና ስቓይ ጭቆና በቓ ይኣክል፡ ዝተመንዘዐ መሰልና ይመለስ፡ ንምለሶ፡ ቅዋም ንትከሎ እዩ። ምእንቲ’ዚ ከኣ ኣብ’ዚ ሓሳብ ተሰማሚዕና ክስራሕ ዘለዎ ስርሓት ምዕማም፡ ካብ ኣብ ”ይኣክል” ትብል ቃል ምፍልሳፍ ከኣ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ እጃምካ ምልዓል ጥራሕ’ዩ። ግጉይ ኣጠቓቕማ ቃል እንተኾይኑ ከኣ ክእረም ይኽእል’ዩ። ዕንቅፋት ስራሕ ግን ዘይምዃን ምስትውዓል የድሊ። ገገለ ብግርህነት እንተኾይኖም ደገፍቲ መላኺ ስርዓት ግን ኮነ ኢሎም ድምጺ ህዝቢ ንምዕፋን፡ ዝገብርዎ ምዃኑ’ውን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ጉዳይ’ዩ።

ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንድሕሪ ምልስ ኢልካ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተባህለ፡ ይኣክል ንባርነት፡ ይኣክል ንስደት፡ ይኣክል ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወዘተ ዝጸንሐ’ኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ጉዕዞ ይኣክል መድረኽ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ንድሕነት ህዝብና ሃገርን፡ ሕጋውነት፡ ንመሰሉን ክብሩን ብሓበራ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ጠጠው ዝበለሉ ግዜ ተበጺሑ።

እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ባይቶን ባይታን ተቃሊዑ መንነቱ ዝገለጸ ዘይሓላፍነታዊ መደረ መራሕቲ ጃንዳ ህግዲፍ’ዩ። ህግዲፍ ባርያቱ ክኽውሎ ስለ ዘይከኣለ ከኣ ኣብ ባይቶ ጓኖት ንክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ከይሃበ ዝበሎ ኩሉ ሰሚዕዎ ስለ ዝኾነ ምድጋሙ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣይኮነን። ምሕደራ ህግዲፍ ከኣ ካብ’ዚ ባዕሉ ንነፍሱ ዝገለጾ ተግባራዊ ንላዕሊ ዝግለጽ ኣይኮነን።

ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኩነታት ሓድነቱ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕን፡ ብእከይ ተግባራት ምልኪ ከይድፋእን ዘካይዶ ዘሎ ሚዛኑ ዝሓለወ ቃልሲ ኣብ ዓወት ከም ዘሰጋግሮ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ቅድሚ ቅሩብ ሰሙናት ኣብ ድሕሪ ገጽ FB ኣብ ውሽጢ ገዛ ክስማዕ ዝጀመረ ድምጺ ድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ ሎሚ ኣብ ቅርዓት ወጺኡ ንመሰሉ ብግልጺ ይሓትት ኣሎ።

ህዝብና ብውሽጥን ወጻእን ቃና ሓድነት፡ ሰላም ደሞክራስን፡ ሕጋውነት ፍትሕን ብሓንቲ ቃል ዘድምጸሉ ዘሎ፡ እዋኑ ዝጠልቦ ጉዕዞ መስርሕ ይኣክል ጀሚርዎ ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኩሉ ብዞባታቱ ተኣኪቡ ይኣክል ድሕሪ ብምባል ቃልሲ ንምሕያልን ንምብራኽን ከኣ ሽማግለታት መሪጹ ዝተወሃሃደ ቃልሲ ንምክያድ ኣብ ምድላው ምቅርራብን በጺሑ ኣሎ።

ኣንጻሩ ኩሉ ጸላኢ ትሰርሕ ዕላማ-ሓድነት ስለ ዝኾነት፡ ንውሽጣውን ግዳማውን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምስዓር ኣብ ነዘውትሮ ቃልሲ ዕላማ ወይ ምልክት ቃልስና ሓድነት ክትኸውን ይግባእ። እንሆ ከኣ ህዝብና መቀረት ሓድነቱ ኣለልዩ፡ ሓይሉን ክብሩን ኩርዓቱ ካብ ሓድነቱ ዝምንጩ ምኳኑ ኣብ ዝረኣኽያ ገጽ መራኸቢ ብዙሓት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዝተመዝገበ ዓወታት መወዳደሪ ዘይብሉ ተደጋጊፍካ ብሓባርን ምስራሕ ንመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ግዜ ከም ዘይህቦ ተገሊጹ ይረአ ኣሎ።

ህዝብና፡ሰልፍታትና፡ውድባትና፡ ማሕበራትና ውልቀ ሰባት፡ ደቂ ተባዕትዮ ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያት ሽማግለታት፡ መራሕቲ ሃይማኖታት፡ ብውሽጥን ብደገ ሓቢሩ ብሓንቲ ቃልስ ንሙሉእ ሕጋውነት መሰል ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ ተማሊኡ ክኸይድ ይጠልብ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ነካይዶ ቃልሲ ክንጸር ዘለዎ ክልተ ኣገደስቲ መድረኻት ኣለሊካ ምፍላጥ’ዩ። ቀዳማይን ቀንድን ምልካዊ ስርዓት ንምእላይ ኮይኑ፡ ካልኣይ መጻኢት ኤርትራ ክብርትን ሓያልን ፍትሓዊትን ክትኸውን ብህዝቢ ዝተማእከለ ስልጣን ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካልእ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ሕጂ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ቅዱምን ድሑር መደባት ብትኵረት ክስርሓሎም ይግባእ። ኣሳልጦ ምዕላው መላኺ ስርዓት ከኣ እንዳተገልጸ ከምጽእ’ዩ። እዚ ማለት ህዝብና ኣበርቲዑ ክሰርሓሎም ዘሎ መድረኻት ብምልላይ፡ ዝጠፍእ ዘሎ ግዜ ጉልበትን ገንዘብን ምጥፍኡ ንዘይተርፎ ብኣድማዒ ንነባሪ ሰላም ከሰርሓሉን ክሓሰበሉ ዘለዎ እዩ።

ድሕሪ ባዶነት ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክፍጠር ዝክእል ንብዙሓት ዘሻቅል ኩነታት ክህሉ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ ህዝብና ዝኸዶ ዘሎ መስርሕ ምጥርናፍ ኣበርቲዕና ምስ ንሰርሓሉ ሳቕሎትና ክውሕድ ይኽእል። ካልእ ንኽምዚ ዝኣመሰሉ ሻቅሎት ምውጋድ ኣበርቲዕኻ ንሓያል ሓድነት ምጽዓርን፡ ንፕሮፓጋንዳ ህግዲፍ ጸማም እዝኒ ምሃቡን’ዩ።

ድሕሪ መስርሕ ጉዕዞ ”ይኣክል” መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ሳላ ሒዝዎ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ኣካይዳ፡ ዝሕዞን ዘንብሮን፡ ዝብሎን ዝዛረቦን ጠፊእዎ ንግሆ ዝበሎ ምሸት ክቅይሮ ዝቅይዶ ፖሊሲ ስለ ዘይብሉ፡ ሕጂ’ውን ህዝብና ሓድነቱ ኣደልዲሉ ኩነታት ኣገናዚቡ ዓቕሙ ዝኽእሎ ናህሪ ወሲኹ እንተኸይዱ፡ ካብ’ቲ ኣብ መጀመርያ ዘረኣዮ ምግልባጥ ስምምዓት ሰላም ህግዲፍ ብዝያዳ ከም’ዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና፡ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ንምእንቲ ስልጣኑ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዓት ክሳብ ምስራዝ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ብምፍላጥ ከየተዛነኻ ቃልሲ ህዝባዊ ማዕበል ምሕያል ጥራሕ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ስምምዓት ክኣቱን፡ ስምምዓት ክስርዝን ምፍላጥ ህዝብና ጋሻ ስለ ዘይኮነ ቀንዲ ኣቃልቦና ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ብቀጻልነት ብትኵረት ክስርሓሉ ዘሎዎ’ዩ።

ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መድረኽ ቃልሲ፡ ካብ’ቲ ብዙሕ መዳያት ክሓንን ዝግባእ ትብዓት፡ቆራጽነት፡ምትእምማን፡ቀጻልነት፡ሓልዮት፡ምትሕብባርን ምድግጋፍን ምርኣይ እዮም። ነቲ ኣዕኑድ መላኺ ስርዓት ዝሕምሽሹ መሳርሒ ደመበ ተቃውሞና ከኣ ብድሎ ከይትዕሎ ንፍትሕን ሕጋውነት ከቃልስዎ፡ ኣብ ዓወት ከብጽሕዎ ካብ ዝኽእሉ ነቅ ዘይብሉ ኣዕኑድ ዕላማ ቃልስና ክኸኑ ይግባእ።

ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መድረኽ፡ ቃልስና ህዝብና ምንቅቓሕ፡ ምትብባዕ፡ ምልዕዓል እምበር ጉዳይ ውዕላትን ስምምዓትን መላኺ ስርዓት፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ በዚ ኣተዉ፡ በዚ ወጹ ዝብል ገዲፍና ግዜናን ዓቕምናን ኣብ ቃልስና ከነውዕሎ ይግባእ።ምዝርጋሕን ፕርፓጋንዳ ህግዲፍ ንብልሒ ኵናት ዘለዎ ምልዕዓል ህዝብና መዳናገሪ ክኸውን የብሉን።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

29 ሚያዝያ 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *