skip to Main Content
Menu
መቓበር ራስ ኣሉላ ዝፈሓረ ይፍሓሮ እንታይ እሞ ንልዑላዊ  ህዝቢ ኤርትራ ?

መቓበር ራስ ኣሉላ ዝፈሓረ ይፍሓሮ እንታይ እሞ ንልዑላዊ ህዝቢ ኤርትራ ?

                               መቓበር ራስ ኣሉላ ዝፈሓረ ይፍሓሮ እንታይ እሞ ንልዑላዊ  ህዝቢ ኤርትራ ?

                                           ብክብሮም ግሬነት

                                             1 ግንቦት 2018

                ኣብ መርበብ ጎሩባ ብዕለት 16/4/18 መቓበር ራስ ኣሉላ ን ፍሒሩዎ እትብል ጽሕፍቲ ተሰቂላ ትርከብ ።ደራሲ ኣብርሃም ብርሃነ ዝብል ሽም ኾይኑ፡ ናይ ብሓቂ  ሽሙ ዲዩ ወይስ ናይ ብርዒ ሽም ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ምኽንያቱ መንነቱ ክገልጽ ብንጉሰ ሃይለ መንሰዓይ እውን ተሓቲቱ ስለ ዘይመልሰ  ። እታ ጽሕፍቲ ነዋሕ ኮይና መእሰሪ እውን የብላን ። ብሓጺሩ ብትሕቶኣ ኣብ ቶጎሩባ ዘይኮነስ ኣብ ትግራይ ኦንላይን ክትሰፈር ዝነበራ ጹሑፍቲ  እያ ።

                ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ዓመታት ቓልሲ ነጻነታ ዝተጓናጸፈት ሃገር ስለ ዝኾነ ልዑላዊት ሃገር ምዃና ክወሓጠሎም ዘይከኣለ ሓይልታት ምህላዎም መዓልታዊ እንዕዘቦ ዘሎና ተርእዮ እዩ ።እዞም ልዑላውንትና ምውሓጥ ኣብዩዎም  ዘሎ ወገናት ከም ነፋሒቶ ሕብሮም እናቀያየሩ ኣብ መንጎና ኣትዮም መንፈስ ሃገራውንትና እናሸርሸሩ ሞራልና ኣዳክሞም፣ ጣዕሚ ናጽነትና ከየስተማቀርና ናብ ኣንድነት ክእትዉና ለይትን መዓልትን ኣብ ጽዑቅ ወፍሪ እዮም ዘለዉ ። እቲ ክስገር ዘይብሉ ቀይሕ ሕንጻጽ ክሰግሩ እንከለዉ ግን ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ጉዳይ ኣይኮነንን ። እዚ ኣብ ኣኬባታት ይኹን ብመልክዕ ስነ-ጽሑፍ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ  መንነቶም  ስለ ዝገልጽ ካበይ ናበይ ክበጽሑ  ከምዝደለዩ ህዝቢ ኢርትራ ብጽሞና ይዕዘቦም ኣሎ  ፣ብፍላይ እቲ መእሰይ ክግንዘቦ ይግባእ  ። ኣሉላ ኣባነጋ ከም ትግራዋይን ኢትዮጵያውን እቶም ዝምልከቶም ወገናት ደስ ብዝበሎም ኣጋባብ ይወድስዎ ይግለጽዎ ንኤርትራውያን ዝምልከት ኣይኮነንን ። ከምቲ ኣቦው “ዝሃረመ እንተረሰዔ ዝተሃርመ ነይርስዕ” ዝብሉዎ ፣ ራስ ኣሉላ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበናት ብወገን እቶም ዝተበደሉ ክግለጽ እምበር ብወገን እቶም በደልቲ ክጽሓፍ እንተኾይኑ ሻራዊ እዩ ክኸውን። ልዑላዊት ሃገረ ኢርትራ ብድም ከምዘይተሃንጸት ነዚ ሕጂ ኣጋጢሙና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ጉልባብ ገይሮም ንኤርትራዊ  መንነት ክህስሱ ዝመረጹ ኣብ ዘይቅዱስ ወፍሪ ግዜኩም ኣይተጥፍኡ ንብለኩም ። ህዝቢ ኤርትራ ወዲ መታሕት ይኩን ወዲ ከበሳ ከምቲ ግዜ ፈደረሽን ሓድነት ዝመረጸ ሕጂ እውን ኤርትራ ከም ሃገር ክትቅጽል ምዃና ዘጠራጥር ነገር የለን ።  

                ሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት እቲ ቁኑዕ ደምክራሲያዊ መስመር ተኸቲሉ  ነቶም ኣብ ሃገራዊ ነጻነት እጃም ዝነበሮም ሓይልታት ዓዲሙ ብመሰረት ቅዋም ምርጫ ክገበር ነይሩዎ  ።እዚ ዕድል እዚ ስለ ዘምለጠና ኣብ ትሕቲ  ጨኻን ምልካዊ ስርዓት ንርከብ ኣሎና ። ምልኪ ማላት ግን ኤርትራዊ ሃገርነት ምክሓድ ኣይኮነንን ። ኩነታትና ካብ ሕማቅ ናብ ዝሓመቐ ይኽይድ ምህላዉ ዝተገንዘቡ ከኣ ደቂ ራስ ኣሉላ እኩም እናበሉ ታሪኽ ኣብ ምቅላስ ኣትዮም ኣሎዉ ። ንነጽነት ንኤርትራ ክብሉ ዝተሰዉኡን  ዝሰንከሉን  ክብርን ሞጎስን ኣብ ክንዲ ምሃብ ርስዑዎም  ኣብ እንብሃለሉ ደረጃ ኢና ዘሎና ። ኤርትራዊ መንነት ብሃውሪን ብድልየት ውልቀ ሰባት ዝጠፍእ ግን ኣይኮነንን ።

                ኣቶ ኣብርሃም ብርሃነ “ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን መራሒ ሃገር ኢሳይስ ኣፈውርቅን ኣብ ጉዳይ ራስ ኣሉላ ኣባ ነጋን ሓወልቲ ዶግዓልን ኣድሂቡ ኣብ መጀመርታ ዓመታት (1991-1992 ) ነጻነት ሃገር ኤራትራ ክልተ ተመራመርቲ ታርኽ ሙሁራት ዝሃብዎ ምላሽን  ኣብ ባይታ ዝገበሩዎ ምፍራስ ሓወልትን ምምዝንባዕ ታሪኽ ካብቲ ዝጥቀስ ዕንወትን ምድብዛዝ ታሪኽን ሓደ ኣብነት እዩ” ይብል ።ኣቶ ኣብርሃም ብርሃነ ዘይበርሃሉ ቓልስና ንመግዛእቲ ኢትዮጵያን ሕላገቱን ንምድምሳስ  ስለ ዝነበረ ሓውልቲ ራስ ኣሉላ ይደርዓም ቤት ትምህርቲ ዶጎዓሊ ይተዓጻ  ምዝንባዕ ታሪኽ ዝባሃል የለን መስሪሕ ቓልስና እዩ ነይሩ ። ንምዃኑ ኣቶ ኣብራሃም ብርሃነ ዝዓበየ ሓውልቲ ሃጸይ ሀይለስላሴ ኣብ ኣፍ ድገ ወድባዊት ከተማ ባጽዕ ተገቲሩ ዝነበረ  ኣብ ድሮ ምሕራር ባጽዕ ከምዝፈረሰ ክንሕብረካዶ? ወይስ ናይ ራስ ኣሉላ ኣባነጋ ጥራሕ እዩ ሻቅሎት ፈጢሩሉ  ዝርከብ ።  

                ኣቶ ኣብራሃም ብርሃነ እንደገና “ እቲ ጠቕጣቕ ነይሮምዶ ፣ንሕዝቢ ኣጽኒቶም ዝብሉ ግን ዘይምዛናውን ዘይፍትሓውን ክስታት እዩ “ ይብል

                ንህዝቢ ዘጽነተ ህዝቢ ኣጽኒቱ እንተ ተባህለ ስለምንታይ ዘይሚዛናውን ዘይፍትሓውን ዝብሃል? ራስ ኣሉላስ ኣይቀተለን ኣይዘመትን ሕጹብ ከም ጵላጦስ ተገይሩ ክቀርብ ስለምንታይ ተደልዪ ። ራስ ኣሉላ ጅግና ነይሩ ፣ ተባዕ ነይሩ ተባሂሉ ጥራሕ ክሕለፍ ኣሎዎ ዝብሃል እንተኮነ እሱ እዩ ምዝንባዕ ታሪኽ ዝብሃል ።  ታሪክ ናይ ፍጻሜታት ድምር ጸብጻብ ስለ ዝኮነ ንዝተፈጸመ ኣይተፈጸምን ክትብል እንከሎካ ዘይፍትሓዊ ኢካ ትኸውን ።  

                ራስ ኣሉላ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ሃጸይ ዮሃንስ እሙን ኣገልጋሊ ዓስከር ከም ዝነበረ ታሪኩ ዝምስክሮ ሓቂ እዪ። ኣብ ከበሳ ናይ ሃጸይ ዮሃንስ ወኪል ተመዲቡ ብ1876 ምስ መጸ ብዙሕ ግፍዒታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፈጸሙ ። እዚ ኩሉ ተረሲዑ ራስ ኣሉላ ጅግና ጥራሕ ተባሂሉ እቲ ካልኣይ ጎኑ ከይተጠቅሰ እሞ ከኣ ኣብ ኤርትራዊ መርበብ ቶጎሩባ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተሰቂሉ ክርኤ እንከሎ ክትኣምኖ የጸግመካ ። ቶጎርባ ቦታ ጽንዓትን ጅግንነትን ሰውራ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ንኤርትራዊ ልዑላውነት ኣዳዊሱ ቓልስና ከምዘይነበረ ገይሩ ዝቀረበ ጽሑፍ ብርእይቶይ ክስቀል ኣይነበሮን ። እንተኮነ ወነንቲ ተጎሩባ ንብረቶም ስለ ዝኮነ ደስ ዝበሎም ክሰቅሉሉ መሰሎም ምዃኑ ከኣ ይቅበል ።

                  ዓስከር ራስ ኣሉላ  ዶምዝ ስለ ዘይነበሮም ። ቀለቦም ካብቶም ኣብ ቆላታት ኤርትራ ዝነብሩ  ህዝቢ  ወሪሮም ይዘምቱን  ይቅትሉን ዝኣከቡዎ  እክልን ጥሪትን ኮብኪቦም ነዋርሕ ዝኮውን  ቀለብ ኣኪቡም ንከበሳ ይድይቡ ነይሮም  ።  ወከልቲ ራስ ኣሉላ ኣብ ጋሽ ባርካን ሰንሒትን ስምሃርን ክዘምቱ ኣሸሓት ሰባት ኣጽኒቶም እዮም ። ስለዚ እቶም ግፍዕታታት ኣብ ሎሊኦም እተፈጸመ ህዝቢ  ሎሚ እንደገና  ቁስሊ ሑሉፍ ታሪኾም ክጉዳእ ኣይነበሮን  ።ክርስትያን ዝነበረ ህዝቢ እኾ ብስንኪ ተከታታሊ ውራራትን ምዝመትን መሳፍንቲ ኢትዮጵያ  እዩ ህዝቢ ሰኪሑ ምስልምና እተቀበለ ።

ብቲ ካልእ ወገን ኣቶ ኣብርሃም ብርሃነ ራስ ኣሉላ ኣባ ነጋ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ቦቾቪላ ይቅመጥ ከምዝነብረ ከረደኣና ብዙሕ ጺዒሩ ። ዝተቀመጠሉ ምግላጽ እንተ ኾይኑ ከኣ ካብ ጹሑፋት ይኩን ካብ ወለዲና ዝረኸብናዮ ራስ ኣሉላ ኣብ ዓዲ ተክላይ ይቅመጥ ከም ዝነበረ እዩ ዝገለጽ፣ እዚ ማለት ኣብ ኣስመራ ኣይተቀመጠን ዘይኮነስ ኣድላይነት ታሪክ እንተ ኮይኑ ኣብ ዓዲ ተኽላይ ዝያዳ ተቀሚጡ እውን ይኽውን ።    

                ተራ ራስ ኣሉላ ድሕሪ ኹናት ዓድዋ ከኣ እቲ ዝከፍኤ ነይሩ ። ራስ ኣሉላ ከም ኣብ ኤርትራ ዝተቀመጠን ዝገዚእ ዝነበረን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ሓልዮት ክህሉዎ ካብ ዝነበሩ ሓደ መራሒ ነይሩ ።  ጸሓፍቲ ታሪኽ  ከምዝብሉዎ ባዕሉ ሃጸይ ሚኒልክ ንጣልያን ንኤርትራ ክወሩ ዓዲሙዎም ይብሃል እዩ ። ስልዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ከኣቱ ተገዲዱ ። ኣብቲ ግዜ እቲ ከኣ ስራሕ ኣይነበረን ። ስለዚ እቲ መንእሰይ ስድራኡ ክጥወር ዕስክርና እታ ሓንቲ ዝነበረት ምርጯኡ እያ ነይራ ። ጣልያን ንመንኣሰይ ኤርትራ ኣብ ኹናት ምስ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኾነ ንሶማልን ልብያን  እናሰደዱ  ብዙሓት መንእሰያት ከምዘይተመልሱ ይፍለጥ ።  ኹናት ዓድዋ ተወዲኡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃጸይ ሚኒሊክ ብዛዕባ ዝተማረኩ ወተሃደራት እንታይ ንግበሮም ኣብ ዝተባህለሉ እቲ ዝከፍኤ  እማሜ  ናይ የማን ኢድን ጸገማይ እግሪ ምቅራጽ ዘቅረበ ራስ ኣሉላ ነይሩ ። ዝድገፍዎ ከእ ኣባ ማቴዎስ ፓፓስ ኢትዮጵያ፣ ራስ መገሻን  ፣ ጽሃይቱን ፡ ኣብ መውዳእታ ከኣ ሚኒልክ ነቲ እማሜ ተቀቢሉዎ ። ካብቶም ክሳብ 1500 እተማረኩ ኤርትራውያን ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን እተቆርጹ ዝበዝሑ ኩነታቶም ኣበይ ከምዘበሉ ዝፈለጥ የለን ። ካብቶም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን እተቅርጹ 300 ዝኮነ ኣብ ኣስመራ ኣብ ደፖሲቶ ተዓቁባም ነይሮም ይባሃል  ። ኣነ እውን ኣብ ዓዲ ክልተ ኣባሓጎታተይ ኣደዳ ናይዚ ፍጻሜ እዚ ዝኾኑ ዘርከብኩሎም ነይሮም ።እቶም ዝተረፈ ከምዝበሃል ብረክስን ደም ምውዳእን ከምዝመቱ ይግመት ።  ነቶም ዝማረኩዎም ወተሃደራት ጣልያን ግን ኮብኹቦም ናብ ኣዲስ ኣባባ ወሲዶም ኣብቲ ከባቢ ፋሕ ኣቢሎሞም ነይሮም። ጣልያን  ከሻሹ ገንዘብ መሊኡ ምስ መጸ ከኣ ኣኪቦም ንዓዶም ሰዲዶምዎም  ።

                ኣማውታ ራስ ኣሉላ ። 

                ኣብ መወዳእታ ራስ ኣሉላ ከምቲ ዝተጸበዮ ክብርን መጎስን ካብ ሃጸይ ሚኒልክ ኣይረኸበን ። ሃጸይ ሚኒሊክ  ንተጋሩ በቲ ምስ ሃጸይ ዮሃንስ ዝነብሮ ህልክ ንግስነት ዝኮነ ሓላፈነት ከይሃበ ካብ ዓድዋ ንኣዲስ ኣባባ ተመሊሱ ። ራስ ኣሉላ ዝነበሮ ክብርን ዝናን እናተሸርሸረ ምስ መጸ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1897 ኣብ ዓዲ ጮማይ ኣንጻር  ራስ ሓጎስ ውጊእ ገጢሙ ፣ ኹናት ምስ ተጀመረ ብመጀመርያ ራስ ኣሉላ እግሩ ክውጋእ እንከሎ ፣ ወዲ ሓው  ንራስ ኣሉላ ባይራጋበር ከኣ ተመሪኩ ። ንባይራጋብር ናይ ራስ ሓጎስ ዓስከር ብኡ ንብኡ ረሸኑዎ ። ኩናት ቀጺሉ  ራስ ሓጎስ ከኣ ብዓሽከር ራስ ኣሉላ ምስተማረኸ ፡ ራስ ኣሉላ ንራስ ሓጎስ ክርሽንዎ ኣዚዙ ። ተረሺኑ ከኣ ‘። ራስ ኣሉላ በቲ ዝተወግኣ እኩል ሕክምና ስለ ዘይረከበ ብ15 ለካቲት 1897 ዓሪፉ ።  

                ኣብ መወዳእታ

                  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኢርትራ ኣብ መስሪሕ ሓድነት ካብ ዝተቀብሎም ውሳኒታት እቲ ሕሉፍ ታሪክ ተሓኤ ይኩን ህግሓኤ ፣ ይክፋእ ይጸብቅ ታሪክና ስለ ዝኾነ ክንስንዶን ክንምሃረሉን ከም ዘሎና ተቀቢሉ ስለ ዝኮነ ኣብ ሳሕል ይኩን ኣብ ባርካ ዝተፈጸመን ዝተባህለን ምስቲ ዝነበረ ግዜን ኹናታትን እዩ ተፈጺሙ ።ህግ ኣብ ሳሕል ኾይኑ ሓቂ ኣይተዛረበን ተባሂሉ ዝክሰሰሉ ግን የዋህነት ጥራሕ እዩ። ሞራል ሰራዊቱን ህዝቡን ክዕኑ ዝቓለስ መርሕነት ሰልፊ ስለ ዘየለ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ናይ ዓውደ ኹናት ጻብጻብ ክትህብ ሰምዒና ኣይንፈልጥን  ።

ኣምላኽ ኤርትራ ሃገር ይባርኽ

ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስዉኣትና

 

 

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top