Main Menu

መግለጺ ሓዘን መስዋእቲ ሓርበኛ ጅግና ተጋዳላይ መኰንን ተኽለ

መግለጺ ሓዘን መስዋእቲ ሓርበኛ ጅግና ተጋዳላይ መኰንን ተኽለ

ክቡር ገዲም ተጋዳላይ መኰንን ተኽለ፣ ብ14 ታሕሳስ 1953 አብ አስመራ ተወልደ። አብ ግዜ ንእስነቱ ናይ ቀዳማይ ካልአይን ደረጃ ትምህርቱ አብ አስመራ ተማሂሩ። ካብ ብዓንተቦኡ አትሒዙ ብንእሽቶኡ ከሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጽልዋ ስለዝሐደሮ፣ አብ ናይ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ውሽጣዊ ናይ ከተማ ስርርዕ ተወዲቡ አብ ዝሰርሐሉ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ብጾቱ ተታሒዙ ድሕሪ ምእሳር፣ ብናይ ወለዱ ከቢድ ጻዕርታት ትሕቲ ዕድመ ኢዮም ብዝብል ምኽንያት ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጹ ይንገር። አብ መወዳእታ 1974 ዓ.ም. ከአ እቲ ካብ ንእሽቶኡ አትሒዙ ዝነበሮ ክቱር ኤርትራዊ ሃገራዊ ስሚዒት ደሪኽዎ ናብ ሜዳ አብ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ተሰለፈ። አብ ቤት ትምህርቲ ካድራት ፖለቲካዊ ኮርሳት ብምውሳድ፣ አብ ውሽጢ መሳርዕ ሰራዊት ሐርነት ኤርትራ መጀመርያ ናይ ሐይሊ አብ መወዳእታ ከአ ናይ ቦጦሎኒ ካድር ብምዃን ብተወፋይነት ተቓሊሱን አቃሊሱን። ክሳብቲ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ብምሕዝነት ህ/ግንባርን ወያነን ዝተኻየደ ውግአት መሬት ሱዳን ተደፊአ እትአቱ ከአ ብጽንዓት ዝተቓለሰ ነበረ። ሐርበኛ መኰነን ተኽለ ወላኳ ካብታ ዝተቓለሰላ ሃገሩ አርሒቑ ክስደድ እንተተገደደ፣ ብጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ግን ክሳብታ መጨረሻ ሂወቱ እትሐልፍ ከቶ ካብ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምውሳእ አየዕረፈን።

ብስደት ንሕቡራት መንግስታት አሜሪካ ድሕሪ ምእታዉ፣ ፖለቲካዊ ቃልስታቱ ብምቕጻል፣ አባል ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፣ ብድሕሪኡ ሰልፊ ህዝቢ፣ አባል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ አብ መወዳእታ ከአ አባል ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ ብምዃን ተቓሊሱ። መኰንን ብሰንኪ ዘጋጠሞ ድንገታዊ ከቢድ ሐደጋ ንብርክት ዝበለ ዓመታት ቀጻሊ ውሽጣዊ መድመይቲ የሳቕዮ’ኳ እንተነበረ፣ ንኩሉ አብ ውሽጡ ብምጽዋር፣ ብሞራልን ብተስፋን ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ብሓፈሻ ብፍላይ ኣብ ንፍትሒ ዝካየድ ቃልሲ አብነት ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ብዝሓደሮ ሕማም ምኽንያት ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብዕለት 06 ነሐሰ 2019 ሕክምና ዓሪፉ። ዘይተጸበናዮ መስዋእቲ ክቡር መኰንን ተኽለ አብ ዝሰማዕናሉ እዋን አዝዩ መሪር ሐዘን ተሰሚዑና። ባህጊ ዝነበሮም ዜጋታት ሓርበኛታት ጀጋኑ ተቃለስቲ ፣ ንመጻኢት ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ከይረኣይዋ ክሓልፉ ንኩሉ ሰማዒ ተወሳኺ ሓዘን ኢዩ።

ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ ንሙሉእ ስድራ ቤትን ፈተውትን መሓዙትን ከኣ ጽንዓት ይሃብ።

ዘለኣለማዊ ክብሪ ዝኽሪ ንስውኣትና

ዜናን ሓበኢርታን ሰዲህኤ

10 ነሓሰ 2019



« (Previous News)



Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *