skip to Main Content
Menu
ራኢ ብዕዮ ዘርእስቱ ተዓዘብቲ ገዲፎሞ ዝኸዱ ተዋሶኦ ህግደፍ !

ራኢ ብዕዮ ዘርእስቱ ተዓዘብቲ ገዲፎሞ ዝኸዱ ተዋሶኦ ህግደፍ !

ራኢ ብዕዮ ዘርእስቱ ተዓዘብቲ ገዲፎሞ ዝኸዱ ተዋሶኦ ህግደፍ !

ራኢ ንባዕልኻን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ብምምዛን ንእትደልዮ ዕላማ ንምብጻሕ ዘገልግል ብቀዳምነት ከም ዕግበትን እምነትን ስዒቡ ድማ ከም ዕማምን ዕዮን ንምትግባሩ ብመደብ ዝትሓዝ ናይ ርሑቅን ቀረባን ውጥን ኢዩ።  

       ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ፡ ዋናኒ ራኢ ይኹን ተግባሪ ዕዮ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ካብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ኣትሒዙ ብክልተ ምዕራፋት ማለት ብነጻነትን ሓርነትን ዝግለጽ መስርሕ ቃልሱ ዝኣመቶ ድሕሪ ነጻነት’ውን ብዝተፈላለዩ ባዕሉ ብዘቆሞም መጋባእያታት ኣብ ጉዳዩ ራኢኡ ኣቀሚጡ ንሃገሩን ነብሱን ንምህናጽ ኣብ ግብሪ ናብ ዝሰጋገር ዕዮ ክብገስ ተዳሊዩ፡ ንህዝቡ ኣንቒሑን ወዲቡን ነይሩ’ዩ። 

           ይኹን እምበር ብኣንጻር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣነ ጥራይ ኢየ ኣብ ክንዳኻ ራኢ ዝውንንን ዝዓይቱ ብሂል መላኺ ስርዓት ኣጋጢምዎ።  ከም ሳዕቤኑ ህግደፍ ንባዕሉ ከም ኩሉ ነገር ቆጺሩ ንዕድል ሃገርን ህዝብን ካብ ዝድውን 27 ዓመት ኣቍጺሩ።  ራኢ ብዕዮ ዝብል ተማ ከም ሓፈሻዊ ብሂል ዘፈላሊ ኣይኹን ደኣ እምበር እቲ ምስ ህግደፍ ዘየሰማምዕ ቀንዲ ራኢ ዘበገሶ ዕላማታት ንምትግባር ናይ መን ራእን ንጠቅሚ መን ዝውዕልን ዘገልግልን ዝብል ሕቶ ኢዩ ዝጠቃለል። ብልክዕ ከኣ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ዘልዕሎ ራእይ ብመን ዝተወከለን ምስ መን ዝተበጽሐ ስምምዕን ምርድዳእን፡ ብተስትፎ መን ዝብሉ ዝተደርደሩ ሕቶታት ብዘይጥርጥር ተግባራቱ ዝምልሶ’ዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ራኢኡ ክገልጸሉ ዝኽእል ዕድል ባዕሉ ክውስንን ብድሕሪ እዚ ድማ ራኢኡ ከም ውጥን ናይ ስራሕ ገይሩ ብዘቆሞ መወከሲ ኩሉ ጉዳያቱ ብቅዋማቱን ሕገ-መንግስቲ ብሓባር ናብ ዕዩ ተበጊሱ ግቡኡ ከወፍን መሰሉ ክጥቀምን ኣብ ዘኽእሎ ናይ ሰላምን ፍትሕን ሂወት ክነብር ኣብ ዝጅምረሉ እዩ ። 

           ምልካዊ መንግስቲ ህግደፍ ግን ወትሩ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውንኖ ተኣምራታዊ ዓቅምን ብቅዓትን ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሰራም ተልእኾ ንምትሕላፍ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብቲ ንሃገር ዝረመሰ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱ   ንምቅጻል “ራኢ ብዕዮ” ንዝብል ተራ ጭሮሖ ከም ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ንሃገርን ህዝብን ዝሕለቅ ኣተሓሳስባ ከም ዝውንን ኣምሲሉ ሎምውን ከም ቀደም ንህዝቢ ዘደንዘዘን ዘድከመን ገዲፎሞ ዝተበተኑ ዝዓይነቱ ኮንቶ ተዋሶኦ ክደግም ይርከብ ኣሎ። ዕማማት መላኺ ስርዓት፡ህዝቢ ንምድንጋር፡ ንምልኪ፡ ንኣስገዳድ፡ ንጭቆና፡ ግፍዒ፡ ስደት ህግደፋዊ ራኢ ከተግብር ስልጣኑ ዝጓየይ እምበር ካልእ ዕላማ ዘለዎ ኣይኮነን።

            ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መድረኽ ብረታዊ ገድሎ ኮነ ድሕሪ ነጻነት መሬቱ ካብ ከርሱ ዝወጹ ደቁ ክጠልሙኒ ኢዮም ዝብል እምነት ከቶ ኣይነበሮን። ህግደፍ ግን ነቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣማኒ ናይ ምዃን ቅዱስ ባህርያትን መንፈስን መዝሚዙ ዝተፈላለዩ ሸርሕታት ኣሊሙ ንመንነት ህዝብን ሃገርን   ኣብ ዝፈታትን ዓበይቲ ሽግራት ነቚቱዎ ይርከብ።

         ህግደፍ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሽግራት ንሉኡላውነት ኤርትራ ዕላማ ዝገበረ ናይ ደገ ተጻቦኦታትን ሕንፍሽፍሽን ኣባና ዘለዎም ጽልዋታትን እናበለ ድሕሪ ምግላጽ ተገልቢጡ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮም ሽግራት ከሳስይን ከመሓድሮም ምርኣይ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝኸፈለሉ ዘይርስዖ ተደጋጋሚ ተዘክሮ ኢዩ። “ማህጸን ወላዲ ጉራምራ” ከም ዝበሃል ምስላ ኣበው ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቤቱ ዘጋጠመ ጥልመት ንባህርያትን ስልጣኔን ኤርትራውያንን ኤርትራውነትን ዘይመል ንተዓዛቢ ዘስደምም እኳ እንተኾነ ንህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰሉ ካብ ምቕላስ ካልእ ዘዳህልልን ዘሻቅልን ተስፋ ዘቍርጽን ክኸውን ኣይግባእን ኣይኮነንንውን።ምኽንያቱ ድማ  ንዓና ኤርትራውያን ዘጋጠመ ጥልመት ተረኽቦ ኣብ በይንና ዝወረደ ናጠባ ዘይኮነስ የግዳስ ኣብ ብርክት ዝበሉ ምእንቲ ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ዝተኻየደ ተመኩሮ ቃልሲ ኣህዛብ ዓለምናውን ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። እዘን ሎሚ ሰላም ዝሰፈነን  ተባሂለን ናብአን ክንስደድ እንርከብ ሃገራት ኤውሮጻ ካብዚ  ናትና ንላዕሊ ግዜ ዝበለዐ ብናይ ጥልመትን ነንሕድሕድካ ናይ ምቅትታልን መስርሕ ዝሓለፋ ኢየን። ከም ኣብነት ነቲ ኣማእት ዓመታት ዝኣክል ግዜ ዝበለዐ ሰውራ ፈረንሳ ምጥቃስ ይከኣል ዩ።  ኣብ ኤስያ ድማ ናይ ኢራን ሰውራ ክጥቀስ ይከኣል። ከም ናይ ዓይኒ ምስክርነት ድማ ነዚ ከም “Arab spring” ተባሂሉ እናተፈልጠ ንዝመጸ ሰውራታት ሃገራት ዓረብ ብዘይካ እቲ ቁሩብ ተስፋ ዝህብ ናይ ቱኒዝያ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንድሕሪት ካብ ዝምለስ ድሮ 10 ዓመታት ቀሪቡ ኣሎ። ክቡር ኣንባቢ ነዚ ኣብነታት እዚ ምጥቃስ ካልኦት ሰውራታት ነዊሕ ዕድመ ስለዝገበሩ ንሕናውን ነዊሕ ዕድመ ክንወስድ ኣለና ንምባል ኣይኮነንን። የግዳስ ነቶም ምእንቲ ለውጢ ንዝካየድ ናይ ቃልሲ ዕድመ ምስ ወዲ-ሰብ ብሂወት ክነብር ዝወስዶ ዕድመ ኣዛሚዶም ምድህላልን ተስፋ ምቁራጽን ክረአ ኣይግባእን ንምባል ዝዓለመ ኢዩ። ንዓና ንኤርትራውያን ዘጋጠመ ናይ 27 ዓመታት ሕሰምን ኣደራዕን ምስ ዕድመ ወድ-ሰብ ኣዛሚድካ ክረአ እንተኾይኑ ግን ኣዚዩ ብዙሕ ኢዩ።  ምስ ዕድመ ሰብ ይትረፍዶ 27 ዓመታት 3 ዓመታት’ኳ ብዙሕ ኢዩ። ብዙሕ ዓመታት ተቃሊስና ከምቲ ንደልዮ ስለ ዘይኮነልና ብማለት ተስፋ ምቁራጽ ህዝቢ ዝመነዎ ግዳይ ተዋስኦ ህግደፍ ብምዃን ሕድሪ ጃጋኑና ክንርስዕ ኣይግባእን።  ናይ ዓወት ዕድመ ቃልስና ንሕና ኤርትራውያን እንታይ ሰሪሕና እንታይ ከ ኣጉዲልና ኢልና ባዕልና እንውስኖ ደኣ እምበር ክውንነታዊ ብዘይብሉ ኣጕል “ተማ”መለኽቲ ዝድረት ኣይኮነንን።

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top