skip to Main Content
Menu
ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ መሪሕነት ዞባ መሪጹ፡

ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ መሪሕነት ዞባ መሪጹ፡

ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ መሪሕነት ዞባ መሪጹ፡

2 መጋቢት 2018

 

ብዕለት 2 መጋቢት 2018 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ መሪሕነት ዞባ መሪጹ። ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብዝቆመ ምኽኻር ሽማግለ ክክየድ ድሕሪ ምጽንሑ ብዕለት 2 መጋቢት ሰለስተ ኣባላት መሪሕነትን ሓደ ተቆጻጻራይ መሪጾም።

ኣብ’ዚ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ስርዒታዊ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ ዝመርሖ ኣኼባ ተኻይዱ፡ ሓው ብርሃነ ሰ.ዲ.ህ.ኤ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩንታት ከም ዝርከብን፡ መደባት ዕማምትን ሰልፊ ብኸመይ ይሰላሰል ምህላው ብሰፊሑ ገሊጹ። ብተወሳኺ ንውደባዊ ስርሓት፡ ዕማም ሰልፊ ንምስላጥ ኣገዳስነት ምቋም ሽማግለ ኣብሪሁ።

ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ’ውን ነዚ ስርዒታዊ መደብ ሰልፊ፡ ንዕብየትን ምሕያል ጥርናፈን ተኻቲዑን ዘትይሉ፡ ድሕሪ እኹል ግዜ ከኣ ኣብ ስምምዕ በጺሑስ መሪሕነቱ መሪጹ። እዚ ሓላፍነት መሪሕነት ዞባ ደኣ ይቀበሎም’ምበር ብምትሕግጋዝ ኩሉ ኣባል ክሳለጥን ክዕመምን ከም ዘለዎ መብጽዓ ኣተወ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ክንዕወት’ና

 

ዜናን ሓበሬታ

ሰዲህኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top