Main Menu

ስምምዕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ – ኣበይ ደኣ ኣበለ?

ስምምዕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ – ኣበይ ደኣ ኣበለ?

 

ርእሰ ዓቐጽ

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

11 ጥቅምቲ 2019

ኩላትና ከም ንዝክሮ: ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኤርትራ ዘካየዶ ፈላማይ ታሪኻዊ ምብጻሕ እነሆ ዳርጋ ዓመትን መንፈቕን ሓሊፍዎ ኣሎ። ከምኡውን ድሒሩ ዝጀመረን ብቀጻልነት ዝረአ ዘሎ ዝሕቱል ርኽክባት: ኣብቲ እዋን’ቲ ብመራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ጽዑቕ ተደጋጋሚ ዑደታት ንመስርሕ ሰላም ብዝተቐላጠፈ ይኣትዋ ከምዘለዋ የምስሎ ነበረ። እዚ ማለት ድማ እቲ ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ኣብ መንጎኤን ዝነበረ ኩነታት ኣይ-ሰላም ኣይ-ኵናት ንምፍታሕ ኣብ ስርሓት ተጸሚደን ኣለዋ ዝብል ስምዒት ፈጢሩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ይኹን ደኣምበር እዚ ስምዒት እዝን እቲ ንሱ ፈጢሩዎ ዝነበረ ተስፋን ነዊሕ ኣይቀጸለን። እቲ ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ እምበኣር እንታይ ደኣ እዩ ዝኸውን ዘሎ ዘብል እዩ።

ቅድሚ ሕቶ’ቲ ግን እስከ ንወርሒ ሓምለ 2018፡ ፈላማይ ምብጻሕ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንመለስ። ሽዑኡ መቸም ህዝቢ ኤርትራ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ዝገበረሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ንዓለም ከይገረመ ኣይተርፍን። ሓደ ህዝቢ ንናይ ካልእ ሃገር መራሒ: እሞ ኸኣ መራሒ እታ ጌና ክፋል ልዑላዊ መሬቱ ሒዛ እትርከብ ሃገር ከምዚ ጌሩ ክቕበል ክትርኢ እንከለኻ፡ ህዝብና ክሳብ ክንደይ ድሌትን ባህግን ናፍቖት ሰላም ከም ዝነበሮ ንምግማት ብዙሕ ዘሸግር ኣይነበረን። ንግደ ሓቂ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ ድሕሪ ገለ ሒደት መዓልታት ንፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝገበሮ ኣቀባብላ ክትርኢ እንከለኻ ክልቲኡ ህዝብታት ተመሳሳሊ ናይ ሰላም ናፍቖት ከም ዝነበሮን ተኸባቢሩ ብሰላም ክነብር ከምዝደልን ኣመስኪሩ እዩ። እቲ ሓውን ጎረቤትን ዝኾነ ክልቲኡ ህዝብታት፣ ዋላኳ ተቐባል ጋሻ ሙዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕቶ ሰላምን ኵናትን ኣብ ኢድ መራሕቲ ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለዝርዳእ: እቲ ዝገበሮ ኣቀባብላን ዘርኣዮ ታሕጓስን ዝገልጾ ነገር እንተነበረ፡ እቲ ጉዳይ ክንዮ ምቕባል ናይ ሓዳ ጋሻ ዝኸይድን ምዃኑን: ንዘመነ ኲናትን ወረ ኲናትን ኣፋንዩ ንሓድሽ ዘመነ ሰላምን እፎይታን ቅሳነትን ይቕበል ከምዝበረ ብሩህ እዩ ኔሩ።

ብወገን ኤርትራ እንተ መጸና እሞ ኸኣ: ኤርትራ ንእሽቶን እታ ዝያዳ ዝተጎድአትን ሃገር ከም ምዃና መጠን: ንህዝባ ሰላም ማለት ኲናትን ወረ ኲናትን ደው ዝብለሉ: ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ መሬት ዝጸንሑ እሱራት (እቶም ብህይወቶም ዘለዉ እንተሃለዉ) ብርሃን ጸሓይ ዝሪኡሉን ምስ ስድሮኦም ዳግም ዝሕወሱሉን፡ እቲ ጌና ተታሒዙ ዘሎ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ንዋንኡ ዝምለሰሉ: ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ንቡር ዝምለሰሉ: ዋሕዚ ስግረ ዶብ መንእሰያትን ህጻናትን ዘብቀዓሉ፡ ሓድሽ መዋእል ክጅምርን ሃገርና ኤርትራ ድማ ኣብ ግዝኣት ሕጊ ገጻ ክትሰጋገርን እቶም ክሳብ ሎሚ ዘምለጥዋ ናይ ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን ፖለቲካውን ናይ ምዕባሌ ዕድላት መንገዲ ንክትመልስ: ኮታ ህዝባ ኣብ ኩለንተናዊ ሃገራዊ ህንጸት እንደገና ምርብራብ ንክጅምር፡ እቲ ክጽበዮ ዝጸነሐ ሰላም ነቲ ስኢኑዎ ዝነበረ ዕድል ሒዝሉ ክመጽእ ተስፋ ስለዝገበረ ሓጎሱ ፍኑው ክበሃል ብዝኽእል ኣገባብ ብዕልልታን ብከበሮን ክገልጽ ርኢናዮ። ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት በዚ ቁጽሪ’ዚ ምርኣይ ብዘይካ ኣብ እዋን ምሕራር ኤርትራን ምእዋጅ ሃገራዊ ናጽነትን ብድሕሪኡ ኣይተራእየን።

እዚ ድማ ባህርያዊ እዩ። ባህርያዊ ዝገብሮ ድማ ነቲ ኣብዚ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ህልው ኩነታት ኤርትራ ሕርሕራይ ገርና ስለንፈልጥ እዩ። ስለዝኾነ እዩ ድማ እዚ ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመታት ተጻብኦን ዝተኣወጀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝዓበየ ፖለታካዊ ክስተት እዩ ክበሃል ዝከኣል። እቲ ንክልተ ዓመት ምሉእ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናትን ብድሕሪኡ ድማ ን18 ዓመታት ዝቀጸለ ኩነተ ኣይኲናት ኣይሰላም ንክልቲኤን ሃገራትን ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝሓመሰ እኳ እንተኾነ: ኣብ ሃገርና ዝወረደ ኩለንተናዊ ዕንወት እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ብኡኡ መጠን ድማ ምምጻእ ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ብስራት ምዃኑ ኣከራኻሪ ኣይነበረን።

ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ’ውን ገና ኣይተዓደለን። ስምምዕ ሰላም ተኸቲሙ ከብቅዕ: እኳ ደኣ ዳርጋ ዓመትን ፈረቓን ሓሊፍዎ: ኣብ ህይወት ኤርትራውያን ዝተቐየረ ነገር ፈጺሙ ዘይምህላዉ’ዩ። ፖለቲካውያን እሱራት: እንተላይ እቶም ብሰንኪ እቲ ምስ ኲናት ዝተሓሓዝ ንሃገራዊ ጸጥታዊ ዘስግኡ እዮም ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ: ሕጂ’ውን ደሃዮም የለን። እቲ ብሰንኪ ኲናት’ዩ ዘይተተግበረ ካብ ማንም ንላዕሊ ባዕልና ንደልዮ ዝበሃለሉ ዝነበረ ቅዋም ክትከል ትጽቢት እንዳተገብረሉ ሃንደበት “ቅዋም ደኣ ሞይቱ” እንድዩ ዝብል መርድእ ተሰሚዑ ክሳብ ሎሚ ከኣ ዳግመ ትንሳኤኡ ኣይተኣወጀን። ገደብ ኣልቦ ኣገልግሎትን፡ ዘስዕቦ ፍልሰት መንእሰያት ወሲኹ’ምበር ከቶ ኣይነከየን። እንተ ብዛዕባ ቁጠባ እሞ እቲ ንዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ዘየቋረጸ ናይ ቁልቁለት ጉዕዙኡ ናህሩ ስለዘይቀነሰ ብዛዕብኡ ዘይምዝራብ ይሓይሽ።እቲ ቀንዲ ጠንቂ ኲናት ምዃኑ ወግሐ ጸብሐ ዝዝረበሉን ቅድመ ኩነት ሰላም ከኣ ኮይኑ ዝጸንሐን ዶብ እሞ ኸኣ ጨሪሹ ተረሲዑ እኳ እንተዘይበልና ብዘይ ተፈልጠን ብወግዒ ብዘይተነግረን ምኽንያት ተወንዚፉ ተሪፉ።ስለዚ ድማ ኢና ክንሓትት ንግደድ እሞ ፡ ወዮ እቲ ሰላም ደኣ ኣበይ ኮን ኣበለ? ኢልና ክንሓትት ዝተገደድና።

ሰላም ኣበይ ደኣ ኣቢሉ ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ እኹል ግን ኣይኮነን። ሃገርና ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ትርከብ ምህላዋ፡ ሰላም ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ሃገር ኣብ ንቡር ኩነታት እንተዘይተመሊሳ፡ ዝተኣወጀ እንተ ተኣወጀ እቲ ዝድለ ዘሎ ሰላም ውሕስነት ክህልዎ ከም ዘይክእል፡ ከም ሃገር ድማ ዋላኳ ግዳማዊ ተጻብኦታት እንተሃለዉ፡ እቲ ቀንዲ ሽግርና ውሽጣዊ ደኣምበር ግዳማዊ ከምዘይኮነ፡ ህዝቢ ጉዳይ ሃገሩ ባዕሉ ዝውስን ክኸውን ዘኽእሎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ እንተ ዘይተረጋጊጹ ኩነታት ክመሓየሽ ምጽባይ የዋህነት ጥራይ ምዃኑ ተረዲእና ቃልስና ብዝሓሸ ስትራተጅን ብዘለዓለ ውደባን ከነበርትዖ ይግበኣና።

ሽዑኡ ድማ እቲ ሕቶ ሰላም ኣበይ ኣበለ ዘይኮነ፡ ከም ህዝቢ ከመይ ጌርና ኣብ ድልዱል መስረት ከም ዝህነጽን ከም ዝምዕብል ንገብሮ ይኸውን።

ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *