skip to Main Content
Menu
ስነ-ጥበባውያን ሞያዊ ኮነ ሞራላዊ  ሓላፍነቶምን

ስነ-ጥበባውያን ሞያዊ ኮነ ሞራላዊ ሓላፍነቶምን

ስነ-ጥበባውያን ሞያዊ ኮነ ሞራላዊ  ሓላፍነቶምን

                  ብሽፋ  መ/ኑር

       ሙዚቃዊ ስነ-ጥበብ  ሓደ  ኣካል ድርሰት  ስነጽሑፍ  ባህላዊ ምርኢት ቅኔ   ድራማታት…..ወዘተ   ዝኾነ ዓውደ  ፍልጠት  ኢዩ።  ከምቶም  ካልእ  መዳያት ኣብ  ጉዕዞ  ምዕባለ  ናይ ሓንቲ  ሃገር  ሕብረተሰብ  ዓቢ  ግደ ካብ ዘለዎም  ጽላት  ኢዩ።  ብዛዕባ ሙዚቃዊ  ስነ-ጥበብን  እንታይነቱን ኣድላይነቱን ንምግላጽ  ሰፊሕ ሞያዊ  ምርምርን  መጽናዕትን ዝሓትት  እኳ  እንተኾነ መላኺ  ስርዓት  ህግደፍ ብስም  ህንጸትን ሃገርን  ምዕባለ  ህዝብን  ንዜጋታት ንምድንጋር  ጽዑቅ  ወፍሪ እናኣካየደሉ  ስለዝመጸን ዘሎን  ብዛዕባ  ሙዚቀኛታትን   ሞያዊ ኮነ ሞራላዊ  ሓላፍነቶምን  ብዝምልከት ገለ  ምባል  ኣድላዪ  ኢዩ።   
      ሙዚቀኛታትን  ደረፍትን  ናይ  ድራማታት ተዋሳእትን   በቲ  ንስምዒት  ደቂ-ሰባት ዝምስጥ ናይ  ሙዚቃ መሳርሒኢምን  ናይ ባዕሎም  ቋንቋን በቲ  ንኣቃልቦ  ተዓዘብቲ  ዝማርኽ ናይ ድራማታት  ተንቅርሳቃሲ ትርኢቶምን ደሃዮምን ንህዝቢ   ዓቢ  ትምህርቲ  ዝህቡ  ሰብ  ሞያ  ኢዮም።    እቲ  ሙዚቃዊ  ኣስተዋጾኦታቶም  ዋላ ንሶም  ካብ  ሂወት ምስ  ሓለፉውን  ንኣማእት  ዓመታት ህያው  ብምዃን   ዝነብር  ስኑድ ትምህርቲ  ኢዩ።  ኣብ  ዝተፈላለዩ ኣካላት  ናይ  መንግስትን ማሕበራዊ መዳያት ናይ  ህዝብን ፍሉይ  ኣወዳድባ  ሃሊይዎም ስነ-ጥበባዊ  ንጥፈታቶም የካይዱ።  ኣብ  መንግስታዊ  ቅርጻ  ኣወዳድባ   ብናይ  ፖሊስ  /orchestra/  ዝፍለጥ ሙዚቃዊ  ጉጅለታት ተመዲቦም  ንሃገራዊ  በዓላት  የማዕርጉን ንፕሮቶኮላዊ ናይ  ካልኦት ሃገራት  መራሕቲ   ናይ  ክብሪ ኣቀባብላ የሰንዩ። ብዓቢኡ  ኸኣ ኣብ  ዝተፈላለዩ  ዓበይቲ  ሃገራዊ በዓላት ሃገራዊ  መዝሙር  ንወትሩ  ብተደጋጋሚ ብምዝማር  ንመንነትን  ሃገርን  ህዝብን  ይገልጹ። ኣብ ወተሃደራውያን ሙዚቃውያን ጉጅለታት  ተሰሪዖም  ድማ    ሰራዊት  ሃገር  ኣብ  ሰላም ይኹን ኣብ  ናይ  ኲናት ግዜ  ንሕሉፍን  ህልውን  ጅግንነታዊ ዕማም  ናይቲ ሰራዊት  ብመልክዕ ሙዚቃዊ ምርኢት  ብምቅራብ ዓቢ ሞራላዊ ኣስተዋጽኦ  የበርክቱ።  
      ኣብ  ባህላዊ : ማሕበራዊ : ፖሊቲካዊ: ….ወዘተ  መዳያትውን  በቲ  ናይ ባዕሎምን መሳርሒኦምን    ንኣእምሮ  ዘፈስህ መሳጢ ትዕድልታዊ ቃኖኦም  ንክብሪ ሃገርን  ህዝብን  ንፍቅሪ ጓል  ሂዋንን ወዲ ኣዳምን ዝምልከት  ተልእኾኦም  የመሓላልፉ። 
       ተልእኾ  ስነጥበባውያን ሙዚቀኛታትን  ደረፍትን  ካብ  ባዶ  ነቂሉ  ናብ  ባዶ  ዝዓልብ  ዕዮ  ኣይኮነንን።  የግዳስ ንኹሉ  መዳያዊ  ኣተሓሳስባ : ምንቅስቃስ:  ኣረዳደኣ : ንጥፈታት : ኮታ  ኩለንትናዊ  ሃለዋትን  ናብራን  ደቂ-ሰባት  ተገንዚቦም ነቲ  ናይ  ባዕሎም  ጥዑም ደሃይ ምስቲ ባህላውን  ምስቲ ምዕቡል ናይ  ዕዳጋ   ሙዚቃዊ  መሳርሒታት ድምጽን   ኣቀናቢሮም ዳግም ናብ  ህዝቢ  ዝገልጹሉ  ዕማም  ኢዩ።  እዚ  ማለት  ዕማሞም  ኣብ  ባይታ  ንዘሎ  ክውንነት  ብምንባ ብግቡእ  ናይ  ምግላጽ  ሞያ  ኢዩ።    ዕዮኦም በዚ  ጥራይ ዝድረትውን  ኣይኮነን የግዳስ ኣብ  ሂወት  ደቂ-ሰባት ንዘጋጥሙ ብዶሆታትን  ግድላትን  ፍታሕን  ኣድላዪ  ብቁዕ  መተካእታ  ኣብ  ምርካብን  እውን  ዓቢ  ተራ  ኣለዎም ኢዩ።  ይኹን  እምበር ሃለዋት  ህዝቦምን  ሃገሮምን ብመለኽቲ ስርዓታት ኣብ  ሕማቅ  ኩነታት  እንከሎ  ብኣንጻር  እቲ  ህልው  ኩነታት  ክገልጽዎ  እንከለዉ   ግን ዘይክውንነታዊ ስምዒት  ብምፍጣር  ኣዕናዊ  ግደ  ከም  ዝጻወቱ  ፍለጥ  ኢዩ።  ኣብ  ባይታ  ንዘለዉ  ሓቅታት  ብግቡእ  ናይ  ዘየንብቡ  ዕማማ  ሙዚቀኛታት  ደረፍቲ  ንህዝቦም  ኣንጻር  ጠቅሙ  ከሰልፍዎ  ይሰርሑ  ምህላዎም  ኩሉ  ክርዶኦም  ኣለዎ። ምኽንያቱ ድማ  ንሓቀኛ  ሃለዋት  ሃገሮምን  ህዝቦምን  ብሞራላዊ  ሓላፍነት  ዘይገልጹ  እንተኾይኖም   ንየወሃት  ዜጋታት ብግዝያዊ  ስምዒት  ኣረሳሪሶም  ግዳይ  መለኽቲ  ስርዓታት  ይገብርዎም  ስለዘለዉ  ኢዩ።  ዜጋታት  ዋላኳ    በቲ  ንሃለዋቶም  ዘይገልጽ  ስራሕ  ሙዚቀኛታትን  ደረፍትን ንግዚኡ  እንተተመሰጡ ኣብ  ዝተናወሐ  ግዜ  እቲ  ሓቂ  ስለዝበርሃሎም  ኣብ  ልዕሊኦም  ንስሚዒታቶም  ዝሰርቅ  ፍረ  ዘይብሉ  ኣደናጋሪ  ወፍሪ  ከም  ዝተኻየደሎም  ይርዶኦም  ኢዩ። እዚ  ማለት  ንሓቀኛ  ክውንነት  ህዝቦምን  ሃገሮምን  ብግቡእ  ዘየንብቡ  ሙዚቀኛያትን  ደረፍትን ዋላ  ነቲ  ሞያ  ስነ-ጥበብ  ኣብ ዘይሃናጺ  ይልስለዝግልገሉሉ የኽፍእዎ እሞ  ከም  ውጽኢቱ  ስነጥበብ ብዜጋታት ተጽላኢ  ይኸውን።
       ንስነ-ጥበብ  ዝጸልአ  ዜጋ  ወይ ህዝቢ   ከኣ  ንሕሉፍ  ታሪኹን  ህልው  ክውንነቱን ንናይ መጽኢ  ዕድሉን  ዘንብበሉ ዓቢ  ተደላይነት  ዘለዎ  ዓውደ-ፍልጠት  ይጸልእ  ኣሎ  ማለት ኢዩ። ኣዕናዊ  ሳዕቤናቱ  ድማ ንኹሉ  ብሩህ  ኢዩ።  ስርዓት  ህግደፍ  ሎሚ  ይኹን ትማሊ  ህዝቢ ኤርትራ  ከፊእዎ  እንከሎ   ብዝስማዕን  ዝረአን  ማዕከናት  ዜንኡ ኣብ  ስነጥበባዊ  መዳይ ማእለያ  ዘይብሉ  ባጀት  ሰሊዑ ነቲ  ክፉእ  ምስሉ  ንምጽብባቅ   ኣብ ባህላዊ  ሳዕስዒትን  ሙዚቃዊ  ምርኢት  /concert/  ንመንነቱ  ዘይውክል  ተልእኾ  ከመሓላልፍ  ዘተኣደነ  ወፍሪ  ከካይድ  ጸኒሑን  ኣሎን።  ብኣንጻር  እዚ  ብሙዚቃዊ ናይ  ምደራፍን  ምዝማርን  መዳይ  ንህዝብና  ካብ  ዘለዎ  ጭቆና ንክላቀቅ  እቲ  ንእንታይነት  መላኺ  ስርዓት ህግደፍ  ዘቃልዕ ሓቀኛ ደሃይ ኤርትራውያን  ሙዚቀኛታትን  ደረፍትን  ዘመርትን   በዂሩ  ኣሎ  እንተተባህለ  ምግናን  ኣይኮነንን። ሙዚቃዊ  ስነጥበብ  ሓደ  ህዝቢ  ዝጠቅሞን  ዝጎድኦን ንክፈልጥ እቲ  ዝበለጸን  ዝሓየለን ናይ  መረድኢ  ኣገባብ  ኢዩ።  ካብ  ንዓሰርተ  ሰባት ናይ  ቃልን  ጽሑፍን  መግለጺ  ብምሃብ ከተረድእ  ወይ  ከተለዓዕል  ንኣሸሓት  ሰባት  ብሙዚቃዊ ሰነጥበባዊ ዕዮ  ሓቀኛ  ተልእኾ  ክተመሓላልፍን  ከተረድእ መሰልይ  ከተፍልጥን ይቀልል።  ስለዚ  ኤርትራውያን  ሙዚቀኛታትን  ምእንቲ  ድሕነት  ህዝብናን  ሃገርናን መሳርሒታትኩም  ብምቅናይ ንሓቀኛ  ክውንነት  ህዝብና  ብምንባብ ምእንቲ  እቲ ኩሉ  ኤርትራዊ  ዝደልዮ  ብቁዕ  ፍታሕ  ድሃይኩም  ከተስምዕሉ  እዋን  ኣኺሉ  ኢዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top