ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ
ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
ቀዳም መዓልቲ 8 መስከረም እቲ ካብ ዕለት 23-25 ነሓሰ ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ፍራንክፎርት ዝተኻየደ መስራቲ ጉባኤ ዝተመርጸ ማእከላይ ባይቶ ሓጋጊ ኣካል ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ኣብ ዘካየደሉ ንኣቶ ሓምድ ድራር ኣፈ ባይቶ ክመርጽእ እንከሎ፡ ንኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ከኣ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ክኾኑ መሪጹ።
ኣብ’ዚ ሎሚ ዕለት 14 መስከረም ዝተኻየደ መቀጸልታ 1ይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ 8 መስከረም፡ ብ መሰረት ውሳኔ ሓድነታዊ ጉባኤ 7 ዝኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን፡ 1 ጠቕላላ ተቆጻጻሪ ውድብን ክምረጹ ንስለ ዝነበሮም፡ ብኣቦ መንበር ንዝቀረቡ ሕጹያት ፈ/ሽ ንምጽዳቕ ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ እዞም ዝስዕቡ 6ተ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን፡ ሓደ ተቆጻጽሪ ወይ ኦዲተር ተመሪጾም።
I
1 ኣቶ ሓምድ ድራር ኣፈ ባይቶ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
2 ኣቦ መንበር ፈ/ሽ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ
II
ፈጻሚት ሽማግለ
-
ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮውሃንስ ኣቦ መንበር
-
ኣቶ ሱሌማን ኣደም ሑሰን ወጻኢ ጉዳይ ህዝባዊ ርክባት ቤ/ጽ
-
ኣቶ ክብሮም ግረኔት ጸሓፊ ውድብ ቤ/ጽ
-
መንእሰይ ግለዋይ ስዒድ ፖለቲካውን ውደባውን ቤ/ጽ
-
ኣቶ ኣንቶንዮ ተስፋይ ዜናን ሓበሬታን ቤ/ጽ
-
ኣቶ ኣለም ዮውሃንስ ቁጠባዊ ቤ/ጽ
-
ወ/ሮ ሳባ ፍስሃየ ማሕበራዊ ጉዳያት ቤ/ጽ
III
ጠቕላሊት ተቆጻጻሪት
-
ብዙ ቡቱኞሊ
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ዜናን ሓበሬታን ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
14 መስከረም 2019
« The first session Of UDC CC (Previous News)
Related News

ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ቀዳም መዓልቲ 8 መስከረም እቲ ካብ ዕለት 23-25Read More

The first session Of UDC CC
The first session Of UDC CC Today, Saturday 14 September 2018, the Central Council (CC),Read More