Main Menu

ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ፈ/ሽ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ

ፈ/ሽ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ድሕሪ ዕዉት መስራቲ ሓድነታዊ ጉባኤኡ፡ ኣባላት ፈ/ሽ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ውድብና ነፍሱ ሰሪዑ ብውሽጡን ግዳሙን ምዕሩይ ውህደት ቃልሲ ንምክያድ ዘለዎ ታሪኻዊ ሓላፍነትን ዝጽበዮ ዕማምን ግብሪ ዘስነዮ ውሳኔታቱ ንምትርጓም መደባት ንምስራዕ ብዕለት 22 መስከረም 2019 ኣብ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ዘትዩን ተመያይጡን።

ኣብ መጀመርያ ኣቦ/መ ፈ/ሽ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ንኣባላት ፈ/ሽ እንቋዕ ደሓን መጻኹም ድሕሪ ምባሉ፡ ህዝብና ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣልዩ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ሰርዓት ንምትካል በጺሕዎ ዘሎ ታሪኻዊ መስርሕ ቃልሲ ንክዕወት፡ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዘለዎ ግደን ተራን ብግቡእ ኣለልዩ እጃሙ ንምብርካት ዘሎ ተኽእሎ መሰረታዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ስርሓት ፈጻሚት ሽማግለን፡ ባይቶን፡ ኣባላት ውድብን ክህሉ ዝኽእል ቅኑዕን ግሉጽን ዝምድናታት፡ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ንሓድነት ውድብ ዘደልድልን ዘሕይልን ልዑል ኣቃልቦ ክግበረሉ ከም ዘለዎ መግለጺ ሂቡ።

ቀጺሉ ብመሰረት ውሳኔ ጉባኤ፡ ቤት ጽሕፈታት ፈ/ሽ ክዳለውሉ ብዝቐረበ ኣጀንዳን ብዕምቆት ድሕሪ ምክታዕ፣ ንውሽጣዊ ኣሰራርሓ ፈጻማት ሽማግለን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ክዳለውሉ ዝግቦኦም ዝርዝር መደባትን ዘጠቓልሉ ሓያሎው ውሳኔታት ኣጽዲቁ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ካልኣይ ኣኼባ ክካየድ ድሕሪ ምውሳን ኣኼባ ብሙሉእ ስምምዕ ዛዚሙ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

22 መስከረም 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *