skip to Main Content
Menu
ቃል ሓዘን

ቃል ሓዘን

ቃል ሓዘን

ገዲም ተጋደላይ ሓምድ ማሕሙድ ሓምድ ብዕለት 6/9/2018 ሓሙስ መዓልቲ ዓሪፉ። ንተረኽቦ ሞት ሓርበኛ ገዲም ተጋደላይ ሓምድ ማሕሙድ ብዓቢ ሓዘን ተቀቢልናዮ።  ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ሓምድ ማሕሙድ ፍቅሪ ሃገሩን ህዝቡን ኣብ ሕልንኡ ሰሪጹ ኣብ መጀመርታ ሱሳታት ናብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰለፈ ሓርበኛ ተቃላሳይ ኢዩ።ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ኣባል መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለ ተቃላሳይ ኢዩ።ተጋደላይ ሓምድ ኣብ መጀመርያ ሰብዓታት ኣብ ከበሳ ከም ሓላፊ ደባይ ተዋጋእቲ ኣሃዱታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ድሒሩ’ውን ኣባል ወተሃደራዊ ስታፍ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ንህዝቡን ሃገሩን ዘገልገለ ውፉይ ሓርበኛ’ዩ ነይሩ።ሓምድ ብዕለት 6/9/2018 ኣብ ሱዳን ከተማ ከሰላ ንታሪኹ ኣጸቢቆም ዝፈልጡን ምስኡ ዝተቃለሱን ብርክት ዝበሉ ገዳይም ተቃለስቲ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። 

ሰዲህኤ   ንሓርበኛ ተጋደላይ ሓምድ ማሕሙድ ማዕረቲ ንህዝቡን ሃገሩን ዘገልገሎ ዓቢ ኣስተዋጾኦ ኣምላኽ/ረቢ ኣብ ጎኑ ይቀበሎ ይብል። ንስድራቤቱን ቤተ-ሰቡን ፈተውቱን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሊ ይግደፈኩም እናበለ ተኻፈልቲ መሪር ሓዘንኩም ምዃና ንሕብር። 

  ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

  6 መስከረም 2018

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top