Main Menu

ቅንያት ዝኽርን፡ ምዕቓብ ታሪኽን ኤርትራውያን ኣብ መላእ ዓለም

ቅንያት ዝኽርን፡ ምዕቓብ ታሪኽን ኤርትራውያን ኣብ መላእ ዓለም

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መከረም 2019 ብምኽንያት መበል 58 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ብዝተፈላየ ኣገባብ ዘኪሮም። ብምቅጻል ነቲ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ነባራት ተጋደልቲ ህግሓኤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ (G15) ዝወሰዶ ጨካን ተግባራት መስክረም 2001 ስሞም ብኽብሪ ንጅግንነቶም ዝገልጽ ዋዕላታትን ሰላምዊ ሰልፊ ማኒፈስቶን ተኻይዱ። ማዕረ ማዕረኡ ኣብ ልዕሊ ብሕታዉያን ጋዜጠኛታት ኤርትራ ኣሰናዳእቲ ጋዜጣታት ኣብ ነጻ ኤርትራ ዝተፈጸመ ክሕደት ኣብ ልዕሊ መስል ህዝቢ ተዘኪሩ’ዩ።

ሎሚ ከኣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተረኽበ ኣሕዛኒ ተርእዮ ሂወት ኣማኢት መንእሰያት ዝወሰደ ሓደጋ ማእከላይ ባሕሪ ላምፐዱሳ ብዓብይ ዝኽሪ ዝካየደልሉ ዘሎ እዋን’ዩ። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ መንግስቲ እንዳበለ ነዞም ኣብ ሃገሮም ግቡኦም ዝፈጸሙ መንእሰያት ግዳያት ላምፐዱሳ ይትረፍስ ሬሳታቶም ንዓዲ ክምለስ ሕቋፍ ዕምበባ’ኳ ኣቐሚጥሎም ዘይፈልጥ፡ ተመሊሱ ነቶም ኣብ ዓዲ ሰላም ኣትዮም ዑቕባ ሓቲቶም ሓድሽ ሂወት ክምስርቱ ዝጽዕሩ እግሪ እግሮም ስዒቡ ኣብ ኖርወይ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ሰሜን ኣሜሪካ ካሊፎርኒያ ስቓዮም ንኸይርስዕዎ ንምዝኽኻር ዝገበሮ ገልታዕታት ኣሳሳይ ዘርጊ ሰላም ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩሉ ዝርኣዮ ዝሰምዖ ምስክር’ዩ።

ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 28 መስከረም 2019 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ንዝኽሪ (G15) ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ’ዩ።

ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራ ዝተጀመረ ዘይሕጋዊ መስርሕ ሰላም፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘስዓቦ ነድር ቁጠዐን፡ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ብጥርኑፍን ስሩዕን ኣገባቡ ዝገጥሞ ዘሎ መስርሕ ቃልሲ ህዝባዊ ምልዕዓላት ይኣክል፡ ኣብ ስቶክሆልም፡ ኦስሎ፡ ዓባይ ብርጣኒያ፡ ኤድመንተን ካንዳ፡ ዳላስ ተክሳስ፡ ካሊፎርኒያ ከምኡ’ውን ካልኦት ሃገራት ብዘይምቁራጽ ዝካየድ ዘሎ ስርሓት ንህግዲፍ ፊት ንፊት ገጢምዎ ሰንደልደል ዘብሎ ዘሎ ማዕበል ቀጻልነቱ እንዳሓደስ ይኸድ ኣሎ።

ብካልእ ፖለቲካዊ ውደባ ሸነኽ እንተኾነ፡ ኣብ ፍጹም ሓድነትን ብሓደ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሓንጺጸ ብቆራጽ ውሳኔ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝተበገሳ ውድባትን ሰልፍታትን ኣካል እዚ ዝኸይድ ዘሎ ትስፍዉ ታሪኻዊ መስርሕ ህዝቢ ኤርትራ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ምዃኑ ምእማንን ምጥቃስ ኣገዳስነት ዘለዎ፡ ንኽዓብን ክሰፍሕን ክቅጽልን ከኣ ፖለቲካውያን ሃይልታት ኤርትራ ኣብ ዘተኣማምን መደባት ምትሕግጋዝ ንምስግጋር ከኣ ስልጡን ዝኾነ ፍታሕ ንሕዝብና ከቅርብ ዝግበረሉ ትጽቢት ውሑድ ዘይምኳኑ ኣንጺፍዎ ዘሎ ሰረትን ሓድነት’ዩ።

ዜናን ሓበሬታን ውሓዲለ

4 ጥቅምቲ 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *