Main Menu

ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፈሎ ሃገራዊ ሓድነትና ዓቂብና

መስራቲ ጉባኤ

ፍራክፈርት፣ ጀርመን – 24 ነሓሰ 2019

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጉባኤኛታት:

ብመጀመርያ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም፤እንቋዕ ከኣ ድሕሪ ናይ ዳርጋ ሓደ ዓመት ሓባራዊ ጉዕዞ ኣብ መስራቲ ጉባኤና ገጽ ንገጽ ኣረኣአየና። ኣብ ቃልሲ ከምዝጸናሕና መጠን ብዙሓት ቅድሚ ሕጂ ብኣካል ዝተራኸብና ክንከውን ከለና፤ ገሌና ድማ ድማ ንፈለማይና ኢና ንራኸብ ዘለና። ብዝኾነ እነሆ ሎሚ ዕላማ ኣራኺቡና ተኣኪብና ኣለና እሞ ጽቡቕ ሌላ ይግበረልና። ኣብዚ ኣድራሽ’ዚ ምስ ሓርበኛትት ገዳይም ተጋደልቲ ብምርካበይ ከኣ ዓቢ ክብሪ ክምዝስማዓኒ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ቅድሚ ናብ ካልእ ጉዳይ ምእታወይ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝስማዓኒ፤ ገለ ምስጋና ከቕርብ ፍቐዱለይ። ብመጀመርያ ነቶም ደኺምና ከይበሉ፣ በቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መስርሕ ዝፍጠር ውረድ ደይብ ከይሰልከዪን ከይተዓናቐፉን ተስፋ ከይቆረጹን፣ ክዕወቱ ምዃኖም ድማ ኣሚኖምን ተኣማሚኖም፤ ብሓያል ወንን ብልዑል ተወፋይነትን ለይቲ ምስ መዓልቲ ሰሪሖም ኣብዚ ንክንበጽሕ ዘብቅዑና፤ ኣባላት ግዝያዊት መሰጋገሪት መሪሕነትን ኣባላት ናይተን ኣብ ትሕቲኣ ኮይነን ክሰርሓ ዝጸነሓ ሽማግለታትን ልባዊ ምስጋና ይብጻኩም ክብል ይደሊ።

ንሳቶም’ውን እንተኾነ ብድሕሪኦም ኮይኖም ኣጆኹም ኣጆና ዝብልዎም፣ ሓገዝ ክሕተቱ እንከለዉ ድማ ካብቲ ዝተሓተትዎ ንላዕሊ ዘበርከቱ ብጾት እንተ ዘይህልውዎም ከምዚ ዝኣመሰለ ዕውት ስራሕ ክሰርሑ ኣይምኻኣሉን ኔሮም እሞ ንኹሉኹም፣ ኣብዚ ብኣካል እትርከቡን፣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክትርከቡ ዘይከኣልኩምን ኣባላት ናይዚ ዝምስረት ዘሎ ውድብ ልዑል ምስጋናይ ይብጻሕኩም። እዚ ድማ መርኣያ ናይቲ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዝርከብ ሓያል ሃገራዊ ስምዒትን ሓላፍነታዊ መንፈስን ሃገራዊ ሓልዮትን እምበር ካልእ መግለጺ ኣለዎ ክብል ዝኽእል ኣይመስለንን። ብርግጽ ከኣ ኤርትራዊ ሃገራውነት መሰረት ናይ ኤርትራዊ ሓድነትን ዋሕስ ቀጻልነት ናይ ናጻን ልዑላዊትን ኤርትራ እዩ ክብል ይደፍር ። በዚ ሓያል እምነት’ዚ ተደሪኽና ከኣ ኢና ንኤርትራዊ ሃገራውነት ከም ቀንዲ መለለይናን እቲ ፍጹም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይነእትዎ መትከልን፤ መሰረት ናይዚ ንምስርቶ ዘለና ሓድሽ ውዳቤ ጌርና ተበጊስናን ነዊሕ ተጓዒዝናን ኣብዚ ከኣ በጺሕናን ዘለና። ነዚ ጽኑዕ እምነት’ዚ ሒዝና ከኣ ክንዕውት ምዃንና ዘጠራጥር ከምዘይኮነ ኸኣ ታሪኽና ባዕሉ ህያው ምስክር እዩ። እቲ ምንታይ፣ እዛ ሎሚ ንሕበነላን ሓርነት እውን ከነልብሳን ንቃለሰላ ዘለና ነጻን ልዑላዊትን ኤርትራ ውጽኢት ናይዚ ኤርትራዊ ሃገራውነትን ኣብ ክሊኡ ዝተረጋገጸ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን፤ እዚ ሓድነት’ዚ ዝፈጠሮ ሓያል ቅልጽምን ስለዝኾነት።

እዚ ማለት ከኣ ንሕና ኤርትርውያን፤ ንኾርዓሉን ንሕበነሉን ታሪኽ ከምዘለና ዘጠራጥር ከምዘይኮነ፤ እዚ ታሪኽ’ዚ ከኣ ዝምህረና ኣገዳሲ ጉዳይ እውን ከምዘሎ ኣይረሳዕናን ክንርስዕ’ውን ኣንኽእልን ኢና ማለት እዩ። ካብ ታሪኽና ብዙሕኳ ንመሃር እንተኾና፤ እቲ ቀንዲ ክንወስዶ ዝግባኣና ትምህርቲ ግን ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣብ እንዓስለሉ እዋን ቅያ እንሰርሕ፤ ካብ ኤርትራዊ ሃገራውነት ፈልከት ክንብል ወይ ንዑኡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእትዎ እንከለና ድማ ብዙሓት ዕድላት ዘምልጡና ህዝቢ ምዃና ተማሂርና ክንከውን ይግበኣና እንተበኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣዘራርባ ኣይመስለንን። ርሑቕ ከይከድና ድማ ምስጢር ዓወት ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልስናን ምውሓስ ሃገራዊ ልዑላውነትናን፤ ኤርትራዊ ሃገራውነትን እቲ ኣብኡ ዝተመስረተ ሃገራዊ ሓደነትናን እዮም። ስለዝኾነ ድማ እብዚ ሎሚ ሃገራዊ ክብርና ንምምላስ እነክይዶ ቃልሲ ምእንቲ ክንዕወት፤ ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፈሎ ሃገራዊ ሓድነትና ዓቂብና ነቲ ናይ ትማሊ ታሪኽና ምድጋም ከምዘድልየና ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ንሱ እንከሎ ግን ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት፤ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት፤ ብፍላጥ ይኹን ወይ’ውን ብዘይፍላጥ፡ ነቶም መሰረት ሃገራዊ ሓድነትና ዝኽርኩሑን ታሪኽ ገድልና ዘጸልሙን ተርእዮታት ብዝግባእ ክንብድህ ጸኒሕን ክንብል ኣይከኣልን እዩ። ሓሶት እንተ ተደጋጊሙ ሓቂ ይመስል ከም ዝበሃል ከኣ ገለ ሒደት ኤርትራውያን ግዳይ ናይዚ ኣሉታዊ ጎስጋስ ክኾኑ ክኢሎም እዮም። እዚ ክቕየር ኣለዎ።

ሎሚ ድሕሪ ዳርጋ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት እታ ናይ ወለዶታት ክቡር ህይወት ከፊልና፣ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ነጻነታን ልዑላውነታን ዘውሓስናላ ሃገርና፤ ግን ከኣ ጌና ልዑላውነት ህዝባን ግዝኣት ሕግን ማሕበራዊ ፍትሕን ስለዘይተረጋገጹ፣ ሎሚ ኣብ ኣዝዩ ከቢድን ሓደገኛን ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ተሸኺላ ምህላዋን፤ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንህላዌኣን ንቀጻልነታን ዝፈታተኑ ብድሆታትን ሓደጋታትን ኣብ ልዕሊኣ የንጸላልዉ ምህላዎም ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፣ ካባና ሓሊፊ’ውን ኩሉ ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ተዓዛቢ ዝፈልጦ ሓቂ ስለዝኾነ ብዛዕብኡ ምዝራብ ኣድላይኑት የብሉን። የብሉን ጥራይ ዘይኮነ ሎሚ ንኤርትራውያን ሃገርና ኣብ ከምዚ እባ ኣላ ከምቲ እባ ኣላ ኢልካ ምዝራብ ዳርጋ ንቀባራይ ምርዳእ እዩ ዝኸውን። ብሓጺሩ ድማ ብዛዕባ ሽግራት ምዝራብ ይኣክል። ኣብ ክንዲኡ ግን ብዛዕባ መፍትሒ እስከ ንዛረብ ዝበሃለሉ ግዜ ኢና በጺሕና ኣለና።

ብዛዕባ መፍትሒ ቅድሚ ምዝራብና ግን ብዛዕባ ኣብቲ እንደልዮ መፍትሒ ከብጸሓና ዝኽእል መንገዲ ክንዛረብ ከድልያና እዩ። መፍትሒ ድማ ካባናን ብኣናን ጥራይ ስለዝኾነ፤ ነብስናን ኣካይዳናን ከይመርመርና ብዛዕባ መፍትሒ ክንዛረብ ንኽእል ኢና ኢልካ ምሕሳብ ብሪኢቶይ ምስ የዋህነት ጥራይ እዩ ክቑጸር ዝኽእል። ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ከም ዝበሃል ድማ ጉዕዞና ክንግምግም፤ ብዛዕባ ጉድለታት ድማ ብግልጺ ክንዛረብ ከድልየና እዩ። ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ፤ ንሽግራትናን ንብድሆታት ፊት ንፊት ክንግጠሞም ቁሩባት ክንከውን ይግበኣና ። እንተዘይኮይኑ ግን ካብ ዕንክሊል ክንወጽእ ዘለና ዕድል ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ።

ሓደ ዓቢ ብድፍረት ድማ ክንምልሶ ዝግበኣና ዝመስለኒ ሕቶ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ፤ ትማሊ ትማሊ ኣንጻር ሓያላን ተቓሊስና፤ ቅያ ሰሪሕና ሃገርና ነጻ ዘውጻእና ህዝቢ እንከለና፤ እንታይ ደኣ ወሪዱና ስለዘሎ ኢና ነዚ ኣቲናዮ ዘለና ሃገራዊ ውርደት ንጻውር ዘለናን መስሓቕ ካልኦት ኮይንና ዘለና ኢልና እስከ ንመራመር፤ ንነብስና ኸኣ ንሕተት። ትማሊ ትማሊ፣ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ብዝሰራሕናዮ ቅያ ክብርን ኣድናቖትን ናይ ዓለም ከምዘየትረፍና፣ እንተላይ ናይቶም ጸላእትና እንብሎም ዝነበርና፤ ናይ ጅግንነትን ናይ ጽንዓትን ናይ ተወፋይነትን ናይ ሃገራዊ ፍቕርን መዓርግ ብክብሪ ከምዘይተሸለምና፣ ሎሚ ደኣ እንታይ ስለዝወረደና ኢና ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ኣብ ሓጺር እዋን ክልተ ግዜ ዝተረኣና?

እዚ ሕቶ’ዚ ሕቶ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊትን ኤርትራውን ሕቶ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን ኢለ እየ ዝኣምን። በብመገድና ከኣ ነናትና መልሲ ከምዝህልወና ዝሰሓት ኣይኮነን። እዚ ድማ ኣወንታዊ እኳ እንተኾነ እኹል ግን ኣይኮነን። እዚ ማለት ድማ እቲ ሕቶ ሓባራዊ ሕቶ ስለዝኾነ ሓደ ሓባራዊ መልሲ እዩ ዘድልየና ዘሎ ማለት እዩ እሞ እስከ ዓው ኢልና ነንበይንኻ ምሕሳብ ይኣክል ንበል። ምኽንያቱ ነናትና ሃገር ዘይኮነ ሓንቲ ናይ ኩላትና ሃገር እያ ዘላትና። ኤርትራ ድማ ልክዕ ከም ፍዮሪ ሕብራዊት ትኹን ደኣምበር ሓንቲ ህይወት እዩ ዘለዋ። ሓንቲ ናይ ፍዮሪ ተኽሊ ብህይወታ እንተልያ በቶም ዝተዓደለቶም ሕብርታታ ትምዕርግ: ህይወት እንተዘየልዩዋ ድማ ቆጽልታታ ይረግፉ፣ እቶም ሕብርታታ’ውን ይሃሱ እሞ ኣማስይኡ ድማ ይረግፉ: ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ እታ ተኽሊ ባዕላ እውን ትወድቅ። ሃገር ድማ ልክዕ ከም ተኺል እያ፤ ቀጻሊ ክንክን ከኣ የድልያ። እዚ ክንክን እዚ ድማ ነቲ ንሳ ዝቖመትሉ ዓንዲ፡ ማለት ኤርትራዊ ሃገራውነት ምኹስካስን ከም ብሌን ዓይንና ምሕላውን እምበር ካልእ ምስጢር የብሉን።

እስከ እምበኣር ኣብታ ቀንዲ እንታይ እዩ ወሪዱና ትብል ሕቶ ንመለስ። ትማሊዶ ኣይኮነን ብሓደ ኮይንናን ብሓደ ድምጺ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክኽትም ኣለዎ ምስ በልና ነቲ ብቁጽሪ ዕስራ ዕጽፍና: ብኣጽዋር ድማ ኣዝዩ ዝበልጸና ጸላኢ ካብ መሬትና ሓግሒግና ጸራሪግና ዘውጻእናዩ? እሞ ኸኣ ኣብ መብዛሕቲኡ እዋን ብገዛእ ኣጽዋሩ። ንሱዶ ኣይነበረን ናይ ትማሊ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ታሪኽና? እቲ መልሲ ብሓንቲ ቃል ሓደ ኮይንካ እምቢ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ምባል እዩ ኔሩ። ዝኽፈልና ከፊልና ከኣ ተዓዊትና። ሎሚ ድማ ትኽፋእ ትጸብቕ፤ ናትና እንብላን ኣብ ዓለም እንጽዋዓላን ሃገር ኣላትና፤ ሓርነት መስርሕ ስለዝኾነ ድማ እቲ ዝተረፈ ንምምላእ እነሆ ንቃለስ ኣለና።

ወረ ብቅድሚኡኸ መግዛእቲ እንግሊዝን ሃይለ ስላሰን ተመሻጢሮም ንሃገርና ኣብ ክልተ ክመቕልዋ ዝኣለምዎ ሽርሒ እቶም ናይቲ እዋን እቲ ወለዶ ኣይንፈላለን ስለዝበለዶ ኣይኮነን እቲ ውዲት ዝፈሸለ እሞ ኤርትራ ሓንቲ ሃገር፣ ህዝባ ድማ ሓደ ህዝቢ ኮይኖም ዝቐጸሉ። እቲ ወለዶ እቲ ከምኡ እንተዘይገብር ኔሩ: እቲ ድሒሩ ዝተባረዐ ሰውራ ምተሓሰበዶ ኔሩ? እንድዒ። ንሕና ድማ ሎሚ ገሌና ኢትዮጽያውያን ገሌና ድማ ሱዳናውያን ኮይንና ምሃለና ኔርና። ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነት ድማ ቀርኒ ኣፍትሪቃ እውን መልከዓ ተቐይሩ ምሃለወ ኔሩ። እቲ ውዲት እቲ ግን ሳላ ጀጋኑ ቀዳሞት ወለድና ደኣ ፈሺሉ እምበር ዘይግበር ወይ ድማ ኣብ ካልእ ከባቢታት ናይ ዓለም ዘይተገብረ እንተመሲሉና የዋህነት እዩ። እነሆ እንዶ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዝኸውን፤ ወረ ኸኣ ሓደ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ ኩርዲስታን ኣብ እንታይ ዓይነታት ይነብር ከምዘሎ ንሪኦ ኣለና። ግዜ ምጥፋእ ከይከውን እምበር ናይ ፍልስጤምን ካልኦት ኣብነታት እውን ክንጠቅስ ምኻኣልና ኔርና ግን ኣብ ጉዳይና ንመለስ።።

እሞ ሕጂ ደኣ ስለምንታይ ኢና ብሓደ ኮይንና ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተደግመ ታሪኽና እንደገና ዘይንደግም እሞ ሕጊ ኣልቦነት ይኣክል፤ ከኽትም ኣለዎ ኢልና ንሃገርና ኣብ ክንዲ ብሰብ ብሕጊ ትግዛእ ሃገር ዘይንገብራ? ጓል መገዲ ገዲፍና ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ሓደ ኮይንና እንተ ተላዒልና፤ ዝዓግተና ሓይሊ ምሃለወዶ ኔሩ። እቲ መልሲ ኣብ ናይ ትማሊ ታሪኽና ኣሎ። ናይ ትማሊ ታሪኽና ድማ ባዕሉ ህያው ምስክር እዩ። ቅድሚ ሎሚ ዝተፈተነ መድሃኒት ካብ ምውሳድ ሰጋእ ዘብለና እንታይ ኮን ይኸውን? ብሪኢቶይ ነታ ምስጢር ዓወትናን ህላዌናን ዝኾነት ሓድነትና ብግቡእ ስለዘይዓቀብና እምበር ካልእ ምኽንያት የልቦን ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ንሃገራዊ ራእይን መንነትን ሓድነትን መሰረቱን ፍልስፍንኡን ዘይገበረ ደንበ ተቓውሞ ድማ ህዝቢ ከዕስልን ከበራብርን ከለዓዕልን ኣይክእልን እዩ። እዚ ካብ ኮነ ድማ፤ ይውሓዱ ይብዝሑ፡ ገለ ኤርትራውያን፤ ኣብ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስሚዒኢት ክኣትዉን ግዳይ ኣዕነውቲ ዝንባሌታት ክኾኑን ክገርመና ኣይግበኦን እዩ። ነዚ ግዝያዊ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስምዒት ግን ተስፋ ዝመልስ ኣካይዳ እንተደኣ ኣተኣታቲና ብቐሊሉ ክንስዕሮ ከም እንኽእል ዋላ ንሓንቲ ደቒቕ ክንጠራጠር የብልናን። ንሱ ድማ ግደፍ ሎሚ ድሕሪ ጅግንነታዊ ሓርነታዊ ቃልስን ታሪኻዊ ዓወትን፤ ቀደም እውን ኣብ ሓምሳታት ተፈቲኑ ኣይተዓወተን።

እምበኣር ሎሚ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይ ዓለም መጺና ኣብዚ ኣብ ክሊ ሃገራዊ ራእይን ኤርትራዊ ሃገራውነት ተኣኪብና ዘለና፣ ውድብ መሳርሒ ደኣምበር ዕላማ ከምዘይኮነ ብግብሪ ንምርኣይ፣ ናይ ሓደ ዓመት ጽዑቕ ዘተን ክትዓትን ድሕሪ ምክያድ፤ ዝፈላልየና ራእይ ይኹን ዕላማ፣ ወይ’ውን ስትራተጂ ዘይምህላዉ ኣብ ናይ ሓባር ዕግበት ምስ በጻሕና፣ ከምኡ ካብ ኮነ ድማ ነንበይንና ኮይና ንቕጽለሉ ኣብነት ይኹን ምኽንያት የለን ኢልና ብምእማን፤ ንዘዝነበርናሉ ውድብ ይኹን ማሕበር ኣፍሪስና ሓደ ሃገራዊ ራእይን ቃናን ትሕዝቶን ዘለዎ፤ ሰፊሕ ህዝባዊ መሰረትን ክህልዎ ዝኽእል ሓያል ውደባ፤ ውድብ ንበሎ ምንቅስቓስ ንበሎ ብዘየገድስ፤ ንክንምስርት ነቲ ንዳርጋ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ናይ ሓባር ስራሕ ኣብ መደምደምትኡ ከነብጽሖን፣ ነዚ ዘለናዮ መድረኽን ብድሆታቱን ዝበቅዕ ሓያልን ድልዱልን ውድብ ምምስራትና ንህዝብና ብወግዒ ክንእውጅ፣ እዚ ሓድሽ ውዳበ’ዚ ዝቖመሉ ራእይን መትከላትን፤ ዝመሓደረሉ ሕግን ስርዓትን ከነጽድቕ፣ ኣብ ሃገርና ክቐውም እንደልዮ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ምሕደራ ክውን ምእንቲ ክኸውን ከዐውተና ዝኽእል ስትራተጂ ክቅይስ ብቕዓት ዘለዎ መሪሕነት ድማ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንክንመርጽን እዩ።

ብዛዕባ እዚ ጉባኤኛታት ብዕምቀት ክዝትዩሎምን ክካታዓሎምን ተባሂሎም ኣብ መንጎና ብዝርከቡ ኪላታት ዝተዳለዉ ዝርዝር ንድፍታት ቐሪቦም ስለዘለዉ ካብዚ ንላዕሊ ኣብ ዝርዝር ምኻድ ኣየድልን እዩ። ንመደምደታ ክኸውን ግን ብዛዕባ ነዚ መስራቲ ጉባኤና ኣብ እነካይደሉ ዘለና እዋን ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝረኣዩ ዘለዉ ብድሆታትን ዕድላትን ቅሩብ ክዛረብ እሞ መድረኽ ንዋናታቱ ክገድፍ።

እዚ መስራቲ ጉባኤ’ዚ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ታሪኻዊ ኩነታት ይካየድ ምህላዉ ፍሉይ ኣጉዳስነት ይህቦ።

ቀዳማይ፤ ዋላኳ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ ስለዝኾነ ኣብ ዝርዝር ኣቲኻ ምዝራብ ዘይድልዮ እንተኾነ፣ ብሕጽር ዝበለ ግን ሃገርና ሎሚ ድሕሪ ዳርጋ ሰላሳ ዓመት ናይ ሃገራዊ ናጽነት ጌና ብዘይ ሕግን ስርዓትን ክትመሓዳር ምጽናሓን ምህላዋን ኣብ ዘስዓቦ ከቢድ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ቅልውላው ምህላዋ እዪ። እዚ ዝነግረና ነገር እንተልዩ ድማ፤ ግዜ ምብኻን ገዲፋን ኣብ ዕላማን ኣብ ዕላማ ጥራይን ከነትኩር ከምዘለና እዩ።

ካልኣይ፤ ምስቲ ቀዳማይ ዝዛመድ ኮይኑ ብሰንኪ እቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንሓያሎ ዓመታት ሰፊኑን ዝጸነሐን ዘሎን ፈላላዪ ፖለቲካን ናይ ሓባር ራእይ ዘይምህላውን፣ ንመጻኢ ኤርትራን ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታተኑ ተርእዮታት በትን በትን ዝቕልቀሉሉ ዘለዉ እዋን ምዃኑ እዩ።

ሳልሳይ፤ ስለዝጸልወና ብደረጃ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንተ ርኢና፤ ዋላኳ ድሕሪ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ብታሕጓስን ብተስፋን ዝተቐበሎ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጽያን፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበዮ ንቡር ኣይመለስ ደኣምበር፤ ዋላኳ ኣብ ዞባና መልክዑ ዝቐየረ ናይ ዘይምርግጋእ ሓደጋታት የንጸላልዉ እነትሃለወ፤ እቲ ብሰንኪ ኩነታት ናይ ወራር ዶ እንታይ መይዶ ዝብል ምስምስ ምብቅዑ፤ንገዛእ ርእሱ ሓደ ኣወንታዊ ክስተት ምዃኑ፤በቲ ኣብ ኤርትራ ዝቕልቀል ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክንሪኦ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ምልዓል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተበይኑ ዝነበረ ኣህጉራዊ እገዳ፡ ነቲ ስርዓት ሓደ ካብቶም ክሳብ ሎሚ ኣካይድኡ ምኽኑይ ንምምምሳል ክምዝምዞም ዝጸነሑ መመኽነይታታት ነፊጉዎ፤ ንህዝባዊ እምቢታ ድማ ዝሓሸ ኩነታት ፈጢሩሉስ፤ ድሮ’ውን ምልክታት ንርኢ ኣብ ዘለናሉ መድረኽ ኣቲና ምህላውና እዩ።

ኣብ መደምደምታ፤ ንሕና እቶም ክሳብ ትማሊ ኣባላት ናይተን ሎሚ ህላዌኤን ዘብቀዕ፤ ማለት ዘየለዋ ውድባትን ማሕበራትን ዝነበርና፣ መቃለሲ ክኾናና ኢልና ዝመስረትናየን ትካላትና ኣፍሪስና ሓደ ሓድሽ፤ ንጹር ሃገራዊ ራእይ ዝውንን፤ ሰፊሕ ህዝባዊ መሰረት ክህልዎ ዝኽእል ውዳበ ክንምስርት ኣለና ዝብል ታሪኻዊ ውሳነ ቅድሚ ምውሳንና፣ ኣብ መስርሕ ምድላው ካብ ዝተዛረብናሎምን ናይ ሓባር ርድኢት ከኣ ዘጥረናሎም፤ ነዚ መስራቲ ጉባኤዚ ድማ መበገሲ ባይታ ክኾኑና ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል እምነት ተበጊሰ ገለ ገለ ነጥብታት ክጠቕስ፡

  1. ብሰንኪ እቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝቑጸለን ዘሎን ዘይንቡር ምሕደራን ካልኦት ሮቓሒታትን እቲ ንኣማእት ዘመናት ዘቕጸረ ኤርትራዊ ስኒት መሰረት ዝገበረ፣ ኣብ ክሊ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ድማ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጸሐን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ንዑኡ መሰረት ዝገበረ ሃገራዊ ሓድነትን ኣብ ፈተና ከእትዉ ዝህቅኑ ተረዮታት ይቕልቀሉ ምህላዎምን እዚ ብእዋኑ እንተዘይተበዲሁ ድማ ንለውጢ ዕንቅፋት ይከውን ጥራይ ዘይኮነ፤ ብዓብዩ እውን ንህላዌ ሃገር ዓቢ ሓደጋ ምዃኑ ናይ ሓባር ኣረዳዳ ዘለና ምዃኑ ምርኣይ፡

  2. እቲ ምእንቲ ልዕልና ህዝብን ግዝኣት ሕግን ዝካየድ ቃልሲ ፍትሓዊ እኳ እንተኾነ፣ ብዘይ ንጹር ሃገራዊ ራእይን ሃገራዊ ሓድነትን ናይ ዓወት ስትራተጅን ኣብቲ እንደልዮ መዕለቢኡ ክበጽሕ ስለዘይክእል፣ እዚ ሓድነት’ዚ ድማ መሰረቱን ዝቕመሉ ዓንድን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ስለዝኾነ፣ ነዚ መንነትዚ ዝፈታተኑ ተርእዮታት ክንብድሆምን ክንቃለሶምን ሓላፍነት ከምዘለና ምርዳእ:

  3. እቲ እንቃለሰሉ ዘለና ምርግጋጽ ህዝባዊ ልዑላውነት ንጹር ራእይን፤ ዓወት ዘረጋግጽ ናይ ቃልሲ ስትራጂ ምቕያስ ኣድላዩ ምኻኑ ድሕሪ ምርኣይ፣ ካብኡ ብምብጋስ ድማ ፍሉይነት ናይዚ ዘለናዮ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ብግቡእ ምልላይ። እዚ ማለት ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ ውሽጥን ግዳምን ዘራኽብ ድልድል ምህናጽን ህዝባዊ ምልዓል ዝረጋገጸሉ ስትራተጂ ምቕያስን ኣድላዩ ምዃኑ ምእማን። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ናይ ቃልስና ዕላማ ናይ ለውጢ ኩነታት ምፍጣርን ሰላማውን ኣሳታፍን ናይ መሰጋገሪ ምውሓስ ጥራይ ምዃኑ ብንጹር ምእማን፣ እዚ ንክረጋገጽ ድማ ኩሉም ኣብ ሓድነት ኤርትራን ህዝባን ኣድላይነት ለውጥን ዝኣምኑ ኤርትራውያን፤ ፖለቲካውን ኣይድዮለጂካውን ድሕረባይትኦም ወይ ዝንባሌኦም ብዘየገድስ ብሓባር ክቃለሱ ዘኽእሎም ባይታ ምፍጣር ከምዝግባኣና ምእማን። እዚ ማለት ድማ ዘይእዋናዊ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣወንዚፍካ ለውጢ ንምርግጋጽ ብሓባር ምቅላስ ማለት እዩ።

  4. ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ብስቱር ምስ ዝቃለሱ ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ መራኸቢ ድልድል ምፍጣር፣ ምስኡ ብሓባር ብምስራሕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ስሩዕ ህዝባዊ ምልዓል ንምፍጣር ዝዓለመ ስትራተጂ ምቕያስ ኣብ ቀዳማይ ኣጀንዳ ምስራዕ፤

  5. ራእይና ልዑላውኑት ሕዝቢ ዝረጋገጸላ፣ ልዕልና ሕጊ ዝነግሰላ፣ ብቅዋም እትመሓደር ኤርትራ ክውን ምግባር ኮይኑ ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ግን ነዞም ዝስዕቡ ተማላላእቲ ዝኾኑ ናይ ቃልሲ ምዕራፋት ብንጹር ከለልን ክፈልን ይግባእ። ንሶም ድማ ምርግጋጽ ለውጢ፣ ምውሓስ ኣሳታፍን ሰላማውን ናይ መሰጋገሪ መድረኽ፣ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን መንግስቲ ኢልና ንፈልዮም። ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ድማ ነናቱ ናውትን ስትራተጅን የድልዮ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣብዚ ዘለናሉ መድረኽ፣ መድረኽ ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ ብምዃኑ ዜጋታት ይኹኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ናይ ፖለቲካን ናይ ኣይድዮሎጅን ፍልልያት ወይ ኣብ ካልእ ምስ ናይ ስልጣን ቁሩቁስ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ዝጽመዱሉ ዘይኮነ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝሕግዝ ኣሳታፊ ፖለቲካዊ ባይታ ምፍጣር ዝድለየሉ እዋን እዩ ዝብል ናይ ሓባር እምነት ከምዘለና ምርኣይ። ግደ ናይቲ ኣብ ግዳም ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ህዝብን ውድባቱን ማሕበራቱን ናይ ሜድያ ትካላቱን ከኣ ኣካል ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ቃልስን ደገፍቱን ደኣምበር መታካእትኡ ወይ ካብኡ ነጺልካ ክረኤ ዝኽእል ከምዘይኮነ ብንጹር ኣሚኑ፤ ብኡኡ መስረት ከምዝቃለስ ምግባር፤

  6. ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ኤርትራ፤ ንህላዌ ኤርትራን ንልዑላውነታን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉን ገና’ውን ዝከፍሉ ዘለዉ ኣካል ህዝቢ ብምዃኖም ኣብዚ ታሪኻዊ ምዕራፍዚ ኣብ ጎኒ ህዝብን ሃገርን ክስለፉ ብግልጽን ብቐጻልን ምጽዋዕ፤

  7. እዞም ውድባትናን ማሕበራትናን ኣፍሪስና ብውልቀ ኣባልነት ጥራይ እንጽምበሮ ሓደ ሰፊሕ ህዝባዊ መሰረት ክህልዎ ዝኽእል ዘለዎ ውድብ ንምምስራት ዝተሰማዕና ዜጋታት ካብዚ ናይ ሓባር ርድኢት እዚ ብምግባስ ብምሉእ ድልየትናን በብውልቅና ዝመጻእና ምዃና ምንጻር።

ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ የቐየለይ

ዓወት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ክብርን ዝክርን ንስውኣትና

ዕውት ጉባኤ ይግበረልና

ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ ከኣ የቐንየለይ

ሱሌማን ኣ/ ሑሴን






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *