skip to Main Content
Menu
ብዝሓለፈ ታሪኽን ዝናንን ጥራሕ ክንበር ኣይከኣልን’ዩ !

ብዝሓለፈ ታሪኽን ዝናንን ጥራሕ ክንበር ኣይከኣልን’ዩ !

                 ብዝሓለፈ ታሪኽን ዝናንን ጥራሕ ክንበር ኣይከኣልን’ዩ !

ርእሰ ዓንቐጽ
ሰዲህኤ
16 ታሕሳስ 2018

ታሪኽ ዝናንን፡ ክብርን ኩርዓትን ሓደ ህዝቢ ዓብይ ኣገዳስነት ዘለዎ መሰረት መንነትውን’ዩ። ኣብ ዓለምና ድማ ይፈላለ’ምበር ታሪኽ ዝናን ኩርዓትን ዘይብሉ ህዝቢ’ኳ የልቦን። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ከም ዓለሙ ኣዝዩ ብዙሕ ታሪኽ ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ያታዊ (ካብ ኣቦ ንውልዱ ብኣፍ ዝመሓላለፍ) ታሪኽ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ይውሓድ ይብዛሕ ቅርስታት፡ ሓወልትታ ዝገልጾም ኣለዎ። ኤርትራ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባህሪ ትርከብ ሃገር ብምዃና ብኡ መንጽር ከኣ ብዙሓት መንገደኛታት ወይ ገያሾ ካብ ጥንቲ ዝመሓላለፍሉ ዝነበረ መስመር ስለ ዝኾነ ባዕሎም እቶም ገያሾ ብዛዕባ ኤርትራ ዝፈልጥዎ ታሪኽ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈርዎን ኣሎ። ሎሚ’ውን ብሰንኪ መላኺ ስርዓት ዝተነፍጋ ጸጋታት’ምበር ስልጣነ ሒዙ ዝመጸ ቀጻልነት ታሪኽ ክህሉ ማእከል ገያሾን ንግድን ምኳናስ ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ሃብታም ባህሊ ስለ ዝነበረ በቶም ድሒሮም ዝመጹ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣድናቆት ዘትረፈ ታሪኽ ባህሊ ልምዲ ወግዕታት ከም ዝነበሮ ዝምስክር ጽሑፋትን ሰነዳት ይርከብ።

ኣብ ዘመናዊ ግዜና ብፍላይ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘካየዶ ቃልስታት’ውን ምስ’ቲ ሕሉፍ ታሪኹ ዝተኣሳሰርን ዘመሳስሎን ሰረት ዘለዎ ብብዙሕ መንገዲ ዝግለጽ ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ’ቲ ሙሉእ ነጻነቱ ዝረክብ ዝተጓዕዞ ኣስታት ሚእቲ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስካ ክትርእዮ ኣዝዩ ብዙሕ ፍጻሜታት ዘለዎ ንባዕሉ ሓደ ዓብይ ክፋል ታሪኽ። እዚ ታሪኽ ከኣ ዝተመስከረሉ ቀጻልነት እቲ መሰረት ታሪኹ ከም ዝነበረ ከኣ ዘጠራጥር የብሉን። ኣብ’ዚ መድረኽ ከኣ ህላውነት ታሪኽ ዘመስከረ ዝነበረን ዘሎን ዝቅጽልን ምዃኑ ኣብ ሓድነት ኣረኣእያ ሃገር ኤርትራ ዘለዎ ጠመተ ህዝብና ዘረጋግጾ’ዩ።

ፖለቲካዊ ኣድራሻ ብዙሕነት ኣረኣእያ ህዝቢ ይኹን ሓይልታት ኤርትራ ብዘየገድስ ኤርትራ ከም ሃገር ዝነበረትን ክትህሉን ክትቅጽልን ዝብል ሓሳብ ንባዕሉ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ተኣማንነት መሰረት ታሪኽ ዘለዎ ወግዒ’ዩ።

ዓለምናን ከባቢናን ኣብ መስርሕ ዕብየት ፖለቲካዊ ቁጠባውን ባህላውን ምቅይያራት ዝወናጨፈሉ ዘሎ ግዜ፡ መሰረት መኣዝን ታሪካ ከይጥፋእካ ብኣዝዩ ጥንውቁቕን ውሕሉልን ኣብ ሰላምን ምሕዝነትን ዘተኾረ መንገዲ ክትኸደሉ ትኽእል መተካእታት ብዙሕ እንዳሃለወ ክነሱ ነገር ምሕደራ መላኺ ስርዓት ንታሪኽና ባህልናን ልምድናን ዘዳኽም ዝድውን ሓድሽ ተርእዮ ግን ኣይተሳእነን።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኣይ ካብ ምሕዝነት ሰናይ ጉርብትና፡ ኣይ ካብ ታሪኽን ባህልን፡ ኣይ ካብ ሰላምን ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ኣብ ዝናን ክብሪ መስዋእቲ ህዝብና ተሓቢኡ ብስልጣኑ ክኸላኸል ይነብር ኣሎ። ቅያ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ግዜኡ ብዙሕ ዝተሰርሓሉን፡ ፍረ ታሪኽ ዝተሓፈሰሉን ምዕራፍ ስለ ዝኾነ ንምስክርነት መሰረት ታሪኽ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ደኣ’ምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ክንበር ዘኽእል ኣይኮነን። ምልካዊ ጉጅል ስርዓት ህግዲፍ ግን ኣብ ክንዲ ሓድሽ ቅዲ ምሕደራ ምዝውታር ገና ብታሪኽ ዝሓለፈ ኵናት ክናበር ዝደሊ ምዃኑ እንሆ 27 ዓመታት ብጓይላን ዳንኬራን፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ከኣ ብልቅሶን ኵናትን ወዲእዎ።

ኤርትራ ዘድልያ ዘሎ ሓድሽ ቅዲ ምሕደራ፡ ሓድሽ ምዕቡል ዝምድናታትን ውሕስነት ሰላም’ምበር ወግሐ ጸብሐ ስርሒት ፈንቕል፡ ስርሒት ናደው እንዳበልካ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ክነብር ሓዘኑን ዝጠፍኡ ደቁ ከዘኽኽርን ቁስሊ ክተናኽፍን ብኡ ኣቢሉ ከኣ” ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ሃብቲ ቅዋም ምሕታት” በዞም ስውኣት ምጽዋት’ዩ፡ ንዓኣቶም ምርሳዕ’ዩ እንዳበለ ዘካይዶ ፕሮፕጋንዳን፡ ራዕድን ወዘተ ጽቡቕ ገይሩ ንእንታይነቱ ዝገልጽ’ዩ።

ኤርትራ ሎሚ ሓድሽ መስዋእቲ ንሓያል ህንጸት ሰብኣውነት ሓያል ንኡስ መጻኢ ወለዶ ታሪኽ ክብሪ ባህሊ ጀጋኑ ኣቦታቱ ዝዕቅብን ዘሰጋግርን ብሓያል ስነ ኣእምሮ ዝተመልመለ እዩ ዘድልያ። ታሪኽን ዝናን ህዝቢ ኤርትራ ዝትክፎ ዘይብሉ ወትሩ ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ብግዜኡን መዓልቱን ከኣ ብፈልጣትን ክኢላታትን ተመራመርቲ ታሪኽ እንዳተሓደሰ ክነብር ዘኽእሎ ሰፊሕ ዕድላት ዘለዎ’ዩ። ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ግን ንምእንቲ ስልጣኑ ዘካይዶ ፖለቲካዊ ስርሓት ሰፊሕ ዕድል መጻኢ ተስፋታት ተዓጽዩ።

ታሪኽ ምሕዳስ ማለት እንታይ’ዩ? ካብ’ቲ ታሪኻዊ መበገሲኻ ብዓቕሚ ህዝቢ ዘይሕለል ቃልሲ፡ብቀጻልነት ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ማሕበራዊ ባህላዊ ዕብየትን ምርግጋጽ’ዩ። ሰላም ራህዋ ርጉእ ሂወት ዜጋታት ምውሓስ’ዩ። ዝሓለፈ ታሪኽ ኣቦታትና ታሪኽናን ከኣ ነዚ ዕላማታት ዝኣመተን ዝሓንጸጸን ዝወሰነን ስለ ዝኾነ ኣብ ነፍሲወከፍ ምዕራፍ ጉዕዞታት ታሪኽ ዕብየት ከም ዘመዝግበ ሎሚ ከም ትማሊ ሓድሽ ህዝባዊ ዓወታት ክምዝገብ ይግባእ።

ይትረፍ ኤርትራ ነጻ ሃገር ኮይናስ ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት’ኳ ክንደይ ዕብየት ለውጢ ንቅሓት ኣብ ሕብረተ ሰብ ህዝቢ ክብ’ሉ ዝተራእየሉ መድረኽ ምንባሩስ መን ይርስዖ። ኣብ መዋእል ነጻነት ከኣ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ተሓቢእክ ምንባር እንተዘይተመሪጹስ ብዝዓብየን ብዝሰፍሐን ንዕብየት ክስጉም ትጽቢትን ሕልምን ባህግን ኩሉ ኤርትራዊ ምንባሩ መን ይርስዖ። እሞ ደጊም ሕድሪ ስውኣት ንዘይምርሳዕ ንትስፉው መጻኢ ሃገር ኢደይ ኢዳካ ሶቮያ ኣንጻር ምልኪ ብሓድነትን ሓባራዊ መደብ ስርሓት ምትንሳእ መተካእታ ዘይብሉ’ዩ ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣታን

ሰዲህኤ

15 ታሕሳስ 2018

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top