skip to Main Content
Menu
ተራ መትከል ኣብ ወልቃውን  ማሕበራውን ሂወትና

ተራ መትከል ኣብ ወልቃውን ማሕበራውን ሂወትና

ተራ መትከል ኣብ ወልቃውን  ማሕበራውን ሂወትና
ሓምድ እስማዒል
4/8/2019
ሂወት ኣብ መትከል ምስ እትምስረት ጥራይ’ያ ኣቲ ሓቅኛ መዋቕራ ወይ ቅርጻ ዝሰኣለልና። በዚ መሰረት ከኣ ንኩሉ መዓልታዊ ንጥፈታትና  ኣማእዚኑ መልክዕን ቅርጽን  ዝህባልናን  እንኣምነሉ ቕኑዕ መትከላዊ ሂወት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ  ሂወትና ትርጉም ዝህልዎ። እዚ ድማ መትከል እንተ ዘየለ ሂወት ውን የላን ማለት’ዩ፣  ግን ከኣ ሞት ወይ ትንፋስ ምስኣን ዘይኮነስ እቲ ኣብ ዓለም ከለና ንጸንሖ ግዜ ብኣገባብን ስነ-ስርዓትን  እና ነበርካ ዕዉት ውልቃውን ማሕበራውን ሂወት ዘይምንባር ማለተይ እዩ።  መትከል መለዪ ባህርያት ናይ ወዲ ሰብ ውን’ዩ። ብልምዲ እከለ በዓል መትከል’ዩ እከለ ድማ ወሽላኽ’ዩ መትክል ዘይብሉን ክባሃል ንሰምዕ ፣ እዚ ከኣ ኣገዳስነት ህላወ መትከል ኣብ ሂወትና፣ ዕላማና ንምውቃዕ ዝሕግዘና ጥራይ ዘይኮነ  ኣብቲ ንነብረሉ ሕብረትሰብ ውን መገምገሚና ምዃኑ’ዩ። መትከል/መትከላት  ወዲ ሰብ ብብዝሖም ይኹን ብዓይነቶም  ስለ ዝፈላለዩ ኣብዛ ንእሽተይ ጽሑፈይ ብዛዕባ ሃገራዊ  መትከል ጥራሕ ክዛረብ ክፍትን እየ።  ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ዝመረጽ ኩሉ ምኽንያት ድማ ሎሚ ካባ ነብሰይ ጀሚረ  መብዛሕትና (ኤርትራውያን) ውልቃዊ ጉዳይና እንተ ዘይኮይኑ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ረስዕና  ቦሳላ(ኮምፓስ)  ኣጥፊእና  ምስ ማዕበል እና ተጻፋዕና ኣንፈትና ዝሳሕትና  ስለ ዘተሰማዕኒ’ዩ።  
ኣብ ኤርትራ እታ መትከል ትብል ቃል ትጉርማ ብዘይገድስ ብውሑዱ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጀሚሩ ክሳብ ዘለናዮ መድረኽ ቃልሲ እንጥቐመላ ዘለና ቃል እያ።  ትርጉማ  ብዝምልከት ውን ኣብ ግዜ ሓርነታዊ  ቃልስና ብዙሕ ግዜ ንጥቕመላ ስለ ዝነበርና  ትርጉም   መትከል  ዘይንፈልጥ ደርጋ ኣዚና ውሑዳት ኢና  ንኸውን ስለዚ ብዛዕባ ትርጉማ ብዙሕ ምዝራብ ኣድላዪ ኣይኮነንን።  ኣብ  ዓለም ውን ኣህዛብ ንትርጉም ናይታ ቃል በብቋንቋኦም እና ገለጹ ኣብ ውልቃዊይ ኹን ኣብ ማሕበራዊ  ሂወቶም  እና ተጠቕሙላ ይነብሩ።  ኣብ ነብስና(ኤርትራውያን) ምስ እንሰግር ግን እንምትርፎ ውሑዳት ሓቕኛን ቅኑዕን መትከል ዘይብሎም ሰባት  ይበዝሑ።  ኣጋዳስነት መትከል ኣብ ሂወትና ክነደይነይ ምኻኑ ንምፍላጥ ድማ  መጀመርያ ንሕና ዘለናዮ ባይታ ዳህሲስና ምስቶም ናዕና ዝመስሉ ሰባት ወይ ድማ ሕብረተሰባት ዝነብርዏ ዕዉት ሂወት እንተ ዘይዛመድና  ኣንፈት ምዕባለና ክጥፈኣና እዩ፣  እዚ ከኣ  መትከልን  ዕላማን እንተዘብልካ ጥራይ’ዩ መንገዲ ግስጋሰኻ ዝጥፈኣካ።  ብናተይ ርድኢት መትከል ዋጋ  ኣለዎ  ንሱ ኻኣ ጽንዓት፣ ትዕግስት፣ ብልሒ፣ ሜላ፣ መስዋእቲ (ናይ ሂወት፣ ግዜ፣ ግንዜብ) እዩ ዋጋኡ ይመስለኒ።  ዋጋ  ዘይክፈሎ  ዓወት ኩሉ ግዜ ክብርን  ሚዛንን የብሉን። ናብ ዕላማና ዘብጻሓና መትከል ከኣ ኣብ መጀመርያ መሪር ዋላ እንተኾነ  ኣብ መወዳኣታ ኣብ ዘኹርዕን  ዝሕብንን ፍጻመ  ከብጻሓና ሙዃኑ ኣሚና ብጽንዓትን ሓቦን  ክንቕጽሎ ይግባእ።
ሂወት ሓደ ኣገዳሲ መድረኽ ኣብዛ ዓለም ከለና እንሕልፎ ቃልሲ ስለ ዝኾነት ኣብዚ ቃልሲ’ዚ ክዕውተና ዝኽእል ኣገዳሲ ኣገባብ ወይ መስመር የድልየና ንሱ ኻኣ መትከል እዩ። እሞ መትከል ማለት ከኣ ኣብ ንጹርን  ቕኑዕ ዕላማታት  ሂወትካ ዝኾኑ ሽቶታት ንምብጻሕ ወይ ንምውቃዕ እትኽቶሎም ኣገባባት እዩ ።  መትከል ንክህለወኻ ወይ ድማ ብመትከል እና ተጓዓዝካ ክትነብር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ  ከቢድን ሕድገታትን መስዋእትን  ዝሓትት ነገር’ዩ ። እንተኾነ ግን ሂወትና ብዘይመትከል ምስ ንጓዓዝ  ዘርሞ  ዘርሞ፣ መኣዝን  ዘይብሉ፣ ትርጉም ኣልቦ ከልበትበት ዝመልኦ ሂወት ስለ ዝኸውን ፈቲና ጸልኢና ሂወትና ብመትከል ክንነብሮ ንፍትን።  ኣብ ዓለም መትከል ዘይብሉ ሰብ ወትሩ ፍሹልን  ሓተላ ሕበረትን  ሰብ  ኮይኑ እዩ ዝነብር።  መትከል ካብ ናይ ወልቃዊ ዕላማታትና ጀሚሩ ክሳብ እቶም ዝላዕሉ ቁድሳን ሃገራውያን  ዕላማታትና ከጨብጥና ዝኽእል እንኽተሎ ሜላ ነብራ’ዩ።  ስልዚ መትከልን ዕላማን  ዘይፈላለዩ  ክልተ ርእሲ ናይ ሓደ በትሪ ከም ተምሳል መናቱ(Identical twins) ከይተፈላለዩ  ዝጓዓዙ ባኣታት’ ዮም።  እዚ ማለት ከኣ ህላወ ናይ ክልተኦም ኣጋዳሲ እዩ።  መትከል ዘይብሉ ዕላማ የብሉን።  ኣብዚ ግዜ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ  እንሕልፎ ዘለና ሂወት ብጣዕሚ ዝሕዝን መወዳድርቲ  ዘይብሉ ናይ ሕሰም ኩነታት’ዩ።  ኣብ ቅድሜና ብዙሕ ብዶሆታት እንዳሃለወና  ምስ ዝመጸኣና መዕበል ወይ ዊጅ ናይ ምጓዓዝ  ባህሪ  ኣጥሪና  ንርከብ ኣለና። ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ እኒሆለ ብዓለት፣ ኣውራጃ፣ ሃይማኖት፣ ቀቢላ ተገማምዕና መስሓቕ ጸላእትና  ኮይና  ኣብ  ሓሸውየ  ኣቲና  ኣብ ዝኸድናዮ ሕሱም ነብራ ንሕልፍ ኣለና።  እዚ ከኣ ወልቀ ሰባት ይኹኑ ፖሎቲካውያን ወድባት ኤርትራ ናብ ዕላማኦም ኣማእዚኑ ዘንቅሎም መትከላት  ስለዘይብሎም  ወይ ከኣ ኣብ መትከሎም ስለ ዘይጸንዑ 27 ዓመት ካብ ዕድመ  ልኡላዊት  ሃገረ ኤርትራ ብኮንቶ  ብዘይዝኾነ ምዕባለ ሓሊፉ ናብ ሂወት ናይ 40ታትን 50ታትን ንኽመልሱና ለይትን መዓልትን ከይደቀሱ ህርድግ ዝብሉ ጓሕላሉ እና ራእና ሸለል ምባልን ክንብድሆም  ዘይምፍታንን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መሰናኽል ዝጽበዩና ዘለዉ’ዮም ።  ብተወሳኺ፣  ነቶም  ክልተ ልቢ ሒዞም ምሳና ዝተቃገሱ ሓውሲ ባዕዳውያንን  ተበለጽቲ(sychophants)  ዝኾኑ ደቂ ኣባትን  ኣብ ወሽጥና ሰዊዶም  ሓይሎም  ኣደልዲልና  ንድሕሪት ከመልሱና ብጣዕሚ ሓጊዝናዮም ኢና። 
 ዝበዛሕና ኤርትራውያን ኣብ ዝበጸሕናዮ ቦታ ሃጋራውነትና ደምሲስና ናብ ጸቢብ ወልቃዊ ረብሓታትና ተዋፊርና ኣብ ዝሕፈፍር ግዚኡ ዝሓለፈ ናእሽቱ ጉጅለታት ተገማምዕና ግዳያት ስሱዓት ደላሎ ኮይና ንርከብ። ኣብ ዓልም ከም ህዝቢ  ኤርትራ ዝተበደለ  ህዝቢ የለን፣  ይኹንዳኣ እንበር ክሳብ ሕጂ ዝለናዮ ኩነታት ለዊጥና ከም ዓለምና ኣብ ሃገርና ዜጋታት ኮይና ክንነብር  ኣይካኣልናን፣ ምኽንያቱ ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ ኣብ ሓደ መትከል ብጥሙር ንሓደ ዕላማ ምስ እንሰርሕ ጥራይ ኢና ለውጢ ክነምጽእ ንኽእል።  ናብ ዕላማና ዘብጸሓና መንገዲ ወይ መትከል መሪጽና ክንቃለስ ኣለና። ብዛዕባ መትከል ምዝራብ ምነልባሽ ክም ተራ ዘረባ ግምት ከይንህቦ ንኸውን ንኽእል ኢና፣ ግን እታ ክንሰግራ ዘይንኽእል  ሕቶ፣ ክንደይ ካባና ኣብ መትከል ዝተመስረተ ሂወት ይነብሩ ኣለዉ? ብፍላይ ሃገራዊ መትከላት። እቲ ሓቂ ሃገራዊ መትከል እንተዘይብልና ወልቃዊ  መትከል ውን የብልናን ማለት’ዩ።  ብናተይ ርዲት መትከል ክምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓደ ጭቡጥ ዕላማ እንተዘይብልካ ስነ-ሓሳብ ናይ መትክል ሒዝካ መጓዓዝ ምኽነት ወይ ባዶነት’ዩ። 
ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ጭቆና ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ  ምእንቲ ክናገፍ ፣ ዝኾነ ኤርትራዊ/ት ዜጋ ነግፈረግ ከይበልና ምእንቲ ልኡላውነትን መንነትን ሃገርና እጃምና ክነበርክት ኣለና። ኩሉ ናይ ሓሶት ፍልልያትና ኣወጊድና ናብ ሓደ ባይታ ረጊጽና እንተ ዘይተሰእና ዕድመ ጭቆናን ፍልሰትን ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ወግን ብቲ ካልእ ወግን ድማ ዝምታ መሬታን ምድንዳን ልኡላውነታን ክነናውሕ ኢና። ፍልልያትና ዝባሃል ዘሎ ከኣ ሓቅነት ዘይብሉ ንሓድነት ኤርትራውያን መበተኒ ተባሂሉ ብግዳም ዝመወልን ዝጎሃሃርን  ዘሎ ናይ ሓሶትን ናይ ቶንኮልን ውዲታት ክም ሙዃኑ ንምፍላጡ ግዜ ዘይወስድ ምስጢር’ዩ።
ዘል ኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና!
ውድቀት ንዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ!
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!
ሓምድ እስማዒል
4/8/2019

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top