skip to Main Content
Menu
ናይ ደገፍ መልእኽቲ

ናይ ደገፍ መልእኽቲ

ናይ ደገፍ መልእኽቲ

                  ሎሚ ሰነ 23/2018  ኣብ  ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ሰላምዊ ሰልፊ ተኻይዱ፡ እዚ ብህዝቢ ዝተጸውዐ ሰልፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቤታዊ ምርግጋእን፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብፍላይ ከኣ ንልዕሊ 20 ዓመት ፍታሕ ከይተረኽበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ዘንቀሎ መርሕ ሰላምን ዝውሰዶ ፖሊሲ፡ ዘቅረቦ ናይ ሰላም ጸዋዒት ጠቅላይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢይ ደገፍ ንምሃብ ብኣት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ሰላማዊ ሰልፊ ገሮም። ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ሓዉ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ በስላም ንምንባር  ዘለዎ ህርፋን  ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ሓጎሱን ደገፉን አናገልጸ አንከሎ ከም’ቲ ”ዘራጊት ዘላተን ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ከም ዝበሃል ነዚ ናይ ሰላም መንገዲ ንምቑጻይ ፈተነ ግብረ እከያት ኣሸበርቲ ብዝደርበዩዎ ተተኳሲ ሓደ ክመውት ንከሎ ብዙሓት ቆሲልም።

                  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናይ ግብረ ሽበራ ተግባር ኣዕዚዙ ይኹን ሓዘኑ ድማ ይገልጽ።  ህዝቢ ኢትይዮጵያ ነቲ ዝተለሞ ዕላማ ክምህ ከይበለ አብ ሽትኡ ከም ዘብጽሖን ብተንኮላት ጸቕን ናይ  ግብረ ሽበራ ስራሕን ካብቲ ቅኑዕ ምንቶኡ ፈልከት ከም ዘየብሎ ንኣምን። ቲ ንነዊሕ ግዜ ተራሓሒቑ ዝጸንሐ ህዝብታት ድማ ናብቲ ንቡር ሰላምን ርግኣትን ምዕባለ ጎደና ሓቢሩ ክምርሽ ትጽቢትና ብዙሕ’ዩ

ሰልፊ ዲሞክራሲህዝቢ ኤርትራ

ወጻኢ ዝምድናታት ቤት ጽሕፈት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top