skip to Main Content
Menu
ንዝኽሪ ጅምላዊ ሞት ኤርትራውያን ግፍዒ ህግዲፍ

ንዝኽሪ ጅምላዊ ሞት ኤርትራውያን ግፍዒ ህግዲፍ

ቃል ሓዘን
ንዝኽሪ ጅምላዊ ሞት ኤርትራውያን
መንእሰያት ገማግም ባሕሪ ሊብያ፡
ብኣንቶንዮ ተስፋይ
17 ሚያዝያ 2011

ተስፋታተይ ፡ ደቐይ ፡ ሓዘነይን

ተስፋታተይ ኣላጊበ
ምስ ንብዓተይ ክጽበ
ነጻነት ኣርከበ፡

                 ንፍትሒ ሰላም ሓሲበ
ምስ ደቐይ ክስሕቕ ከቢበ
መብጽዓይ ተጠሊሙ፡ ጸልማት ተጎሊቢበ፡

ብሽግር ዝላደይት ነፍሲ
ኰይንዋ ደግሲ
ውዓለት ኣብ ማእሲ፡

               ነገር ተገላበጠ
ክብረይ ተቐንጠጠ
መሓውርይ ተጨበጠ፡

ደርግ ኣፋኒና፡ ደርግ መጸ
ቃንዛ በርቲዑ ከብደይ ተቐርጸ
ሕድሪ ጠፊኡ፡ ምልኪ ምስ መረጸ፡

                ደቐይ ዳግማይ ክግፍዑ
ሕማመይ ዛይዱ በርቲዑ

ገና ብእዋኑ መሬት ጸልሚቱ
ኣይወጽእ ኣይኣቱ
ምልካዊ ህ.ግ.ዲ.ፍ ገበረ ናቱ፡

              ብሃገራዊ ጭርሖ ዝኣወጀ ጥፍኣት
ምንኣስ ቱርኪ፡ ኤርትራዊ ግዝኣት
ጉልባቡ ዝቐልዐ፡ ሃገራዊ ክድዓት፡

ሓቒ ደፊኑ ብሓሶት ዝነብር
ባዕሉ ዳኛ ባዕሉ ምስክር
መንእሰይ ኣጽኒቱ ኣብ ስልጣን ክነብር፡

               ንዝኣመነ ንዝኸሓደ
ህጻን ትማሊ ዝተወልደ
ጭጕራፍ ምልኪ ጥዒሙ በብሓደ፡

ብጃህራ ዝሓጥር ብቕንኢ
ፈታዊ ኣይፈልጥ ጸላኢ
ህ.ግ.ዲ.ፍ በላዕ ቍስሉ፡ ዝብኢ፡

              በላዒ ጥዑም
ፈዳይ ሕሱም
ደቂሱ ተሰኡ፡ ዕግርግር ዝዕድም
ተንኰለኛ ምስሌነ ሹም
ይኣክል በልዎ ደጊም፡

ገዛ ከይትጸንት ፍርሒ ኣሕዲረ
ስቕያት እንዳተሰማዓኒ ዕረ
ብውሉደይ ክፉእ ከይርኢ መኺረ

              እንዳይ ኣጥፊኤ
ውልደይ ከይስዕብ ሰጊኤ
ስልማተይ ሸትጠ መሊኤ፡

ምኽሪ ጥፍኣት ምጾታት
ብዘይገበርክዎ ሓጢኣት
ንሕልፈት ዘይብሉ ሞት
ተመለስኹ ኣብ ቀደመይ ንብዓት

            ሓንሳብ ሱዳን ሓንሳብ ሊብያ
ሓንሳብ ማልታ ሓንሳብ ኢጣሊያ
ደሃይ ጥዑም ወረ ክሰምዕ ነፍሲ ተሃንጢያ፡

ዘይተዓደልክዎ ፡ ጥዑም ወረ ከመይ ኢለ ክሰምዕ
ሎሚ ከኣ ወረ ሲናይ መጸ ሓዘን ዘየረስዕ
ብኽያት እንዳኣሉ ሓይለይ ዝርንዛሕ ክነብዕ፡

          ብኽያት የብሉ ልቕሶ
ሬሳ ዘይብሉ ቀብሪ ከመይ’ለ ይገሾ
ንመን ሊኢኸ ክመልሶ
ገለ ዶ ካባኻትኩም ኣይረኽበን ዝዋሓሶ፡

ዋሕስ ድሕነት
ዋሕስ ስኒት
ዋሕስ ህዝቢ፡ ሃገር፡ ሓድነት፡

           ብኣሊፍ ካብ ጠፍኡ
ቐጢን ኣውያት መርድእ ዝሰምዑ
ቕባጸት’ዩ፡ ምንባዕ ምንብዑ፡

በሉ ሃየ፡ ንዝተረፉ ሕድሪ
ሓይሊ ቀደምኩም ንጸላኢ ሰባሪ
ልቦና ኣቦታትኩም መኽበሪ
ስጡም ዕዮ፡ ሓድነታዊ ትሪ፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top