skip to Main Content
Menu
ንይምስል መስርሕ ውዕል ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ!

ንይምስል መስርሕ ውዕል ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ!

ንይምስል መስርሕ ውዕል ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ!

ርእሰ ዓንቐጽ

ሰዲህኤ

23 ጥቅምቲ 2018

ኣብ ዞባና ብዝሒ ዓመታት ብኣሃዛት ከይቆጸርካ ሓፈሻኡ ንኣስታት ሓደ ፍርቒ ዘመን፡ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ከኣ ንሓደ ርብዒ ዘመን ዝኣክል ሰላምን ደሃይ ሰላም ሽታ ዘይብሉ ጠፊኡን ተኸዊሉን፡ ህዝብና ኣብ ዓብይ ክቱር ሻቕሎት ጸኒሑ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝነበረ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ኩነታት ኢትዮ-ኤርትራ ከኣ ፈጺሙ ርክባትን ዝርርብን ዘይነበሮ ኣብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑ መወዳእታ ዘይረኣየሉ ተስፋ ዘይርከበሉ ፖለቲካዊ ክስተት ግን ከኣ ብግሁዶ ክስን ጸለም ክልቲኤን ሃገራት ብዳርባ መራኸቢ ብዙሓት መወዳደሪ  ዘይነበሮ መስርዑ ዝጠፍኦ ጉዳይ ሰላም ንህዝብናን ንኣህጉራዊ ሕብረት ሰብ ዓለም ዝሓርበቶ፡ ብፍላይን ልዕሊ ኩሉን ሕሉፍ ስልጣን መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ህዝብና ብዝፍጽሞ ዝነበረን ዘሎ እኵይ ተግባራት፡ ን’ቶም ህዝቢ ኤርትራ ሓውናን ፈታውናን እዩ፡ ዝብሉ ዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንኣባሃህላኦም ንይምሰል ደኣ’ምበር ዝቆሰለን ዝደመየን ፈታውን ሓው ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት፡ መሪር ዶባዊ ኵናት 3 ዓመት፡ 17 ዓመት ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልኪ ህግዲፍ ዝሓለፎ ዘይርሳዕ ኣሉታዊ ታሪኻዊ ተርኽቦ ብዘይ ሓደ ፍታሕ ክደምን ክሳቐብ ክትርእዮ ብኸመይ ፈታውኻን ሓውኻን ክኸውን ይኽእል። ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ትማሊ ኮነ ሕጂ ንነባሪ ሰላም ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ ክሕንጸጽ፡ ሰላም ዝምድናታት ህዝቢ ኣብ ንቡር ክምለስ ዘኽእል ባይታ እንኮ መተካእታ ዘይብሉ መስርሕ ውዕል ሰላም ክፍጸም ዝኣመነ’ዩ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ዝውስኽ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ይኹን ተግባራዊ ንሰላም ዝዕድም ስጉምቲ ፈታዊናን ሓውናን’ዩ ምባል ክህቦ ዝኽእል ትርጉም ሓንቲ’ኳ ኣይነበረን።

ብመንጽር’ዚ ኣበሃህላ ከኣ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ስልጣኑ ንምውሓስ ግዜ ንምውሳድ፡ ”ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ሓውናን ፈታዊናን’ዩ’ ዝብል ትርጉም ዘይብሉ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ወፈራን ተቐቢሉ ” መጸካለይ ዶ ኽጽበየካ እንዳበለ” ብኣንጻሩ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጸ ሰላም ዝበሃል ዝርርብ ብፍጹም የለን ክብል ዝኸወሎን ዝሓባብኦን ምስጢር ምጽናት ህዝቢ ኤርትራ ትዕዝብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ንእከይ ተግባራቱ መሕብኢ፡ ንስልጣኑ መደልደሊ ኮይንዎ ምጽንሑ ካብ ኣፍልጦ ኩሉ ዝረሓቐ ኣይነበረን።

ድሕሪ ኣስታት 20 ዓመታት ብእውጅ ንጸዋዒት ሰላም ዘድመጸ ሓድሽን መበል ራብዓይን ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶር/ ኣብዩ ኣሕመድ ድምጺ ሰላም ምስ ተሰምዐ፡ ምስ’ቲ ህሉው ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ወዮ’ኳ ደኣ ግዜ ዝሓለፎ ዝደንጎየ ጸዋዒት ሰላም፡ ካብ’ቲ ጨካን መላኺ ስርዓት ህግዲፍ መወጽኦ ዝጨነቆ ህዝብናን ህዝቢ ዓለምን ደገፍ ረኺቡ ተቀባልነቱ ሰማይ ዝዓረገ ታሪኻዊ ተርኽቦ፡ ኣብ መዓልትታት ርክባት መንግስታት ክልቲኡ ሃገራት ብጽሖት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ድሮ ሚዛኑ ከጉድል፡ ምኣዝኑ ዘጥፍአ ህዝቢ ኤርትራ ዝተመነዮ ሰላም ከም ዘይነበረ ክፍለጥ ተኻእለ፡ እዚ ጉዳይ ሕጂ’ውን ግድነት ዳግማይ ቆላሕታ ክግበረሉ ዘለዎ ውዕላት ክልተ ሃገራት ህዝባውን ሕጋውን ውክልናን ዘረጋግጽ ወዘተ ንድሕሪት ገዲፉዎ ዝኸደ ህዝባውን ሕጋውን መስርሕ ንይመስል ዝግበር ዘሎ ተመላላኢ ብሓትነት ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራ ከም ዝኾነ ዘረጋግጾ፡ ምስ’ቲ ዝሓለፈእዋን ብስቕታ ዝተኻየደ መስርሕ ሰላም ይኹን ምስ’ዚ ብዓውታን ሆይሆይታን ዝካየድን ዝስራሕን ዘሎ ብመሰረቱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ብመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ሸነኽ ንህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መዳያቱን መለክዕን  ዘይውክል መስርሕ ሰላም ምዃኑ ዘረጋግጽ ብዙሕ ክጥቀስ ይኽእል።

እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ውዕልን መስርሕ ሰላም ወዮ ደኣ ዓው ኢሉ ዝተዘርበሉ ኮይኑ’ምበር ምስ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ሓውናን ፈታውናን’ዩ እንዳተባህለ ስቓዩ ኣብ ምንዋሕ ዝተኻየደ ናይ ስቕታ መርገጽ፡ ሕጂ ከኣ ዓው ኢሉ ንሰላም እንዳጸውዐ ጭቆና ኤርትራ እንታይ ገደሰኒ ዝዓይነቱ ንፖለቲካዊ ዞባ ኢትዮጵያ ብፍሉይ መልክዑ ዘረጋግእ ፖለቲካዊ መስርሕ እንዳተኻየደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ገና ኣብ’ቲ ቅድሚ ንለውጢ ጉዕዞ ኢትዮጵያውያንን ምምጻእ ሓድሽ ቀ/ሚ ዝነበረቶ፡ ብዘይገለ ለውጢ ብስማዊ ሰላም ትከይድ ምህላዋ ግሉጽ ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ’ዩ።

ነዚ ጉዳይ ብንጹር ንምርኣይን ንምርድኡን ብዙሕ ጻዕሪ ዘየድልዮ ልሉዩን ንጹርን ብርሁን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣቋውማ መንግስታዊ ትካላቱን ዓብይ ፍልልይ ዘለዎ ጥራሕ ምርኣይ ኣኻኢ’ዩ። ምስ ኩሉ ፍልልያቱ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዝፍጠር ዝምድናታት ከኣ ሓላፍ ዘላፍ ዓብይ ፍልልይ ዘለው ዝምድናታት ከም ዝኸውን እቲ ኣቋውማ ክልቲኡ  መንግስታት ዘምልክቶ ምዃኑስ መን ይስሕቶ። ካብ’ቲ ዝገርም ከኣ ቅዋም፡ ባይቶ፡ ፈጻሚ ኣካልን ነጻ ቤት ፍርዲ ኣለኒ ዝብል ስርዓት ኢትዮጵያ ምስ ሓደ ፍጹም ዲክታቶሪያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ይኹን ለውጥን ፖለቲካዊ ምምዕርራይን ከይገበረ ከይመኽረ ወይ ከይተሓተተ ክሳብ’ዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዝምድናታት ክኸይድ ሕጂ’ውን ህዝብና ዘይበጽሖ ጉዳያት ምህላዉ ክትኣምንን ክትሓስብን ዝገብረካ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ፍጻሜታት ኣብ ምትዕርራይ ፖለቲካዊ፡መንግስቲ ቅርጻዊ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንክሕይል እንዳተሰርሐ፡ ኣብ ኤርትራ ከኣ ዋና ዘይብሉ ዝኸይድ ዘሎ ሃገራዊ ጉዳይ ምሕደራ ብድኽመቱ ፈጺሙ ክመዛዘን ክመዓራረ ዘይክእል ውዕላትን ስምምዓትን’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሰላም ኣሕዋት ፈተውቲ ክልተ ሃገራት ተባሂሉ ክስመን ክጽዋዕን ኣዝዩ ዘጸግም ታሪኻዊ መስርሕ’ዩ።

ሰዲህኤ ኣንጻር ሰላም ዘይኮነንስ ደገፋን ሓብሓብን ሰናይ ጉርብትናን ሰላም’ዩ፡ ይኹን’ምበር ንዝኾነ ህዝባዊ ውክልናን ሕጋውነት ዘይብሉ ሰላም፡ መሰረታዊ ክብርን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ዘዋሰነ ሰላም ኣይቅበልን ።ኢትዮጵያ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቆናን ብጎቦ ዓይኖም እንዳረኣዩ፡ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ተደጋጋሚ ዕድመ ተደጋጋሚ ውዕላትን ስምምዓትን ብምግባር ዝሃብዎ ልዑል ኣቓልቦን ክብርን ክንዮ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ስቓይ ምዃኑ ብዙሕ ዘካትዕ የብሉን።

ክልተኣዊ ሰላም፡ ሕውነታዊ ጉርብትና ክበሃል እንከሎ’ኳ፡ ኣብ ሓዲኤን ዘሎ ህዝቢ ብስክፍታን ጭቆናን ራዕዲ ክነብር፡ ኣብ’ታ ካልኣይቲ መጻምዲ ሃገር ከኣ ህዝባ ከም ድላዩ ንዘደለዮ ለውጢ መሰሉ ተኸቢርሉ ሓርነት ተዋሂብዎ ክዛረብን መራሕቱ ክመርጽ፡ እንዳሰርሐን፡ እንዳሓረሰን፡ እንዳነገደን ምስ ዝናበር ኣይኮነን፡ እሚ ኸ ደኣ ሕውነት’ዚ ክልቲኡ ህዝቢ ሓደ ኣብ ሲኦልን ሓደን ከኣ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ዝነብር ህዝቢ ብምንታይ ክመዛዘን ይኽእል፡ ንምዃኑ ኸ ሓቂ ድዩ ዘየብል ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ ክሳብ’ዚ ሎሚ እዚ ንድፊ ዝጸሓፈሉ፡ ብውሕዱ ካብ’ቲ ቅድሚ ውዕል ሰላም 8 ሓምለ 2018 ዝነበረ ኩነታት ዝተፈለየ ዘይኮነስ፡ እቲ ጉዳይ መመሊሱ ንስልጣን ምልካዊ ስርዓት ዘራጕድ’ምበር ካልእ የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ብፖለቲካዊ ቋንቋ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓድነቱ ከም ሓንቲ ሃገር፡ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምርግጋእ፡ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ምቁጽጻር፡ ንዕብየትን ልምዓትን ምሕያል ኣብ ኣቋውማ መንግስቲ ምንጻር ወዘተ ዝገብሮ ዘሎ ቅድድም ማራቶን ስርርዕ መንግስታዊ ትካላት ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ ተዓኒዱ ዘሎ መንግስትን ስርሓትን ኣብ ሓደ መምስር ገለጻ ክመጽእ ዘይክእል’ዩ።

ብዕለት 15 16 ጥቅምቲ 2018 ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝረቝሖም 20 ሚኒስተራት፡ ባይቶ ከጽደቀሉ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ተቀባልነት ረኺቡ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ሚኒተራት ካቢነ ዝተዋህቦም ሕድርን ሓደራን፡ ሓላፍነት ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ኣብ ግልጽነቱ፡ ንጥፈቱ፡ ውጽኢት ስርሓቱ፡ ብግዜ፡ ንዝተመደበሉ ሚኒስትሪ ብዘለዎም ሓላፍነት ክብሪ መሳርሕቶም ካብ ውልቃዊ ድሌት፡ ምኽዕባት ሃብቲ፡ ብልሽወናን ምጥፍፋእን ዝረሓቐ ክኸውን ብደቂቕ ሕጋዊ መምርሒ ዝተዋህቦም ወይ ዝዋሃብሉ ሃገር፡ ካብ’ቲ ብዙሕ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ባይቶ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ምስክርነት ምሕያል ኢትዮጵያን፡ ድኽምቲ ኤርትራን ዘንጸባርቅ ግሉጽ ፖለቲካዊ መስርሕ’ዩ።

ይኹን’ምበር ን27 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስማ ሓንቲ ሂወት ዘለዋ ቃል ካብ ኣኼባ ባይቶ ኤርትራ ሰሚዑ ዘይፈልጥ ክነሱ ሎሚ ከኣ ኮነ ተባሂሉ በቲ ዝነበሮ ሃለዋት ንቀጻሊ ስርሓትን መደባትን ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንምሽፋንን ምትብባዕን’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ስልጣን ንምጽናሑ ዝካየድ ፈተነ ጻዕረ ሞት ዝናፈስ ዘሎ ወረ ወረ ምሕዳስ ኤርትራ ቅዋም ወዘተ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ከም ኤርትራውያን ዜጋታት ብሕጋዊ ብእውጅ መንገዲ’ምበር፡ ብወረ 03 ክበጽሓና ዘይንጸበዮ ዘይንደልዮን ሙሉእ መሰልና ስለ ዝኾነ ብኡ ንጥበርን ንተዓሻሾ ከም ዘይኮና 27 ንለውጢ ብኣፍ ህግዲፍ ዝሰማዕናዮ ምትላል ደጊምና ሎሚ ብኣፍ ህግዲፍ ክንሰምዖ ኣይንደልን፡ እንታይ ደኣ ብኣፍ ወከልቲ ህዝቢ ክንሰምዕ’ና፡ ትጽቢትና ከኣ ኣብ ንሙሉእ ሕጋውነት ዝለበሰ’ዩ።

ጸዋዒት ሰላም ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ግዜ ሕጂ’ውን ብረብሓ ኢትዮጵያውያን ዝተዓብለለን፡ ኣብ ዘይተለወጠ ምሕደራዊ፡ ፖለቲካን ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝዕንድረሉ፡ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ፍጹም ክህሉ ኣይክእልን’ዩ።

እምበኣር ምስ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣካይዳ ውዕል መስርሕ ሰላም ቅዋም ወጻኢ ዝድምናታት ፍሉይ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣበይ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ፖለቲካዊ ኮምፓስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዘደናግርን ዝተመዓራረየ ክብደት ዘይብሉ ብኢትዮጵያዊ ረብሓ ዝተዓየረ ዝድናታት ኮይኑ ዝረኣየሉ ዘሎ፡ ካልእ ካብ ፍርቂ ሚእታዊ ንላዕሊ ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክኣቱ ዝረአ፡ ብበጻሕቲ ኣጋይሽ፡ ብንግዲ ሃለኽቲ ኣቝሑት ካልእ’ውን ብዙሕ ብተመሳሳሊ ክረአን ክግምገምን ዝኽእል መርኣያ ቀጥዒ ዘይብሉ መቀጸልታ ጀሚሩ ዘሎ መሰረት ዘይብሉ ሓቕን ፍትሕን ዘይብሉ ዝምድናታት ምዃኑ ዘረድእ’ዩ። ኤርትራ ምስ ክልተ ወደባታ ባጽዕን ዓሰብን፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎ ሜተር ገመገም ባሕሪ እንዳወነነት ዝሓለፈስ ሓሊፉ ሎሚ ግን፡ እቲ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ”ንሕና ከም ወያነ ብምጽወታን ትኳቦን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ንናበር ህዝቢ ኣይኮናን” ዝብሎ ዝነበረ ዘይኮነስ ካብ ወያነ ብዝተመጽወተ ሽኮር እኽሊ ካልእ ኩሉ ቀረበ ኣብ ሕጋዊ ዕዳጋ ዘይኮነ ከኣ ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ኣስመራ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓሳት ዝምስክሮ’ዩ። ድሕሪ ከም’ዚ ዝዓበየ ፍሽለት ክሳራን ኣብ ከመይ ዝበለ ውዕል ክልተ ሃገራት ክብጻሕ ይከኣል ዝፈልጦ ዝኽእል ሓደ’ኳ የልቦን ግምታት ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ። ምስ’ዚ ዝረአ ዘሎ ስኣነት ማይ ከኣ ክሳብ መብጽዓታት ህግዲፍን 03ን ዝረጋገጽ ጽባሕ ማይ ዝጸዓና ቦጣት ብዛላንበሳ ክመጻ ዘየተርፈን’ዩ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና  

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top