skip to Main Content
Menu
ኢሳያሳዊ ምንቃጽ/ምድራቕ ፍልፍል ኤርትራውነት፡ ውዲት ንትግባረ ኢትዮጵያዊ ኢስትራተጂ  ካልኣይ ክፋል

ኢሳያሳዊ ምንቃጽ/ምድራቕ ፍልፍል ኤርትራውነት፡ ውዲት ንትግባረ ኢትዮጵያዊ ኢስትራተጂ ካልኣይ ክፋል

ኢሳያሳዊ ምንቃጽ/ምድራቕ ፍልፍል ኤርትራውነት፡ ውዲት ንትግባረ ኢትዮጵያዊ ኢስትራተጂ

“ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣይድልየናን ኢዩ”

ካልኣይ ክፋል

ኣብ ቀዳምይ ክፋል፡ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ዶ/ር ኣብዪን ዘሎ ምስጢራዊ ፍቕሪ ናብ ጽልኢ ከይቕየር’ሞ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ነብሰሐር መለስን ዝነበር ኩነታት ከይደግሰና ንፈርሕ ኢልና ነርና። እቲ ሕጂ ክንፈርሖ ዘለና “ደግሲ” ግን፡ ኢሳያስን ዶ/ር ኣብዪን ከይጻልኡ’ሞ፡ ንኤርትራን ንኢትዮጵያን ካኣ ናብ ዳግማይ ናይ ዶብ ውግእ ከየእትውወን ዘይኮነስ፡ እቲ ፍቕሪ ናብ ‘መርዓ’ ተለዊጡ፡ ኤርትራ ካኣ ናይ ኢሳያስ ገዝሚ ኮይና ናብ ኢትዮጵያ ከይትኸይድ/ከይትድመር እሞ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ናብ ካላኣይ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ክኣቱ ከይግደድ ኢዩ። መቸስ፡ ኢሳያስ ንኤርትራ ከም ናይ ውልቑ ንብረት ስለዝቖጽራ በቲ ሓደ ወገን፡ እንታይ ትገብር ኣለኻ ኢሉ ዝሓቶ ‘ዕሕሕ’ ዝብል ሓይሊ መንእሰይ ይኹን ሓይሊ ህዝቢ ከምዘየለ ስለዝገበረን ስለዝፈልጥን ካኣ በቲ ካልእ ወገን፡ ብዘይ ገለ ናይ ህዝቢ ውከሳ ይኹን ኣፍልጦ፡ ንበይኑ (ዋላ ነቶም ብቐራብ ምስኡ ይሰርሑ ኢዮም ዝባሃሉ ከይሓወሰ) ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘይንጹርን ሚስጥራውን ውዕላትን ስምምዓትን ብሽም ኤርትራ ክገብር ጸኒሑን ኣሎን። ብዛዕባ እዞም ተገይሮም ኣለዉ እንዳተባህለ ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝናፈሱ ናይ ውዕላት ስምምዕ፡ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤሪትራ ዝሓበሮ ‘ዝኾነ ይኹን’ ንጣር ወግዓዊ መግለጺ ጥራሽ የለን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ነናሻብ እንዳተመላለሰ ንኽብርን ንሉዕላውነት ኤርትራ ኣዝዮም ዝድውኑ፡ ኣሕፈርትን ኣጸየፍትን ተግባራትን መደረታትን ክገብርን ከስምዕን ጸኒሑን ኣሎን። እስከ ካብቶም ኢሳያስ ዝበሎምን ዝገብሮም፡ ንገለ ካባቶም ንርአ፦

  1. ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣነ ዝተፈለኹ ህዝቢ ኢየ ኢሉ ንሰላሳ (30) ዓመታት ደማዊ ዕጥቃዊ ቃልስን፡ ንልዕሊ ሓሙሳ (50) ዓመታት ፖሊቲካዊ ቃልስን ብምኽያድ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብሉጻት ደቁ ከፍሉ ሓርነቱን ሉዕላውነቱን ከምዘየረጋገጸ፡ ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ዝብል እንተሎ፡ ታሪኽ ዘይፈልጥ ኢዩ፤ ሓደ ህዝቢ ኢዮም” ክብል ብድፍረት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኢትዮጵያን ዓለም ዳኣ መደረ። እዚ ካኣ ምስቲ ኢሳያስ፡“ናጽነት ኤርትራ ከምታ ዘምጻኽዋ፡ ከጥፋኣ ኢየ” ኢሉ ዝደጋግሞ ዘርባ ኣሎ ዝባሃል፣ ምስቲ ኣብ ኣፋፈት ናጽነት (ኣብ የካቲት 1991)፡ “ምስ ኢህወደግ ናይ ሓባር መንግስቲ ከነቕውም ተሰማሚዕና ኣለና” ዝበሎ፣ ህዝባዊ ሰራዊት ደቀምሓረ ተቖጻጺሩ ናብ ኣስመራ እንዳገስገስ ከሎ፡ ኣብ ሎንደን፡ ዓባይ ብርጣንያ ኮይኑ “ኣስመራ ከይታኣትዉ” ኢሉ ትእዛዝ ከምሓላልፍ ዝፈተኖ፣ ድሕሪ ናጽነት “ክንየው ዶብ ኢና ንሓስብ” እንድበለ ዝምድሮ ዝነበረ መደረታት፣ ኣብ ጊዜ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ዶብ ውግእ፡ “ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ግንበር ዓሰብ ንኽስሕብ ዘመሓላለፎ ትእዛዝን”፡ እቲ ኩሉ ሳዕ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርእዮ ብደዐን ንዕቀትን፡ ዝተኣሳሰረን ናብ ሓደ ዓላማ ዝጠመተን ኢዩ ክባሃል ይካኣል። እቲ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴን መንግስቲ መንግስቱ ሃይለማሪያምን ከዕውትዎ ዘይካኣሉ ሕልሚ ዓመጽቲ – “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣይድልየናን ኢዩ” – ንምትግባር ካብ ነዊሕ ዝተኣልመ ሰይጣዊ ስውር መደብ ይመስል።
  2. ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ፡ ብምስምስ ናይ ዶብ ውግእን ካብኡ ዝቀጸለ ኣይ ሰላም ኣይ ውግእ ኩነታትን፡ ኤርትራ ባዲማ (ህዝባ ተጓሕጒሑ ናብ ስደት ጊዒዙ፣ ፍጹም ማሕበረ-ቁጠባዊ ድቐትን ልምሰትን ኣጋጢምዋ፣ ትሕተ-ቅርጻ ፈጺሙ ዓንዪ፣ ኣብ ክንዲ ፍትሒ ኣመጽን ራዕድን፡ ኣብ ክንዲ ሓቂ ቅጥፈት፡ ኣብ ክንዲ ምዕባለን ብልጽግናን ዕንወት፡ ብሓፈሽኡ ኩሉ-መድዳያዊ ጥፍሽና ሰፊኑ) እንዳሃለወት፡ ኢሳያስ “ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዋላ ሓንቲ ኣይከሰርና” ክብል መዲሩ። እሞ ዳኣ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት፡ ሰንጣቃዊ-ኣንጻር ናይዚ እንዳሃለወ ከሎ፡ ኢሳያስ እንታይ ክብል ስለዝደለየ ኢዩን፡ ንመን ኢዩ ኸ ከምኡ ዝብሎ ዘሎን? እቲ መልእክቲ፡ ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝቐንዐን፡ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ተጋሕጒሓ ጥራሓ ዳርጋ ተሪፋ፡ ነብሳ ክትኸላኸል ኣብዘይትኽእለሉ ደረጃ በጺሓ ኢይ’ሞ “ሃየ ተላይ” ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ ኢዩ ዝመስል። ዘይሕሰብን ዘገርም’ውን ኣይኮነን። እቱይ ምንታይሲ፡ ኢሳያስ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ዝያዳ ከምዘገድሶን፡ “ንኢትዮጵያ ንምክልኻል፡ ሂወተይ ክህብ ኢየ” ኢሉ ክምድር ስለዝሰማዕና። ንናጽነት ኤርትራ ዘይተቐበሉ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣኪቡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሽግራት ሓልንጊ እንዳተገርፈ ከሎ፡ ብኤርትራዊ ገንዘብን ንብረትን ንዓሰርተታት ዓመታት ከዕጥቖም፣ ክቕልቦምን ከሰውዶምን ምስጸንሐ፡ ሕጂ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምለሱ ተገይሩ፡ “ዓሰብ ናህና ኢዩ.፣ ቀይሕ ባሕሪ ናትና ኢዩ” እንዳበሉ፡ ኤርትራ ዝሓወሰ ናይ ኢትዮጵያ ካርታ ሒዞም ኣብ ጎደናታት ከተማታት ኢትዮጵያ ክጭድሩን፡ ኣብ ፈቐዶ ማሕበራዊ መድያ ክልጥፉን ክምድሩን ይውዕሉ ኣለዉ። ኢሳያስ ዝዘርኦ ይሓፍስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካኣ “ወድ ዓሽ ክልተ ጊዜ ይህረም” ከምዝባሃል ኮይንዎ ኣሎ።
  3. ብናይ ህዝቢ ወለንታ ዝተዋህቦ ስልጣን ዘለዎ ክመስል (ናይ ዘይሕጋውን ዘይህዝባውን ስርዓት ዲክታተራዊ መራሒ ምዃኑ ረሲዑ)፡ “ካብ ሕጂ ንዳሓር ንስኻ (ዶ/ር ኣብዪ) ኢኻ መራሒና፣ ስላጣነይ ሂበካ ኣለኹ፣ ብስሚዒት ዘይኮነስ፡ ናይ ባሓቂ ብልበይ ኢየ፡ ስላጣነይ ሂበካ ኣለኹ” ኢሉ ብምድግጋም፡ ኢሳያስ ፕረሲደንታዊ ስላጣን ሉዕላዊት ኤርትራ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከረኽቦ ዝገበሮ ፈተነ፡ “ሃገራዊ ክሕደት” ከምፍጻም ኢዩ ዝቑጸር። እስከ ብጽሞና ንፈትሾ። ሓደ ሉዕላዊት ሃገር ዝመርሕ ሰብ ዶ ንኻልእ ሉዕላዊት ሃገር ዝመርሕ ሰብ ስልጣኑ የረኽቦ ኢዩ? ሉዕላውነት ናይ ሓደ ሃገር ምርካብ ማለት ኢዩ እኮ። ኢሳያስስ ገበሮ ዳኣ። ማኣስ ብኡ ተወዲኡ ግን። ኢሳያስ፡ ኣብ ከተማ ጎንደር (ኢትዮጵያ) ከይዱ መቓብር ኣብ ሓጉኡ ምስበጽሐ፡ “ኣነ ክንደይ ተሪፉኒ ኮይኑ፡ ኣሪገ ኢዩ። ንኤርትራ ንዓካ ገዲፈላ ይኸይድ ስለዘልኹ ግን ቀሲነ ኣለኹ” ክብል ንናይ ኢትዮጵያ ቀዳምይ ሚኒስተር፡ ዶ/ር ኣብዪ ኣብ ቅድሚ ብኣሻሓት ዝቑጸር ዝተኣከበ ህዝቢ ኣምሓራ ሓቢርዎ ኢዩ’ውን እኮ። እዚ ማለት ካኣ፡ መጻኢት ኤርትራ (ሕጂ ኣብ ቀረባ ጊዜ ወይ’ውን ኢሳያስ ምስሓለፈ) ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘማሓድሮ መንግስቲ (መንግስቲ ኢትዮጵያ ማለት ኢዩ) ኢያ ክትማሓደር ማለት ኢዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣ ዘሎ ንኤርትራ ዳግማይ ናይ ምጉባጥ ስሚዕታትን ኣብ ባይታ ዝግበሩ ነዚ ዝዓለሙ ምንቅስቓሳታት እንተራኣና’ውን፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ኣባሃህላታት ኣብ ባይታ ድርኺትን ስምብራትን ይገድፍ ከምዘሎ ኢና ንግንዘብ። ሎሚ፡ ኢትዮጵያውያን፡ ኣፎም መሊኦም፡ “ኤርትራ ናብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ተመሊሳ፣ ከም ምስ ሰብኣያ ዝተፋትሐት’ሞ፡ ድሕሪ ዓመት ምስ ጸገማ፡ ናብ ሰብኣያ ትመለስት ሰበይቲ ዝዓይነቱ ኢዩ” ኢሎም ብብደዐ ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ነቶም ኣብ ጊዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ንህዝቢ ኤርትራ ብኣልማማ ዝቐዝፉ ዝነበሩ፣ ንዓድታት ኤርትራ ዘቃጽሉ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኳሬንቲ ገመድ ዝሓነቑ፣ ብክላስተርን ናፓልምን ቦምባታት ህጻናትን ኣዴታትን ኤርትራ ዘሕረሩ፣ ንኣሻሓት ኤርትራውያን ብዘይ ገበን ዝመቑሑን ዝረሸኑን፣ ኮታ ኩሉ ዓይነት ገበናት ኣብ ርእሲ ንጹህ ኤርትራዊ ዜጋ ዝፈጽሙ ዝነበሩ ኣባላት ወራሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም’ሞ፡ ኣብ ምስ ህዝባዊ ሰራዊትን ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ዝተገብሩ ውግኣት ንዝመቱ ወታሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ ሓወልቲ ንኽስራሓሎም፡ ኢትዮጵያውን ብዓውታ ክጽውዑ ጀሚሮም ኣለዉ። “ታኣምኖ ሊእኽካስ እታይ ተረፈኒ ኣይትበል” ክምዝባሃል ዝዓይነቱ ኢዩ ዝመስል። ናይ ባሓቂ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ 27 ዓመታት ሓሊፉ፡ ክሳብ ሕጂ ንሰማእታት ኤርትራ መዘከርታ ዝኸውን ብሃገር ደረጃ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ዘይምህላዉ ከ እንታይ ኢዩ ጣውቑኡ? ትማልን ሎምን “ሓውልቲ ርስያዊ ፑሽክን” ጽባሕ ካኣ “ሓወልትታ ጀነራላት ደርግን ሃይለስላሴን ከም ባዓል ቡሹ፣ ደምሴ፣ ወ.ዘ.ተ.) ኣብ ኣስመራ ተተኺሎም ድና ክንርኢ? ይክደን ኢዩ ዘብል።
  4. እቲ ሓንቲ ማዓልቲ እውን ትኹን ገጹ ብምብራህ ይኹን ብፍሽኽታ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዛሪቡ/መዲሩ ዘይፈልጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ፡ ብብደዐ ዘረብኡ ዝፍለጥ ኢሳያስ፡ ሎሚ እንታይ ስለዝተረኽበ ኢዩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ ካብ ውሽጢ ልቡ ገንፊሉ ዝወጸ ብዝመስል፡ ልቡ ብኢዱ እንዳጠጠበን ብኢዱን ብከናፉሩን ናይ ምስዓም ምልክታት እንዳኣርኣየን፡ ኩቱር ፍሽኽታን ፈገግታን ብዝመልኦ ኣገባብ ኣብ ቅድሚ ብኣሽሓት ዝቕጸሩ ኢትዮጵያውን ብተደጋጋሚ ክሰራሰር ዝተራእየ? “ንኣዳም ገረሞ ዘብል ኢዩ” ብምባል ዝሓልፍ ኣይኮነን። እቲ ጽቡቑ፡ ኢሳያስ ንስሚዒቱ ምቑጻጸር ሲኢኑ፡ ካብ ማዓሙቕ ልቡ ገንፊሉ ይወጽእ ስለዝነበረ፡ እቲ ህሞት ንሓቀኛ ስሚዒት ኢሳያስ ዘንጻባርቕን ንኢትዮጵያውን ዘለዎ ሓቀኛ ፍቕሪ ዝገልጽን ምንባሩ ኢዩ። እቲ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ግን፡ “ስለምታይ ኢዩ ኢሳያስ ነቲ ኣብ ማእገሩ ሓንጊሩ ኣስመራ ዘእተዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብዓብዪ ክብርን ሓልዮትን  ዘዕበዮን ክሳብ ሕጂ ብጥምዩ ጠምየ ከይበለ፣ ብዕርቑ ዓሪቐ ከይበለ፣ ብስእኑ ሲእነ ከይበለ፣ ደቁን ሂወቱን እንዳገበረ ተተይ ዘበሎ ህዝቢ ኤርትራ ኩቱር ጽልእን ንዕቐትን፡ ብኣንጻሩ ካኣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኩቱር ፍቕርን ሓልዮትን ዘለዎ ዝብል ኢዩ”። እዚ፡ ህዝቢ እርትራ ብዕቱብ ክምልሶ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። ምናልባት፡ ኢሳያስ ኣብ ውሽጡ “ንነብሱ ከም ኢትዮጵያዊ ገይሩ ዝፈልጣ/ዝስመዖ’ሞ፡ ካብ ጊሓቱ’ውን እንተኾነ፡ ‘ኢትዮጵያዊ’ ተልእኾ ደ ኾን ነይርዎ ይኸውን?” እልካ ንኽትሓትት ዘድፍር ኩነታት ኢዩ። ብጊደ ሓቂ ካኣ፡ ካብቲ ሕጂ ኣብ ባይታ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ተበጊስካ፡ ምስቲ ኩሉ ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ብዛዕብኡ ዝባሃል ሓቅታት ኣብ ግምት ምስ ተእቱ፡ ከምኡ’ሞ ማዓስ ዘየብል ኮይኑ። “ምስ ሳሓትካ ምኽሪ ይርከብ፡ ምስ መልቖካ እግሪ ይእከብ” ከምዝባሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ተማሂሩ፡ ሕጂ ዋዓል-ሕደር ዘየብል ሉዕላውነት ኤርትራ ናይ ምክልኻልን ምዕቃብን ዕዮ ገዛ ከምዘለዎ ተገንዚቡ፡ ከም ንህቢ ብሓባር ክሰርሕ ኣለዎ።
  5. ከም ዝፍለጥ፡ ኢሳያስ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ክሳብ ኣስመራ ዪኒቨርሲቲ ኣብ 2006 ዝፈርስ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ቻንስለር (Chancellor) ኢዩ ነይሩ። ቤት ጽሕፈቱ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ካብ ናይ ሓምሽተ ደቃይቕ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዘይትርሕቕ እንዳሃለወት፡ ኣብዚ ኩሉ ዓመታት፡ ዋላ ሓንቲ ማዓልቲ’ውን ትኹን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ መጺኡ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም ኢሉ ኣመሪቑ ዘይፈልጥ፡ ብኣውሮፕላን ሃገር ኣቓሪጹ ብምኻድ፡ ኣብ ባህሪ ዳር (ኢትዮጵያ) ከይዱ ናይ ኢትዮጵያ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ከመርቕ ሪኢና። ኢሳያስ፡ ኣንጻር ምሁራት ኤርትራውያን ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ብዘፊሑ ስለዝፈልጦ፡ ብዛዕብኡ ብዙሕ ምባል ዘድሊ ኣይመስለናን። ካልእ እንተተረፈ ግን፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከይዱ፡ ነቶም ኣብ ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ዝማሃሩ ዝነበሩ ብሉጻት ኤርትራያን ተማሃሮ፡ “ንስኻትኩም በዚ ኣብልኩም ናብ ስደትኩም ኪዱ፡ ንሕና እንተኾነ ካብ ኢስያ ሕሱር ጉልበት ኣምጺእና ከነስርሖ ኢና” ብምባል፡ ኤርትራውያን ተማሂሮም ንዓዶም ከይምለሱ ምፍርራሕ ብስመስል ኣገባብ ዝገበሮ መደረ ምጥቃስ ጥራሕ፡ ኢሳያስ ንመናእሰይ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንምሁራት ኤርትራውያን ካኣ ብፍላይ፡ ካብ ኤርትራ ተጓሕጒሖም ንኽወጹ ብቐጻሊ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ እኹል መርትዖ ምዃኑ ንህዝቢ ምሕባር የድሊ።
  6. እዞም ኣብ ላዕሊ፡ ካብ (1) ክሳብ(6) ተጠቂሶም ዘልዉን ካለኦት ብወገን ኢሳያስን ተላኣኽቱ ሓለፍቲ ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ 7 ወይ 8 ኣዋርሕ ንሉዕላውነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ህዝቢን ዝብሕጉጉ ክግበሩ ዝጸንሑ ተግባራትን፡ ክዝወተሩ ዝጸንሑ ባህርያትን ብዕቱብ እንተራኣና፡ ጥቕልል ብዝበለ ኣዘራርባ፡ ኤርትራ ቐስ ብቐስ ሉዕላውነታ ከም ሃገር እንዳሳኣነት ትኸይድ ዘላ ኮይና ኢና ንርኽባ። ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ንኽትምስርት መደብ ከምዘለዋ ምግላጻ፤ ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሓ ናይ ነዳዲ ሻምብቖታት ውዕል፡ ኤርትራ ዘየላትሉ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢመሬትን ምፍራሙ፤ ካብ ኤርትራዊት ወደብ ባጽዕ ናብ ኣዲስ ኣባባ፡ ኢትዮጵያ፡ ዘራኽብ ናይ ባቡር ሓዲድ ንምዝርጋሕ ዘኽእል መጽናዕቲ ንምግባር ንዘድሊ ወጻኢታት መንግስቲ ጣልያን ንኽሽፍን ዝዓለመ ዝምምዕ፡ ኤርትራ ዘየላትሉ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ጣልያንን ምግባሩ፤ እዞም ኩሎም ንሉዕላውነት ኤርትራ ዝግህሱ ወስታት (ከም ኤርትራ ዝሓወሰ ካርታ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ምልጣፍን ምዝርጋሕን ካለኦት ተመሳሰልቲ ናይ ማሕበራዊ መድያ መግለጺታትን ኣስተምሕሮታትን) እንዳተገብሩ ከለዉ፡ ብወገን ኢሳያስን ስርዓቱን ዝተዋህበ ወግዓዊ ናይ ተቓውሞ መግለጺታት ዘይምህላዎምን፤ ሕጂ ኣብ ቀረባ እዋን ካኣ፡ ነቲ ንኤርትራን ንህዝባን ብዓመጽን ብሽርሕን ዝጎበጠን፡ ንህዝቢ ብኣልማማ ዝጨፍጨፈን ፋሺሽቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ኣብ ቀጽሪ ኤርትራ ከም ኣባል ትርከቦ ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ፡ ሓወልቲ እንዳተተኽሉ እንከሎ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን ምንም ተቓውሞ ይኩን ስምዕታ ዘይምግባሮምን ዘርእዮ ሓቂ እንተሎ፡ ብውሕዱ፡ ሉዕላውነት ኤርትራ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ከምዘሎ ኢዩ። ኤርትራ ኣብ መጋብእያታት ዓለም፣ ኣፍሪቃ ብሓፈሻን ኣብ ዞብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ካኣ ብፍላይን፡ ንሉዕላዊ መሰላ ዝምጉተላን ዝጣበቐላን መሪሕነት የብላን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሉዕላውነታ ንኢትዮጵያ ዝተመጠወ ኢዩ ዝመስል ዘሎ።

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ሓቅታት ብምብጋስ ይመስል፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብዪ ካኣ ብፍላይ፡ ሉዕላዊ መሰል ኤርትራ ዝግህሱ ወስታታትን ተግባራትን ክገብሩ ዝጸንሑን ዘለዉን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ “ኣነን ኢሱን (ኢሳያስን) ዓሰብ ኢና ንኻፈል፤ — እቶም ከይዶም ዝጸንሑ’ውን (ኤርትራውያን ማለቱ ኢዩ) ናይ ጊዜ ጉዳይ ኢዩ’ምበር ክምለሱ (ክድመሩ) ኢዮም፤ ምስ ኤርትራ፡ሓደ ሰራዊት፣ ሓደ ኢምባሲ፣ ወ.ዘ.ተ. ኢዩ ዘድልየና” ኢዩ ክብል ጸኒሑ።  ኣብ ኣመሪካ ምስ መጸ’ውን እንተኾነ፡ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ዝግበር ጻዕሪታት ኣበይ በጽሐ? ዝብል ሕቶ ካብ ኢትዮጵያውያን ሓተቲ ምስተሐተ፡ ‘ዓሰብ፡ ትማሊ ኤርትራ፡ ሎሚ ኤርትራ፡ ጽባሕ’ውን ኤርትራ ኢያ’ ኢሉ እቲ ቁኑዕ መልሲ ኣብ ክንዲ ዝህብ፡ ‘ሕቶካ ንዓዲ ሒዘዮ ከምለስ ኢየ’ ብምባል ኢዩ መሉሱ። እንታይ ስለዝደለየ ወይ’ውን እንታይ መደብ ስለዘለዎ ኢዩ ከምኡ ኢሉ፡ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ኤርትራ ኮይኑ፡ ምስ ሳልሳይ ኣካል ክዋገ፣ ክዋዓዓልን ክፈራረም’ውን ንርኢ ኣለና። “ድሕሪ —- እንታይ ተረፋ” ከምዝባሃል ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። እሞ ዳኣ ኤርትራውያን፡ እንታይ ክሳብ ንኸውን ኢና ንጽበ ዘለና???

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ተገሊጾም ዘለዉ ሓቅታት ብምብጋስ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ናብ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ እንዳኣቕረበ፡ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ኤርትራ ካኣ ብፍላይ ሉዕላውነትን መንነትን ኤርትራ (ሃገረ ኤርትራ) ንምድሓን ኩሉ ፍልልያቱ ኣጻቢቡ (ኣወንዚፉ) ብሓባር ንኽቓለስ ይጽውዕ።

  1. ሰላምን ህዝቢ ኤርትራን ብዝምልከት፦
  • ትጽቢትን ሃንቀውታን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሰላም ምስ ኩሎም ጎረባብቱ ብሓፈሻ፡ ኣውራ ድማ ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ምዃኑ ሰዲህኤ የረጋግጽ፣
  • ሰላም ኣብ መንጎ ህዝቢታትን ሃገራትን ብሓባራዊ ድሌት’ምበር ብምስግዳድን ምትላልን ክረጋገጽ ዝካኣል ከምዘይኮነ መትከላዊ እምነት ሰዲህኤ ኢዩ፣
  • ሰላም ንሓባራዊ ጥቕሚ፡ ቅሳነትን ምርግጋእን፡ ምዕባለን ግስጋሰን፡ ራህዋ; . . . ወዘተ፡ ‘ምበር፡ ብናይ ካልኦት ክሳራ፡ ዕግርግር፡ ድሕረት፡ ድኽነት ኣይርከብን ኢዩ ኢሉ ሰዲህኤ ይኣምን፣
  • ሰላም፡ ኩሉ ሳዕ፡ ምርጫ ህዝቢ’ዩ። ንምርግጋጹ ግን ናይ ህዝቢ ተሳታፍነት ወሳኒ ምዃኑ ሰዲህኤ ንህዝቢ ከዘኻኽር ይደሊ፣
  • ንህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላም፡ መዘና የብሉን። ኩሉ ካልእ ጠለባቱ ድሕሪ ሰላም ዝስራዕ ምዃኑ ሰዲህኤ ይግንዘብ፣
  • ሰላም ቀጻልነት ዝህልዎ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን፡ ሓድሕዳዊ ምፍላጥ/recognition ንሉዕላውነትን ናጽነትን፡ ዝተመርኮሰ ኪኸውን ከሎ’ዩሞ፡ ንሉዕላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውርድ ናይ ሰላም ተበግሶ ሰዲህኤ ብጽኑዕ ይኩንኖ።
  1. “ተበግሶ” መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ምስ ኤርትራን፡ ክሳብ ሕጂ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘረጋገጸሉ ጥቕሚን ብዝምልከት፦
  • ሰላም ህዝቢታትን ሃገራትን ብካልኦት ዝምጽወት ትኳቦ ከምዘይኮነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክግንዘቦ ሰዲህኤ ይጽውዕ፣
  • ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ፡ ንሰላም ዕንቅፋት ኰይኑ ዝጸንሐ ምስ ዝእለ’ዩሞ (ሓደ ካብኡ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ኢዩ)፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሉዕላዊ መሬት ኤርትራ ብዘይ ዋዕል-ሕደር ክወጽእን፡ እቲ ዶብ ካኣ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስን ውሳኔ ናይ ዶብ ኮሚሽንን ብቕጽበት ክሕንጸጽ ሰዲህኤ ይጽውዕ፣
  • ናይ ሓደ ህዝቢ ሰላም፡ ኣብ ዳግመ ህንጻን ምዕባለን ሃገሩ ንሰብኣዊን ንዋታዊን ዓቕሙ ተጠቒሙ ክሳተፍ ዕድል ምስ ዝረክብ’ምበር፡ እዚ ዕድላት’ዚ ንዕኡ ተሓሪሙዎ፡ ንወጻእተኛታት ግን ማዕጾ ወፍሪ ብገፊሑ ክኽፈት ከሎ ስለዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ቁጠባ ወራር ንኽምክቶ ሰዲህኤ ይጽውዕ፣
  1. ተበግሶ ሰላም ኢትዮጵያ፡ ንናጽነትን ሉኣላውነትን ኤርትራ ዝደናደን ምዃኑ ብዝምልከት፦
  • ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዶባዊ ምስሕሓብ ስለ ዘየለ፡ ምሕንጻጽ ዘድልዮ ዶብ የለን ማለት ነቲ ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ ዘሎ ሉዕላዊ መሬት ኤርትራ የሕሊፍካ ንኢትዮጵያ ንማሃብ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ንሉዕላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራን ዝግህስ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ክግንዘቦን ክምክቶን ሰዲህኤ ጸዊዒቱ የቕርብ፣
  • ካብ ኤርትራውያን ወደባት ናብ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ መስመር መጎዓዝያ፡ በይናዊ ኢትዮጵያዊ ዕማምን ሓላፍነትን ከምዝኾነ ብስመስል፡ ኤርትራ ዘየላቶ፡ ምስ ሳልሳይ ሃገር ውዕል ምእታውን ስምምዓት ምግባርን ንሉዕላውነት ኤርትራ ዝዳፈር ስለዝኾነ ሰዲህኤ ብጥቂ ተቃውምኡ ይገልጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ነዚ ሓደገኛ ወስታ ክምክቶ ይጽውዕ፣
  • እቶም ኩሎም ንኤርትራ ኣዋስነም/ኣጓንዮም፡ ብመግስቲ ኢትዮጵያ “መዓስከራቱ ኣብ ወደባትን ደሴታትን ኤርትራ ዝኸውን ዳግመ-ምስረታ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ባሕሪ፤ ምውሓስ ኢትዮጵያዊ ኣፍ-ደገ ባሕሪ፤ ምሕላውን ምርግጋጽን ኢትዮጵያዊ ጸጥታን ሉኣላውነትን፤ ኢትዮጵያዊ ሽርክነት ኣብ ምርግጋጽ “ናጻ መስመር መጎዓዝያ ባሕሪ” ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ” ንምርግጋጽ ዝግበሩ ንሉዕላውነት ኤርትራ ዝግህሱ ተጻባእቲ ንጥፈታትን መደባትን ኢትዮጵያ ብህጹጽ ደው ምባል ሉዕላውነት ኤርትራ ከተኽብር ሰዲህኤ ይጽውዕ፣  
  • ወግዓዊ መንግስታዊ ውሳነን ተግባርን ምዃኑ ኣይረጋገጽምበር፡ ብናይ ኢትዮጵያ ”ዘይመንግስታውያን መራኸቢታትን” ህዝባውያን ኣጋጣሚታትን፡ ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመሓላለፍ ዘሎ መልእኽቲታት፡ “ኤርትራ ናብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ተመሊሳ”፡ ወይ “ኤርትራ ብኢትዮጵያ ተጎቢጣ” ዘስምዕ’ዩ። መን ኣበጋሲኡን እንታዩኸ ምንጩ ብዘየገድስ፡ ብሓይሊ ክዂነን ዘለዎ ንሉዕውነት ኤርትራ ዝዳፈር ሓደገኛ ወስታ ምዃኑ ሰዲህኤ ከስምረሉ ይደሊ።
  • ኩሎም ምልክታት ከምዝሕብርዎ፡ “ተበግሶ ሰላም”፡ ቀዲሙ ምድላው ዝተገብረሉ፡ ወይ ዋላ ብደረጃ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ መግለጺ ኣብ ከተገብረሉ ከሎን፡ ቅድሚ እዉጅ ናይ ኢሳያስን ዶ/ር ኣቢዪን ርክባትን፡ ብምስጢር ኣንጻር ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ሉዕላውነቱን ዝተቓመመ/ዝተጠጅአ (concocted ዝዀነ) ውዲት  ዝመስል ምዃኑ ሰዲህኤ ብንጹር ንህዝቢ ክገልጽ ይደሊ፣
  • ንህዝቢ ኤርትራ ኣጓኒዩ ዝብጻሕ ስምምዕን ዝውሰድ ስጉምቲታትን ቀጻልነት ክህልዎ ዝኽእል ከም ዘይኰነ፡ መንግስቲን መራሒን ኢትዮጵያ ክዝንግዑዎ ዘይነበሮምን ሕጂ’ውን ክዝንግዕዎ ዘይብሎምን ሓቂ ምዃኑ ሰዲህኤ ከጠንቅቖም ይደሊ።
  1. ኢሳያስ ካብ ናይ ውልቁ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ኣርሒቑ ክርኢ ዝየክእል መላኺ ምዃኑ ብዝምልከት፦
  • ኢሳያስን ስርዓቱን ቀንዲ ተዋስእቲ ናይቲ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ውዲት ምዃኑ ኩሎም ምልክታት ይሕብሩ ከምዘልዉ ህዝቢ ኤርትራ ንኽግንዘቦ ሰዲህኤ ይላቦ፣
  • ኣቐዲሙ ብዝወድኦ ዕዮ ገዛ መሰረት፡ ካቢነ ሚኒስተራት ብእኩብ ይኹኑ ሚኒስተራት በብውልቀ፡ ሰራዊት ምክልኻል ብእኩብ ይኹን ጀነራላቱ በብውልቀ፡ ብሒም ክብሉን ካብ ውዲታዊ መደባቱ ክገትኡዎን ከም ዘይክእሉ ስለ ዝገበሮም ካብ ስክፍታ ናጻ ኰይኑ፡ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ስልጣን ገቢቱ ምህላዉን ህዝቢ ኤርትራ ንኸስተባህለሉ ሰዲህኤ ይጽውዕ፣
  • ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብዘፊሑ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸልማት ኣቐሚጡ ጉዳይ ሃገርና ንካልኦት ኣሕሊፉ ብማሃብ፡ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሉዕላዊት ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዋ ብምህላዉ፡ ህዝቢ  ኤርትራ  ዋዓል-ሕደር ከይበለ ብናይ ሓባር ቃልሲ ንኢሳያስን ንስርዓቱን ካብ ስልጣን ብምእላይ ሉዕላውነት ሃገር-ኤርትራ ንምድሓንን ንምዕቃብን ቃልሱ ከሐይል ሰዲህኤ ህጹጽ ጸዊዒቱ የቕርብ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

22 የካቲት 2019

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top