skip to Main Content
Menu
ኢሳያሳዊ ምንቃጽ/ምድራቕ ፍልፍል ኤርትራውነት፡ ውዲት ንትግባረ ኢትዮጵያዊ ኢስትራተጂ  ቀዳማይ ክፋል

ኢሳያሳዊ ምንቃጽ/ምድራቕ ፍልፍል ኤርትራውነት፡ ውዲት ንትግባረ ኢትዮጵያዊ ኢስትራተጂ ቀዳማይ ክፋል

ኢሳያሳዊ ምንቃጽ/ምድራቕ ፍልፍል ኤርትራውነት፡ ውዲት ንትግባረ ኢትዮጵያዊ ኢስትራተጂ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣይድልየናን ኢዩ”

ቀዳማይ ክፋል

ኣብቲ ንናጽነት ዝተገብረ ነዊሕን ጽንኩሩን ተጋድሎ፡ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝነብር ዝነበረ  ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻወቶ ተራ መዋዳድርቲ ኣይርከቦን ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ቑልዒ ሓዊ ገድሊ ከይጠፍእ ደጒሉ ዘሕደረ፣ ሰውራ ዘዕቖበ፣ ተጋዳላይ ዘዐንገለ፣ ምስጢር ሰውራ ዝዓቀበ፣ ሂወት ደቁን ሂወቱን ንሰውራ ዝለገሰ፣ ንጸላኢ ብዘይዕጥቂ፡ ብጥበብን ብልቦናን ዝመከተን ዝሳዓረን፣ ኮታ ብሓፈሽኡ፡ ንሰውራ ኣብ ማእገሩ ሓንጊሩ ናጽነት ኤርትራ ክውን ዝገበረ ህዝቢ ኢዩ። ኣብዚ ጽንኩሩን ነዊሕን ጉዕዞ ሰውራ እዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ-መዳያዊ ከቢድ ዋጋ ኢዩ ከፊሉ።  መንእሰይ ኤርትራ፡ ካብ ጻት ንጻት፡ ዝሸምገሉ/ዝዓበዩ ወለዱ ጠዋሪ ዘይብሎም ራሕሪሑ፣ ወላዲ፡ ትሕቲ-ዕድመ ደቁ ኣለይቲ ዘይብሎም ገዲፉ፣ ተማሃራይ ትምህርቱ ገዲፉ፣ ጓሳ መጋስኡ ጠንጢኑ፣ ሸቃላይ ስርሑ ሓዲጉ፣ ናጽነት ኤርትራ ክውን ንምግባር ናብ ሰውራ ብቐጻሊ ን30 ዓመታት ወፊሩ። ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ሂወቶም በጃ ናጽነት ከፊሎም፣ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰንኪሎም፣ ካልኦት ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ’ውን ተመቍሖም። ኤርትራዊ ንብረት በሪሱ (ዓድታት ነዲዱን ባዲሙን፣ ከተማታት ዓንየን፣ ትሕተ-ቅርጽታት ፈሪሱን ዓንዩን፣ ጥሪትን ኣግራብን ኤርትራ በሪሱ)። ስለዚ፡ ናጽነት ኤርትራ፡ እዚ ኹሉ ኩቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ዓወት ኢዩ ነይሩ። ስለዝኾነ፡ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ብግብሪ፡ ኣብ 1993 ካኣ ብሕጊ ምስተረጋገጸ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ኩሉ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ ደበስ ዝድበሰሉ መድረኽ/መዋእል ተፈጢሩ ኣሎ ዝብል ተስፋ ነይሩ ኢዩ።

ይኹን’ምበር፡ ናጽነት ኤርትራ ጋና ኣብ ዕሸሉ ከሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ደበስ ዝድብስ ዘይኮነስ፡ ደግሲ ዝደግስ ጥጅእ ኢዩ ተጠጂኡ። ከመይሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ማእገሩ ሓንጊሩ ናብ ዓወት ዘብጸሖ ሰውራ ተውሽጦም ብዝመጹ መራሕቲ ተጠሊሙስ፡ ንዳግማይ ዕንወትን ብርሰትን ኢዩ ተዳሪጉ። እታ ንተኸታተልቲ ናይ መግዛእቲ ሓይልታት ብቐጻሊ ዝመከተትን፡ ንዝጸንከረን ንዝተናወሐን ሰውራ ዝተጻወረትን ኤርራዊት ቤተ-ሰብ፡ ሕጂ ናይ ምብራስን ናይ ምጥፋእን ሓደጋ ኣጋጢምዋ ይርከብ ኣሎ።

ቀዳማይ፡ ከምቲ “ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ፡ ዳኛ ዘይብሉ ነገር ጥፉእ” ዝባሃል፡ ንህዝብን ንመንግስትን ዝዳኒ “ህንጻ ሕጊ (Constitution)” ዘይብላ ሃገር ህዝባ ባዳማይ ኢዩ። ከምንቡርን ከምቲ ኣብ ኩሉን ብኸምዚ ናይ ኤርትራ ኣገባብ ናጽነተን ዝረኸባ ሃገራት ዝተገብረ፡ ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ፡ ክኸውን ዝነበሮ ቀዳማይ ስራሕ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኤርትራ፡ ንኹሉ ኣካላት ህዝቢ ኣኪቦም ብዛዕባ ህንጸት ሃገርን ቅዋም ሃገርን ምዝርራብን ምክታዕን እዩ ነይሩ።  ኣብ ክንድዚ ግን፣ ብመሪሕነት ኢሳያስ ዝመሓደር ናይ ድሕሪ 1997 ህግደፍ፡ ትኽክለኛ መስርሕ ኣሰራርሓ ቅዋምን ህንጸት ሃገርን ገዲፉ ብዝዓበየ ኣብ ምግባት ፖሊቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ዘተኮረ፡ ኣብ ፖለቲካዊ በለጽ ኢዩ ተጸሚዱ ተሪፉ። ከምሳዕቤኑ፡ ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ ንነዊሕ ዝጠመተ ቁጠባዊ ዕብየት ይኹን ቀጻሊ ምዕባለ ወይ’ውን ዝኾነ ንሓፋሽ ዘተኮረ ነገር ዘድህብ ራኢን ቆራጽነትን ዘይብሉ፡ ኣዝዩ ውልቀ መላኺ ብዝኾነ ስርዓት ክትምራሕ ጸኒሓ ኣላ። ኩላትና ከም እንዝክሮ፡ ኢሰያስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2015 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ናይ 1997 ቅዋም ቅድሚ ምእዋጁ ዝሞተ እዩ ኢሉ ገሊጽዎ እዩ። እዚ ማለት ካኣ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን ህዝቢ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ናይ ምህላው፣ ናይ ልዕልና ሕጊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ብልጽግና ናይ ምህላው መሰል፡ ተኸልኪሎም ክነብሩ ፈሪደሞም ኣለዉ ማለት እዩ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ናይ መንግስቲ ባህሪ ከምዚ ክትከውን ኣለዋ ብምባል ገደብ ክገብር ዝኽእል ቅዋማዊ ዓንቀጻት የለን፣ ኣብ ክንድዚ ኢሳያስ እዩ መን ስልጣን ክወሃቦ ኣለዎ፡ እቲ ዝወሃብ ስልጣን ድማ ንምንታይ ጥቕሚ ክውዕል ኣለዎ ዝውስን። ስለዚ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ሕሉፍ ገባትን መዝማዝን ፖለቲካውን ቁጠባውን ትካላት ቸይ ቸይ ብምባል ንኤርትራ ከም ናይ ውልቂ ዋኒኑ ገይሩ ከማሓድራ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ፍትሒ ዝሳኣነ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ዓዱ ገዲፉ ናብ ስደት ብቀጻሊ ብብዝሒ ክውሕዝ ጸኒሑን ኣሎን።

 

ካላኣይ፡ እቲ ስርዓት መዝማዚ ተግባራቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ናይ ወጻኢ ዕብለላ፣ ወራር፣ ወይ ድማ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ፡ ብፍላይ ድማ ብኢትዮጵያ (ውግእ ዶብ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይካኣል)፡ ጎበጣ ክግበር እዩ ብዝብል ምስምስ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ብምሓዝ፦

  1. ነቲ ድሕሪ ብናይ ሰለስተ ዓመታት መስርሕ ተዳልዩ ጸዲቑ ንትግባረ ዝጽበ ዝነበረ ሃገራዊ ቅዋም ከይትግበርን፡ ህዝቢ ካኣ ወከልቱ ብምምራጽ ህዝባውን ቅዋማውን መንግስቲ ብምትካል ጉዳዩ ከይገብር ዓንቂጹ ብማሓዝ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኹቱር ብኹረት ፍትሕን ልዕልና-ሕግን ንዓሰርተታት ዓመታት ከምዝሳቐ ተይሩ ኣሎ። እቲ ፍትሒ ዝሳኣነ ህዝቢ ኤርትራ ዓዱን ሃገሩን ራሕሪሑ ናብ ስደት ብቐጻሊ ብብዝሒ ክውሕዝ ጸኒሑን ኣሎን፤ ከምሳዕቤኑ ካኣ ሕጂ ኤርትራውያን ዓድታት ብዓብዪ ናህሪ ይባድማ ኣለዋ።
  2. ነቶም ፍትሒ ይገበር፣ ልዕልና-ሕጊ ይንገስ፣ ህዝባውን ቅዋማውን መንግስቲ ይተኸልን ፖሊቲካዊ ምስግጋር ክግበር ኣለዎን ብምባል ንፖሊቲካዊ ለውጢ ዝጠለቡ ኣካላት መንግስቲን (ከም ባዓል G-15 ዝኣመሰሉ) ካለኦት ሲቪላውያን ዜጋታትን ብዘይ ፍርዲ ብጅምላ ብምሕያርን ብምስዋርን ድምጾም ከምዝዕፈን ተገይሩ። ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ፡ ኣበይ ከምዘለዉን ብሂወቶም ኣለዉ ድዮም የለዉን ምንም ዝፍለጥ ነገር የልቦን። ብዛዕባ ሃለዋቶም ምሕታት ንባዕሉ ከም ገበን ዝቑጸረሉ ኩነታት ብምፍጣር፡ ናይ ራዕድን ሽበራን መንፈስ ኣብ ሃገር ሰፊኑ፡ ህዝቢ ብፍርሒ ተጸቚሪሩ ርእሱ ደፊኡ ከምዝነብር ተገይሩ። ህዝቢ ቅዋም ይተግበር፣ ናይ ፖሊቲካ እሱራት ይፈትሑ፣ ህዝባው መንግስቲ ይተኸልን ልዕልና-ሕጊ ይንገስን ኢሉ ነቲ ንሳቶም ዝጀመርዎ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ መታን ከይቅጽሎን ኣብ ዓወት ከይብጸሖን፡ ንጉዳዮም፡ ብሓሶት ምስ ሃገራዊ ድሕነት ብምትእስሳር፡ ስርዓት ኢሳያስ “ሃገር ምድሓን ኢዩ ቀዳምነት” ዝብል ናይ ምድንጋርን ምትላልን ሜላታት ብምጥቃም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒጅዎ ኢዩ ጸኒሑ። ይትረፍዶ ፖሊቲካውን ሕጋውን ሕቶታት ከትልዕል፡ ዋላ’ውን “ማይ የለን፣ ባኒ የለን፣ ወ.ዘ.ተ.” ዝብሉ ምስ መሰረታዊ ማዓልታዊ ሂወት ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ምልዓል፡ ከም “ጸረ ሃገርን ሃገር ምኽዳዕን” ተገይሮም ስለዝራኣዩ፡ ህዝቢ ዋላ ብዛዕባ ኣብ ማዓልታዊ ሂወቱ ዝገጥምዎ ሽግራት ንኸይዛረብ ተዓፊኑ ኢዩ ጸኒሑ።
  3. ነቲ ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ብምድስካልን ንዝኾነ ትካላዊ ኣሰራርሐ ብምዕምጻጽን ፍጹም ናይ ውሑዳት ወይ’ውን ናይ ሓደ ውልቀ-መላኪ ምሕደራ ከምዝትከል ተገይሩ፡ ሎሚ ይትረፍዶ መንግስታዊ ትካላት ሃልየንስ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ክስራሓ፡ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ተባሂሉ ክፍለጠሉ ዝደሊ ህግደፍ’ውን እንተኾነ ከም ትካል የሎን። ማከላይ ኮሚቴ ህግደፍ ንዓሰርተታት ዓመታት ተኣኪቡ ኣይፈልጥን ኢዩ። ህዝቢ ንኣደዳ ጉድለትን ጉዕዙይን ምሕደራ ተዳሪጉ ማሕበረ-ቁጠባዊ፣ ሰብኣውን ፖሊቲካውን ምጉስቛላት ብዘኸተሎ ቀጻሊ ናይ ናብራ ምዝንባላት ክሳቐ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ’ውን ሓደ ካብቶም ንህዝቢ ኤርትራ ንቀጻሊ ስደት ዝዳረግዎ መሰረታውያን ምኽንያታት ኢዩ።
  4. ምስ ኢትዮጵያ ናይ ዶብ ጸገማት ኣለና ብዝብል ምስምስ፡ ነቲ ን18 ኣዋርሕ ጥራሕ መናእሰይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክህቡ ተባሂሉ ዝተጀመረ መደብ፡ ናብ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ምብልዋጥ፡ ንመንእሰይ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ድፋዓት ከምዝበሊ ተገይሩ። መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣይ ካብ ትምህርቲ፣ ኣይ ካብ ስራሕ፣ ኣይ ካብ ናብራ ንቡር ሂወት ተሓሪምዎ ንመዳርግቲ ዘይርከቦ ማሕበረ-ቁጥባዊ ምጉስቛል ተፈሪዱ። እታ ዝፈትዋ ሃገሩ ከም ሲኦል ተባላዒት ስለኾነቶ፡ ዓቕሉ ምስጸበቦ፡ ዘይስገሩ ምድረቦዳታት ብቑራጽን ዓሞቑቲ ባሕርታት ብምስጋርን ብቐጻሊ ብብዝሒ ናብ ስደት ክውሕዝ ጸኒሑን ኣሎን። ኩሉ ህዝቢ ከምዝፈልጦ፡ ብዙሓት ኣብ መድረቦዳ ሳሃር ሑጻ ተቐቢሮም ተሪፎም፣ ብዙሓት ኣብ ማእከላይ ባሕርን ኣብ ካለኦት ቀላያትን ቀልብ ዓሳታት ኮይኖም ተሪፎም፣ ብዙሓት ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ-ሰባት ወዲቖም፡ ብሂወቶም ከለዉ ውሽጣዊ ኣካላቶም ተመንዚዑ፣ ብዙሓት ካኣ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዝርኸቡ ማዓስከር ስደተኛታት ንዓመታት ክጽበዩ ዕድሚኦም ብላሽ የሕልፉ ኣለዉ። ካብቶም ነዚ ኩሉ ጸገማት ተሳጊሮም ኣብ ምዕራብ ሃገራት በጺሖም ዝባሃሉ’ውን እንተኾነ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ጉዕዞ ሰደት ዘጋጠሞም ኢሰብኣዊ ማህሰይትታት ብዝጠረሎም ስነ-ኣእምራዊ ነውጽታት፡ ብዙሓት ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ሰብኣዊ ጸገማት ወዲቖም ኢዮም ዝርከቡ ዘልዉ። ካለኦት ብዙሓት’ውን፡ ኣይ ካብ ትምህርቲ፣ ኣይ ካብ ስራሕ፣ ኣይ ካብ ናብራ ሓዲግ ኮይኖም ዕድሚኦም ኣብ ስደት ንብላሽ ይሓልፍ ኣሎ። ይኹን’ምበር፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ካብዚ ዝገደድ ብጣዕሚ ሕምቕ ስለዝኾነ፡ እቲ ስደት ብናህሪ ክቕጽል ጸኒሑን ኣሎን። ሕጽር ብዝበለ፡ ብሰንኪ ቀጻሊ ስደት ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኤርትራ ትባድም ኣላ። ዓድታት ኤርትራ ህዝበን ንስደት ጊዒዙ፡ ጥርሐን ይተርፋ ኣለው። እታ መሰረት ቅርጽን ሂወትን ሕብረተ-ሰብ ዝኾነት ኤርትራዊት ቤተ-ሰብ (ስድራ) ተበታቲና ትፈርስ ኣላ። ቤተ-ሰብ እንተዘየላ፡ ዓዲ የለን፤ ዓድታት እንተዘየለዋ ካኣ ሃገር የላን ማለት ኢዩ። ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ህዝብን፡ ማዓልቲ ማዓልቲ ትመወት ኢያ ዘላ። እቱይ ምንታይሲ፡ እቲ ሃገር ዝሃንጽ፣ ዝከላኸልን ተተካኢ ወለዶ ዝፈርን መንእሰይ ኤርትራ ካብ ሃገር ተጓሕጒሑ ስለዝወጸን ይወጽእ ስለዘሎን።

እምባኣር፡ ኤርትራ ብምስምስ ናይ ዶብ ውግእ ምስ ኢትዮጵያን ብድሕሪኡ ብዝቐጸለ ኣይ ሰላም ኣይ ውግእ ኩነታት፡ ብቐጻሊ ክትባድም ምስጸንሐት ኢዩ፡ “ናይ ዶብ ጉዳይ ከይተፈትሐ (ዶብ ከይተሓንጸጸ) ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ዝባሃል የለን” ክባሃል ከምዘይተጸንሐ፡ ሕጂ ምንም ዓይነት ንዶብ ዝምልከት ጉዳይ ከይተገብረ (እቲ ዶ ምሕንጻጽሲ ይትረፍ፡ ዋላ ሰራዊት ኢትዮጵያ’ውን ካብ ሉዕላዊ መሬት ኤርትራ ከይወጸ ከሎ)፡ እንታይ ስለዝተረኽበ ኢዩ፡ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ገርና ኣለና ዝባሃል ዘሎ? ሕጂ፡ መንእሰይ ኤርትራ ተጓሕጒሑ ካብ ሃገር ምስወጸ፡ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ገርና ኢና እንዳተባህለ፡ መራሕቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዶም ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝገርዎ ዘለዉ ቅጥዒ ዘጥፈአ “ሕግብግብ”፡ እንታይ’ዩ ጣውቑኡ? ነቲ ወለዶታት መራሕቲ ኢትዮጵያ ክብልዎ ዝጸንሑን ዘለዉን፡ “ኤርትራ፡ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣይድልየናን ኢዩ” ዝብል ባህግን ድሌትን ንምምላእ ዝዓለመ ዶ ኾን ይኸውን? ነቶም ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ገርና ኢና ካብዝባሃል ንዳሓር፡ መራሕቲ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኢሳያስ ካኣ ብፍላይ ዝበሎን ዝገበሮን ብሓደ ወገን፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ካኣ ዶ/ር ኣብዪ ዝበሎን ዝገበሮን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጥሩ ዘሎ፡ ኤርትራ ናይ ምጉባጥ ሓዱሽ መንፈስን ምንቅስቓሳትን በቲ ካልእ ወገን፡ እንተራኣና፡ “እዛ ብርኹታ ገለ ኣላታ” ዘብል ኢዩ ዶ ኣይመስለኩምን? ምምርማር ናብ ኣንበብቲ ንገድፎ።

ብዛዕባ ሰላም ካብተላዕለ፡ መጀመሪያ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ዝፈቱ ህዝቢ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምእንቲ ሰላም ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኢዩ’ውን። ህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ደቁ፡ ፍትሒ፣ ሰላምን ርግኣትን ንምርግጋጽ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝገበረ ኢዩ። እዚ ካኣ ህዝቢ ዓለም ብሓፈሻ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካኣ ብፍላይ ዘይስሕቶ ሓቂ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ህዝቢ ጽልኢ ነይርዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። ተከታተልቲ ናይ መግዛእቲ ሓይልታትን ናይ ፖሊቲካ መራሕትን ብዝጽሕትርዎ ናይ ስልኢ ረመጽ ዝፍጠር ጽገም እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ብዘልዕሎም ሕቶታት፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ ኣብ ርሑቑን ኣብ ጎራባብቱ ዝነብሩ የህዛብ፡ ተጻሊኡ ኣይፈልጥን ኢዩ። ሕጂ እንተኾነ’ውን፡ እቶም ተጻሊኦም ዝነበሩ (ናይ ብሓቂ ተጻሊኦም እንተነይሮም) ናይ ፖሊቲካ መራሕቲ እንተተዓረቑ፡ ህዝቢ ይረብሕ’ምበር ኣይከስርን ኢዩ። እቱይ ምንታይሲ፡ ካብ ናይ ረመጽ ጽልኢ ምጽሕታር ዓዲ ስለዝውዕሉ፡ የህዛብ ካኣ ብሰላም ክነብሩ ስለዝኽእሉ። ኢሳያስን ዶ/ር ኣብዪን ተዓሪቕና ኣለና ክብሉ ጥራሕ ኢና ንርኢ ዘለና’ሞ፡ ይመላኣሎም ዘብል ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ኢሳያስን መለስን፡ በዚ ዘበን እዚ ክባኣሱ/ክጻልኡ ይኽእሉ ኢዮም ኢልካ ክሕሰብ ዘይካኣል ዝመስል ዝነበረ ፍቕሪ፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ ናብ ዝኸፍአ ጽልኢ ክልወጥን፡ ብሰበቡ ካኣ ናይ ዓሰርተታት ኣሻሓት ንጹሃት ሂወት ዝበልዐ ናይ ዶብ ውግእን ጎነጽን ክፈጥርን ስለዝራኣና። ሕጂ ካኣ ካብ ደግሲ ይኽደነና ኢዩ ዘብል። ስለምንታይን ብኸመይን ንዝሉ ሕቶታት ዝምልስ ሓተታ ኣብ ካላኣይ ክፋል ክቐርብ ኢዩ።

ካላኣይ ክፋል ይቕጽል —

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

18 የካቲት 2019

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top