skip to Main Content
Menu
ኣህጉራዊ መዓልቲ ደ/ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ፍራንክፎርት ተኸቢሩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደ/ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ፍራንክፎርት ተኸቢሩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደ/ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ፍራንክፎርት ተኸቢሩ።

8 – 10 መጋቢት 2019

ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ ብዝተገብረሎም ዕድመ መሰረት ኣብ’ቲ ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ፍራንክፎርት ዝተኻየድ በዓል ኣህጉራዊ መዓልቲ 8 መጋቢት ኤርትራውያን ተሳቲፎም።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኤርትራውያን ብክብ ዝበለ ድምቀት ዝመልኦ ክብርታት ተኻይዱ። ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኤውሮጳ 8 መጋቢት 2019 ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ፍራንክፎርት ብሓባር ንምድላው ዘካየድኦ ጻዕሪ ኣካላዊ ተሳትፍነት ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነ መደብ ኮንፈረንስ ብምስራዕ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ህዝብና ሃገርና ክዝረበሉ ክዝተየሉ ብምግባር ካብ ዕለት 8 – 10 መጋቢት ብዓብይ ድምቀት ተኸቢሩ።

ኣቀዲሙ ካብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ኤውርጳ ንሰዲህኤ ብዝተላእከ ዕድመ መሰረት ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊ ስርዒታዊ ጉዳይ ኣቶ ብርሃነ ገብረክርስቶስ ካብ ሃገር ጀርመን፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ኣቶ ሓምድ ድራር ካብ ሃገርን እንግሊዝ ተሳቲፎም።

ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ ኣብ’ቲ ቦታ ተረኺቦም ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ነቲ ከቢድ ሓላፍነት ዘለዎ ምድላዋት ክብሪ 8 መጋቢት ኤርትራውያን ንኢዶም። ብተወሳኺ ምስ’ቶም ኩሎም ኣብ’ቲ ቦታ ዝተረኽቡ ዕዱማትን ኣባላት ዝተፈላለዩ ውድባትን ማሕበራትን ክራኸቡ ምኽኣሎም’ውን ኣብ’ዚ ህዝብናን ሃገርና ዝርከበሉ ጽንኩር ኩነታት ምዝርራብ ኣውንታዊ ምንባሩን ብጽቡቕ ሃዋሁ ምዝዛሙን፡ ኣብ ዝመጽእ እዋን ከኣ ብኽመዚ ዓይነት ምድላዋትን ምቅርራባትን ንዝለዓለ ጥርናፈ ኤርትራውያን ዘሕይል ምትእኽኻብ ክህሉ ከም ዝግባእ ሰናይ ድሌቶም ገሊጾም።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

  11 መጋቢት 2019

ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top