Main Menu

ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ረብሓ ጥቕሚ ዘይብሉ ጃንዳ ህግዲፍ ጥራሕ’ዩ !

         ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ረብሓ ጥቕሚ ዘይብሉ ጃንዳ ህግዲፍ ጥራሕ’ዩ !

ርእሰ ዓንቐጽ

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

20 መስከረም 2019

ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ረብሓን ጥቅምን ዘይብሉ ጃንዳ ህግዲፍ ካብ ኮነ፡ ህግዲፍ ብንጹር ጸረ ኩሉ ረብሓታትን ጥቅም ህዝብን ሃገርን’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ህዝብና ኣብ መስመር ፍትሕን ሓቕን ደው’ሉ ክምክቶን ክቃወሞን ርኡይን ግሉጽን ሓላፍነት ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍስ ኣብ ዓብይ ሃገራዊ ጉዳይ፡ ኣብ ዕለታዊ ናብርኡ፡ ህድሞ ምስራሕ፡ ግራት ምሕራስ ፡ ጸሃያይ መኸዳ፡ መርዓ ይኹን ሓዘን ሓቢሩ፡ ተደጋጊፉን ተሓባቢሩን ንዘካይዶ ስርሓት ኩሉ ዝሕጎሰሎን ዝንየተሉ ጸኒሕ ልምድን ባህሊ ኤርትራዊ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ። ህዝብና ኣብ ገዛእ ውልቃዊ ጉዳዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ውራይ ደቂ ዓዱ፡ መቅርቡ፡ መሓዙቱ ፈተውቱን ብገዛእ ድሌቱን ባህጉን ደስ ኢልዎ ዝሳተፎን ዝቅበሎ’ዩ። ካብ’ዚ ዝነቀለ ሰብ ውራይ ነቶም ዝሓገዙ ዘበሉ ኣሕዋት ኩሎም እንታይ ይብልዎም፡ ኣብ ጽቡቕ ይመለስ፡ ብሓጎስ ኣብ ውራይኩም የውዕለና ብማለት ዘፋንውዎም።

ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ንሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ንኸብቅዕ ሃገራዊ ምድግጋፍ፡ ምትሕግጋዝ ክሳብ ሓድነት ዝበጽሕ ድሌት ዝተሓወሶ ተገግሶን ምድላዋትን ውድባት፡ ብኩሉ መዳያት ረብሓን ጥቅምን ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ ክትከል ክህነጽ፡ ክሕይል፡ክዓቢ ይግባእ። ኣብ’ዚ ሃገራዊ ሓድነት ረብሓ ዘይብሉ እንኮ ጃንዳ ህግዲፍ ካብ ኮነ፡ ሃገራውያን ሓይልታት ንጭርሖን ፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ዘይኮነ ንነባሪ ረብሓ ጥቅምን መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንምእቲ ፍትሕን ሰላምን፡ ቅዋማዊ ምሕደራን ክውን ንምግባር ህሉው መድረኽ ፈጢርዎ ዘሎ ዕድላት ነቲ ጭልምልም ዝብል ዝነበረ ህላወ ደምበ ተቃውሞ፡ ዳግማይ ብህዝባዊ ንቕሎ ይኣክል፡ ሓድነት ውድባት ተደማሚሩ ኣብ ሃልሃልታ ዝቅየር ዘሎ ምልዕዓላት፡ብማዕዶ ዝልለ ባና ተስፋ ህዝብና ዘበረኸ ብዘየማትእ ቀጻልነቱ ምውሓስ ብሕጋዊ ኣገባብ ብውሳኔ ጉባኤታቶም ንሓድነት ዝምልከት ብግብሪ ክጥቀምሉን ክግልገልሉን ክሰርሕሉን እዋኑ’ዩ።

ዓብይ ተስፋ ዝተነበረሉ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ሓድነት ውድባትን ምውሓስ ቀጻልነቱን ከኣ ንሙሉእን ዘተኣማምንን ኤርትራዊ ሓይሊ ንምቅያሩ ወፈራ ሓያል ስራሕ ተወፋይነት ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ከም ዘድልዮ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ህዝባዊ ምልዕዓላት ኣብ ውሱን ግዜ ዝተኻየደ ከቢድን ሓላፍነታውን ትንፋስ ዘይህብ ስርሓትን ምድግጋፍን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝብና ኣብ ሓደ ሓቀኛ ምንጪ ውሕስነት ዘለዎ ህዝባዊ ባይቶ ብዝኣተዎ መብጽዓታት ንግብራዊ ስርሓት ክስጉም ተራእዩ።

ግዜ እንተዘይተጠቒምካሉ፡ ግዜ ባዕሉ ከይጥቀመልካ፡ ተጸባይ ግዜ ንዘይምዃን ምርጫ ረብሓን ጥቅምን ህዝቢ ዝረጋገጸሉ ምስ ክውንነት ንድሕነት ህዝብናን ሃገርና ምስ ግዜ ቅድድም ከድሊ ምዃኑ ዘይሰሓት’ዩ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ተቃውሞታት ከኣ ነዚ ዓይነት ኣገባብ ምርጫ ዝወሰደን ዝተዓወተን ይመስል።

ምርጫ ከም ምርጫ ዕንቅፋት ዝመልኦ፡ ልሙጽ መንገዲ ከም ዘይነበረን፡ ኣብ ውሽጡ ብዘጋጥም ዘይምርድዳእ ተወሲኽዎ፡ ንህዝቢ ኣብ ሰንፈላል ዘእቱን ዘሻቕልን ዝተሓወሶ መድረኽ ምንባሩ ኣብ ቃልሲ ዝነበረን ዘሎን’ዩ። ነቶም ዓይነት ባህርን ጠባያትን ሽግራት ብምልላይ፡ ብህድኣትን ዓቕልን ፈትሒካ ምስጋሩ ዝተረኣየሉ ዕዉት መድረኽ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዘካየዶ ዘሎ ቃልሲ ብኩርዓትን ሓበንን ዝዝክሮ ታሪኻዊ’ዩ።

ህዝብና ዝረብሓሉ ሓድነት ካብ ኮነ፡ በቲ ዓቕሙን ክእለቱን ተወሃሂዱ ክኸይድ እንተጀመረ፡ ምስ ዘይፈልጦ ሓይሊ ገዛእ ርእሱን ክላለ ከም ዝገበሮ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ዝተኻየደ ንጥፈታት ብዙሕ ኣብነታት ክጥቀስ ይከኣል። ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ንያትን ኵርዓትን፡ ርእሰ ተኣማንነትን ሓበንነ ገይሩ ፡ ካብ ውሻጠ ንቅርዓት፡ ካብ በብሓደ ብሓባር ኣብ መጋባእያ ህግዲፍ ብምስታፍ ከይተረፈ መልእኽቱ ዘሕለፈ፡ ኣብነታዊ ተርኽቦ ዳላስ ተክሳስ ክጥቀስ ይኽእል። ንመሰለይ ህዝበይ ሃገረይ ኢሉ እንዳመደረ ዘልዓሎ ጭርሖታት ከኣ ላዛ መቀረት ወሲኹ፡ መላኺ ስርዓት ክሳብ ዝወድቅ ክቃለስ፡ ነባራት ተጋደልቲ ስነ ኪነታውያን፡ ገጠምቲ፡ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣቦታትን ኣደታትን ተሰከምቲ ሕድሪ ምዃኖም ተራእዩ ብዘይፈልጥ ምትእኽኻብ ጉዕዞ ፈሊምዎስ ብዙሕ ሰጉምሉ ኣሎ።

መላኺ ጃንዳ ህግዲፍ ከኣ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ረብሓ ስለ ዘይብሉ ንህላወነት ብሕታዊ ስልጣኑ ክብል፡ ንህዝቢ ካብ ጉዕዞ ሓድነቱ ንምዅላፍ ዝገብሮ ኣሉታዊ መደባት፡ ፈላላዩ ሜላታቱ ህዝብና ተረዲእዎን ፈሊጥዎን ኣሎ።

ንውደቐቱ ንምሽፋን ዝገበሮ ሸበድበድን፡ ነቲ ብተበግሶ ደለይቲ ፍትሒ ዝተኻየደ ንጥፈታት ተበግሶታቱ ንምምሳል ብዙሕ ጽዒሩ’ዩ። ግን ኣብ ብኵራት ቅዋማዊ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ክቅየር ዝክእልን ክታለል ዝኽእል ህዝብን ዘበት የልቦን።

መላኺ ጃንዳ ህግዲፍ ውሽጣዊ ሃገራዊ ጉዳይ ከም ዘይናቱ ብምርኣይ፡ ኣብ መዓልታዊ ሂወት ዘጋጥሙ ሽግራት ፍታሕ ንዘይምቅራቡ ብሰንኪ ግዳማዊ ተጻብኦታት ምዃኑ ብምግላጽ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ኣቃልቦ ህዝብና ንምስሓብ ኣንፈቱ ዝቀየረ፡ ህዝብና ኣብ ዘይፈልጦ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ወግሐ ጸብሐ ዝግበር መኻን ፍረ ኣልቦ ውዕላትን ስምምዕን መለለይኡ እዩ። ሃገርና ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እትገብሮ ክልተኣዊ ስምምዓትን ውዕላን ኣገዳሲ እንተኾነ፡ መሰረታዊ ለውጢ ካብ ውሽጢ ደኣ’ምበር፡ ብውሽጢ ሸፋፊንካ፡ ብግዳም ወሪቕካ ዝከይድ መንስግታዊ ምሕደራ የልቦን። ብቅዋም ዘይምእዘዝ፡ ባይቶን ህዝባዊ ምሕደራ ዘይብልይ ስርዓት ከኣ ግቡእ ከማልእ ዝህሰብ ኣይኮነን።

ምእንቲ’ዚ ከኣ ደላይ ፍትሒ ኣብ’ቲ ዝፈለሞ መስርሕ ንዲሞክራሲያዊ ፍትሒ ልዕላውነት ሕግን ክዕወት ሓይሉ ክቅጽል፡ ንሓድነቱ ከረጋግጽን ከውሕስን ይግባእ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

   ዜናን ሓበሬታን ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

   20 መስከረም 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *