skip to Main Content
Menu
ኣኼባ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ

ኣኼባ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ

                              ኣኼባ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ

 

ሰዲህኤ ብዕለት 6 ጥቅምቲ 2018 መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣባላት ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ዝተረኽብዎ ኣኼባ ተኻይዱ፡ ኣብ መእተዊ ኣኼባ ኣቦ መንበር ሰልፊ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ንኣባላት ኣንቋዕ ደሓን መጻኹም ብምባል ህዝብናን ሃገርና ኣትይዎ ዘሎ ሓድሽ ዞባዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሰፊሕ መብርሂ ሓበሬታን ሂቡ። ኣቦ መንበር ሰልፊ ኣብ’ቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከቢቡና ዘሎ ሽግራት ዘይኮነስ ኣብ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣትይዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓደጋ እዋናዊ መፍትሒ ዝበሎ ጉዳያት ኣትኵሩ ዝሃቦ መግለጺ ንረከበሉ ግዜ ኣማራጺ ዘይርከበሉ መድረኽ ስኒትን ሓድነትን ሓባራዊ ስርሓት እንተዘይኮይኑ ካልእ ካብ’ዚ ኤርትራ ኣትያቶ ዘላ ፖለቲካዊ ዓዘቕቲ መውጽኢ ዘይረከበሉ’ዩ ክብል እንከሎ፡ ኣብ መንጎና ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ክህሉ ዝኽእል ፍልልያት ኣጽቢብና ህዝብና ካባና ዝጸበዮ ስርሓት ስኒትን ሓድነትን ንክንፍጽም ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ፈቲና ጸሊእና ብተሳትፎ ኩሉ ክንወስዶ ዘለና ግብራዊ ስጉምቲ ንቅድሚት ክንስጉም ይግባእ ክብል ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ ከባቢናን ዓለምናን ዘሎ ፖለቲካዊ ምጣነ ሃብታዊ ወጥሪታት ኣብ ግምት ብምእታው ንጉዳይ ኤርትራ ፍታሕ ክንረኽበሉ ይትረፍ ብፍንጡሕ ሃለዋትስ ሓቢርካ ብምስራሕ’ውን ልዑል ቅሩብነት፡ እምነት፡ ተሳትፎ፡ ግብራውነት ዘድልዮ ከቢድ ዕማም ምዃኑ ምትሕብባርን ብምድግጋፍን ሃገራዊ ሓይሊ ዝተሰነየ ክኸውን ዘለዎ’ዩ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ኣባላት ፈጻሚትን ኣባላት ባይቶን ዞባውያን መራሕቲ በብሸነኾም ንሓድነታዊ ቃልስን ሰኒትን ሓባራዊ ስርሓት ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ዕዙዝ ተደላይነት ከም ዘለዎ ደጊፎም ርእይቶን ተወሳኺ ሓሳብን ኣቅሪቦም።

ኣብ ኣኼባ ሰልፊ ዝቀረቡ ኣጀንዳን ኣኼባ ዝተዛተየሎምን እዞም ዝስዕቡ’ዮም።

  ህሉው ኩነታት ኤርትራን፡ ከባቢኣን

  ኩነታት ሰልፊ

  ዝካየድ ዘሎ ሰልፋዊ ስራሓት ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ሰልፍታት/ውድባት

  ተባጺሑ ዘሎ ስራሕ፡ ሓይሊ ዕማማት

  ካልእ ሓፋሻዊ ሓበሬታ

 

ኣብ ኣኼባ መላእ ኣባላት ዝወረደ ኣጀንዳታት ከም’ዚ ዝተጠቕሰ ቀሪቡ በብሓደ መግለጺ ምስ ቀረበሉ ከኣ። ኣባላት ሰልፊ ብድሕሪ መግለጺ ምስማዕ ፡ ኩሉ ክሕተት ዝግባእ ኣብ ህሉው ኩነታት፡ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ጉዳያት ርእይቶን ሕቶ ብምቅራብ፡ ብፍላይ ኣብ’ቲ ኣባላት ብተደጋጋሚ ዝተላዕለ ጉዳይ ውሽጣዊ ኩነታት ሰልፊ ንምሕያል፡ ኩሉ ኣባል ክግበሮ ዘለዎ ስርሓት ብንቅሓትን ተወፋይነትን ክፍጸም ከም ዘለዎ ርእዩ።ህዝብና ኣትይዎ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ንግምጣሙ ርእይቶ ንሓድነት ደምበ ተቃውሞ ደኺመ ዘይበሃለሉ ሰጊርካዮ ዘይሕለፍ ዓብይ ሃገራዊ ዋኒን ግቡእ ቆላሕታ ተዋሂብዎ ክሰርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ብስምምዕ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታ ሰዲህኤ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top