Main Menu

ኣኼባ ኣባላት ምምሕዳር ውድባዊ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ፡

                                ኣኼባ ኣባላት ምምሕዳር ውድባዊ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ፡

ምምሕዳር ውድባዊ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ ብዕለት 15 ታሕሳስ 2018 ኣኼባ ኣካይዶም። ብመጀመርታ ብሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ ሓላፊ ስርታዊ ቤት ጽሕፈት ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣቅሪቡሓው ብርሃን ኣብ መግለጺኡ ዘልዓሎ ጉዳይ ብቀንዱ መስርሕ ቃልሲ ሰዲህኤ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ሓድነትን ሓባራዊ ስርሓት ዝተሞርኮሰ ምዃኑ ኣብሪሁ እዚ ዓብይ ሃገራዊ ዕላማ ከኣ ደገፍ መላእ ኣባላት ሰልፊ ዝረኸበ ብምዃኑ ኩሉ ኣእጃሙ ኣልዒሉ ዝሰርሓሉን ዝቃለሰሉን ዘሎ’ዩ ክብል ተወሳኺ መብርሂ ሂብሉ

ጉዳይ ኣባላት ሰዲህኤ ብዝምልከት ብዘካይድዎ ጻዕሪ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ይኹን ጎረባብቲ ሃገርና ካብ ግዜ ንግዜ ተሳትፎ መንእሰያት ንምርግጋጽ ዝካየድ ቃልሲ ኣድማዒ ግደ ዘበርከቱ ትስፍዉን ኩነታት ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ጉዳይ ኣብ ብዝሒ ቁጽሪ ኣባላት ዘይኮነት ኣድማዒ ተሳትፎን ኣበርክቶን ዘለዎም ዓይነታዊ ቃልሲ ንክክያድ ስለ ዝኾነ ሰዲህኤ ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ፡ ዝተሰርሐ ስርሓት ብዕግበት ክግለጽ ይኽእል።

ዝካየድ ዘሎ ሰልፋዊ ስራሓት ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ሰልፍታት/ውድባት ኣበይ በጺሑ ንዝብል ኣርእስቲ፡ ሓው ብርሃነ ክገልጾ ከሎ ሰዲህኤ ካብቲ ህሉው መድረኽ ዝጠልቦ (ህዝቢ ይኹን ኣባላት ሰልፊ) ዘሎ ክንወጽእ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ውድበይ ሰልፈይ ኢልካ ንበይንኻ ትሰርሖ ወይ ተዕውቶ ከምዘየሎ ብምርዳእ ኣንፈት ቃልስና ኣብ ሓባራዊ፡ ምትሕግጋዝ ክንሰርሕ ድልዋት ምዃና ክንገልጾ ዝጸናሕና’ዩ።  በዚ ምስ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ተጀሚሩ ዘሎ ርኽክባት ንረብሓን ጠቕምን ህዝብን ሃገርን ክውዕል ዝያዳ ንጽዕረሉን ንቃለሰሉ ዘለና።

ሓው  ያሲን ኢብራሂም ኣባል ስርታዊ ቤት ጽሕፈትን ፈጻሚት ሽማግለን ብወገኑ ተወሳኺ መግለጺ ሂቡ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እንርከብ ኣባላት ምምሕዳር ውድባዊ ቤት ጽሕፈት  ኣኼባ ኣካይድና ኔርና። እቲ መደባት ወሲድናዮ ዝነበርና ዘዕወትናዮን፡ ኣብ መስርሕ ንዘሎ መግለጺ ሂቡ። ኣብ ቀጻሊ ነቲ ዘይተተግበረ መደባት ክቅጽል ተላቢዩ።

 ኣብ መወዳእታ ኣባላት ምምሕዳር ስርዒታዊ ቤት ጽሕፈት ተወሳኺ ሓሳባት ኣቅሪቦም። ንዝነበሮም ሕቶታትን መብርሂ ሓቲቶም መልሲ ተዋሂብሉ። ኩሉ ኣባል ምምሕዳር ከኣ ሰዲህኤ ሒዝዎ ዘሎ መስመር ሰልፊ ኣበርቲዑ ክቃለሰሉ ከም ዘለዎ ተሰማሚዑ ኣኼባ ዛዚሙ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታ ሰዲህኤ

18 ታሕሳስ 2018

 

 

 






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *