Main Menu

ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ቅድሚ ሓድሽ ውደባ ጉባኤ ሓይልታት

   ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ቅድሚ ሓድሽ ውደባ ጉባኤ ሓይልታት

ብዕለት 5 መጋቢት 2019 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ ሓው ሓምድ ድራር ብዛዕባ ህሉው ኩነታትን ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማት ብሰፊሑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰልፍና ህዝብና ኣትይዎ ንዘሎ ፖሊቲካዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ብትምትኳር ብፍላይ ከኣ ኣብ’ዚ ሓድሽ ውደበ ጉባኤ ሓይልታት ኤርትራ ዝካየድ ብዕሙቆት ብፍላይ ከኣ ቅሩብናት ሰዲህኤ ድልውነቱን ምቅርራቡን ዝሓቆፈ ኣርእስትታት ዝዓደመ ኣጀንዳ ኣቅሪቡ።

ብተወሳኺ ኣብ’ዚ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ዝተሳተፉ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ፍሉይ ሓበሬታ ንኣባላት ንምግላጽ ዕድል ዝሃበ ምንባሩን፡ ኩሉ ኣባል ኣብ ሓደ ርዱእ ደረጃ ምድላዋት ምሕላዉ ዘረጋግጽ እኹል ምቅርራባት ነይሩ።

ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ ሓው ሓምድ ድራር ኣብ መእተዊ ኣኼባኡ ብሓፈሻ ሰልፊ ዝርከቦ ሃለዋት ቃልሲ ኩሉ መዳያዊ ሸነኻት ኣብ ስርርዓት፡ ገንዛባዊ፡ዜናዊ ምቅርራባትን ብምትብባዕን ሞጎስን መግለጺ ንምቅራብ’ዩ ጀሚሩ።

ቀጺሉ ብኣባላት ኣብ ዝቀረበ ብቀዳምነት ጉዳይ ሰልፊ፡ ከምኡወ’ን ንሓድሽ ውደበ ጉባኤ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዝካየደ ጉባኤ ብሰፊሑ ዘትይሉ። ኣብ’ዚ ኣኼባ ዝተኻየደ ዘተ ከኣ ኣንጻር ምልካዊ ጉጅለ ስርዓት ህግዲፍ ዝካየድ ቃልሲ ህዝብና ንሓድነት፡ ብሓድሕድ ምትሕብባርን ሓባራዊ ቃልሲ ብስኒት ክስራሕ ከም ዘለዎ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ነዚ ንምዕዋት ኩሉ ኣባል ብዝከኣሎ ዓቕምን ክእለትን ክዕጠቕ ንዘለዎ ተወፋይነት ዘመስከረሉ ነበረ።

ሓደ ከይበልካ ክልተ ስለ ዘይበሃል ከኣ፡እዚ ጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ውደባ ሓይልታት ኤርትራ ብቀጻልነት ክስርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ከም ዘለዎ ከኣ ኣኼባ ተዛሪብሉ።

ኣብ መወዳእታ ብቀጻሊ ኣብ ሊቢያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ግፍዕታት፡ ሓደ ሸነኽ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ተራእዶ ማሕበራት ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክመሓደር ዝጸንሐ ህዝባዊ ማእከል ክንክን ጥዕና ሓላፍነት ብዘይብሉ ኣገባብ ምዕጻው ጥራሕ ዘይኮነ ብሕታዊ መኽሰብ ዘይብሎም ዜጋታት ኣገልገልቲ’ዚ ትካላት ብምግፋዕ ስርዓት ህግዲፍ ንዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብትሪ ኮኒኑ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታ ሰዲህኤ

5 ሓምለ 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *