skip to Main Content
Menu
ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለን ኣባላት ባይቶን ሰዲህኤ

ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለን ኣባላት ባይቶን ሰዲህኤ

ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለን ኣባላት ባይቶን ሰዲህኤ

ብዕለት 5 ግንቦት ፈጻሚት ሽማግለ፡ ብዕለት 6 ግንቦት ናይ ኣባላት ባይቶ ሰዲህኤ ኣኼባ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ’ዚ ክልቲኡ ኣኼባታት ኣቦ መንበር ሰልፊ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ብዛዕብ ህሉው ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፡ ከባቢናን ዓለም ኣዛሚዱ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ንዕላማን መደባት ሰልፊ ንምውዕዋት ካብ ክንጥቀመሎም ዘለና ኣዋራ መሳርሒ ኣፍልጦን ትዕግስትን ተጻዋርነት’ዩ ክብል ሰዲህኤ ብዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዝርከበሉ ዘሎ ኩነታት ብሰፊሑ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ብዕለት 5 ግንቦት 2018 ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ንነፍ ወከፍ ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚት ጸብጻብ ኣርባዕተ ወርሒ ንቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኣቅሪበን። እቲ ጸብጻባት ዝተሰርሐን ገገለ ክሳብ ሕጂ ዘይተዓመ ኣብ መጻኢ ክትግበር ዘለዎ መደባት ሰልፊ ደሚሩ ዝቀረበ’ዩ። ኣብ’ቲ ዝቀረበ ጸብጻብ ኣብ ቀረባ እዋን ክስራሕ ንዘለዎ ዝተፈላለየ ፕሮጅክት ተዛሪቡን ተመያይጡን ኣብ ስምምዕ በጺሑ። ብተወሳኺ ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈታት ድሕሪ ምስምዑ ሰልፊ ተኦቅጻጻሪ ክህሉ ስለ ዘለዎ ንዝቀረበ ሓሳብ ሕጹይ ኣሰንዩ ዘቅረበ ተደጊፉ ንባይቶ ቀሪቡ።

ብዕለት 6 ግንቦት ብተመሳሳሊ ኣኼባ ኣባላት ባይቶ ተኻየዱ፡ ናይ ዝሓለፈ ኣኼባ ባይቶ ደቃይቕ ድሕሪ ምጽዳቁ ብፈጻሚት ሽማግለ ዝቀረበ ጸብጻብ ንባይቶ ቀሪቡ፡ ብተወሳኺ ንመደባት ፕሮጀክት ኣጽዲቁ፡ ኣብ መወዳእታ ንዝቀረበ ሕጹይ ተቆጻጻሪ (ኦዲተር) ንምኳን ነባር ተጋዳላይ ኤፍሬም ተፈራ ብሙሉእ ድምጺ መሪጹ።

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top