Main Menu

ኣገዳሲ ሓበሬታ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ”ትንሳኤ ኤርትራ” ይኣክል ስቶክሆልም

ኣገዳሲ ሓበሬታ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ”ትንሳኤ ኤርትራ” ይኣክል ስቶክሆልም

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ኣኼባ ትንሳኤ ኤርትራ ደለይቲ ፍትሒ ስቶክሆልም፡ ንሃገር ሽወደን ዝውክል ባይቶ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ንምቋም ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕ ቃልሲ’ዩ። ብፍላይ ድሕሪ ህዝባዊ ናዕቢ ’ይኣክል” ህዝቢ ሽወደን ምስ’ቲ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከብ ውጹእ ህዝቡ ንምሕባር፡ መዓልቲ ነጻነት ንምኽባር ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ነቲ ባዕሉ ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ”ትንሳኤ ኤርትራ” ንምንቅስቓስ ይኣክል ብሕድሪ ተዋህቦን ዝተዛዘመ ዕዉት ጽምብል ኣካይዱን። ንክልቲኡ ዕማማት ማለት ማሕበረ ኮም ኣብ ሽወደን ንምቋምን፡ ይኣክል ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ህዝቢ ንምጥርናፍ ብቀጻሊ ክካይድ ዝጸንሐ ንጥፈታት ግዚያዊት ሽማግለ ቆይማ፡ ድሮ ስርሓታ ኣጻፊፋ ነቲ ዝመጽእ ንመላእ ሽወደን ዝውክል ሽማግለ ንምምራጽ ከኣ እንሆ ንዕለት 20 ጥቅምቲ ህዝባዊ ኣኼባ ትዕደም።

እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ከኣ የመሓላልፉ

ህዝባዊ ኣኼባ ንኤርትራዉያን ነባሮ ስቶክሆልም

ኣጀንዳና፡

  1. ሓጺር ጸብጻብ ስራሕ፡ ን ’ማሕበር ኤርትራዉያን ስቶክሆልም’ ኣብ ምምስራት ትነጥፍ ዘላ ኮሚቴ
  2. ምምራጽ ወከልቲ፡

ንዕለት 26-27 ጥቕምቲ ተወጢኑ ዘሎ ጉባኤ፡ ዝሳተፉ ወከልቲ ስቶክሆልም

ግዜን ቦታን ኣኼባና

ዕለት፡ 20/10/2019

ሰዓት፡ 15፡00-18፡00

ቦታ፡ Kista Träff, Norgesalen Kista Torg 7, Kista

ብደሓን ምጹ። ኮሚቴ ምምስራት ’ማሕበር ኤርትራዉያን ስቶክሆልም’






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *