skip to Main Content
Menu
ኤርትራውያን ንተኣኻኸበሉስ መዓስ ኮን ይኸውን !

ኤርትራውያን ንተኣኻኸበሉስ መዓስ ኮን ይኸውን !

ኤርትራውያን ንተኣኻኸበሉስ መዓስ ኮን ይኸውን !

መስመር መጓዓዓዚ ባሕርን፡ ኣድላይነት ወደብን፡ሕቶ ቀይሕ ባሕርን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘለወን ጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣ ንዓለምና ብፍላይ ንርእሰማላዊ ሓይልታትን፡ ሓያላት ሃገራትን መሳጢ መራኸቢ ማእከላይ ባሕሪ፡ መእተዊ ህንዳዊ ውቕያኖስን ባብኤል መንደብ ድሕሪ ምኽፋት ስዌጽ ካናል 1869-ኣብ ምጉዕዓዝ ዝጀመረሉ 1872 ቀይሕ ባሕሪ ማእከል ምትእስሳር ኮይኑ ዓይኒ ኩሉ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ መጓዓዓዝያ ዝስሓበ ቦታ ብምንባሩ ጠንቒ ዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ኵናት ኮይኑ ዝጸንሐ ክበሃል ይኽእል።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማለት ኤርትራ፡ ጂቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ኮይነን እታ ካብ’ዘን ኣርባዕተ ሃገራት ብስፍሓታን ብዝሒ ህዝባን ትፍለጥ ሃገር እሞ ከኣ መራኸቢ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ጥራሕ’ያ። ንህላወ ሰላም ምርግጋእን ምጣነ ሃብታዊ ዕብየትን ኣፍደገ ባሕሪ ወሳኒ ከም ዘይኮነ ዘመልክት፡ እተን ወደባት ዝውንና ሰላም ስኢነን ኣብ ኵናት ዝርከባ ሃገራት፡ ብኣንጻሩ ከኣ ወዳባት ዘይብለን ሃገራት ብሰላም ኣብ ጉዕዞ መስመር፡ ጎደና ዕብየት ክውንጨፋ ክትርኢ እቲ ሓቂ ኣበይ ከም ዘሎ ንምልላዩ ብዙሕ ዘሸግር ኣይኮነን። ህላወ ሓንቲ ሃገር ኣብ ወደብ ወይ ኣፍደገ ባሕሪ ጥራሕ ዝተወሰነ እንተኾይኑ ከመይ ገይረን እየን ኣብ ዓለምና 49 ሃገራት፡ ኣብ ኣፍሪቃ 16፡ ኣብ ኤውሮጳ 14፡ ኣብ ኤስያ 12፡ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ 2 ዘለዋ ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ኣብ ፈደራል መንግስቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ክነሰን ንህዝበን ብሕግን ስርዓትን ዘመሓድራ። ኣውስትራሊያ ብኣብነት ኣሜሪካ ክትግለጽ ትኽእል። ኣፍደገ ባሕሪ ኣገዳስን መቀላጠፊ ዕብየት’ኳ እንተኾነስ ህላውነትን ዕብየትን ሓንቲ ሃገር ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይኮነስ ምስ መሰረት ግዝኣተ ሕግን ቅዋምን፡ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ሰላምን፡ መሰል ሰብኣዊ ክብሪ ዜጋታት ብሕጊ ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ ምጣነ ሃብታውን ማሕበራውን ዕብየት፡ ሰብኣዊ ምዕባለ ስልጣነን ጋህዲ ዝኾነሉን ምዃኑ ዘረድእን ኣብ ቅዋም ዝተሰረተ ሃገራዊ መደብ ዕዮታት ዝተፈላልያ ሃገራት ዘመስክሮ’ዩ።

ኤርትራ ግዳይ ቀይሕ ባሕር ወድብ ባጽዕን ዓሰብን ኮይና ኣብ መግዛእትን ኵናትን ዝሓለፈቶ ዓመታት ውሑድ ኣይኮነን። ብፍላይ ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን፡ ጎበጣ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኣፍሪቃ ካብ ዝተኻየደ ዝነውሐ ደማዊ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃኑ ይዝረበሉ። ሎሚ ከኣ እንሆ ዝሓለፈ ፖለቲካ መልክዑ እንዳቀያየረ ተሓዲሱ ልክዕ ከም ቀደም ብውዲት፡ብዘይተሳትፎን ኣፍልጦን ህዝቢ፡ ይቀላቐል ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ዕድል ኣይገበረን፡ ምልካዊ ስርዓት ካብ ድሕሪ ነጻነት ንነጀው ቅዋም፡ ሕገ መንግስቲ፡ ባይቶ ንኸይተክል ዝተፈላልየ ምስምሳት ብምቅራብ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኵናት ብምብራዕ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገሩ ተሳታፊ ከይኸውን ገይርዎ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ብመሰጋገሪ መንግስቲ ጀሚሩ ንግዜያዊ መንስግቲ ንምምስራት ዝወሰዶ ግዜ፡ ኤርትራ ካብ ባዶ ትብገስ ዘላ ሃገር ስለ ዝኾነ ኩሉ ዜጋ ኣብ ህንጻት ሃገር፡ ምክልኻል ሃገር፡ ልምዓት ሃገር እጃሙ ከበርክት ኣለዎ እንዳበለ ብዘተእታትዎ መምርሕን ኣዋጃን ፡ ኣብ ቁምነገር ከይበጽሐ ብሎሚ ጽባሕ ፈጺሙ ከም ዝዳኸም ገይርዎ’ዩ። ህዝብና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣፍራይ ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ን20 ዓመታት ዝኣክል ዶብ ንምሕላው ኣብ ግንባራት ዝሕለፎ ግዜ ምስ ኩሉ ጸገማት ንምሕድራ ህግዲፍ ክጻወር ብዘይምኽኣሉ ካብ 2001 ዓም ብብዝሒ ንስደት ከምርሕ ተገዲዱ።  ኩሉ ተዋህሊሉ ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ብምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈጸመ ግፍዕን ጭቆናን ምሕደራኡን መወዳድርቲ ዘይብሉ ጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ንኩሉ ዜጋ ዝተንከፈ፡ ሽማግለታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ነባራት ተጋደልቲ፡ ምሁራት፡ መንእሰያት ኣብ ኩሉ ጽፍሕን ኣካላትን ሕብረተ ሰብና ተራእዩ። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ግፍዕታት ከኣ ናይ ባዕሉ ፍሉይ ኣርእስቲ ዘለዎ ዓብይን ሰፊሕን ጉዳይ’ዩ። እዚ ተግባራት ገና’ውን መዋእል ሰላም ተባሂሉ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝዕለለሉን ዝስዕሳዓሉን ዘሎ ግዜ ግፍዕታት ብማዕሪኡ ይቅጽል ምህላዉ’ዩ።

ኣብ’ዚ መዳይ እቲ እንተስ ብተስፋ ወይ ንውልቃዊ ረብሓታቱ ብምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ተዓሻሽዩ ተደናጊሩን ሰላም ክመጽእ’ዩ ኢሉ ክጽበ ዝነብር፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ንስርዓት ህግዲፍ ብምቅዋም ሕግን ስርዓትን፡ ቅዋም፡ ህዝባዊ መንግስቲ ኣብ ሃገርና ከይተተኽለ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ውሳኔ ሕጋዊ ውክልነት የብሉ ዝብል ሓይልታት እንተኾነ ተነጻጺሉ ክኸይድ ብምጽንሑን ገና’ውን በቲ መንገዲ ዝቅጽል ዘሎ ዝመስል ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል ኣይተኻእለን። ብሕጽር ዝበለ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ህዝብና ብሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ብግብሪ ሓድነቱ ከየረጋገጸ ንምልካዊ ስርዓት ንምእላይ ከቢድ ጥራሕ ዘይኮነስ ድሕሪ ምእላዩ’ውን ክመጽእ ዝኽእል ተርእዮ ንህዝብን ሃገርን ዘይርብሕ ለውጢ ኮይኑ መታን ከይርከብ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኩሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተራኺቡ፡ ተመያይጡ፡ ዘትዩን ኣብ ሓደ ስምምዕ በጺሑ መሪሕ ግደታቱ ከበርክት ግዜኡ ዝኣኸለ ይመስል። እዚ ከኣ ብቃልስን ጻዕርን፡ ሕድገታት ተገይሩ እንተዘይኮይኑስ ማንም ዝምጥወሉ ህያብ ዘይምዃኑ ተርዲኡ ክኸዶ ዘሎዎ ኣማራጺ ዘይብሉ ይሕጸር ይንዋሕ ጉዕዞ ቃልሲ ንማሕበራዊ ፍትሒ ኣሚኑ ክብገስ ጥራሕ’ ዩ ዘለዎ።

ደምበ ተቃውሞ ንጸረ ህዝባዊ ምሕደራ ህግዲፍ ካብ ስልጣን ንምእላይ ተሪፋቶ ዘላ ዘይተፈተነት መድሃኒት ፡ድሕሪ ሚያዝያ 2018 ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ኩነታትን ከም ሳዕቤን ዝቅልቀሉ ዘለዉ ካልኦት ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ንምብዳህ ብምትእኽኻብ ዓቕምታቱ ኣኻኺቡ ሓይሉ ኣደልዲሉ ጥራሕ’ዩ ክስዕሮ ዝኽእል። ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ንምትእኽካብና ዘገድሱ ዓብይቲ ታሪኻዊ ፍጻሜታት’ኳ ኣምሊጦም እንተዀኑ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ግህዱን ምስጢራዊ ኵናት ኣፍደገ ጥፍኣትን ንምድሓን ኣብ’ታ ንኩሉ ዜጋ ትጥርንፍ ሃገር ኤርትራ ዓንኬል ክዓስልን ዝከኣሎ ግደ ከብርክት ይሕተት ኣሎ። ሎሚ ኣጀንዳታትን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ሰልፍታት ወይ ውድባት ኣይኮነን ዘድልን ዘገድስን ዘሎ፡ ሎሚ ኣጀንዳ ህላውነት ህዝብናን ሃገርን’ምበር። ስለ’ዚ ከኣ ሓላፍነት ዝኾነት ሰልፍ፡ውድብ፡ ማሕበር ምትእኽካብ ንዕላማ ህዝባዊ ሃገራዊ ድሕነት ንምውዕዋት ብግብሪ ክስርሓሉ ይግባእ።

ምትእኽካብ ሓይልታት ኤርትራ ንደሞክራሲ፡ ንዝሓለፈ ብኣድማዒ ፖለቲካዊ ስርሓቱ ዘይተጠቀመሉ ዕድላት ዳግማይ ተፈጢሩ ዘሎ ግዙፍን ሰፊሕን ሉልይ ፖለቲካዊ ምቅይያራትን ለውጥን ሓድሽ ዲፖሎማስያዊ ዝድምናታት ኢትዮ-ኤርትራ ብምትዕጽጻፍ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕሩይን ክልተኣዊ ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከውዕሉ ዘኽእል ጥራሕ ዘይኮነ ንፖለቲካዊ ኣተሃላልዋኡ ዓብይ ዕድል መቀይሮ ነጥቢ ክግበሮ ንዘሎዎ ሰብኣዊ ዓቕምን ተኽእሎን፡ ተሞክሮን ኣብ ስራሕ ከዋፍሮ መድረኽ ይሓትት ኣሎ።

              ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝተጠቕሰ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓደጋታት ንምግጣም ኩሉ ዓቕምን ተኽእሎን፡ ተሞክሮታትን ሓይልታት ደሞክራሲ ኤርትራ ተወሃሂዱ ኣብ ስራሕ ክዋፈር ዘለዎ፡ዝግብኦ፡ዘገድዶ ዓብይ ታሪኻዊ ሃገራዊ ውዕለት’ዩ። ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘንጸላልዎ ዓበይቲ ሓደጋታት ብዝምልከት ካብ’ቲ ብዙሕ ገገለ ታሪኻዊ ተርኽቦታት ንምጥቃስ ዝኣክል እዚ ዝስዕብ’ዩ።

Ø  ተቋውሞ ተጋደልቲ ሕዳር 1993

Ø  ተሳትፎ ንድፊ ቅዋም 1995-1997

Ø  ዶባዊ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ግንቦት 1998

Ø  ጅምላ ማእሰርቲ ጉጅለ15 18 መከረም 2001

Ø  ጅምላ ህልቀት መንእሰያት ቤት ማእሰሪት ዓዲ ኣበይቶ 9 ሕዳር 2004

Ø  ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ጭውያ ስቕያት ሲናይ 2005 – ጥቅምቲ 2012

Ø  ስርሒት ጅግና ስውእ ወዲ ዓሊ ኣብ ፎርቶ 21 ጥሪ 2013

Ø  ጅምላ ህልቐት መንእሰያት ማእከላይ ባሕሪ ላምፐዱሳ 3 ሕዳር 2013

Ø  እገዳ ውድብ ሕቡራት መንግስታትኣብ ልዕሊ ህግዲፍ

ሀ/ ወታሃደራዊ ኣጽዋርን መገሻ መራሕትን 29 ታሕሳስ 2009

ለ/ 5 ታሕሳስ 2011

ሐ/ ካብ 2009 ክሳብ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት 2018 ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ዜጋታትን ሰብኣዊ ክብሪ፡እሱራት ብሓፈሻ፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ፖለቲካውያን እሱራት፡ ቤት ፍርዲ፡ ኣሕጉራዊ ዝምድናታት፡ ዞባዊ ንጥፈታት ዝተኸሰሰትሉን ዝተበየነ ኣህጉራዊ እገዳታትን።

ደሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስ’ቲ ዘካይዶ ቃልሲ ነዝን ከምኡ ዝመስሉን ኩነታት ዝሓለፈ ተርክቦታት ንረብሕኡ ክቅይሮም ዘይምኽኣሉ ብኵራት ሓባራዊ ቃልሲ፡ ዲፕሎማሲያውን ዝምድናታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ነይሩ ክበሃል ዘይከኣል ኣይኮነን።

ብ20 ሰነ 2018 መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ነቲ ን20 ዓመታት ዝኣክል፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬትና ከይወጸ ዝኾነ ሰላምዊ ዝርርብ ዝግበር የለን ክብል ከም ዘይጸንሐን፡ መስርሕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ብሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነስ ክትሓልሞ’ውን ዘይከኣል እንዳበለ ንህዝቢ ድከቱ ዘስተዮን፡ ንመንእሰያት ብዘይ መጻኢ ተስፋ ኣብ ቅድመ ግንባር ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ጨውይዎ ክነሱ ብሃንደበት፡ እወ ንሰላም ኢትዮጵያ ተቀቢልናዮ ሽማግለታትና ክንልእኽ’ና ምባሉ ዓብይ ብስራት ዘይኮነስ ዓብይ ክሕደት ጉጅለ ህግዲፍ ዝተቃላዓሉ ኣጋጣሚ ነበረ። ስልጣኑ ንምክልኻል ሓደ ሸነኽ፡ ህዝቢ ሰላም ረኺቡ ከይዛነ በቲ ካልእ ወገን ምስ’ቲ ሰላም ተቀቢልናዮ ዝበሎ ወሲኹ ህወሓት ግን ተሳዒሩ’ዩ ብምባል ኣብ ሓንቲ ህሞት ሰላምን ኵናትን ዝኣወጀ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ከፋፊሉ ሰላም ዝኣወጀ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ፡ ብ8 ሓምለ 2018 ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክበጽሕ ዘኽኣለ ዕድላት ፈጢሩ። ብተመሳሳሊ ብ12 ሓምለ ከኣ መራሒ ምልካዊ ጃንዳ ህግዲፍ ንኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ሕጽኖት ኵናት ብወገን ኤርትራ ተሳትፎ ህዝቢ ዘይብሉ ዘይሕጋውን መስርሕ ሰላም፡ ብመንጽር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓዶም ንዝካየድ ፍትሒ ሰላም ምርግጋእ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይምልከቶን ዘይግብኦን ዝኣመተ፡ ንኩሉ ዓመጽን ግፍዕን እንዳረኣዩ፡ ንኢትዮጵያዊ ረብሓ ዘገልግል መስርሕ ምስ ውልቀ መላኺ ክሳብ’ዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ክልተኣዊ ስምምዓት ክገብርን፡ ካብኡ ሓሊፉ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ንምውሓስ ሃገራውያን ኢትዮጵያውያን ንምጥርናፍ ኣብ ኤርትራ ንዝጸንሑ ተቃወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ”ኣብ ቤተ መንስግቲ ኤርትራ” ወግዓዊ መስርሕ ዕርቒ ብኽብሪ እንዳተፈጸመሎም፡ ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ንህላውነቶም ብዘስግእን ዘየተኣማምንን፡ ዝርከብሉ ኩነታት እዩ። ብካልእ ኢትዮጵያውያን ንህሉው ተርኽቦ ሓድሽ ፖለቲካዊ ዲፕሎማስያዊ ኩነታት ንምህጣሩን ንምርጓዱን ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ተቃወምቲ ብሄራት ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽሰርሑ ኣብ ዝካየድ ፈተነታት፡ ብወገን ትግራይ እንተኾነ ክተኣኽካቡን በብዝምልከቶም ብሓባርን ብንጽል ጉዳያቶም ክዛራረቡን ይረኣዩ ኣለዉ።

ኣብ’ዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኤርትራዊ ረብሓ ኣብ’ዚ መዳይ እንሆ ዝብል ሰብ ክህሉ ኣይክእልን። ህዝብና ኣብ መነባብሮኡ ለውጢ ክረክብ ይትረፍ ተስፋ’ውን ዘይርእየሉ ማዕዶ፡ ፖለቲካውያን እሱራት፡ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ኮታስ ብኩሉ መዕቐኒታት ንሰላም ኤርትራ ሃቀነታት የብሉን።

 ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ዕድላት ዝተነፈጎም ዕድላት፡ ነቲ ባዕሎም ዝውንንዎ ዓቕምን ክእለትን ተሞክሮን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ከውዕልዎ ንነፍሶም ባዕሎም ክነፍጉላ ካብ’ዚ ዓብይ እዋናዊ መደብ ክቦኽሩ ዘተሓሳስብ ኮይኑ ክቅጽልዎ ዘይግባእ ኣሉታዊ ተርእዮ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ምስ’ቲ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝውንጨፍ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጥን ስርሓትን ማዕረ ንምስጓም፡ ተጠርኒፍካ ምስ ኩሎም መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ መንግስታትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ምጕያይ መድረኽ ዝጠልቦ እዋናዊ ክሕሰበሉን ስርሓሉ ይግባእ።

ምእንቲ’ዚ ሰዲህኤ ነዚ ኣገዳስን መድረኽ ዝጠልቦ ሃገራዊ ዕማም ንኽትግበር ብዘለዎ ቅሩብነት ድልውነት ንድሕነት ንህዝብ ሃገርን ኤርትራ ከስርሖ ዝኽእል ምድላዋት ገይሩ ምስ ኩሉ ሃገራዊ ሓይልታት ሓቢሩ ክሰርሕ እጃም ተልእኾን ዕላምኡን ኣድላይነት ሓባራዊ ስርሓትን ሓድነት ኤርትራ ካብ ማንም ግዜ ሎሚ ሓይሉ ተሪሩ ከሰላስል ከም ዘለዎ ንህዝቢ ክገልጽ ጸኒሑ ሕጂ’ውን ይገልጽ። እሞ ንደሞክራስውያን ሓይልታት እዚ ኩነታት ክጠምረና ብሓባር ከስርሓን እንተዘይክኢሉስ ኤርትራውያን መዓስ’ና ኮን’ና ንተኣኻኸብ ?

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታ ሰዲህኤ

14 ነሓሰ 2018

 

  

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top