skip to Main Content
Menu
እንተስ ምሉእ ኤርትራዊ ሓድነት ይሃሉ’ምበር ዘጠራጥር የልቦን፡

እንተስ ምሉእ ኤርትራዊ ሓድነት ይሃሉ’ምበር ዘጠራጥር የልቦን፡

           እንተስ ምሉእ ኤርትራዊ ሓድነት ይሃሉ’ምበር ዘጠራጥር የልቦን፡

 

ርእሰ ዓንቐጽ

ሰዲህኤ

31 ጥሪ 2019

 

ገዛእቲ ሓይልታት ንህዝቢ ኤርትራ ኣምበርኪኽኻ ድላይካ ክግበርን ክፍጸምን ይኽእል’ዩ ዝብል ከንቱ ሓሳብ በብግዜኡ ዝተፈላልየ ፈተነታት ስነ ኣእምሮኣዊ፡ መንፈሳዊ፡ ዓሌታዊ፡ ሃይማኖታዊ ፖለቲካዊ ኵናት ኣካይዶም ክሰልጦም ኣይከኣለን። ማዕረ ማዕርኡ ብሕቡእን ግሁድን ግፍዕን ማእሰርትን ዝካየድ’ኳ እንተነበረስ ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን ብጅምላ ዜጋታት ክቅተሉ፡ዓድታት ክነዳሉ ዝጀመረ እዋን ህዝብና ተዳሂሉን ርዒዱን ኣይተረፈን። ብኣንጻር ኣብ ርእሱ ዝወርድ ዝነበረ ጭካነ ዝምለኦ ተግባራት ጸላኢ ኣሕይልዎን ኣትቢዕዎን፡ድሌቱ ባህጉን ትጽቢቱን ንምርግጋጽ ሓይሊ ወሲኹ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ካብ ቃሉ ሓንቲ ስጉምቲ ንድሕሪት ከይጠመተ ነጻነተይ ወይ ሞት ደኣ በለ።

ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ተሪር ሓድነቱ፡ ርእሰ ተኣማንነት ኣጥርዩ ንሚዛን ሓይሊ ጸላኢ ቀይሩ፡ ነቲ ቅደም ዝኣወጆ ሙሉእ ነጻነት ኤርትራ፡ መተካእታ’ውን ከም ዘይብሉ ደጊሙ ደጋጊሙ ዘረጋገጸ ውጽኢት ሓይሊ ጅግንነቱ፡መስዋእቱን ሓድነቱ’ዩ። እዚ መስመር ከኣ’ዩ ንሙሉእ ነጻነት ኤርትራ ዘውሓሰ። ብርግጽ ክቡር ዋጋ መስዋእቲ ሂወት ኣሽሓት ዜጋታት ዝተኸፍሎ ነጻነት’ዩ።

ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ን27 ዓመታት ክተሓማመስ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ተወሲኽዎ ከም ንፋስ ሸው ሸው ክብል ይስማዕ፡ ብዝኸዶ ዘሎ ናህሪ ጽሒፍካ ተዛሪብካ ክትምልሰሉ ዘክእል’ውን ኣይኮነን። በቲ ከም ንፋስ ሽው ሽው ዝብል ወረ ምስኡ እንዳተቀዳደምካ በብሓደ ክትመላለስ ዘምጽኦ ፍረ’ውን ዘሎ ኣይመስልን።

ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ሓድነቱ ዘገድሶ ክህሉ ኣይግባእን። ሓድነት መጥመሪ ጸረ ኩሉ ኣብ ልዕሊ  ህዝብና ዝካየድ ውሽጣውን ግዳማውን ውዲታት ዕንደራታት ህግዲፍን ሰዓብቱን’ዩ። ሓድነት ቦዅሩ እብ ቦትኡ ንምምላስ ጻኦሪ ኣብ ክንዲ ምክያድ፡ ካልእ ዘሰክፎ እንተደኣ ኮይኑ ሕጂ’ውን ምስ’ቶም ንህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም ዝጎዩ ዘለዉ ጎይኻ ዝርከብ ፍረ የልቦን። ”ካብ ጕይዪ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ” ሰዲህኤ ካብ ዘሰክፎን ዘተሓሳስቦን ቀንዲ እቲ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ተዳኺሙ ዘሎ ኤርትራዊ ሓድነት ከይዱ ከይዱ ህዝቢ ከይበታተን ሃገር ኣብ ኢድ ጓኖት ከይትተርፍ መስዋእቲ ጀጋኑና ከንቱ ንከይኸውን ክዝረበሉ መልሲ ክዋሃበሉ ክጓየየሉ ዝግባእ እዋናዊ ሃገራዊ ኣጀንዳ’ምበር ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስኮት መርበብ ሓበሬታ ዝወጽእ ዝተባህለን ዘይተባህለን ወረታት ምምላስ ውራዩ ከም ዘይኮነ ኣንዳዕዲዑ ይፈልጥ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መስመሩ ኣውጺኣኻ ንምውህታት ዝግበረ ዘሎ መደብ ፈተነታት ብቀዳምነት ህዝቢ ክነቅሓሉን ንዘበገሶም ዕላማታት ንምዕዋት ጉዳያቱ ኣለልዩ ግዜን ኣድህቦን ሂቡ እንተዘይሰሪሕሉ ካብ’ቲ ዕንክሊል ኣይክወጽእን’ዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 7 ኣዋርሕ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝተገብረን ዝተዘርበን ሓደ ሸነኽ፡ ብወገነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተባህለን ዝባሃል ዘሎ፡ ደምበ ተቃውሞ ብእኩብ ዝሃቦ ኣድማዒ መልሲ ኣሎ ዶ ? መልሱ የልቦን። ምእንቲ’ዚ ደምበ ተቃውሞ ከድምዕ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ሓደ ሓቢሩ ጉዳይ ሓድነቱ ክዛረበሉ፡ ጉዳይ ህዝቡን ሃገሩ ክዛረበሉ ዶ ኣይምተገብአን። ካብ’ዚ ወጻኢ ተበታቲንካ ጉዕዞ ምቅጻል ስጉምቲ ፍሕት ክብል ከም ዘይክእልን ንቅድሚት ከም ዘይከይድ ሎሚ ኩሉ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ባይታን ቦዅሩ ዘሎ መልሲ ሓድነቱ ምዃኑ ይፍለጥ።

ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሴ ፈደረሽን ኣፍሪሶም ኤርትራ ሓንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ምስ በሉ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ስዒርዎም፡ ደርግ ንዓሰብ ካብ ኤርትራ ፈልዩ ነፍሳ ዝኸኣለት ምምሕዳር ክገብራ ብሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ተሳዒሩ። ሎሚ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዱባይ ዶ ኣብ ኣሜሪካ ካርታ ልዑላዊት ኤርትራ ቀይሮሞ፡ ንሃገር ኤርትራ ሕብሪ ባንዴራ ኢትዮጵያ ቀቢኦማ ወዘተ.. ልዕሊ ሕቶ ግብራዊ ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራውያን ዝኸይድ ኣይኮነን። ይገብርዎ እንተሃለዎ ከኣ ሓድነትና ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ምህላዉ ዝህቦ ምልክት ምዃኑ ተፈሊጡ ንሓድነት ምፍዋስ፡ ሓድነት ምሕያል ግዜ ምሃብ’ምበር፡ ምስ ገበርቲ እከይ ምምልላስ ክቡር ግዜ ሓድነትካ፡ ክቡር ግዜ መደባትካ ብምኻን ድርብ ክሳራ ከይኸውን ምሕሳብ ኣገዳስነት ዘለዎ’ዩ።

ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ህዝብና ተደፊሩ ዶብና ብዘይውዕል ተጣሒሱ፡ ህዝብና ተበታቲኑ፡ እሱራትና ቀዳሞት ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ፡ ፍትሒ ከይረቡን ዳሕረዎት ዘርከብዎም፡ ሳልሳይ ወለዶታት ኤርትራ ኣብ ዘይውዳእ ውታሃደራዊ ሂወት ዝበለየ ዝሓለፈን ገና ካብኡ ዘይተገላገለን፡ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ቆላሕታ ዝነፈጎ ጉዳይና፡ በርቃዊ ሓድነትና፡ ትንሳኤ ሃገር ሓድነት፡ ሕድገትን ዕርቅን ዘለዎ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ሓበን ኤርትራውያን ከኣ ኣበይ ተሸርበ፡ ኣበይ ጠፍአ ? እወ እቲ ምስጢር’ምበር ሓድነት’ዩ። ደገፍን ኣህጉራዊ ሕብረት ሰብ ኣድላይን ኣገዳስ’ኳ እንተኾነስ ወላ’ውን ሎሚ እንኩም እንተበሉስ ንሓድነት ዘሳሲ ክንደይ’ዩ። መን’ዩ ነቲ ዕርቅን ስኒትን ሕድገትን ዘለዎ ሓድነት ተቀቢሉ ዝመርሖ ኣበይ ከ’ዩ ዘሎ ? ክብርና ክምለስ ሓድነትና ክምለስ ኣለዎ። ንደመር ኢሎም ጽቡቕ፡ ንደምር ኢሎም ኢልና ብዛዓብ ምድማር ዘረባታት ኣይነራብሕ፡ ብዛዓብ ሓድነትና ንዛረብ፡ ካርታ ቀይረሞ ብዛዕባ ሓድነትና ንዛረብ። ገብርቲ እከይ ዝነዝሕዎ መናውሒ መባዝሒቲ ማዕከናቶም ኣይንኹን። ብዛዕባ ሓድነትና ንዛረብ። ብሓይሊ ሓድነት ሚዛን ሓይሊ ህግዲፍ ብሓንቲ ረፍዲ ክቅየር ዝኽእል’ዩ። ሓድነት ኣህዛብ ኣብ ተሞክሮ ካብ ዘርኣዮ ክዕገት ዘይክእል ነባሪ ሓይሊ እዩ። ኣብ ሓድነትና ኩሉ ኣሎ። ኣብ ሓድነትና ፍትሒ፡ ሰላም፡ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ፡ ክብረት፡ ሓይሊ ተሰማዕነት፡ ተፈላጥነት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ድሕነት ህዝብና ሃገርን ኣሎ።   

ካብኡ ብዝተረፈ እንተስ ሙሉእ ኤርትራዊ ሓድነት ይሃሉ’ምበር ካልእ ዝመጸ እንተመጸ ዘጠራጥር የብሉን። ብዓንተቡኡ’ውን ህዝብና ንተግባራት ጸላኢ እንዳተዓዘበ መደባቱ ቀዳምነት ብምሃብ ሓድንቱ ብምድልዳል ንውዲታት ጸላኢ ሰባቢሩ ዝተዓወተ። ሎሚ ከኣ ከም ቀደም ብዛዓብ ሓድነት ህዝብና እንተዛሪብናን እንተጺሒፍናን፡ ተዛሪብናን ጽሒፍናን ከኣ ከንድምዕ ብግብሪ ክንሰርሓሉ ብዝያዳ ከርብሓናን ክጠቅመናን ዝኽእል።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝክርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ   

  

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top