skip to Main Content
Menu
እከይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ኢትዮጵያ፡

እከይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ኢትዮጵያ፡

እከይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ኢትዮጵያ፡

ርእሰ ዓንቐጽ

ሰዲህኤ

 

”ሳዕርን ልብን እንዳሕደረ ይበቝል” ከም ዝበሃል እንሆ ድሕሪ 8 ሓምለ 2018 ዝነበረ ጓይላን ዳንኬራን ጸዋዒት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣብቒዑን ተረሲዑን፡ ልቢ ዘዕበየ ኩሉ ንእከይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት የጋልጽ ኣሎ። እወ፡ ”ሳዕስ’ሞ ስራሕካ ኣይትረስዕ” ’ዩ ነገሩ።

ኣንጻር ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ንህግዲፍ ደጊፎም ብዘይዝኾነ ርእይቶን ሕቶን ብመደረ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ጥራሕ ተመሲጦም ጫማ ዝተሳለሙ ይኹኑ፡ እቶም ድሕሪ ደጊም ኩሉ ንብረትና ንሃገርና ኢትዮጵያ ዝበሉን፡ ህርፋንን ሕልምን ምድማር ኤርትራ ዝነበሮም ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ፡ ብዝወሓደ ንመዓልቲ $ 1 dollar ከዋጽኡ ዝቀረበሎም ጸዋዒት ቀ/ሚ ተቀማጦ ሰሜን ኣሜሪካ ኢትዮጵያውያን፡ ጉዳይ ሓቂ ከም ዘይብሉ እንዳተወጠጠ ይኸይድ ምህላዉ ዝተዓዘቡ፡ ሎሚ ብዝተኣተዉዎ መብጽዓ ኣጣዒሶምዎም ክሳብ ሕጂ ኽኸፈልዎ ንዝጸንሑ ገንዘብና ምለስሉና ዝብል ጥርዓን የቅርቡ ምህላዎ፡ በቲ ንስደተኛታት ወኪሉ ንኢትዮጵያ ዝኣተወ ተቀማጢ ሰ. ኣሜሪካ ዝኾነ ኣቶ ታማኝ በየነ ከይተረፈ ብዘይሕብእብእ ዝመስከሮ ተገሊጹ ተዘሪብሉን ኣሎ። እሞ ድሕሪ……እንታይ ተረፋ፡ ኤርትራውያን ከ እንታይ ይሓስቡ?

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ እንተኾነ ከም’ቲ ብስቕታ ዝጀመሮ ጸዋዒት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብስቕታ ከም ዝውድኦ ዘጠራጥር የብሉን። ምኽንያቱ ከኣ ንጃንዳ ህግዲፍ ዘበገሶ ምስጢራዊ ውዕላት ህዝባዊ ደገፍ ይኹን ሕጋውነት ስለ ዘይብሉ ብምዃኑ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ህዝባዊ ደገፍ ወይ ሕጋውነት የብሉን ተባሂሉ ንበይኑ ዝቀርብ ምኽንያት ኣይኮነን። ኩሎም ምኽንያታት እንተተጸብጺቦም መወዳእታ ዘይብሉ ቁጽሪታት ክጽብጸብ ይከኣል’ዩ።  ተዓዘቡ ዘክሩ’ሞ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ’ቲ ቀንዲ ቅነ በዓላት ሓድሽ ዓመትን፡ ዝኽሪ በዓል ነጻነት ኤርትራ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ይኹን፡ ብቀጥታ ንህዝቢ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረምን ሜዳ ንግስተ ሳባ ኣስመራ ዘመሓላለፎ ኣጕል መብጽዓታት እኹል ጭብጥን ኣብነታትን ምስክርነት’ዩ።

ኣብ’ዚ 27 ዓመታት በቲ ውርዙይ ቋንቋን ቃላትን ዝተነግረ መብጽዓታት፡ ካብ’ቲ ኩሉ ዝተባህለ ሓንቲ ንፈውሲ ማሕላ ትኸውን ኣብ ትግባረ ዝወዓለት ዘይምህላዉ’ዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ህሉው ስቓይ ዝመልኦ መዓልታዊ መነባብሮ ህዝብና ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ።

ህግዲፍ ክንደይ ግዜ’ዩ

Ø  ሎሚ ዓመት ማእቶትና በርኪቱ ዝሕፈስ ኣዝመራ መሊኡ

Ø  ዲጋታት ሓጽብታት ተሰሪሑ

Ø  ጽርግያታት ተጸጊኖም ተሃኒጾም

Ø  ዘመናዊ መሳርሒ ተኣታትዩ

Ø  መንእሰያት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ተሳቲፎም

Ø  ብዝተፈላልየ ሞያ ሰልጢኖም ወዘተ ዘይበለን ዘይጋዓረን፡

እዚ ኩሉ መደረ ንግደፎ’ሞ፡ ብድሕሪ’ዚ ኩሉ ብሓሶት ዝተላዕጠጠ መብጽዓታት ካብ ጫፍ ንጫፍ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ዝኣገረ ኩሉ ዜጋ መሰሉ ተሓልዩ ክዛረብ ንምባል ይትረፍ’ሞ፡ ኣንታ ነታ ጎሮርኡ ተጥልለ ንጣብ ማይ ስኢኑ ብጽምኢ፡ ኣብ ጸልማት ዝሃለፎ ግዜ ስቓይ ማዕረ ማዕረ’ቲ ፈኸራን ጃህራን መብጽዓታትን መላኺ ዕድመ ዘለዉ’ዩ። ምስኡ ከኣ ሰባት ምርዓድ ምእሳር ምጭዋይ ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 5 ሽሕ መንእሰያት ማሙቕ ገዝኦምን ስድራ ቤቶምን ዝፈትውዋ ሃገሮምን ገዲፎም ክሰደዱ ዝገበረ ስርዓት ምኽዋኑ’ዩ።

ኣስተውዕል ምልክት’ዚ ኩሉ ስቓይ፡ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ሰላም ኢትዮጵያ ኤርትራ ኣብ ብሃንደበት ኣብ ዝተኣወጀሉ ንይምሰል ዶባት ኣብ ዝተኸፈተሉ ቅንያት ናይ ሓሶትን ጃህራን ምህርትን ኣዝመራን ህግዲፍ ተሪፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ ዛላምበሳ ዝኣተወ ሓርጭን ባንን ክዕንገል ኣብ ቅርዓት ኣስመራ ዝወዓለ ዕዳጋታት ህግዲፍ ሓንቲ ዘይብሉ ባዶ ምንባሩ ኣጋሊጽዎ ። እሞ ደኣ እቲ ን27 ዓመት ዝተፈከረሉ ፍርያት ሃገር ኤርትራ ኣበይ ተሰወረ? እታ ዓመት ዓመት ክራማት ማይ ክዘንብ ዑደት ዝግበረላ ዝነበረት ሕርሻ ገርሰት ከ? ”ምቕናይ ይብል ደራፋይ” ቅንይ ኢሉ ከኣ 40 ዝኾኑ ሓደስቲ ምሩቓት ሓኻይም ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓገዝ ክሕክሙ ንኤርትራ ምእታዎም ኩሉ ዝሰምዕን ዝረኣዮን’ዩ። ሕጂ’ኸ እቶም ኩሎም ብህግዲፍ ስልጠና ሕክምና ዝተዋህቦም ደኣ ኣበይ ደኣ ተሰዊሮም ከይዶም ። ኣበይ ደኣ ኣለዉ እቶም ኩሎም ኤርትራውያን ሓኻይም? ኩሉ ባዶ ኮይኑ ተሪፉ። እቲ ሓቂ ግን ንሱ’ዩ። 

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘይፍሉጥን ዘይሕጋውን ቤት ማእሰርቲታት ህዝቢ ዳጕኑ ምሕረት ዘይፍለጥ ስርዓት ንሞት ተፈሪዶም ዝማስኑ ዘለዉ ቁጽሪ ዜጋታት እንዳበዝሐ’ምበር እንዳጎደለ ኣይከደን። እሞ ዘኽታማት ቆልዑ ዝዓብዩላ፡ ሰብኡተን ዝተኣሰሩ ዝተጨውዩ ዝተሰወሩ ዝጠፍእወን፡ ብዙሓት ሕማታት ማለት ሰብ ቃል ኪዳን ኣደታት ኣብ ዘይፍትሓዊት ሃገር ኤርትራ ብስእነት ፍትሒ ግዜ ቀዲምወን ዘይምሱል መስለን ብጎርዘንአን ብሕሰም ሸምጊለን ገጸን ተደዊኑ ምስ’ቶም ኣቦ ዘይብሎም ዘዕብይኦም የለን ዘይፈልጡ ህጻናት፡ ርእየን ዘይጸገብኦም ደቀን ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተጨውዩ፡  ስዒቡ ስደት ዘምጽኦ ምፍልላያት ገጸን ብንብዓት ተሓጺቡ ዝሓልፍኦ ሂወት ምግላጽ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኣብ ከምይ ሕሰም ዝመልኦ ኩነታት ምህላው ምርኣይ ዘጸግም ኣይኮነን።

ካልእ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ን27 ዓመት ክሃንጽ ጸኒሐ እንዳበለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውዳእ ንሰዓታት ዝወስድ ማራቶን መግለጺ ይዛረብ ከም ዘይነበረ ጸዋዒት ሰላም ምስ መጸ፡ ንዝተዛረቦ ክሒዱ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መራኸቢ መስመራት ማለት ትራንስፖርት ብቅዓት ዘይብሉ እኹል ስለ ዘይኮነ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ምቅርራብ ከም ዝርከብ ገሊጹ። ወዳጀ ህግዲፍ ቅድምስ ኤርትራ ጎረባብቲ ከም ዘይብላ ኣብ ጠፈር ከም ዝተንጠልጠል ሃገር ቆጺርካ ምስ ጎረባቲ ኣብ ግዜ ሰላም ከራኽብ ዘይክእል ህንጸት ምንባሩን ወይ ከኣ ሓሶት ከም ዝነበረ ባዕሉ መስኪሩ።

ደጊም እቶም ንሕልምታቶም ንምግሃድ ብፍላይ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝረኸብዎ ተስፋታት ግሁድ ንምግባር ብዝተፈላልየ ምኽንያት ንኤርትራ ዝበጽሑ ኢትዮጵያውያን ዝሃብዎ ትዕዝብቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሰሚዕዎን ብቪድዮ ርእይዎን’ዩ። ብዘይካ እቶም ንቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዓጂቦም ዝመጹ ወደስቲ ጋዜጠኛታት ብቀጻሊ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጡ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን ይኹን ወይ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓበዩ ኤርትራውያን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክፈልጥዎ ንዝግባእ ርትዓዊ እዋናዊ ዜናታት ከመሓላልፉ ይርከቡ ኣለዉ። ሓደ ካብ’ቲ ጽቡቕ ነገር ከኣ ብኢትዮጵያውያን ጋዜጣታት ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እከይ ተግባራት ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ሓቂ ምግላጽን ኢትዮጵያውያን ብዛዕባ ህላውነቶም ሰላሞምን ዳግማይ ርእይቶ ዝገብሩ ዘለዉ ይመስል።

ኣበሃህላታትን መግለጽን ትንተናታት ኢትዮጵያውያን፡ እቲ ጸዋዒት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ቅንዕና ዘለዎ ዘይኮነስ ምስ ስልጣን ዝተኣሳሰረ ምስጢራዊ ስምምዕ ክልተ መራሕቲ’ዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ዝበጽሐን፡ ብፍላይ ብህግዲፍ ዝካየድ ኩሉ ስርሓት ምስ ዕብየትን ኣተሃላልዋን፡ ብዝወሓደ ኣብ ኤርትራ መሰል ምዝራብ ዘይብሉ ሃገር፡ ምስ ህዝቡ ዘየተሰማምዐ ስርዓት፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንኢትዮጵያ ሓደጋ እምበር መሓዛ ክትኸውን ኣይትኽእልን ዝብል መግለጽታት ይርከቦ።

እዚ ኢትዮጵያውን ዝብል ሓቂ ኣይስኣኖን፡ ወዮ ደኣ ”ዘበነ ግርምጥስ ማይ ንዓቐብ” ኮይኑ ነገሩ’ምበር ገዛእቲ ዝነበሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከምኡ ኢሎም ክዛረቡ ኣዝዩ ዘሕዝን ምሕደራ መላኺ ስርዓት ምኳኑ መን ክዝንግዖ ይኽእል።

ኢትዮጵያውያን ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተበጽሐ ክልተኣዊ ውዕላት ብኣባላት ባይቶ ይኹን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ኣባላት ዝፈልጥዎን ዝሰምዕዎን ጉዳይ ከም ዝየልቦ ብዕሊ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ወጺኦም ምግላጾም፡ ነቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ውዕል ክልተ ውልቀ ሰባት’ዩ ዝብል መግለጺ ክሰማማዕ ይርከብ። በዚ መሰረት ከኣ

Ø ስምምዕ ኣስመራ 8 ሓምለ 2018

Ø  ስምምዕ ኣዲስ ኣበባ 14 ሓምለ 2018

Ø  ስምምዕ ዱባይ 8 ነሓሰ 2018

Ø  ስምምዕ ጂዳ ስዑድ ዓረብ 16 መስከረም 2018

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተፈጸመ ውዕላት ብዘይካ ኣብ መንጎ ሃገራት ሰላም ተገይሩ፡ ሓባራዊ ናይ ልምዓት ምጣነ ሃብታዊ ወፍሪ ንምክያድ ድሌታት ከም ዘሎ ዝተገልጸ ሓፈሻዊ መገለጺ፡ ብሕጋውያን ወከልቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ኤርትራ ካልእ ዝፈልጦ ከም ዘይብሉ ኢትዮጵያውያን ገሊጾም፡ ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ወካሊ ስለ ህዝቢ ባይቶ ስለ ዘይብልና ደሪብና ንምስክረሉ ጉዳይ’ዩ።

ዝተባህለ እንተተባህለ ነቲ ጉዳይ ካብ’ቲ ዘለዎ ምሕደራ ምልኪ ስርዓት ህግዲፍ ክቅይሮ ዝኽእል ከም ዘይኮነ ንህርፋን ስልጣን ዝግብረ ዘሎ ቅድድም ምዃኑ ህዝብና ኣጸቢቁ ይፈልጥ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ንእከይ ተግባራት ምሕደራ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ተረዲኡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኩሉ ብሕልንኡ ተላዓዒሉ፡ ዓብዩ ንእሽቶ፡ መንእሰያት ደ/ኣንስትዮን ደ/ተባዕትዮን፡ ካህን፡ቐሺ፡ ሼኽ እቲ ዝገርም ዘደንቕን ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያን ዜጋታት ከይተረፉ ንስቓይ ህዝቦም ተረዲኦም ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ብጋህዲ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ጠጠው ኢሎም ብስእሎም ስሞም እንዳገለጹ ክምክቱ ምርኣ’ዩ ድሕነት ህዝብና ሃገርን ሓደ ሸነኽ፡ ውድቀት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ በቲ ካልእ መዳይ እንዳቀረበ ይመጽእ ምህላው’ዩ።

እዚ ከኣ ይኸውን ኢትዮጵያውያን፡ ህዝቢ ኤርትራ ጸይርዎ ንዘሎ ጸገምን ኣደራዕን ስቕ ኢልካ ክሕለፍ ዘይብሉ ጽባሕ ነዚ ድኻን ምስኪንን ዝኾነ ዜጋ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ’ቲ ኵናትን ጽልእን ከይኣቱ ዝፈርሑ ዘለዎም ስግእታትን ለባማት ኣተሓሳስባ ኢትዮጵያውን ንህዝቦም ክበጽሕ ዘለዎ መልእክቲ ዘቓልሑ ዘለዎ። ሰላም ዝደለየ ብሰላም ሰላሙ ከም ዝረክብ ከኣ ሕቶ ግዜ’ዩ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

16 መጋቢት 2019

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top