skip to Main Content
Menu
እዘን ኤርትራውያን ሰልፍታትን ውድባትን   በዚሐን  እምበር ኣይወሓዳን

እዘን ኤርትራውያን ሰልፍታትን ውድባትን በዚሐን እምበር ኣይወሓዳን

  እዘን ኤርትራውያን ሰልፍታትን ውድባትን   በዚሐን  እምበር ኣይወሓዳን

               ብሽፋ መ/ኑር

            ፖሊቲካዊ ሰልፊ  ወይ  ውድብ  ደቂ-ሰባት ንድሌታቶም ዘረጋግጽ መደብ  ዕዮን ንምዕዋት ብሓባር ናይ ዝቃለሱ ሰባት ፖሊቲካዊ ምትእኽኻብ  ኢዩ። ንሰልፊ ወይ ውድብ ዘቁሙ ሰባት ብዝተፈላለዩ ብዝሒ ወይ  ዓቀን  ክግለጹ ዝኽእሉ ሓሳባት እምነታት ክህልዎም ከም  ዝኽእክል  ምጉት  ዘይሓትት  ብሩህ ጉዳይ ኢዩ።  ካብዚ ሓቂ እዚ ብምንቃል መበገሲ ሰልፊ ወይ ውድብ ሓሳባትን እምነታትን ስለዝኾነ መዐቀኒ ብዝሒ ሰልፍታትን    ውድባትን እውን ማዕረቶም ሓሳባትን እምነታትን ወይ ክንዮዚ ማእለያ ዘይብሉ ክኸውን  ከም  ዝኽእል  ምግላጽ  ክውንነታዊ  ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ከኣ ማእለያ ዘይብሎም ሓሳባትን እምነታትን ክህልዉ ከምዝኽእሉ ብምትንባይ ካብ ኣካላዊ ድሩት ቁጽሪ ናይቶም ንሰልፍታትን ውድባትን ዘቆሙ ሰባት ንላዕሊ ዝበዛሓ ጥራይ ዘይኮና ወሰን ዘይብለን ውድባት ክፍጠራ ከም ዝኽእላ ምግላጽ ኢዩ።

        ኣብ ግብጺ ድሕሪ ዓርቢ ሓርነት 52 ሰልፍታት ኣብ ጀርመን ድሕሪ ምፍራስ መንደቅ ጀርመን 82 ሰልፍታት ኣብ ኢትዮጽያ 62 ሰልፍታት ተፈጢረን እቲ ዘገድስ ኣብ ምርጫ ክንደይ ተዓዊተን ኢዩ 2 ወይ 3  ብማለት ሸፈፍ ኢልካ  ክትሓልፍ ምፍታን ንናይ  መን ዕላማ ዘገልግል ተልእኾ ንምምሕልላፍ  ኢዩ?  ኣብ ብዝሕን ዋሕድን ናይ ሰልፍታትን ውድባትን ኣየናዪም ከም ዝበልጽ ንፍላጥ ብርክት ዝበልሉ ሕቶታትዮም ዝለዓሉ። ገለ ካብኦም፥- 

      ነተን ሰልፍታት ክፍጠራ  ዝገበረ  ኩነታት  እንታይ  ኢዩ ?ድሕሪ  ምፍጣረን  ኣብ ጉዳይ  ህዝበን ዝነበረን  ግደ ‘ ኽ ብኣወንታዶ  ወይስ  ብኣሉታ  ይግከጽ  ነሩ?ኣብ  ሓደ  ሃገር  ክንደይ  መረጻ  ክካየድ  የድሊ? ክንደይ  ሰልፍታት  ከ  ይሓልፋ?…….ወዘተ ዝብሉ  ሕቶታት ምልዓል ውሁብ ኢዩ።  ነዞም ሕቶታት እዚኦም ብግቡእ ኣነጺርካ ከይመለስካ ብድብዱቡ ስለዝተፈጥራ ጥራይ ብብዝሒ ናይ ምፍጣረን ተርእዮ ዘየሰክፍ ዩ ምባል ብዛዕባ  እተን  ብዙሓት  ሰልፍታት  ዝተራእያለን ሃገራትን  ኣህዛብን  ታሪኽ ፍርቂ ገጽ  መጽሓፍ ቑንጭል  ኣቢልካ  ክትማጎት ምፍታን  ጥራይ  ስለዝኸውን ትግረም። ምስዚ ስዕቡ “ኣብ ናይ ኤርትራውያን ሰልፍታት  ግን ውሒደን  ዘበለኒ  ንጹር  ዝኾነ  መትከላዊ  ፍልልይ ዳርጋ  የብለንን” ዝብል   ኤርትራውያን ሰልፍታት ዳርጋ  ከም ዘየለዋየን ዝስምዕ ሓሳብ   ምስቲ  ቅድም ውሒደን  ዝብል  ከም  ኣርእስቲ ተገቲሩ  ዝርከብ ሓሳብ  እንተዛሚዱ ክረአ  ድማ ተገራጫዊ ስለዝኸውን ብጣዕሚ ዘደንጹ  ኢዩ። 

       ኣብ ናይ ሓንቲ  ሃገር  ህዝቢ  ሰልፍታት: ውድባት  ብብዝሒ  ዝረኣያሉ  ክውንነት መግለጺ ዘሰክፍ ሃለዋት ናይቲ  ህዝብን  ሃገርን ኢዩ። ኣብ ጀርመን  መንደቅ  ብርሊን  ምስፈረሰ 82 ሰልፍታት  ክፍጠራ  ዝገበረ ምኽንያት ውን  ጀርመን ምብራቅን  ምዕራብን ብዝብል   መለለዪ   ከም ክልተ  ሃገራት እናተፈለጣ ጸኒሐን መንደቅ  ምስ  ፈረሰ  ግን እታ  ብምብራቅ  ጀርመን  ክትስመን   ሓደ  ሰልፊ ጥራይ ክህሉ  ኣለዎ  ብዝብል ኣይዶለጂ  እናተገዝአትን  ዝመጸት ሃገር  ህዝባ ካብ  ናይ ሓደ  ሰልፊ  ተመኩሮ ናብ  ናይ ብዙሓት  ሰልፍታት ሓዲሽ  ተመኩሮ ኣብ ዝሰጋገረሉ  መድረኽ ንተመሳሳሊ ብዙሕ ሓሳባቱን እምነታቱን  ኣብ  ክሊ  ምጡን ፖሊቲካዊ ፕሮግራማተን ዘዕቘባ  ምጡን ቁጽሪ  ዘለወን  ሰልፍታትን  ውድባትን ከይህልዋ ዝገበረ እቲ  ሽዑ  ዝነበረ   ዘሰክፍ ሃለዋቱ ክኸውን  ከምዝኽእል ብሩህ  ኢዩ።

        ኣብ  ግብጺ ድሕሪ  ዓርቢ  ሓርነት 52 ሰልፍታት ኣብ  ኢትዮጽያይ  62  ሰልፍታት ክህልዋ ዝፈጠረ ኩነት  እውን  እተን  ሃገራት ብምልካውያን  ስርዓታት ክግዛኣ  ዝጸናሓ  ብምዃነንን  ኣገዳስነት ናይ ጠገለ ዘይብለን ብዙሓት ሰልፍታት ዶ  ወይስ ተደላይነት  ናይ  ምጡን  ብዝሒ  ዘለወን ሰልፍታት  ይበልጽ ዝብል  ኣከራኻሪ ምርጫታት  እኹል  ናይ መጽናዕቲ ግዜን ዕድል  ኣብ  ዘይረኸበሉ  ኩነታትን ናይ  ዲሞክራስን  ብዝሓ-ሰልፋዊ  ስርዓትን ተረዶኦ ከም  ፖሊቲካዊ  ባህልን  ስልጣነን ኣብ   ኣእምሮ ህዝበን  ስለዘይዓዀዀን  ብሚዛን ፖሊቲካዊ  ንቕሓት ንዝመሳሰሉኻ  ሰኣን  ምልላይ  ከም  ብኩራት  ምጣነ-ብዝሒ  ሰልፍታት ዘየሰክፍ  ኣይኮነንን።  እዚ  ኣብ  ላዕሊ  ዝተገልጸ  ሓሳብ  ቅኑዕ ምዃኑ  ዘብርህ ነዚ  ዝስዕብ ኣብነት ብምውሳድ  ክረአ ይከኣል  ኢዩ፡

 

      ኣብ  ኣመሪካ ዝበዝሕ ግዜ   ንስልጣን ዝወዳደራን  ህሉዋት  ኮይነን  ዝረኣያን ሪፓፕሊካንን—ደሞክራቲክን ተባሂለን  ዝፍለጣ ክልተ ሰልፍታት  ጥራይ  ኢየን።  ካልኦት  ሰልፍታት የለዋን ማለት ግን ኣይኮነን። የግዳስ  ብዙሓት  ሰልፍታትን የማን፥ ሕሉፍ  የማን፥ ምእከል፥  ጸጋም፥  ሕሉፍ  ጸጋም፥……..ወዘት ተባሂሎም  ዝፍለጡ  ዝምባለታትን ካልኦት  ፖሊቲካዊ ምትእኽኻባትንውን ኣለዉ  ኢዪም።  እዘን  ብዙሓት ሰልፍታትን  ምትእኽኻባትን ብክንደይ  ካብ  (%)ሚእቲ ንራኸብን ብክንደይ ካብ( %) ሚእቲ  ንፈላለን ተበሃሂለን ነጻ ህልውነአን ብዝዕቘብ መልክዕ  ተሰማሚዐን ናብተን ቀንድን ዓበይትን ሪፓፕሊካንን–ደሞክራቲካንን  ፓርትታት እየን  ተጠርኒፈን  ዝሰርሓ። ስለዚ ሪፓፕሊካንን–ደሞክራቲካን ንብዙሓት ሰልፍታት ጠርኒፈን ዝሰርሓ ፓርትታት ክሳብ  ዝኾና  ጠገለ  ዘይብሉ  ብዝሒ ሰልፍታትን  ውድባትን ተወሳኺ ዘሰክፍ  ተርእዮ  ምዃኑ  ብግልጺ  ዘብረሃልና ጭቡጥ  ኣብነት  ኢዩ። ብኣንጻር  እዚ  ብዓቀን እቲ ናይ  ኣመርካውያን ሓሳባትን እምነታትን ወስን  ወይ  ማእለያ ዘይብለን ሰልፍታት ክህልዋ  ነርወን ዝብል ሰብ  ኣመሪካውያን ምዕቡላት  ክንሶም ዘይሓስቡን  እምንነታት ዘይብሎምን  ኢዮም ይብል ከም ኣሎ  ማለት ኢዩ።

      ክንደይን ከመይን ናይ  ምምራጽ  ምስርሕ  ክካየድ  ይኽእል ንዝብሉ ሕቶታት መልሱ  እቶም  ቀንድን  ዓበይትን  ናይ  ምምራጽ መስርሓት ክልተ  ኾይኖም  ፕረዚደንትን  ፓርላማን ንምምራጽ ዝካየዱ  ኢዮም።  ፕረዚደንት  ንምምራጽ  ኣብ  ዝካየድ  መረጻ  ሓደ  ሰልፊ  ኢዩ ዝዕወት   ፓርላማ  ንምቛም ኣብ  ዝካየድ  መረጻ  ግን ካብተን  ውሱን  ቁጽሪ  ዘለወን  ንመረጻ ዝተወዳደራ ሰልፍታት ክንድዚ’ዩ  ኢልካ ዝግመትን 2 ወይ  3  ኢልካ  ዝድረት ዘይኮነስ ውጽኢት መረጻ ዘነጽሮ  ኢዩ ። ከም ምናልባት ግን ኩለን ወይ ፍርቀን ወይ ብዝተፈላለየ ውሱን ቁጽሪ ኢዩ ክንጸር  ዝኽእል።    ስለዚ  ኸኣ  ኢዩ ኣብ  ዝተፈላለያ  ሃገራት ውጽኢት ፓርላመንታዊ መረጻ  ክግለጽ  እንከሎ  ሰልፊ  እገለ  ወይ  እገለይቶ ኣብ  ፓርላማ  ብክንድዚ  መናብር  ተዓዊታ  እናተባህለ  ዘብጻብ  ክወሃብ  ዝስማዕ።  ምስዚ  ብምትሕሓዝ ኣባላት  ፓርላማ ከምቲ ናይ  ሰልፍታትን  ውድባትን  ብዝሒ ኣብ ፖሊቲካዊ  ኣተሓሳስባን  እምነትን ዝተኸፋፈሉ  እንተኾይኖም  ፕረዚዳንት ንምኒስተራቱ ብፓርላማ  ቅቡላት  ክኾኑ  ኣብ  ዘቅርበሉ  እዋን ዘይምስምማዕን ክሳብ   ምትእምማን  ዝጠፍኣሉ  ኩነታት ይረአ ኢዩ። ጠንቂ ናይዚውን ጠገለ  ዘይብሉ ዘሰክፍ ብዝሒ  ናይ  ሰልፍታት ፥ውድባት  ምዃኑ  ኣይከሓድን  ኢዩ።

      ካልእ ኣብዚ መድረኽ እዚ ንዘለዋን ኣብ መጻኢ ክፍጠራ ንዝኽእላን ኤርትራውያን ሰልፍታት ንነፍሲ ወከፈን ከም ሰልፊ ዘፍለጠን መዐቀኒ ብዝሒ ናይ ኣባላተን ብዝምልከት ካልኦት ሃገራት ዝተጠቕማሉ መዐቀኒ ወሲድና ኣባና ክንግልገለሉ ወይ /apply/ ክንገብሮ እሞ ብኡ መጠን ሓንቲ ሰልፍውን ትኹን ነቲ መዕቀኒ  ከተማልእ  እትኽእል    የብልናን ክንብል  ዘገድደና  ምኽንያት  የብልናን።  ናይ ካልኦት ተመኩሮ ምስ ክውንነትና ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።  ዘይሰማማዓና እንተኾይኑ ግን ናትና ኣብ ናይ ባዕልና ሕገ–መንግስቲ ብዝሰፈረ መዐቀኒታት   ሰልፍታትና ክንእውጅ ንኽእል ኢና። በቲ ናይ 1997 ሕገ-መንግስቲ ንሰልፍታትና ክንዕቅንውን ዘገድደና የለን። ምኽንያቱ ከም ንድፊ ዝፍለጥ ሰነድ ደኣ እምበር   ዝተደጽመሉ ቅዋም ወይ ሕገ-ነንግስቲ ኣይኮነን። ስለዚ ካብዝን ካብትን ተግባራዊ ክኸውን ዘይክእል ኣብነታት እናለቀምካ ምእንቲ ለውጢ ምስራሕ ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ መድረኽ ነዘን ዘለዋ ሰልፍታት ምቁንጻብ ኣድላዪ  ኣይኮነን።

       “እተን ክብድ  ዝበለ  ዕላማ  ዘለውን  ዕልማናውያን  ፈደራላውያን  መሰል  ብሄራት  ጸጋማውያን  የማናውያን  ምስበልና  ኣብተን  ብወገን  ብሃይማኖት  ባኣውራጃ  ዝቆማ  ግን  ኣብ  ውሽጠን  ዝተፈላለዩ  ሰልፋዊ  እምነት ዘለዎም  ሰባት  ዝቆማ  ኢየን” 

     ዕልማናዊ ወይ ዕልማናውነት(secular ወይ secularizm)ማለት  ዘይሃይማኖታዊ  ማለት  ኢዩ።  ካብዚ ብምንቃል  እተን ንሃይማኖት  ካብ ፖሊቲካ  ፈሊየን  ዝሰርሓ  ኤርትራውያን ሰልፍታት ዕልማናውያን ሰልፍታት  ኢየን።እዘን  ዕልማናውያን ሰልፍታት   ናይ  ብሄራት ናይ ኣውራጃ….ወዘት  ተባሂለን  በቲ  ንሰን ንውክሎ ኢና ዝብሎኦ ኣውራጃውን  ብሄራውን  ራኢ  ከኣ  ይፈላለያ። ፈደራልላዊ. ወይ ካልእ ዝተፈላለየ  ኣስማት   ዘለወን   ፖሊሪካውያን  ሰልፍታት ውን ኣለዋ። እዘአን ብፖሊቲካዊ መደብ  ዕዮታተን ኢየን  ዝፈላለያ። እተን ንሃይማኖት  ምስ ፖሊቲካ  ኣሲረን ዝሰርሓ  ሰልፍታት ውድባት ሃይማኖታውያን  ኢየን።   በቲ  ነፍሲ  ወከፈን  ዝኽተሎኦ ዝርዝር  ሃይማኖታዊ  እምነተታ ከኣ ይፈላለያ።   

     ኣብ  መደምደታ ተቃወምቲ  ውድባትን   ሰልፍታትን ኤርትራ  ጸገማት  የብለንን  ማለት  ኣይኮነን። ንጸገማተን  ኣሊየን ብቁዓት  ሰልፍታት  ክኾና ዘድሊ  ዕማም  ናይ  ኩልና ሓላፍነት  ኢዩ።  ክንዮ  እቲ ጸገማተን  ኣብ ብግቡእ  ናይ ዘይምርዳእ ቦታ  ኰንካ “ክብድ  ዝበለ ዕላማ ዘለወዶ ፍኹስ ዝበለ  ዕላማ  ዘለውንዶ ወገናውያንዶ ብማለት  ተሰሚዑ  ብዘይፈልጥ (terminology) ናይ  ስነ-ቃላት ኣጸዋወዓ  ምግላጸን  ተወሳኺ  ጸገም  ኢዩ።

 

 

         ኣምላኽ ረቢ ንብዙሕን  ውሑድን በብዝጠቅሙና 

         መዳያት  ይባርኸልና

 

      

            እወ  ህዝቢ  ክዕወት  ኢዩ!!

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top