Main Menu

ካብ ሕማቅ ጽቡቕ’ምበር ካብ ጽቡቕ ሕማቕ ዘይምድላይ

ካብ ሕማቅ ጽቡቕ’ምበር ካብ ጽቡቕ ሕማቕ ዘይምድላይ

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ንሓደ ክልተ ዓመት ኣብ ሃገርና ሰላም ተረኺቡ ሕልምታት ክገሃዱ ወላድን ወሉድን ካብ በረኻታትን ስደትን ገጽ ንገጽ ዝራኸብሉ፡ ዝበረሰት ዑና ስድራ ቤት ትህነጸሉ፡ ደጊም ሞት ከም ኣዳም ተባሂሉ፡ ህዝብና ነቲ ብመግዛእቲ ዝወረዶ ኣደራዕን ስቓይን ብደቁ ተደዓዒሱን ተደቢሱን ንሓድሽ ሰላማዊ ጉዕዞ ክስጉም ምስ ጀመረ ዝነበሮ ተስፋታት በብቅሩብ እንዳተባሕጎገን እንዳተሰረዘን ገገሊኡ ፈጺሙ ክጠፍእን ክርሳዕን ዝተደለየሉ፡ ብመደብ ብምስጢርን ብግሉጽን ክስርሓሉ ብዓይኑ ክርእዮ ጀመረ።

መላኺ ስርዓት ጉጅለ ህግዲፍ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራን ገዲፉ ብዘውጽኣ ቃል ክዛረብ፡ ብዘልዓላ ብርዒ ክጽሕፍ ወግሐ ጸብሐ ኣንጻር ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ገደብ ዘይብሉ መርዛም ፕሮፕጋንዳ ብምንዛሕ ንህዝብና ኣብ ምድንጋር ኣእትዩ፡ ከይዱ ከይዱ ከኣ ንፍትሕን ሰላምን፡ መሰልን ክብርን ንዝጣበቑ ምስ’ቲ እከይ ግዳማዊ ፕሮፖጋንዳዊ ተግባራቱ ጸፍዩ ንዜጋታት ኤርትራ ብኽድዓትን ክሕደትን ክኸስስን ከጽልምን ዓመታት ሓሊፍዎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም እሱር ርእይቶኡ ሓሳቡ ዘይገልጽ፡ ኣይሓትት፡ኣይቃወም ጂሆ ተታሒዙ ዝብሎን ዝገብሮን፡ ዘልዕሎን ዘንብሮን ዝጠፍኦ ኮይኑ ጸኒሑ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብግፍዕን ጭቆናን ንዝሓዞ ሓደ ሸነኽ፡ ህዝብና ብዘለዎ ዓቕልን ጽሮትን ከም ዘሰነፎ ቆጺሩ ንምልካዊ ምሕደራኡ ከም ሰናይ ዝተቀበሎ መሲልዎ ቀጸለ። ይኹን’ምበር ለባማት ደቂ ሃገር ዓበይቲ ዓዲ፡ ሽማግለታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ነባራት ተጋደልቲ ምሁራት፡ ተቃወምቲ ውድባትን ኣብ ፍሉይ እዋን ዘይፍትሓዊ ምምሕዳር ምዃኑ ዝተረድእሉ ኣብ ሓደ ግምገማ ዝበጽሕሉ፡ ሕቶ መጻኢት ኤርትራ ብዘይቅዋምን ሕግን ክቅጽል ከም ዘይክእል ብፍላይ ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ዶባዊ ኵናት ተነጺሩ፡ ተዘረበሉ ከኣ።

መራሕትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህግዲፍ ዝነበሩ ከይተረፉ፡ ነቲ ብስቕታ ፍትሒ ዝልምን ዝነበረ ህዝብን ደምበ ተቃውሞን ብሓሳብ ሓድነቶም ሰመረ። ጉዳይ ቀጺሉ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ተሞክሮኡን ዘጋጠሞ ሓደጋ መግዛእትን ሓርነትን ክፈላልየሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጽሐ’ሞ፡ ቶባእ ህግዲፍ ምባል ጀመረ። መንእሰያት መወዳእታ ካብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ግፍዕን መላኺ ስርዓት በሪሮም ንስደት ኣምርሑ። ሽግር እንዳበዝሐ ኸደ፡ ስቅያት ራዕድን ሽበራን ኣስፋሕፈሐ።

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብዘይካ ምብሓት ንስልጣን ካልእ መደባት ከም ዘይብሉ ከኣ ምስ’ቲ ቅድሚ ወርሒ መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ጉጀል 15 ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ተግባራት ጎሊሑ ተራእየ፡ ህዝብና ርዲኢት ኣሕደረ። ብሓጺሩ ምልካዊ ስርዓት ንዘካይዶ ምድንጋራት ተቐባልነት ስለ ዘይረኽበሉን ስለ ዝፈሸለን፡ ንድሕሪ ዘይምልስ ተግባራቱ ብምእሳርን ምጭዋይን፡ ሰባት ምርዓድን ምፍርራሕን ክቅጽሎ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ መስርሕ ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደምዳሚ ውሳኔ ከምጽሖ ከኣለ። በዚ መውዳእታ ውሳኔ ከኣ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓያል ሃገራዊ ሓድነትን ኣረጋጊጹ፡ንሕጋውን ፍትሓውን ሰላም ክውን ንምግባር፡ መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ መንገዲ ወሰደ። ንምልካዊ ስርዓት ካብ ስልጣኑ ብምእላይ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ስልጣን ንምትካል ድሌት ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣረጋገጸ።

28 ዓመታት ላግጺ ኣሽካዕላል መላኺ ስርዓት ልዕሊ ሓደ ወለዶ ኤርትራ’ኳ እንተኾነ፡ ሎሚ ንድሕሪ ዘይምለስ ሃገራዊ ጸውዒት ደላይ ፍትሒ ኣብ ዝተኣማምን ደረጃ በጺሕዎ ዘሎ ሓሳባትን ርእይቶን ርዲኢትን ንትግባርኡ ኣዝዩ ውሕሉል ስርሓትን ምድግጋፍን ዘድልየሉ እዋን ተበጺሑ ምህላዉ’ዩ።

እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ መላእ ዓለም ዝከየድ ዘሎ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ንልዕላውነት ፍትሕን ሕግን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባታት፡ዋዕላታት፡ መጋባእያታት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝገብር ቃልሲ ካብ’ቲ ዝሓመቀ ተቃውሞ ዝበለጸ ሓሳብ’ምበር፡ ካብ’ቲ ዝበለጸ ዝሓመቀ ርእይቶ እንዳነዛሕካ ዝካየድ ስርሓት ረብሓ መላኺ ስርዓት’ምበር ረብሓ ህዝብን ሃገርን ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን’ዩ። ዝሰርሕ ኩሉ ግዜ ይጋገ’ዩ እንተኾነ ጌጋታት ንምእራም ኣብ ስራሓት ብኣካል ምስታፍ፡ ምሕታት፡ ካብ ተቀባሊ ወረ ምዃን ብኣካል ብምስታፍ ዋና ጉዳይ ብምዃን ጥራሕ’ዩ። ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ምእላይ ሕጋዊ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ከም ዘድሊ ዘይምዝንጋዕ፡ ምጥርናፍን ብሓሳብን ብግብርን ምውህሃድ ምትሕብባር፡ ትዕግስትን ተጸዋርነትን ምርኣይ፡ ሓድሕድ ብልቦና ምትእልላይ ከም ዘድሊ ንመን ይጠፍኦ። ኣብ’ዚ መደብን ደረጃ እንተተበጺሑ ከኣ ዝተርፈና ኣሎ ዘይበሃለሉ ጉዳይ ኮይኑስ፡ ነቶም ዝተሰረዙ፡ ክጠፍኡን ክርስዑን ዝተደለዩ ክብርን መሰልን ታሪኽ ህዝቢ ሃገር ኤርትራ ተመሊሱ ማለት ዶ ኣይኮነን? ፡ ብልክዕ ንሱ’ዩ።

ደጊም ዝተዘርበን ዝተባህለ ብመደብ ምስራዕ፡ ምስታፍ፡ ግደን ዓቕምን ክእለትን ምውፋይ፡ ተጸዋርነት ፡ ሓልዮት፡ ምትሕብባር ምድግጋፍ ምዝውታር ምልክት ምስጢር ሓድነትና’ዩ እሞ፡ ብምድግጋም ካብ ሕማቅ ጽቡቅ ምልላይ’ምበር፡ ካብ ጽቡቕ ሕማቕ ምድላይ ኣድላይነት ስለ ዘይብሉ ነዚ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ንቅሎ ድሕነት ሃገር ጸጽቡቁ ድሌት ህዝብና ምሕሳብን ምዝራብ ይሕሸና። ኩሉ ብመስርዑን ኣገባቡን ምስ እነኸዶ ከኣ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ርሑቕ ኣይኮነን።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

22 ሰነ 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *