skip to Main Content
Menu
ካብ መዝገበት/ኣርካይቭ ዝተረበ ጽሑፍ

ካብ መዝገበት/ኣርካይቭ ዝተረበ ጽሑፍ

 ካብ መዝገበት/ኣርካይቭ ዝተረበ ጽሑፍ

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

3ይ ክፋል

ትኻታተልቲ ወይብ/ሳይታት ሰላም፣ ከመይ ቀኒኹም፡ ኩቡራት የሕዋት ቀጻልነት ናይ‘’እቲ ጉዕዞ’’ አብ ዝሓለፈ 2ይ ጽሑፍ አቶ ሃይለ ናይዝጊ ኣብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፍርት በጺሑ ከም ዝነበረ የዕሪፈ ነይረ ብምቕጻል፡ከም ትዕዝብተይ፣ከም ኩሉ ንመጀመርያ ካብ ሳልሳይ ክፍለ ዓለም ፣ ናብ ቀዳማይ ዓለም ክበጽሕ እንከሎ ዘጓንፍካ ጋሻ ምኹዋንን ዘጋጥመካ ቀዳማይ ጽላዋ/ድሪኺት ክንርእዮ ኢና።

ዓዊነ፤ደኺመ እጃጅ።ንዓይ ክብል፣ ሆላን ዝምቕማጡ ኣብርሃም መስፍን ዝተባህለ ኤርትራዊ ይረኽቦ። ምሚቘ ኣምስተርዳም ይኣቱ። ምስ ቤተሰበይ ኣቶ ኣስመላሽ ገረዝጊሄር ተራኺበ፣ ገዛይ ዝኣተኹ ኮይኑ ይስማዓኒ። [ እቶም ቀዳሞት የሕዋት ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ዝነበሩ፣ ነሕዋቶም ብምዉቕን ሕውነታውን ይቕበሉ ከም ዝነበሩ ከነስተብህል ከለና፡ሎሚ ግዜ ግን ከምዚ ናይ ሓውና ኣቶ ኣብርሃም ንጋሻ ኣቶ ሃይለ ዝተቐበሎ፣ይትረፍ ሰላም ንክትብሃል እዉን ጋዶ እዩ።ሓው ንሓው ወዲሃገር ምስ ወዲ ሃገር ሰላም ዘይትጻገበሉ ኢንዲና በጺሕና፡ካብ ምንታይ ዝነቐለ ይመስለኩም ? እቲ ሰባውን ማሕበራዉን ባህሊ ዝጠፍአ-ዶ አይመስለኩምን ? (conformation)መዛርዕ/መሽክል ናይ ውልቀ መላኺ ዝዘርኦ/ዘብቆሎ ሓዲሽ ትውልዲ ኢና ንዕዘብ ዘለና።እዚ ዓይነት ባህርያት ንምዕራይ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እቲ ኑቡር ልምዲን ባህል ክምለስ ጻዕርን ቁሩብነት ክሓትት እዩ።]

ሕያዎት ሰባት ኣይሳኣኑ፤ ቅድም ፍልጠት ዘይነበረና ግድ’ዓተይ ርእዮም ቀሺ ሆፍማን በዓል ኣምስ-ተልፌን ስለ-ዘሐከሙኒ ው/ሮ ዳኒኤላ ተርጓሚት ኣብ ኣዳራሽ ሰላም ኣብ እዋን ትምህርቲ ኣብ ስዓታ ብናጻ ስለ-ዘማላለሰትኒ ሞሳ ይኾኖም።

ድኻመይ ከይ-ዱለይ ዘወርወር ኪብል እጅምር።ዝፈለጡ ሰባት እንተዘይረክብ ንኤውሮጳ ህይወታን ምዕባሌኣን ቀልጢፈ አይምተገንዘብኩዋን።ቆልዓ-ሰበይቲ ኣብ ጽርግያታት ከይተረፈ እናበልዑ ኪጓየዩ እምበር ንምልክት ዝተዓንደ ደው ዚብል ሰብ ኣይትግንዘብን። ኪነብሩ፣ ኣብ ዝብጻሕ ኪበጽሑ ብዘይ ጠጠው ኩሉ ዓይነት ስራሕ ይሰርሑ። ህይወቱ ዘፈንፈነ ሰብ-ጥራሕ እዩ ስራሕ ዝፍንፍን።[ልክዕ፣ ሰሪሑ ዝነብር ሰብ ሞራላዉን ንዋታዉን ዕግበት ኣለዎ፣ ኮይኑ ግን ዑቑባ ኣብ እትሓተሉ ብፍላይ አብተን ሶቺአል-መድሕን(social insurance) ዝጥቀማ ሃግገራት ን-ህወትካ እትነብረሉ ዝህቡኻ ስለ ዝኾኑ እቶም ኣብ ሃገሮም አይኮነንዶ ከይሰርሑ ሰሪሖም እዉን ደሞዝ ዘይረኽቡ ዝነበሩ ጊዚያዊ ምትዕሽሻው ኣስዒቡ፣ ነቲ ምስ እትንርብረሉ ሃገርን ህዝብን ምውህሃድን/ ምስዃዕን/ምጥማር(integration) ቡዙሕ ጊዜ ይወስደልካ፡ ምስቲ ኣብ ሃገር ዘጥፋእካዮ ጊዚካ፣ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣጎልጉሎት ተሓዊሱ ፍርቂ ሂወት ስለ ዝሓልፍ እቲ ናይ ትምህርቲ ጊዜ ተጸንቂቑ ዕድልካ ተጓራሺሹ እቲ ቡሉጽ ግዜ ዕድመኻ ባድዩ እቲ ዝተሓተ ስራሕ ክትሰርሕ ትግደድን ምስ ሂወትካ ጣዕሳታት ዝዓብሎሎ ሞራላዊ ውድቀት ዝተሓዎሶ ሂወት ከተሕልፍ ትግደድ።እዚ ክኣ ህያብ ናይዚ ውልቀ መላኺ እዚ እዩ።]

ግዳም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣየጋይሹኻን እዮም፤የኹርዑኻ፤ይላለዩኻ፣ [ሎሚ ከምዚዝባሃል የለን] ይዕዱሙኻ። ሕውነት ተጥሪ፤ንሰዓታት ተባህለ ተገብረ ትብል፤ ናፍቖት ዓዲ ስለ ዘለዎም ዕላል ኣይጸግቡን እዮም። ስድራታት ከሰተ ዑቕባገርጊስ፣የማነ ተኽለማርያም፣ ኻሕሳይ ካፌኖል፣ልኡል ወልደገርጊስ፣ተጋዳላይ ሓይልኣብ ተስፋይ፣ ድኻመን ከይጸብጸባ ንሳዓታት እናኸሸና ስለ ዝየ-ጸመዋኒ እመስግነን። ምረት ስደት እዉን ሚሂረናኒ።’’ፈላጢኣ እዩ ዝፈልጣ’’ እናበላ። [እወ ስደት ሑሱም ሃገርካን ህዝብኻን ዘናፍቕ፡ብፍላይ ተገዲድካ ኣብ ስደት ክትነብር ከለኻ፣ እሱር ናይ ስደት ምኳንካ የስተንትነካ] o

እታ ናይ መጀነርያ መዓልተይ ኣብ ሆላንድ ዝፈልጡ ሰባት ሒዝካ ስለ-ዘይትገይሽ ከይተፈለጠኒ ግዚ ጋልቡ ሰዓት 8.00 ምሸት ኮይኑ፤ ጸሓይ ግን ጌና ሰፈራ ኣይሓዘትን፣ ስሚዒት ሰፊሩኒ ‘’ ክላ ኣንታ ን-ኣፍሪቃስ ባህርይ/ተፈጥሮ፣ ዋላ ብብርሃን እዉን ኣዳልያትና እያ ‘’ እየ ዝበልኩ። ኩሉ ነገር ጹቡቕን ሕማቕን መዳያት ከም ዘለዎ ዘንጌዐ፤ምኽንያቱ ንሕናኸ ጸሓይ ከይተርክበና ንጓየ፣ ኣብ ኤውሮጳ ድማ ንጩራ ጸሃይ ከም ጸጋ ሃረር ይብልዋ። ኤውሮጳውያን ነቲ ክብጻሕ ዝግብኦ ምዕባለ በጺሖሞ እዮም። እንታይ ተሪፍዎም፣ እንታይ ሓዲጎም እዩ ዘብለካ። ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ኤውሮጳ ክይዶም ‘’ንሰማይ እናጠመትኩም ጸልዩ እናበሉ ንዓናባ፡ ንዓለም ብታሕቲ-ታሕቲ ሃኒጸማ ’’ ከም ዝበልዎ እዩ።

ኩሉ ነገር ተቐሪቡ፣ ፈርዩ እዩ፤ስእነት ዝባሃል የለን፡፤ እቲ ዘጨንቕካ ‘’ሓንጎል ወዲ ሰብ ነቶም ተፈላሲፋ፣ ዚማሃዞም ብጉቡእ ክጥቀመሎምን ኪቋጻሰሮምን ይኽእል-ዶ’’ ዝብል እዩ። ብዙሓት መስመራት ዘለዎ ተልቭዥን ወሊዕካ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝተባህለን ዝተገብረን ትካታተል፤ ትምሃር’ውን ናይ ሕሉፍ፣ ህላወ መጻኢ።[ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ትቪ ኤረድምጺ ሓፋሽን ካልእ ዘይፍቀድን፣ሓደ ዝመዝሙረን ከም ጸማም፣ ለይቲ ምስ መዐልቲ ፕሮፓጋንዳ ጃንዳ ህግደፍ እንተዘይኮይኑ ካልእ መደብ ዘይብለን፣ ካብ ወረ አልቦን ድንቁሩና ምንቕ ዘየብልኻ ከተስተውዕል ይሕግዝ]

ናይ ኣቶ ኣስመላሽ ተለፎን ኣዳራሽን ተጠቒመ 15 ደብዳቤታት ጺሒፈ።ብኾፈይ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ብደብዳቤታትን ተለፎንን መልስታት ረኽበ፤ተኺኢለስ ብኣየር ብባሕሪ’ውን ምተራኸብኩ።

ብ21/09/93 እያ ኣስመላሽ ምሳሕ ከዳሉ ክሽነ ይኣቱ፤ከነዕላል እሕወሶ፣ኣብ ዕትሮ ናይ ገዛ ንእሽቶ ሃልሃልታ ርእየ ’’ኣያይ ተወሊዓትክስ’’ ምስ በልክዎ ‘’ነቲ ዘምልቶ ነዳዲ ጋዝ መታን ከይትትኮስ ትንድድ ብልሓት እያ ኢሉ መለሰለይ’’ እናሳሓቐ።ዘይተወደበ፣ ዘይተሰርዐ እንታይ ኣሎ ምላቚ እናበልካ ኢኻ ሃሰው ትብል፤ንሕናኸ ሓደጋ መምስ-መጸ ዒሕ ክንብል ንነብር። ንሳቶም ንሓደጋ ኣቐዲሞም ይካላከልዎ፣ ኩሉ ነገር ብኣፍልጦ እዩ ዝስራሕ። [ ኣብዛ ኣረፍተ ነገር እዚኣ እቲ ስርዓት ውለቀ መላኺ ብሽርሕነቱ፣ ብዲክታተራዊ ስትራታተጅኡ ንሃገር ኣብ መቕቕሮ ዘይፍትሓዊ ዘይቁዋማዊ ዘይደሞክራስያዊ ከንብራ ከሎ፡ እቲ ደምበ ፍትሒ ነዚ ዝመጸ ሓደጋ ፈሊጡ ብስነፍልጠት ክገጥሞ ዘይምኽኣሉ ትምህረካ]

ሰቲኻ መኪና ኣይትዝውርን፤ ኣብ ከባቢመንበሪ ቦታታት ዘለዉ ጽርግያታት ንጎየይቲ-ሰብ መካይን፣ሓሓሊፉ ዘህድእ ክባቢታት ኣለዎም፤ 400 ኪ.ሜ. ዝተጓዕዘት ኣውቶቡስ ቀይሕ ወሊዓ ኣዕሩፉኒ ትብል፣እንተ-ዘይ-ዓረፈት ትራፊክ ይቛጻጸር ወዘተ።

[ ኣቐዲምካ ሓደጋ ከይመጸካ ከሎ ከልካሊ/ዓጋቲ/ገታኢ ክትገብር ምስ ዘይትኽእል ሲዒቡ ዝመጸካ ጉድኣት፣ ዓቢን ዘጣዕስን እዩ ዘኸትል፣ልክዕ ከምዚ ኣብ ውድባት ደምበ ፍትሒ ዝርአ፤ቅድሚ ግርጭት ናብ ግጭት ምልዋጡ ብጥንቃቐን፣ብመጽናዕትን-ልቦናን ክፈትሕዎ ዘይምጽዓሮም ከምዚ እንነብሮ ዘሎና ጽንኩርን ዘይ-ፍትሕዊ ቃልሲ ኣይምሃለውናን፤ክንዲ ንህዝብና ወሪድዎ ዘሎ ዘይኑቡርን ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕን ምረትን፣ሪና ንምትሑ ንቃለስ ናይ ጸገም ጸገም ኮይና ንርከብ ዘሎና።]

አቶ ሃይለ ዛንትኡ ብምቕጻል፡ ሳዕሪ ጀርዲን ከይተረፈ ክሳብ ክንደይ ይነውሕን ከቅምቀም ከሎ’ኸ ክሳብ ክንደይ ይሓጽርን ፍሉጥ’ዩ፤ገረብ’ዉን ብቁጽሩን ብታሪኹን ይልለ አረ ሓካይም ኣለውዎ፤ሰብ ምቕታልን ገረብ ምቑራጽን ዓበይቲ ገበናት እዮም።ይብል።

[ሃገርና ግን ኢኮ-ሲስተምስ ይትረፍ መሰል ሰብን አንስሳን ኣግራብን ምድሪ ዝዘበጠት ሃገር፡ ደቃ ጀጋኑኣ ኣብ ማእሰርቲ ተዳጒኖም፣ ሂወቶም ዝሕልፉ ዘለዉ፣ስድርኦም ክርእይዎም ዘይኽእሉ፣ኣብ ዓለምና ተራእዮ ዘይፈለጥ ግፍዒ ወላ በቲ ናይ ዲክታተር ሕግታቱ አብ ቤት ፍርዲ ዘየቕረቦምን፣ ብመሰለ ደቂሰባት ዝኽተላ አህጉራውያን ማሕበአር አብ ሀግ (ዓለለኻዊ ቤት ፍርዲ)ንምቕራብ ክሲ ቐሪቡሉ ዘሎ ስርዓት ኮይኑ፣እንስሳ ዝጸንተሉ፣ ኣግራብ በሪሶም ናብ ምድረበዳ ዝልወጠሉ፣ እምኒ ንእምኒ ዝጋጨወሉ ሃገር፤ በዚ ዲክታተራዊ ስራዓት፣መሪታን ህዝባን ትሳቐ ኮይና እያ ትርከብ ዘላ። እቶም ነዚ ከይመጽእ ንፍትሒን፣ኤኮሲስተም/ስርዓተ-ኤኮ ንቃለስ ዝብሉ ክኣ ብሰንኪ ፋሕ ጭንግራሕን ኣብ ነንሕድሕድካ ምግርጫውን ሓቢርካ ዘይምስራሕን፣ቀልጢፉ ለውጢ ንምምጻእ ባይታ ዘይምጥጣሕን፤ብዘርእይኦ ባህርያት፣ከም ጒሪኒት/ምትሕብባር ምስ ስርዓተ ውልቀ መላኺ፡ ወይ ስልጣኑ ንምቕጻል ዘፍቅድ ዝመስል ክትብሎ፣ ካብ ሓቂ ዝወጽእካ አየብለካን። ስለምንታይስ ደምበ ፍትሒ ሓድነት ገይሩዝቅለስ ነይሩ፣ ንህቡ ኣብነት ክኸዉን ክኢሉ ነይሩ፣ እዚ ስርዓት ንኽንድዚ ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣይምጸንሐን።ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን፤ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ክህሉ፣ ለይትን መዓልትን ይዝምሮ እኳ እንተኾነ ኣብ ግብሪ ግን እዚ ንርእዮ ዘሎና ህሞት እዩ።ጠለብ ዝበዝሐ ህዝቢ ግን፣ ኩሉ ኣወንዚፍካ ኮፍ ኢልካ ትዝትየሉ ናይ ሓባር ራኢታት ጠርኒፍካ ኣብ ስራሕ ተጸሚድካ ብግብሪ ምትእምማን ምፍጣር እዩ። እዚ ክኣ ድልየትን፣ትሕትና፣ምቕሉል፣ዉርዙይ ባህርያት ሒዝካ፣ማእከላይ ንኹሉኻ ክጥርንፍ ዝኽእል ውሳኔታት ክትወስድ ምኽኣል የዲሊ እብል፤ተኻታተልቲ’ኸ እንታይ ትብሉ።ድልየት ምስ ዝህሉ ኩሉ ነገር ክፍታሕ ከም ዝክኣል ኩላትና እንፈልጦ እዩ።ኣብነት ኣቦታትና ዘይንኽተል ሰባት ኢና፤ ኣቦታትና ኤርትራ፣ ሓያላት ሃገራት ናብ ክልተ ምምቕል አብ ዘተንብሁሉ/ዝፈተናሉ እዋን ፣ ነዚ ነጺጎም ዘይደለይዎ ፈደረሽን ተቐቢሎም ነዚ ዉዕል እዚ እዉን ብስርዓት ኢትዮጱያ ምስ ፈረሰ፣ብረት ብምልዓል አብ ናጽነት ከም-ዘበጻሑና ታሪክና ኩሉ ግዜ አብ ቅድሜና ክንርእዮ ይግባእ።ሓድነትና ነዚ ዲክታተራዊ ስርዓት ሰረት ምውዳቑ ምዃኑ ንፈልጦ ካብ ኮና ንምትግባሩ ክንጽዕር’ዩ ዘለና። ድልየት ጥራይ ዘይኮነ ናብ ግብሪ ንጉየ።

ሕጂ’ዉን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

ኣብ ዝመጽእ የራኽበና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top