skip to Main Content
Menu
ካብ መዝገባት/ኣርካይቭ ዝተረኽበ ጽሑፍ

ካብ መዝገባት/ኣርካይቭ ዝተረኽበ ጽሑፍ

ካብ መዝገባት/ኣርካይቭ ዝተረኽበ ጽሑፍ
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
2ይ ክፋል
ሰላም ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ/ሳይት፡እንሆ ከምታ ቃል ኣትየልኩም ዝነበርኩ እቲ ብተኻታተሊ ብዛዕባ እቲ ጉዕዞ፣እቲ ዘሕለፎ ተሞክሮ፣ ከም ናትና ጉዕዞ እንተ/ብስነ-የእምሮ እንተ/ብሰነ-ድልየትን-ትምኒትን፣ ናትና ክኸዉን፣ ወይ-ክኣ ትምኒትና ኮይኑ ክርኣየና ስለ ዝካኣል ብትዕግስትን ድልየተ-ፍልጠትን ክንካታተል ይላቦ። ምኽንያቱስ ሕልምን ጻዕርን ናይ ኩሉ ደለይ ፍትሒ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ሃገራዊ ናጽነትን፣ሓድነት-ህዝብን፣ልእላውነት-ሃገርን፣ግዝኣተ-ሕግን፣ኩሉ ኣብ መኣዲ ዲሞክራሲ ዝርከብ ስለ ዝኾነ። በዚ ምኽንያት ጉዕዞ ናይ ዘጋና ሃይለ ናይዝጊ ሰመረ ከምታ ዘላት ከቕርቦ እየ። ምስ ናኣሽቱ ሓተታት ብምቕራብ እየ ዘሰንዮ እሞ ክትርዱኡኒ ተስፋ ይገብር።
እቲ ጉዕዞ
ብዛዕባ እቲ ጉዕዞ ምጽሓፍ የድሊ-ዶ እወ። እቲ ጉዕዞ ዘይፍለ ኣካል ትሕዝቶ ናይቲ መጽሓፍ-ዩ። ምኽንያቱ « ሰብኣዊ መሰላት » ከይተኸበሩ ጥሜት፣ ሕማም፣ ድንቁርና፣ ዚውገድሉ ምዕባለን ስልጥነን ወዲ ሰብ ንምብጻሑን ንምዕቃቡምን ዘይከኣል ምዃኑ እቲ ጉዕዞ ስለ ዝምህረካ።
እዋን ንቕሎ እዩ። ጸሓይ ምዕራብ ኣብያ ትውዕል። ብ 17/09/2093 ልክዕ ዕለት 3፡15 ወጋሕታ ብሉፍታንሳ ካብ ኣስመራ ንፍራንክፎርት ንብገስ። እታ ነፋሪት ንባዕላ ናይ ጀርመን ምዃና፣ድሕሪት ተመሊስካ ንታሪኽ ዘጠምተካ ፍጻመ እዩ። መራሒ ጀርመን ሂትለር ንዓለም ክቋጻጸር ንሃገሩ ኣንጻር ዓለም ኣዋጊኡ፣ ኣብ ታሪኽ መዋዳደርቲ ዘይብሉ ብ-1945 ዚተዛዘመ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣወሊዑ ሞት ናይ 40 ሚሊዮን ሰባት፡ ንሕልና ወዲ ሰብ ዘሰቅቅን ንዘለኣለም ዘይሕከኽን ምግፋፍ ሰብኣዊ መሰላት፣ ዕንወት፣ ዳርጋ ናይ ኩሉ ዝተሃንጸ ዘበለ ምዕባለ ስልጣነን ኣኸቲሉ። [ልክዕ ግብሪ ውልቀ መላኺ ስርዓተ ኢሳያስ]
ኩሉ ሓሊፉ ኤውሮጳ ተሃኒጻ ። ዓለም ሓደ ኮይና። ብባሕሪ፣ ብመሬት፣ብኣየር.፣ብቡስጣ፣ብተለፎን፣ ፋክስ ተላጊባ።ነፋሪት ሉፍታንሳ ዓዲ እዩ።ኣብ መሬት ስለ ዘየለኻ እምበር። ከይትጠሚ፣ ከይትጸምእ መግብን መስተን መናፈሲ ዓይኒ ምድሪ፣ከይትትከዝ ተለቪዥን፣ ረድዮ፣ ሓደጋ ከየጋጡሙን ተጋጠመ-ዉን ይጎድል ዘይብሃል ጥንቓቐ መሊኡ። ኣወዳድባ ስራሖም ጽፈቶም መመልሹ ይግርመካን የተኣማምነካን።ሰራሕተኛታቶም ንጡፋት፣ግዱሳት ትሑታት።[ኣድንቖቱን ምግራሙን ቁዱስ ቅንእን፣ሕልሚን ትምኒትን ኮይኑ ተሪፉ]
ኩሉ ገያሻይ ኣማዕድዩ ዝርእያ ዝበርሄት ሰለዳ ኣብ መንደቕ ናይታ ነፋሪት ዝተጠቀዐት ኣላ ። ኣብቲ ጉዕዞ ኣብቲ ኣበየናይ ኩርናዕ ናይ ዓለም ከምዘለኻ ኣብ ካርታ ትሪኢ፤ ሰዓት ትነግር በዚን ወዲ ከምዚን ነቲ በጺሖም ዘለዉ ደረጃ ምዕባለ እምበር-ዶ ክንበጽሖ ኢና እናበልኩ በይነይ ብዙሕ ኣስተንቲነ እየ።[ምስ-ተበጽሓ ነይሩ እዚ ኣብ ክንዲ ንቅድሚት ንድሕሪት ዝወሰድ ውልቀ መላኼ እንተ-ዘይህሉ ነይሩ]።
ብ-18/09/93 ሰንበት 11 :30 ቅ.ቅ.ፍራንክፈርት ንኣቱ።ነፋሪት ዓዲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ።ኣእላፍ ሰረሕተኛታት ኣእላፍ ገያሾ ዚኣትዉን ዚወጹን ፤ ኣማእት ነፈርቲ ኣማእት መኻይን። እቲ ዘይንቃሳቀስ ጥራሕ-ዩ ዘይንቃሳቀስ። ፍራንክፈርት ተረጊጽካ ናብ ዝደለኻዮ ክፍለ/ዓለም አረ ናብ ዝደለካዮ ሃገር ክትበርር ትኽእል ኢኻ ሕምብርቲ መጉዓዝያ ኣየር ዓለም ስለ-ዝኾነት። [ልክዕ ከም ወድባትና ባሕርና መራኸቢ ዓለም ክነሱ ክንጥቀመሉ ዘይተኻእለ ብሰሪ ዲክታተራዊ ስርዓት]
ኩቡራት ተኻታተልትን ተሳተፍትን እታ ጽሕፍቲ እቲ ጉዕዞ ንውሕ ዝበልት ስለ ዝኾነት ንግዚኡ ኣብዚ የዕሪፍና ነዚ ተመክሮ ናይ ሓውና ከም ናይ ኩሉ ወድሰብ ንመጀመርያ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ብዓይኒ ምስትውዓልን ጹቡቕን መዕባለን ዝትምነን ዝንእድን ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነስ ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ውግእ ዘስዓቦ ዕንወት ሃገርን ብግዝኣት ባዕዲ ኣብ ስቓይ ድኽነት፣ጥምየት፣ ሰእነት-ሕክምና፣ድንቁሩና ዝሓለፈ ህዝቢ፣ ናጽነቱ ተጓናጺፉ ምዕባለ ራህዋ ሰላም ቅሳነት ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስን፡ክብህግን ክትምነን ባህርያዊ ጥራይ ዘይኮነስ ግድነት እዉን እዩ።
እቲ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ትምኒት-ድልየት ብስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ተቖጽዩ።
እቲ ኣብ ደንበ ፍትሒ ዝዋሳእ እዉን እንተኾነ ሓቢርካ ዘይምስራሕ፣ ናይ ሓባር መኣዲ ቃልሲ ክገብር ዘይምኽኣሉ ነቲ ክመጽእ ዘለዎ ዲሞክራሲን ግዝኣተ-ሕግን፣ ብወገኑ ይዕንቅፍን/የዳናጉዮ ምህላዉ እንግንዞቦ ንፈልጦን ዘሎና ኩነት ኮይኑ ናይ ሕልና ወኸሳ ይቐርብና እዩ።
ስለዚ፡ ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር
አብ ዝመጽ እየርኽበና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top