skip to Main Content
Menu
ካብ ምስኪን ህዝቢ እንዳራሰየ ዕምሩ ዘናውሕ ስርዓት

ካብ ምስኪን ህዝቢ እንዳራሰየ ዕምሩ ዘናውሕ ስርዓት

ካብ ምስኪን ህዝቢ እንዳራሰየ ዕምሩ ዘናውሕ ስርዓት

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ገንዘብ/ባጤራ (fiat money) ከም ናይ ዕዳጋ መሳርሒ፡ ወይ ድማ ኣብ ዕዳጋ ዝወርድ ንብረት ይኹን ጉልበት መተመኒን መዳበሊን እምበር፡ ንርእሱ ዋጋ (use value) ዘለዎ ኣይኮነን። ገንዘብ ክበሃል እንከሎ ምስ ዝተፈላልየ ዋጋ ዘለዎ ክቡር ንብረት ማለት ተንቃሳቓስን ቆዋምን ገንዘብ/ንብረት ክበሃል ይከኣል። ከም ኣብነት መሬት፡ገዛ፡መኪና፡ ወርቂ ዝኣመሰለ ገንዘብ፡ንብረት ክበሃል ይከኣል። በቲ ካልኣ ሸንኽ ገንዘብ ባጤራ/ቅርሺ ተባሂሉ ክጽዋዕ እንከሎ ተንቀሳቓሲ እዩ። ኣብ ዕዳጋ ወሪድካ ዘድልየካ ሸሚትካ ወይ ተሻይጥካ ንእለቱ ዕዳኻ ከፊልካ ትኸይድ። ፈለማ ደቂ ሰባት ከም መሳርሒ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣገባብ ባጤራ/ቅርሺ ስለ ዘየነበረ ንብረት ብንብረት ኮይኑ ይቀያየሩ ነበሩ፡ እቲ ዝቀያየር ንብረት ሓደ ክብሪ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ብኡ መሰረት ከኣ ቆርበት ሒዙ ዝመጸ፡ እክሊ ሒዙ ይኸይድ፡ ጨው ዘለዎ እኽሊ ሒዙ ይኸይድ፡ ኣብ’ዚ መዋእል ገንዘቦም/ንብረቶም ቆዋሚ ክገብርዎ ወርቂ፡ክቡር ዕንቝ፡ ሓጺን፡ቆርበት ቀይሮም ንነዊሕ ግዜ ክሕዝዎ ይኽእሉ ነበሩ። ብከም’ዚ ዝበለ ኣገባብ ዋጋ ጉልበትካን ተባላሓትነትካን ዝኮነ ገንዘብ፡ ንግዚኡ ዘይትጥቀመሉ ተረፍ እንተለካ፡ ዋግኡን ክብሩን ከየጉደለ ንመጻኢ መታን ክዕቀብ ይገብሩ ነይሩ። ካልእ ምክንያት’ውን ኣለዎ፡ ከመይስ እንዳ ኣረግካ ክትከይድ ከልካ ጉልበትካን ተባላሓትነትካን ስለዝጎድል፡ ህይወት ክትመርሕ በቲ ንእሽተይ ከለካ ዘዋህለልካዮ ገንዘብ ወይ ሃብቲ ኢኻ ትናበር። ምእንቲ’ዚ እቲ ዘዋህለልካዮ ገንዘብ ናይ ምግዛእ ዓቅሙ (purchasing power) ከይጉደለ ክጸንሕ እንተኮይኑ፡ መቃይርቲ ናይ ወርቂ ወይ ካልእ ኩቡር ንብረት ሙኻኑ ብሕጊ ምስ ዝድንገግን ዝትግበርን ጥራይ እዩ።  ራሃጽካ ኣንጠብጢብካ ዘጥረካዮ ጥረ ገንዘብ፡ ኣብ ዝደለካዮ እዋን ናብ ማእከለይ ባንኪ ናይቲ ሃገር ኼድካ ናብ ዝጭበጥ ወርቂ፣ ንሓስ ወይ ካልእ ኩቡር ንብረት በቲ ዘሎ ተመን (exchange rate) ኣቐይርካ፡ ንመጻኢ ክትዕቕበሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋን፡ ወይ ድማ ናብ ቐዋሚ ንብረት ቐሊጢፍካ እንተዘይቀይርካዩ፡ ኣደዳ ዝቕባበ ኮንካ ኢኻ ትተርፍ።  

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ሃገራዊ ባጤራ ናቅፋ ሓቲሙ ክዝርግሕ ጸኒሑን ኣሎን። ነቲ ዝዘርግሖ ገንዘብ/ባጤራ፡ ብመቃይርቲ ወርቂ ንኽድግፎ ዘገድድ ሕጊ ኣብ ዘይብሉን፡ በብዓመቱ መጠን ሕትመት ናይ ገንዘብ ዝዉስን ባይቶን፡ ብሕጊ ዕዳጋ ዝምራሕ ፖሊሲ ናይ ገንዘብ ኣብ ዘይብላን ኤርትራ፡ ገደብ ዘይብሉ መጠን ሓሓቲሙ ክዝርግሕ ጸኒሑ፡እዚ ድማ ዝቕባቤ ኣኸቲሉ። ኣብ ክንዲ እኹል ሃለኽቲ ብምቕራብ፡ ነቲ ዛጊት ተፈጢሩ ዘሎ ዝቕባቤ ምቁጽጻር፡ ብምስምስ ምቕያር ገንዘብ፡ ነቲ ኣብ ዑደትን፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝነበረ ገንዘብ ናብ ማሕቡስ ኸእቱ መሪጹ፡፡ ንቀጻሊ ዑደትን ኣተሓሕዝኡን ዝምልከት መምርሕታት፡ ንባንካታት ኣዉሪዱለን። ከም ሳዕቤን ድማ ኣብ ዑደት ዘሎ ገንዘብ ስለዝዋሓደ፡ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና፡ ኣደዳ ናህሪ ዋጋታትን፡ ብፍላይ ድካን ሃልዩ እንተኾይኑ ሪሂጸ-በላዕን ካብ ኢዶም ዝድራሮም ኣብ ንምግማቱ ዘየጸግም ቁጠባውን ማሕበራውን ሽግራት ሸሚምዎም ይርከብ። ህዝብና ፍረ ተባላሓትነቱን፡ ዋጋ ጻዕሩን ዝኮነ ንዓመታት ዘጥርዮ ገንዘቡ ተራስዩ። ምዓስ እዚ ጥራይ፡  መጠን ሸርፊ ብመንጽር ናይ ካልኦት ሃገራት ባጤራ፡ በቲ ዘሎ ዕዳጋ ኣብ ክንዲ ዝውሰን፡ ብዘይሕጊ ናብ ሓደ ዶላር ብ14 ናቕፋ ሸርፊ ($1 = 14 Eritrean Nakfa) ከምዝወርድ ገይርዎ ይርከብ። ስለ’ዚ እቲ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስድራቤቱ ዝልእኮ ሓገዝ፡ ኮነ ኢልካ ማእኮት ከምዘይህልዎ ካብ ዝኸዉን ዛጊት ዓመት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጥረናዮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻሊ ብሕጂ ሃሊኽና ነምጽኦ ገንዘብ እዉን ከይተረፈ መታን ክራሲ እዚ ዓማጺ ስርዓት ወርተግ ኣፉ ከፊቱ ይጽበየና ኣሎ።

ካድራት ኣቲ ስርዓት ሓለፋታት ስለ ዘለዎም በዚ ጉዳይ ዝሽገሩን ዝሳቀዩን ኣይኮኑን፡ ነዚ ሽግር ናይ ህዝብና ተረዲኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ዝብሉ፡ ተገልቢጦም “ቁጠባና ይምሓየሽ ኣሎ፡ መጠን ሸርፊ እንተ ጎዲለ ከኣ ጉድለት መንግስትና ዝብልዎ ኣብ ክንዲ ምእራም ወያነ፡ ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳ ቀኒኦምልና ተጻቢኦምና ኪብሉ ይስምዑ ኣለዉ።  ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎ፡ ገደብ ዘይብሉ ምዝመዛ ናይ ጉልበት ዝለመደ ስርዓት፡ ነቲ ግሩህ ህዝቢ ኣታሊሉ፡ ዘጥረዮ ገንዘብ ኣሲርዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ካብ ደቁን ቤተሰቡን ዝልኣኸሉ ገንዘብ እዉን ከይተረፈ፡ ብማልጣ ይራስዮ ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኢደይ ኢድካ ኢልካ፡ ሃገርካ ካብ መግዛእቲ ሓራ ዝገበርካ፡ ሕጂዉ ኣቲ ፍታሕ ኣብ ኢድካ ኢዩ ዘሎ።

ምልካዊ ስርዓት ንባዕሉ ኣብ ብሕታዊ ክፋል ብሽርክነት ተዋፊሩ ኣብ ህንጻ ኣባይትን ካልእን፡ ኣብ መጓዓዝያ፡ ኣብ ዘይትን ሓርጭን ምስፋ ከይተረፈ ተዋፊሩ ንባዕሉ ቀረጽ ዘየከፈል፡ ብምስምስ ቀረጽ ክንደይ ዱኳናት ከም ዝዓሸገን ዘማዒ ዘይረኸበ ኣውያት ነጋዶ ኤርትራ ካብ’ቲ ወግሐ ጸብሐ ኣዋጃት ዕዳጋ ዝቀያየር ባህርያት ምልኪ’ዩ። ሕሉፍ ሓሊፍዎስ ነጋዶ ጽዒሮም ደኺሞ በቲ ምልካዊ ስርዓት ተኣዚዞም ኣብ ባንክ ዘቀመጥዎ ገንዘብ ከውጽእዎ እንተኾይኖም፡ ምስ መኽሰቡ ንባንክ ክመልስዎ እንተዘይኮኑ ቅርሺ/ባጤራ ከውጽኡ ከም ዘይፍቀድ ዝገበሮ ንክልተ ጉዳያት ዘመልክት’ዩ። ቀዳማይ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ኣብ ሃገር ኤርትራ ባጤራ ስለ ዝተሳእነ፡ ሓደ ነጋዳይ ካብ ባንክ ገንዘብ ኣውጺኡ ኣብ ዕዳጋ ዝረኸቦ መኽሰብ ለካኺሙ ነቲ ስርዓት ምርካብ’ዩ። ካልኣይ ኣብ’ቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ብዛዕባ ምቅያር ቅርሽ ናቕፋ ብምእዋጅ ኣብ ኤርትራ ኣላ ትበሃል ቅርሺ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክትኣቱ ዝተገብረ ተንኰል ዝመሳሰል ሕጂ ከኣ ገንዘብ ወሲድኩም ምስ መኽሰቡ ትመልስዎ ዝብል ኣበሃህላ ነቲ ተሪፈን ኣብ ዕዳጋ ዝዅብልላ ዘለዋ ናቅፋ ሓንሳብን ንሓዋሩ ኣብ ኢዱ ንኽኣትወን ዝሓለነ ከይኮነ ዘይተርፍ’ዩ።

ዳዊት.ሰ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top