skip to Main Content
Menu
ክብርታት ደላይ ሰላምን ፍትሕን ካበይ ይምንጩ

ክብርታት ደላይ ሰላምን ፍትሕን ካበይ ይምንጩ

 ክብርታት ደላይ ሰላምን ፍትሕን ካበይ ይምንጩ

ደቂ ሰባት ንምንባሮም ኣብ መሰረታዊ ነገር ክሓስቡ፡ ሓሳቦም ክገልጹ፡ መርገጽ ክወስዱ፡ ድሌቶም ክዕወት ክቃለሱ ሙሉእ መሰል ኣለዎም። መሰረታዊ መሰል ሰባት ከኣ ዝኾነ ይኹን ደልዩ ዝህቦምን ዝከልኦም ዘይኮነስ ሰብኣዊ መሰላቶም’ዩ። ዓለምና እንዳሰልጠነት፡ ህዝባ ፍልጠንት ተሞክሮን ዝረኽበሉ፡ ርክባቱን ዝምድናታቱን ዘደልድለሉ ዕድላት እንዳበዝሐን እንዳሰፍሐ ብዝኸደ መጠን ፍልልያት ከኣ ሰማይ ዓረገ። እዚ ኩሉ ካብ’ቲ ድሌትን ሕልምን ደቂ ሰባት መሰረታዊ መሰላቱ ንምርግጋጽ ዝነቐለ’ዩ። ሰብ መሰሉ ተኸቢርሉ ንመሰላቱ ቆይሙሉ ዘሎ ሕግን ስርዓትን ኣቢሉ ንዕላማታቱ ከዕውት ዝመርጾም ኣገባብ ኣካይዳ፡ኣተሓሳስባ መስሩሑን ምስኡ ዝተእሳሰረ’ዩ። ኣብ’ዚ መዳይ ከኣ ሓደ ዕላማ ወይ ምዕረፊ ዘለዎ ጉዳይ ብዝተፈላልየ ውዳበን መልክዕን ኣተሓሳስባ ይስለፍ። እዚ ከኣ ካብ’ዚ ክቡርን ዘይጋሃስ መሰል ዝተበገሰ’ዩ።

ሰባት መሰላቶም ዝተሓለወሉ ኣቕዋም ወይ መሰረተ ሕጊ ንሓደ ንበይኑ ፍሉይ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ወገን ብፍሉይ ዘገልግል ክሳብ ዘይኮነ መሰል ብዘይሓላፍ ዘላፍ ንኩሉ ብማዕረ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክም’ዩ። ንፍሉይ ሓይሊ ወይ ሓሳብ ጥራሕ ዘግልግል መሰል ክህሉ ኣይክእልን እንተሃለወ ከኣ ውዱቕ፡ብዓመጽን ምልክን ዝካየድ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።

ነዚ ሓደኣዊ መሰል ዝከላኸል ተሞክሮ ኣብ ህዝብና እንተሎ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንዕላማታቱ ክውን ንምግባር ንኩሉ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኣተሓሳስባ፡ ኣገባብ፡ ውዳበ፡ ፍልልያት፡ ብዙሕነት ወጊዱ ጥራሕ ዘይኮነ ብቃጻን ጽልእን፡ ከይዱ ከይዱስ ብሓይሊ ዝኣስርን ዝቅጥቅጥን ምልካዊ ባህርይ ዘለዎ’ዩ።

መሰላት ሰባት ክረጋገጹ ክዕወቱን ብማዕረ፡ ብደሞክራሲ መሰል ንዘፍቀደ ህዝባዊ ሕጊ ወይ ቅዋም ተማእዚዝካ ምኻድ’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ ንመሰልካ ትኸፍሎ ዋጋን ትወስዶ ሓላፍነት ዓብይን ከቢድን ዝኸውን። መሰልካ ክሕሎ፡ መሰልካ ክኽበር ተሰጊሮም ክሓሉፉ ዘይግባእ ብሕጊ መሰል ካልኦት ምኽባር ኣካል’ቲ ንመሰልካ ንምርግጋጽ ክትኸዶ ዘሎካ ግቡእ’ዩ።መሰል ብዘይ ግቡእን ግደታን ኣይሰርሕን’ዩ። መሰል ብዘይምክብባርን ሓልዮትን ኣይሰርሕን’ዩ።

እቶም ክኽበሩ ኣለዎም ዝብሃሉ መሰላት ዜጋታት እንታይ ክመስሉ ይኽእሉ፡ ኣብ ዝተፈላልየ ሃገራት ብዝተፈላልየ ተሞክሮታት ህላወን ዝቆመ ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ ኣብ’ቲ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ብማዕረ ኣብ ሕጊ ብዘስፈርዎ መሰል ብዝምልከት ክኸውን ይኽእል። ግን ንሱ ጥራሕ ኣኻሊ ኣይኮነን፡ ብሕጊ ምቕያድን ጽልእን ቅርሕንትን ወጊድካ’ ምበር። ሕጊ ወይ ቅዋም ንስለ ዝተሓንጸጸ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ተተኺሉ ዘሎ ሕጊ ብቅንዕና፡ ብግሉጽነት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብ ምክብባር ዝተሞርኮሰ ሓባራዊ ስርሓት ዝተጸምደ መደባት ዘዘውትር ኣብ መወዳእታ ከም ሓንቲ ማዕዶ ዝተጠርነፈ ሓያል ስጡም ሓድነት ዘለዎ ሃገር ህዝቢ ምስ ዝህልዎ’ዩ።

ክብረታት ወይ ምክብባር ሓደ ህዝቢ ከኣ ካብ’ዚ ዓይነት ኣካይዳ ዝፍልፍልን ዝምንጩን ይኸውን። ሓደ ባእታ ማሕበር፡ ሰልፊ ወይ ውድብ ምንጪ ክብርታቶም፡ ካብ’ቲ ንሳቶም ዘለዎም ኣረኣእያ ኣተሓሳስባ መሰረትን መበገስን ዝርእይዎ’ኳ እንተኾነ፡ ልዕሊ ኩሉ ካብ’ቲ ካልኦት ፍልይ ዝበለ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ብጾቶም ዘርእይዎ ኣኽብሮትን ኣተሓሕዛን ዝምድናታትን ተግባራዊ ሚዛኑ’ዩ ዝዕቐን። እዚ ኣብ ዝኾነሉ ከኣ ዓጸፋ ክብርን ሓይልን ተቀባልነትን ክረኽበሉ ዘኽእሎም ዓብይ ስትራጂካውን ሜላውን ኣተሓሕዛ መሰል ማለት’ዩ።

ምንጭታት ፈልፋሊ ክብርታት ህዝብና ኣብ እንካን ሃባን፡ ዘተን ልዝብን፡ ቅንዕናን ግሉጽነትን፡ ማዕርነት ተሳታፍነት፡ ከይተገዳዳዕካ ብምድግጋፍ ኣብ ተካይዶ ሓባራዊ ስርሓት ዝተመስረተ ፍሉይ መርኣያ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ክህሉ ዝኽእል ኣተሓሳስባ ከኣ ምስ ኩሉ ፍልልያቱ፡ ክሰርሕ ክኽእል ንዘተዋህቦ መሰል መሰል ዜጋታቱ ዘይሃስን ኣብ ሓደጋ ዘይእቱን፡ ዘቀራርብ ኣብ ሓባራዊ ስርሓት ከጽምድ ዝኽእል ሓድሽ ሓድነታዊ ኩነታት ዝፈጥር ኣረኣእያታት ዝተዓብለለ ምስ ዝከውን ጥራሕ’ዩ።

መሰለይ ምስ’ቲ ካልእ መሰላት ብኸመይ ተኸቢራ ክትዓቢ ክትስስን ትኽእል ስትራተጂካዊ ጠመተን ራእይ ኣተሓሳስባ ዘይብሉ ክህሉ ኣይክእልን፡ እሞ እዚ እንተሃልዩ ከኣ’ዩ ካብ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ክፈልየና ዝኽእልን ንምልኪ ክንስዕሮ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል ንብሎ። ግን እዚ ኣተሓሳባ ኣሎ ድዩ? ዘየልቦ እንተኾነ’ኸ ከመይ ንግበር ዝብል ቀንዲ መበገሲ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ኣርእስቲ’ዩ።

ምንባር፡እምነት፡ምሕሳብ፡ ምጽሓፍ ወዘተ ወዘተ ጽንፊ መሰረታዊ መሰል ክብሪ ደቂ ሰባት ኣብ ኤርትራ ከም ዜጋታት ካብ ዝተባህለ ብድሕሪኡ ከመጽእ ዝኽእል መሰላት ብዓሌት፡ ብሃይማኖት፡ ብኣውራጃ፡ ብወለዶታት ከፋፊልካ ዝረአ ኣይኮነን። እዚ ዓይነት ኣተሓሳባ ክውገድ ይግባእ። ሓደ ዜጋ ብዓሌቱ፡ ብእምነቱ ብመርገጹ ወዘተ ክኾርዕ የብሉን ኣይኮነን፡ እምነቱ፡ ማሕበራዊ ይኹን ብሄራዊ ኣቛውምኡ መርገጹ ምስ’ቲ ካልእ ካብ ናቱ ፍሉይ ዝበለ መሰላት ከመይ ተቓድዩ ብሓባር ክሰርሕ ክግበሮ ይሓስብን ይሰርሕን’ዩ እቲ ሕቶ። ኣብ’ዚ ደረጃ እንተተበጺሑ ከኣ ሓባራዊ ስርሓት ምድግጋፍን ብዓብዩ ምክብባር ግብራዊ መልሲ ረኺቡ ንምልኪ ንምእላይ ኣብ ስራሕ ይዋፈር፡ ዕድመ ስቓይ ህዝብን ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ከም ዝሓጽር ይገብር፡ ውህደት ሓድነት ሰላም ራህዋ ንምርግጋእ መንገዲ ይፈጥር።

ምክብባር ብክልተ መንገዲ ከዕውተና ይኽእል። ቀዳማይ ነቲ መሰል ኣብ ማእከል ካልኦት መሰላት ዘዋስእ ተቐባልነት ዝርከበሉ ዘኽእል ክኸውን’ንከሎ፡ በቲ ካልኣይ መዳይ ዝድምናታት መሰል ዝሓቁፎ ዕብየቱን ስፍሓቱን ክዓቢ ይኽእል። ምትሕግጋዝ ይበዝሕ ሓድነት ይድልድ ዓወት ይቅልጥፍ፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ይረጋገጽ።

 

ዜና ሓበሬታን

ሰዲህኤ

1 መስከረም 2018

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top