Main Menu

ውህደት

 ውህደት
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባረበር 


ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት ከመይ ቀኒኹም፤ሎም-ዘበን እዋን ሓድነት፣ሲኒት ዝጽዋዓሉ፣ምትሕንፋጽ፣ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ደታ ተኻይዱ፣ከምኡ በቢ ዓይኖቶም ፈስቲቫላትን፣ናይ ሙሁራት ኣካላት ሰሚናራትን ዝካየደሉ፣ናይ ሰለስተ ውድባት ዝነበሩ፣ዝነቦሮም ውድብን ምንቅስቓስን አሕቂቖም/ኣፍሪሶም ውልቀ ሓርበኛታት ዝተሓወስዎም ብመስራቲ-ጉባኤ ኣቢሎም፣ሓዲሽ ኣጋባብ ብምኽታል ሰልፊ ዘይኮነ፣ምንቅስቓስ ዘይኮነ፡ናይ ዝተፋላለየ ራኢታት ተዋሃሂዱ ሓደ ሃገራዊን ፍትሓዉን ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰረቱ፣ልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ዝሓረጉ፣ክስርሑ ዘለዎም ቀዳምነታት ዝሰርዕ፣ሮድማፕ ዝክተል፣ኑጹርን ውድዓዉን ውድባዊ ፕሮግራም ዝሰርዐ፣ንዘውጽኦ ሕጊ ዘኽብርን ዝትርጉሙን፣ሓድነት ናይ ሙሉእ ደምበ ፍትሒ ንምምጻእ ዝጽዕር፣ሓድነት ንደሞክራስያዊ ለውጢ(ሓ.ደ.ለ)፣እዉን ጉባኤኡ ኣሳላሲሉ ውድባዊ ቅርጺ ንምሓዝ ኣብ ስራሕ ይርከብ።
እቲ ብዝያዳ ኣድህቦን ትጽቢትን ዝተነብረሉ፣ነቲ ሉሙድ ኣጋባብ ናይዘን ውድባት ምውሳእ፣ብጎድኒ ዓይኑ እናረኣየ፣ኣተኩሩኡ ነቲ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን በቢ ከተማኡን፣ሃገሩን፣ከባቢኡ/ዘቡኡ፡ኣብ ኣመሪካ፣ኤውሮጳ፣ ኣውስትራልያ ካልእን ዝተኻየደ ህዝባዊ ምልዓልን ዝተካናወነ ምምስራት ህዝባውያን ባይቶታት እዩ ዘሎ’ቲ ህሞት/ኩነታት፡፡
ህዝብና ነዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ዝካየዶን ዘካይዶ ዘሎ ዓይነት ኣጋባብ ውዳበ ትጽቢቱ ብጣዕሚ ዑዙዝ እዩ ነይሩን ዘሎን፡፡
መቸስ ከምቲ ልሙድ ኣሳራርሓ ናይ ደምበ ፍትሒ፣ንዝተኣኻኸብሉ ቅርጽን መደበ ስርሓትን፣ጠርኒፉ ክሕዘካ ዘኽእል ውሽጣዊ ሕጊ ኣብ ምንዳፍ ይርአ ኣሎ።እዚ ኣጋባብ ምኽታል ካብ ዘይተወደነን ሃንደበታዊ ተበግሶ ይኹን’ምበር፣ ዝተወስደ ስጉምቲ ብሰሪ’ቲ ውልቀ መላኺ ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎ፣ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ምስጣሕ፣ንልእላውነት ሃገር ምጥሓስ፣ንሓድነት ህዝቢ ምዝራግ ዝተላዕለ ዝቐረበ  እምበይታን ይኣክል ንግዝኣተ ውልቀ መላኺ፡ጽዊዒት ንደምበ ፍትሒ ዝብል እዋናዊን ሙዑቡል ማዕብል ህዝቢ ምርኣዩ እዩ።
ዓለም በቶም ሕማቓት፣ወይ ብቕዓት ዘይብሎም ሰባት፣ዘይ-ኮነ ዝፈርሕ/ዝሰግ፣እንታይ’ድኣ በቶም ሕማቕ/ዘይጹቡቕ ክግበሩ ዘፍቅዱ እዩ ዝርዕድ።ይብል ኣልበርት አንስታይን።ስለዚ እዞም ስር ዓተ ውልቀ-መላኺ  ካብ ስሩ  ተበንቊሱ፣ስርዓተ ፍትሒን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕጊን ክትካእ ኣለዎ ኢሎም ዝቃለውሱን ተኣኪቦም መስርዐ ውደበ ከትሕዙ ዝፍትኑ፣እቶም ተወዲቦም ጸኒሖም ምትሕድዳስ ከተኣታተዉ ዝማጣጠሩ ብጣዕሚ ጥንቃቐ ኣብ ኣዋዳድባን ቅርጻን ዘለዎ ስእሊ/ፕሮጀክት መርሆ ፕላን  ክህልወና ይግባእ፡፡
ታሪኽን እቲ ዝሓለፈ ተምክሮን ኣዋዳድባና፣ዝሓለፈ ኣጋባብ ኣሳራርሓና ዓቢ ተምክሮ ኮይንና፣ ናይ በሓቂ ዲሞክራስያዊን ፍትሓውን ኣጋባብ፣ኩሉ ግዜ ኣብ ቕድሜና ጎሊሑ ክርአን፡ንስርዓተ ሕጊ ከነኽብርን ብዝያዳ ክኣ ናጽነት ውልቀ ዜጋና ዝሓለወ፣መሰልን ህዝብና ማእከል ዝገበረ ክኸዉን፡ውጥን ስትራተጂ ክህልወና ይግባእ፡፡
ኣብ ምልዓል ኣንጻር ምልኪ፣ ዋላ ዘይተወደነ ህዝባዊ ተበግሶ ኣድማዒ ታራ ክጻወት ከም ዝኽእል ዘይካሓድ ይኹን’ምበር፣ምልኪ ክስዓረሉ/ክወድቀሉ ዝኽእል ኣድማዒ ኣጋባባት ምልላይ፣ነቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ብስለትን ህዝባዊ ስሚዒትን ምምዛንን ከምኡ’ውን ጎስጓስት ክግበረሉ ዝኽእል መገዲ ምጽናዕ ኣገዳሲ እዩ፡፡
ጥንቁቑን ክውንነታዉን ገምጋም፣ብዛዕባ ህልዊ ኩነታትን፣ዓቕሚ ሕብረተሰብን ምምዛን፡ሓርነት ክጨብጥ ዝኽእል ኣድማዒ ኣማራርጽታት ኣብ ምልላይ ሓጋዚ/ኣጋዳሲን እዩ፡፡
ሓደ ነገር፣መደብ ከዐዉት ዝደሉኢ ሰብ፣ንጉዳዩ ብኸመይ ከም-ዘዐውቶ ብውሕልነት ክውጥን ይግባእ።እቲ ክጭበጥ ዝድለ ዘሎ ዕላማ ኣገዳሲ ምስ ዝኸዉን፣ውይ ድማ ሳዕቤን ናይ ፍሽለቱ ሓደገኛ እንተኾይኑ፣ውጥን ዑዙዝ ኣገዳስነት ይህልዎ።”ብስትራተጃዊ ውጥን’’ ዝምራሕ መደበ ፡ውድብ፣ምንቅስቓስ፣ህዝባውያን-ውድባት፣
ከም ይኣክል ምንቅስቓሳት፣ ዘሎ ዘበለ፣ንዋት፣ዓቕሚ-ሰባት፣ፍልጠትን ብኣድማዕነት ንኽጥቀምሉ ሰፊሕ ዕድል ይፍጠር።
‘’ ምሕንጻጽ ስትራተጂ’’ ክብሃል እንከሎ፣ሓደ ዕዮ ካብቲ ዘለዎ ህልዊ ኩነታት ናብ’ቲ ናይ መወዳእታ መዓልቦኡ ክበጽሑ ዝኽእል ተኽእሎ ምቕማር፣ማለት እዩ።እዚ ማለት ድማ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ማለት እዩ፡፡
እቲ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ መሰረታዊ ነገር፣እቲ ዕላማ ነቲ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ምልጋስ ጥራይ ዘይኮነስ መተካእትኡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እዩ።
እቲ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ መሰረታዊ ነገር፣እቲ ዕላማ ነቲ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ምልጋስ ጥራይ ዘይኮነ፣ መተካእትኡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እዩ።እዚ ንምትግባር ብቐዳምነት ንሕና ኩላትና እዞም ኣብ ደምበ ፍትሒ እንዋሳእ፡ኣብቲ እንርከበሉ ምትእኽኻባት ውድባት ምንቅስቓሳት ካብ ሰውነትና ጀሚርና ዲሞክራስያውያን ክንከዉን ኣብቲ እንዋሳኣሉ ባይታ ዲሞክራስያዊን ፍትሓዉያንን፣ንግዝኣተ-ሕጊ ክነግስን/ክሰርጽን ኣበርቲዕካ ምስራሕ እዩ ዝግባኣናን ዘሎናን።
ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ሓደ ሕብረተሰብ ንዘይፍትሓዉያን ሕግታትን ፕሊስታትን ናይ መብራሕቱ እንተ ተቃሊዑን፣መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላቱ ከኣ ኣብ ሓደጋ እንተ ወዲቖምን፣ካብዚ ሓደጋን ዘይፍትሓዊ ኩነታትን ሓራ ንኽወጽእ ብዝተፋላለየ መገዲ ቃልሲ ምክያዱ ባህርያውን ዘይተፍን ተርእዮ ይኸዉን። ስለዚ ኩቡራት ተኻታተልቲ ወብ-ሳይታት እዚ እንርእዮን እንዕዞቦን እንዋስኦን ዞሎና ዓይነት ምንቅስቓስ ከምቲ ዝደልዮን ዝግብኦን’ዩ ይኸይድ የሎን ዝብል ትዕዝቲ ኢና በጺሕና።ብወገንኩም’ከ እንታይ ትዕዝብቲ አለኩም??
እንተ ደኣ ብጉቡእ መስርዑ ዘሓዘን ድልይት ህዝብን፡ሕልሚ ሓድነትን ተዋሃሂድካ ምስራሕ ዘይተኻኢሉ እቲ ጸገም እቲ ሒዝናዮ ዝመጻእና ኣጋባብን ኣብኡ ተለዊስና መውጽኢ ዝሳኣና ዕንኲሊል ንብል ዘሎና ኾይኑ’ዶ ኣይስምዓኩምን??
ንናጽነት ዝስውእ/ዝብጅው፣ንውሕስነት/ርእሰተ-ኣማምነት ክረክብ ንምባል፣ኣብ መጠረሽታ ንኽሊቲኤን የጥፍአን፡ይብል በንጃም ፍርንኪን(1706-1790)፣ስለዚ እቲ ቀንዲ ናጽነት ወዲሰብን ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ምዃኑ ተረዲእና ጡንቁቓትን ትኩራትን ንቑሓትን ክንከዉን ይግባእ።
ብወገና እንርእዮ እንዕዞቦን ዘሎና ቡዙሕ ሽሓጣዊ-ፖለቲክኘነት/ደማጎግነት፣ካብኡ ሓሊፉ (retrograde)ንድሕሪት ኣንፈት ዝሓዘን ነቲ ልሙድ ኣጋባብ ሓድነት ምስጋር ሲኢኑ፡ሓድሽን ምዑቡሉን ሱሉጡን፣ ኣብ መጽናዕቲ ዝተሰነደ ስትራተጂ ዘይክተል ኮይኑ ይስማዓና፤ብወገን ተካታተልቲ ወይብ-ሳይታት’ከ እንታይ ትብሉ? ስለምንታይስ እቶም ንህዝቦም ፖለቲካዊ ሓርሓት ከጓናጽፉ ራእይ ዘለዎም ሰባት፣ንመደቦም ከዐውት ዝኽእል ኣጣቓላሊ ስትራተጅካዊ ውጥን መብዛሕትኡ ግዜ ኣይዳልዉን፣እንተ ተዳለወ ዉን ዕንቅፋት ይረኽቡን ይጉተቱን፡እዚ ክኣ ንቕሓትና ትሑት ቁሩቡነትና ዘይምሉእ ምዃኑ እዩ ዝርኣየና፡፡
ከም ዝፍለጥ ተባላሕነትን ብሩህ ኣታሓሳስባን ኣገደስቲ’ኳ እንተኾኑ፣ስትራተጂካዊ ረብሓ ናይ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ንምድንፋዕ ብውሕልነት ክስርሓሎም ይግባእ፡፡
ኣብ ሓርነታዊ ቃልስታት፣ኣጣቓላሊ ስትራተጅካዊ ውጥን ብዙሕ ግዜ ስለ ዘይስርሓሉ፣መለኽቲ ካብቲ ክጸንሕዎ ዝግብኦም ንላዕሊ ኣብ ስልጣን ይጸንሑ፡ንነዊሕ ዓመተት ድማ ይቕጽሉ።ልክዕ ከምዚ ናይ ውልቀ መላኺ ስርዓተ ኣስመራ ኣብ ሕምቀትናን ድኽመትናን ቁጭ ኢሉ/ተኾዲሙ ዝነብር ዘሎ፡፡
ኣብ መደምደምታ ስትራተጂ ኣብ ዝሕንጸጸሉ-እዋን፣ዲሞክራስያውያን ንዕላማታቶም ብኑጹር ክብርህዎ ይግባእ።እቲ ዕማማትት ብሩሁን ትንቱንን ምስ ዝኸዉን ነፍሲ-ወከፍ ዕላማ ክትግበረሉ ዘኽእል መምዘንታት ንኸፈለጡ ይሕግዞም።ከምዚ ዓይነት ንጹርነት ኣብ ስልታዊ ውጥን’ውን ኣገዳሲ እዩ።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ነዊሕ ክዝረብን ክትንተንን ይካኣል ምዃኑ እናተረደኣና፣ኣብ ኣሳራርሓና ድኽመት፡ኣብ ኣዋዳድባና ናይ ደሞክራስያዊ መገዲ ሕጽረት ከምዞሎ ኮይኑ ይርኣየና ምህላዉ ንሕብር፡፡እቲ ምንታይስ ውህደት
ሲኒት ኣይርኣይን፤ናይ ልዝብ ኣጋባብ ኣይክተልን፡ኣብ ናተይ ይበልጽ ተጸሚድካ፣ጉጅለይ ጉጅለኻ፣ጎጀይ ጎጃኻ፣ ንምዕባይ ንምጥጣሕ ዝመስል ጉዕዞ ንዕዘብ ስለ ዘሎና፤ካብኡ እንወጸሉን መስርሕ ሓድነትን ሓቢርካ እትሰርሓሉ ባይታ ጌና ኣብ ምንዳይ ዘሎና ኮይኑ ስለ ዝርኣየና፡፡
ኣብ መደምደምታ ምሕጽንቶና ኩሉ ዝሓለፈ ተምክሮ ሓድነታት ፍሪኡ ኑኡስ ካብ ኮነ፣ኩለን ተጠርኒፈን ዝንቃሳቐሳ ህዝባውያን ውድባትን፣ስቪካውያን ማሕበርት፣ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳት፣ሰልፍታት፣ውድባት፣ ሞያውያን ማሕበራት ወዘት አቃራረብቲ ሽማግለታት መሪጾም ተራኺበን ናይ ሰፊሕ ሓድነታዊ ባይታ ዝፍጠረሉ ልዝብ/ዝርርብን መጽናዕትን ብምግባር ንኩሉ ህዝቢ ክሳተፈሉ ዝኽእል መስርሕ ምስ ዝካየድ ውህደት ሲኒት ይመጽእን፣ሓበራዊ መስርሕ ዲሞክራሲ ይኽፈትን፣ልእላውነት ሃገር ከይፈርስ ይብድህን፣ሓድነት ህዝቢ ይጥንክርን፡ኣብ ዲያስፖራን ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ንፍትሒ ዝቃለሱ ዚጋታትና ይሳራጨውን(network)ስርዓተመርበብ ይኽፈቱን፡ዝብል እምነትና ደጊምና ንምትግባሩ ዓው ኢልና ለበዋን ነቕርብ፡፡
ሕጂ’ውን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር
ኣቕረብቲ
ፍትዊ ክፍለ
ብዙ ቡቱኞሊ






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *