skip to Main Content
Menu
ውሕልና ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ (ብሓጺር መግለጺ)

ውሕልና ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ (ብሓጺር መግለጺ)

ውሕልና ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ (ብሓጺር መግለጺ)

ክፍሊ ዜና ሓበሬታ ሰዲህኤ

 

ውሕልና ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓለፉን ግዚያዊ ፖለቲካዊ ተርእዮታት ዝተጓዕጸጸ እንተዀነስ፡ ንመሰረት ኣመጻጽኣ ታሪኽና ክቅይሮ ስለ ዘይክኣል ከም ሓደ ጸጸኒሑ ዝተፍእ እሳተጎመራ ጸጸኒሑ ክውላዕ ዝረአ በዚ እዋን’ዚ ክጠፍእ’ዩ ክድምሰስ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ልክዕ ንምጥፍኡን ንምድምሳሱን ይትረፍ ካልኦት ህግዲፍ’ኳ ክንደይ ጻዕርታት ኣካይዱ ኣይሰመረሉን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልምዓትን ቁጠባዊ ዕብየት ንዝሓለፎ ነዊሕ መዋእል ብፍላይ በቲ ሓድሽ ወለዶ፡ ብድሑር ኣገባብ ናውትን፡ ድሑር ኣገባብ ማእቶት ዝግለጽ ገዛእ ርእሱ ኣብ ከባቢና በቲ መዋእል ዝሓሸን ዝበለጸን መሰረት ዝነበሮ ሕብረተ ሰብ’ዩ። ይኹን’ምበር ሓድሽ ወለዶ ኤርትራ ነቲ ውሕሉል ታሪኽ ብድሑር ናውቲ ማእቶትን፡ ኣገባብ ማእቶት ክገልጽ ከሎ ቀጺሉ ንባዕዲ ይኸስስ። ምእንቲ’ዚ ውሕልና ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ንኸይዓብን ከይምዕብልን ህዝብና ዘይኮነስ ባዕዳውያን ገዛእትን ፖለቲካዊ ምሕደራኦምን ዝስከምዎ ሓላፍነት’ዩ ክኸውን ዝግብኦ። ይኹን’ምበር ኣብ መዓልታዊ ዕላል ዘረባ ክትዕ ዘተ ኣስተምህሮ ኤርትራውያን ነቲ መሰረታውን ቀንድ ውሕልና ታሪኽ ኣብ ኣተሓሕዛኡ፡ ኣካይዳ ማሕበራዊ ናብራ፡ ተክኒካዊ ጸጋማቱ ኣብ ምፍታሕ ዓብይ ግድል ዝሓለፈ ውሕልና ታሪኽ፡ ክሳብ እዚ ሓድሽ ወለዶ ዝተጥቀመሉን መተካእታ ዘየምጽኣሉን ኣገባብን ወግዕን ዝሕመን፡ ዝነኣስን፡ ዝውቀስን’ውን ክኸውን ኣይግብኦን። ክሕመን፡ክነኣኣስን፡ ክውቐስን እንተደኣ ኮይኑ ከኣ እዚ ሓድሽ ወለዶ ብዝተኣማምን ባህላዊ መሃዝነት እሞ ኣብ ሃገርና ብተግባር ክሰርሓሉ ዝኽእል፡ ንልምዓትን ንናብዮት ማሕበራዊ ናብራ ሓድሽ ኣገባብ ማእቶት፡ ናውቲ ማእቶት ሓድሽ ምሕደራ ክፈጥር ይግባእ። እሞ እስከ ዕብየት ቀዳሞት ኣቦታትና ንረአ።

ሕግን ፍትሕን

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላልየ መዋእል ህዝቢ ቅድሚ ኣስታት 550 ዓመታት ኣትሒዙ ኣዝዩ ምዕቡል ዝኾነ ቅጥዕን ስነ ስርዓትን ባህሊ ቀሪጹ ዘቆመ ሕብረተ ሰብ፡ ዘዅርዕ ሕብረተ ሰብ ከም ዘለና ክረሳዕ ዘይብሉ ቀንዲ ማእከል ክብርናን ባህልናን’ዩ። ማይ ቤት፡እንዳ፡ ዓዲ፡ወረዳ፡ ባይቶ፡ ኣውራጃ በዚ መስርዕ ዝጸንሓና ታሪኽ ቁም ነገር ኣቦታትና ኣዝዩ ዘኵርዓናን’ዩ። ሕግን ፍትሕን እንዳባ ኤርትራ ብሓፈሻ ዘዅርዕ ውሕልና ታሪኽ ውርሻ ሓድሽ ወለዶታት ኤርትራ’ውን’ዩ። ዴሳ መሬት፡ዕርቒ ኣብ መንጎ ኣሕዋት፡ ሽም ዓዲ፡ ምስሌነ፡ጭቓ ዓዲ፡ ባይቶ፡ ሕዛእቲ፡ግራት ሩባ፡ ብስምምዕ ብሕጊ ዝውስነ ገደብ፡ መሰልን ግቡእን ዝውስን ካብ ቀንዲ መሳጢ ሕግን ፍትሕን እንዳባ ኤርትራውያን’ዩ፡ ኣብ ገገለ መተካእታ ዘይብሉ ምዕሩይን ፍትሓውን’ዩ። ይትረፍ ኤርትራውያንስ ወጻእተኛታት ብሕጊ እንዳባ ኤርትራ ተወኪሶም ኣብ ዝለዓለ ዩኒቨርሲቲታት ዘቅረብዎ መጽናዕቲ ጽሑፍ መሰረት’ኳ ተሰምየምሉን ተመሪቆምሉን’ዮም።

ካብ’ቲ ዝገርም ኣብ ታሪኽ ባዕዳዊ ምሕደራ ንኤርትራ ብጎንጽ እንተዘይኮይኑስ፡ ህዝብና ብመትካእታ ወይ ብምርጫ ዝተቀበሎም ምምሕዳር ግዝኣት ከም ዘይነበረ ታሪኽ ትማልን ሎሚን እዩ። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ባዕዳውያን ገዛእቲ ንሕጊ እንዳባ ኤርትራ ኣኽቢሮም፡ ንምምሕዳራት ወረዳ ይኹን ኣውራጃ ከይተንኸፉ ክኸዱ ዝመረጹ። እዚ ዘመስክሮ ከኣ ጣልያን፡እንግሊዝ፡ንጉስ ሃይለስላሴ፡ደርግ ወዘተ ቆፎ ንህቢ ከይተንከፍካ መዓር ምብርባር መስመር ምንባሩ’ዩ። ልክዕ ህዝቢ ኤርትራ ውሽታዊ ጉዳያቱ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ባዕዲ ብሕጊ እንዳባን ብስርዓት ክዳነይ ዝጸንሓሉ መዋእል ዘረጋግጾ’ዩ። ህግዲፍ’ውንኳ ነታ ዘይትስገር ሕጊ እንዳ’ባ ኤርትራ ክሳብ ትጥዕሞ ክዋጥየላ ዘይተራእየ ኣይኮነን። ስልጣኑ ምስ ኣደልደለ ሓደ ሸነኽ፡ ደቅና’ዮም ዝበለ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦም እምነት ክሳብ ዝኸድዑ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ከይዶም ሰጕሞምን እዮም። ከፍርስዎ ፈቲኖም ህዝቢ ከኣ ክሳብ ሕጂ ይቃለሶም ምህላዉ ትሪ ስርዓትን ሕግን ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ሓያል ምኳኑ ዘርኢ እኹል ምስክርነት’ዩ።     

እቶት ንምኽዕባት ተክኒካዊ ዕብይት መሃዝነት ኣቦታትና ኣደታትና

ትሕዝቶ ንምስሳን ማለት ማእቶት ክብ ንምባል፡ ስድራ ቤት ካብ ዓመት ንዓመት ብዘይገለ ስክፍታ ንምንባይ፡ ካብ ቀደም ጥንቲ ኣቦታትና ንመዓልታዊ ስርሓቶም ብዘሳልጠሎም መንገዲ ብዙሓት ስርሓት ሰርሖም እዮም። ኣቦታትና ከባቢኦም ካብ ቆጥቋት ንግራት ብምቕያር ከባቢኦም ተቆጻጺሮም ቆዋሚ ቦታትታት ሕርሻ ክገብሩ በቒዖም። ንዝተቆጻጸርዎ ቦታ ፍርያት ክረኽብሉ ካልእ ተወሳኺ ስርሓት፡ ጻዕሪ፡ መሃዝነት ስለ ዘድለዮም ከኣ ብዘርኽብዎ ውድዕ ከም ቆርበት፡ ገረብ፡ ዓጽሚ፡ ሓመድ መሳሊ ተበላሒቶም፡ ናውቲ ምሂዞም ይሰርሑ። ኣብ ማእቶት ብዝያዳ ከም ዝረብሑ ቅልጡፍ ዝኾነ ኣገባብ ክጥቀሙ’ውን ሓጊዝዎም።

ካብ ገረብ ጸሪቦም፡ ኣርዑት፡ነዊት፡ ዕርፊ ወዘተ፡ ገመድ፡ ሰኪዔት ወዘተ ኣፍርዮም። ካብ ሓመድ ሓጺን መሓረሻ፡ ጎዘሞ፡ ፋስ፡ ካራ፡ መብረድ ኣፍርዮም። ብዘካይድዎ ዘይሕለል ጻዕሪ ነቲ ጥንታዊ ናውቲ ማእቶት ንሓድሽ ናውቲ ማእቶት ቀይሮም ክውንኑ በቒዖም። ፍግረ መሬት ንምክልኻል ደረት ረቢቦም፡ ኣግራብ ተኺሎም እዮም።

 ኣደታት ኣብ ዘቤታዊ ስርሓት ካብ ሓመድ ብዝማዕበለን ካብ ሓደጋ ዘድሕነን ኣብነት መጎጎ፡እቶን፡ ሞጕዲ፡ ሰተታ፡ ጻሕሊ መኾምቢያ ሰሪሐን፡ እዚ ከኣ ኣብ ግዜኡ ተክኒካዊ ጸግማት ዝፈትሐ ጸብለልትነት ዘለዎ ንባዕሉ ዘደንቕ ታሪኽ’ዩ። ኣብ’ቲ ግዜቲ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ክሳብ ሎሚ’ውን እንተኾነ ኣብ ደገ ስጋ ንምጥባስ ዝጥቀምሉ ኣገባብ ክፉት እቶን ብምዝማድ መጎጎ ዓድና ማዕረ ክንደይ ካብ ሓደጋ ትከላኸለሉ እርኑብ ምንባሩን ምህላውን ዘደንቕ ስርሓት’ዩ።

ምእንቲ’ዚ ኣቦታትና ኣደታትናን ኣብ ዘቤትን ግዳምን ንመዓልታዊ ናብራ ዕብየት ዝገብርዎ ኣስተዋጽኦ ብቀሊል ክግመት ዘይክእል ስርሓት ዝፈጸምሉ ታሪኽ’ዩ። ብሓቂ ፈላጣት ታሪኽ ኤርትራ ካብ’ዚ ንላዕሊ ክገልጽዎ ከም ዝኽእሉ ዘሎና እምነት ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፡ ንህዝብና ብዘጽንሓልና ውሕሉል ታሪኽ ኣብ ርእስና ክንስቅሎ ከንኽብሮ ከነሞግሶ ዝግብኣና። ነዚ ታሪኽ ኣኽቢርና ንምምዕባሉ እንተሰራሕና ከኣ ዝያዳ ክብሪ ንረክብ። ብዝተረፈ ዝሰራሕናዮ ዘይብልና በቲ ዝተገልጸ፡ ጉዳይ ነፍስና ዘይፈለጥና ድሑር ሕብረተ ሰብ እንዳበልና ክነብር ዘምጽኣልና ክብርን፡ንበጽሖ ዕብየት የብልናን።

ህዝብ ኤርትራ ብዘለዎ ዓቅምን ክእለትን፡ ኣገባብ ኣነባብራ ብዘየገድስ ብቀረባ ጸገማቱ ንምፍታሕ ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ፡ ኣብ ሂወት ዘለዎም ጠመተ ኣዝዩ ዝድነቕ’ዩ። ክምዕብል ኣለዎ ዶ ዝብሃል ብዘረባን ብምንኣኣኣስን ዘይኮን ብግብሪ እወ ክምዕብል ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኩሉ ክሰመማዕሉ ዝኽእልን ዝመስልን ዘረባ’ዩ።

ርክባትን ዝምድናታት ህዝባን

ህዝቢ ኤርትራ ብሰላም ክነብር’ዩ ዝደልን ዝመርጽን፡ ምኽንያቱ ብዘይካ ስእነት ሰላም ኩሉ ሃብቲ ስለ ዘለዎ። ከም’ዚ ሎሚ ኮይኮነ።ኩሉ ስለ ዝውንን ከኣ’ዩ ኣብ ከባቢኡ ዕግርግር ዝቅልቀልን ዝረኣይን። ህዝብና ዘይፈትዎ ጉዳይ ጭቆና፡ ዕግርግር ኵናትን ወረ ኵናት’ዩ፡ እዚ ኩነታት እንተዘየለን ክሳብ ዘይተጋህደን ከኣ ንኩሉ ሰማዒ ሰሰናዩ ዝስዕብ ዝኽእል ለዋህ ገርሀይና ህዝቢ’ዩ። ብታሪኹ ስለ ዝተኣማመን።

ኤርትራ ካብ ጥንቲ ብዘለዋ ጂኦግራፋዊ ኣቀማምጣ፡ እንተስ ብንግዲ፡ እንተሰ ንሓድሽ መጻኢ ሂወት ዝፍትሽ ነጋዳይ ይኹን ሕያዋይ ገያሻይ ተቀባሊትን መንእገዲትን ሃገር’ያ። ኣብ ኤርትራ ብሕጊ እንዳ’ባ ንመቀበል ጋሻ ብሕጊ ዝጸደቀ ውዕል ኣለዎ። ጋሻ ኣብ ኤርትራ ክቡር’ዩ፡ ዝኾአን ጋሻ ክሳብ ጎደቦ ናብ ካልእ ዓዲ ወይ ቁሸት ዝሳገር ብኽብረት ተቀቢሎም ብኽብረት ዘፋንዉ፡ ነቶ ኣጋይሽ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ምስኦም ዘለዎ መጽዓኛታት ኣድገ በቅሊ ከይተረፈ ኣሕዲሮም ኣዕንጊሎም ዘፋኑዉ ስርዓትን ህግን ዘለዎ ህዝቢ’ዩ። እዚ ከኣ ሓደ ብግዜኡ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ዝድምናታት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ’ዩ። እዚ ኣቀራርባን ዝድምናታት ግርህነትን ልዋሃትን ስለ ዝነበሮ ብዙሕ ኣብ ግዕዞ ሰላምዊ ሂወቱ ጎዲእዎ’ዩ።

ሎሚ ከኣ ገበል ምሕደራ ህግዲፍ ንክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ዕርቃኑ ኣውጺኡ፡ ዋጋ ዘይብሉ ህዝቢ ገይሩ ንወለዶታት ንምጽናት ጠንቂ ዝኾነ ስርዓት ብዘይካ ንባእስን ንጽልእን፡ ንዕርቅን ሰላም ዘይዕድም ህዝብና ምስ እዚ ኩሉ ክብርታቱ ዓይኒ ንዘለዎ ዝርኢ ዕውር፡ እዝኒ ንዘለዎ ንዝሰምዕ ጸማም፡ ንዝሓስብ ደንቆሮ ቀይርዎ ይርከብ።

እንተኾነ ብውሽጢ ይኹን ብግዳም ዝመጽእ ባዕዲ ንውሕልና ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክስዕረሉ ከጥፍኦን ዝኽእል መሃዝነት ክሳብ ዘይብሉ፡ ነቲ ንቡር ክቡር ባህሊ ኣብ ምምዕባሉ ከዳናጉን ይኽእል’ምበር ከቶ ነበረያ ነበረ ከም ዘየገብሮ ሎሚ ኣብየ ቦትኡ ዝርከብ ሓያል ኤርትራዊ ሕልና ድምጹ ከስምዕም ከም ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ እቲ ውርሻ ውሕልና ታሪኽ ዓደ’ቦ ኤርትራ ዘሕደሮ ሓያል ክብሪ ምትእስሳር’ምበር ካልእ ምስጢር የብሉን። ሓድነትን ምክብባርን ኤርትራውያን ከኣ ካብ’ዚ ሓድሕድ ምክብባር ዝመንጨወ ብኽብሪ ብሓይሊ ዘይግፍተን ማዕጾ፡ ዘይጉልበብ ዘይውንዘፍ መሰረት ኩሉ ኤርትራዊ ሰረት ኒሕን ቃልስን’ዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ብዘመናዊ ፖለቲካዊ ፍልስፍናን መግለጽን ክትርጎም እንከሎ ሓደ ደሞክራሲያዊ ትካል ኣብ ኤርትራ ኣንፈት ምንባሩ፡ ብሕጊ ባህልን፡ ምጣነ ሃብታዊ ትሕዝቶ ተክኒካዊ ዕብየትን ምስ ግዜኡ ማለት በቲ እዋኑ፡ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ተባሂሉ ክዝረበሉ ዝኽእል ሓቂ’ዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዘይሰጎመ ከኣ ከም’ቲ ዝተግልጸ ብዓብዩ መግዛእቲ፡ ሓድሽ ወለዶን ኣብ ነጻ ኤርትራ ዝሕተትሉ ይኸውን።

ኣብ መደምደምታ ከም ኣብ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ ትናወጽ መርከብ ዘይኮናስ ሓያል ዕፍሪት ታሪኽ ዘሎና ህዝብን ሃገርን ንኩነታትና ብሓድነትን ሰኒት ክንመዝን ዘክእለና ብዙሕ ሓባራዊ ረብሓን ጠቅሚ ህዝብናን ሃገርን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብ ትምክሕትን ፈኸራን ወጻኢ ብምክብባርን ስኒትን ንጎረባብቲ ሃገራት ሰጊሩ ዝባጻሕ ዝኽእል ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ክጠራጠርን ብኩነታት ርእሱ ኣድኒኑ ክኸይድ ዘይግብኦ ኵርዑን ክቡር ህዝቢ እዩ።

 

ዜናን ሓበሬታ ሰዲህኤ

5 ነሓሰ 2018

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top